| ፩. ነአምን በአሐዱ አምላክ እግዚአብሔር አብ አኃዜ ኵሉ ገባሬ ሰማያት ወምድር ዘያስተርኢ ወዘኢያስተርኢ። |
1. ኵሉ ብዝሓዘ ሰማይን ምድርን ዝርአን ዘይረአን ብዝፈጠረ ብሓደ ኣምላኽ ብእግዚኣብሔር ኣብ ንኣምን። |
1. We believe in one God the Father almighty, maker of heaven, earth and all things visible and invisible. |
| ፪. ወነአምን በአሐዱ እግዚእ ኢየሱስ ክርስቶስ ወልደ አብ ዋሕድ ዘህልው ምስሌሁ እምቅድመ ይትፈጠር ዓለም። |
2. ብሓደ ጐይታ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዓለም ከይተፈጥረ ምስኡ ህልው ብዝኾነ ወልደ ኣብ ዋሕድውን ንኣምን። |
2. And we believe in one Lord Jesus Christ, the only-begotten Son of the Father Who was with Him before the creation of the world. |
| ፫. ብርሃን ዘእምብርሃን፥ አምላክ ዘእም አምላክ፥ ዘበአማን ዘተወልደ ወአኮ ዘተገብረ፥ ዘዕሩይ ምስለ አብ በመለኮቱ። |
3. ካብ ብርሃን ዝተረኽበ ብርሃን፥ ካብ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝተረኽበ ኣምላኽ፥ ዝተወልደ እምበር ፍጡር ዘይኮነ፥ ብመለኮቱ ምስ ኣብ ማዕረ ዝኾነ። |
3. Light from light, true God from true God, begotten not made, of one essence with the Father. |
| ፬. ዘቦቱ ኵሉ ኮነ ወዘእንበሌሁሰ አልቦ ዘኮነ፥ ወኢምንትኒ ዘበሰማይኒ ወዘበምድርኒ። |
4. ኩሉ ብእኡ ዝተፈጥረ፥ ብዘይካኡ ግና ኣብዚ ምድሪ ዘሎ ይኹን ወይስ ኣብ ሰማይ ዘሎ ምንም ዝተፈጥረ የልቦን። |
4. By Whom all things were made, and without Him was not anything in heaven or earth made. |
| ፭. ወበእንተ መድኃኒትነ፥ ወረደ እምሰማያት፥ ተሰብአ ወተሠገወ እማርያም እምቅድስት ድንግል። |
5. ምእንታና ምእንቲ ሰብ ምእንቲ ድኅነትና፥ ካብ ሰማያት ዝወረደ፥ ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ ለበሰ፥ ሰብ ኮነ። |
5. Who for us men and for our salvation came down from heaven, was made man and was incarnate from the Holy Spirit and from the holy Virgin Mary. |
| ፮. ኮነ ብእሴ ወተሰቅለ በእንቲአነ በመዋዕለ ጲላጦስ ጴንጠናዊ። ሓመ ወሞተ ወተቀብረ፥ ወተንሥአ እሙታን፥ አመ ሣልስት ዕለት በከመ ጽሑፍ ውስተ ቅዱሳት መጻሕፍት። |
6. ሰብ ኮይኑ ድማ ብዘመን ጴንጤናዊ ጲላጦስ ምእንታና ተሰቕለ፥ ሓመመ፥ መከራ መስቀል ተቐበለ፥ ሞተ፥ ተቐብረ፥ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከም ዝተጻሕፈ፥ ኣብ መበል ሣልሳይ መዓልቲ ካብ ምዉታት ተፈልዩ ተንሥአ። |
6. Became man, was crucified for our sakes in the days of Pontius Pilate, suffered, died, was buried and rose from the dead on the third day as was written in the holy scriptures, |
| ፯. ዐርገ በስብሐት ውስተ ሰማያት ወነበረ በየማነ አቡሁ። ዳግመ ይመጽእ በስብሓት ይኴንን ሕያዋነ ወሙታነ፥ ወአልቦ ማኅለቅት ለመንግሥቱ። |
7. ብኽብሪ ናብ ሰማይ ዓረገ፥ ኣብ የማን ኣቡኡ ተቐመጠ፥ ከም ብሓድሽ ንሕያዋንን ንምዉታንን ክፈርድ ብኽብሪ ክመጽእ እዩ። ንመንግሥቱውን መወዳእታ የብሉን። |
7. Ascended in glory into heaven, sat at the right hand of His Father, and will come again in glory to judge the living and the dead; there is no end of His reign. |
| ፰. ወነአምን በመንፈስ ቅዱስ እግዚእ ማሕየዊ ዘሠረፀ እምአብ ንስግድ ሎቱ ወንሰብሖ፥ ምስለ አብ ወወልድ ዘነበበ በነቢያት። |
8. ጐይታን መሕወይን ብዝኾነ፥ ካብ ኣብ ዝሰረፀ መንፈስ ቅዱስውን ንኣምን። ምስ ኣብን ወልድን ንሰግደሉን ነመስግኖን፥ ብነብያት ዝተዛረበ እዩ። |
8. And we believe in the Holy Spirit, the life-giving God, who proceeds from the Father; we worship and glorify Him with the Father and the Son; Who spoke by the prophets, |
| ፱. ወነአምን በአሐቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እንተ ላዕለ ኵሉ ጉባኤ ዘሐዋርያት። |
9. ልዕሊ ኹሉ ናይ ሃዋርያት ጉባኤ ብዝኾነት ብሓንቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንኣምን። |
9. and we believe in one holy, universal, apostolic church, |
| ፲. ወነአምን በአሐቲ ጥምቀት ለሥርየተ ኃጢአት። ወንሴፎ ትንሣኤ ሙታን ወሕይወተ ዘይመጽእ፥ ወለዓለም ዓለም። |
10. ንሕድገት ሓጢኣት ብሓንቲ ጥምቀት ንኣምን። ትንሣኤ ምውታትን ንዘልዓለም ዓለም ዝመጽእ ሕይወትን ተስፋ ንገብር። ኣሜን። |
10. and we believe in one baptism for the remission of sins, and wait for the resurrection from the dead and the life to come, unto endless ages. Amen. |