ዘመነ ማርቆስ Readings for Monday
ነሐሰ 18, 2018 ብግእዝ Aug 24, 2026 ብፈረንጅ
ናይ ንግሆ ( Matin )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 104 : 26 - 27 / መዝ ፻፫ : ፳፮ - ፳፯ [English][ትግርኛ]
አብኣ መራኽብ ይኸዳ፣ እቲ ዝፈጠርካዮ ሌዋታን ኣብኣ ይጻወት። እዚኣቶም ኵሎም ምግቦም በብጊዜኡ ኽትህቦምሲ፣ ንኣኻ ይጽበዩ ኣለዉ።
ህየ የሐውራ አሕማር፤
ከይሲ ዘፈጠርከ ይሳለቅ ላዕሌሆሙ፤
ወኵሉ ይሴፎ በኀቤከ።
ወንጌል Gospel
ዮሐ 6 : 22 - 27 [English][ግእዝ]22. ንጽባሒቱ እቶም ኣብ ስግር ባሕሪ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሕዝቢ ብዘይካ ሓንቲ ጃልባ ኻልእ ኣብኡ ኸም ዘይነበረት፥ ደቀ መዛሙርቱ ጥራይ ንበይኖም ከም ዝኸዱ እምበር፥ ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብታ ጃልባ ኸም ዘይደየበ ረኣዩ። 23. እንተኾነ፥ ኻልኦት ጃለቡ ካብ ጥብርያዶስ ናብ ጥቓ እታ ጐይታ ዝባረኾ እንጌራ ዝበልዑላ ቦታ መጻ። 24. ሽዑ እቶም ሕዝቢ ኢየሱስ ኮነ ወይ ደቀ መዛሙርቱ ኣብኡ ኸም ዘየለዉ ምስ ፈለጡ ናብተን ጃለቡ ደይቦም ንኢየሱስ ኬናድይዎ ናብ ቅፍርናሆም መጹ። 25. ኣብ ስግር ባሕሪ ምስ ረኸብዎ ኸኣ “መምህር! መኣዝ ደኣ ናብዚ መጺእካ፧” በልዎ። 26. ኢየሱስ ድማ “እተናድዩኒ ዘሎኹም እንጌራ በሊዕኩም ስለ ዝጸገብኩም ኢኹም እምበር፥ በቲ ዝረኣኹምዎ ትእምርቲ ኸምዘይኮነ ብሓቂ ብሓቂ፥ እብለኩም ኣሎኹ። 27. እምበኣር ምእንቲ እቲ ኃላፊ ምግቢ ዘይኮነስ ምእንቲ እቲ ወዲ ሰብ ዚህበኩም ንዘለዓለማዊ ሕይወት ዚኸውን ምግቢ ጸዓሩ። ምኽንያቱ እዚ ሓቂ ኸም ዝኾነ እግዚኣብሔር ኣቦ ብማኅተሙ መስኪሩሉ እዩ” ኢሉ መለሰሎም። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
[English][ግእዝ]1. ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ኣገልገልቲ ኻብ ዝኾኑ ጳውሎስን ጢሞቴዎስን፥ ናብቶም ኣብ ፊልጵስዩስ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዘለው ዅሎም ኣመንቲ፥ ምስ ኤጲስቆጶሳትን ዲያቆናትን። 2. ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን። 3. ኵሉ ሳዕ ንኣኻትኩም ክዝክር ከሎኹ፥ ንኣምላኸይ አመስግኖ። 4. ኣብ ኵሉ ጸሎተይ ምእንቲ ዅሉኻትኩም ብሓጐስ እጽሊ ኣሎኹ። 5. ካብ መጀመርታ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ስብከት ወንጌል መዓይይተይ ስለ ዝኾንኩም ንኣምላኽ አመስግኖ ኣሎኹ። 6. እቲ ኣብ ሕይወትኩም ሠናይ ግብሪ ዝጀመረ ኣምላኽ፥ ክሳዕ እታ ክርስቶስ ኢየሱስ ዚመጸላ መዓልቲ ከም ዚፍጽሞ ተረዲአዮ ኣሎኹ። 7. ኵልኻትኩም ኣብ ልበይ ስለ ዘሎኹም፥ ብዛዕባ ዅልኻትኩም ከምዚ ኢለ ኽሓስብ ቅኑዕ እዩ። ከመይ ተኣሲረ ኸሎኹ ኾነ፥ ንወንጌል ክምሥርታን ክማጐተላን ከሎኹ ኾነ፥ ንስኻትኩም ኩልኹም ኣብዚ ጸጋ እዚ መኻፍልተይ ኢኹም። 8. ብፍቕሪ ክርስቶስ ኢየሱስ ንዂላትኩም ከመይ ገይረ ከም ዝናፍቐኩም ኣምላኽ ምስክረይ እዩ። 9. ፍቕርኹም ብዅሉ ፍልጠትን ምስትውዓልን ኣዝዩ እናበዝኀ ምእንቲ ኺኸይድ፦ 10. ነቲ ዝበለጸ ተቐቢልኩም ነታ ክርስቶስ ዝመጻላ መዓልቲ ንጹሓትን ኢንታ ዘይብሎምን ምእንቲ ኽትኮኑ፥ 11. ንኽብሪ ኣምላኽን ንዉዳሴኡን ኸኣ በቲ ኻብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዚመጽእ ፍረ ጽድቂ ምእንቲ ኽትምልኡ እጽሊ ኣሎኹ።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
ያዕ 5 : 1 - 6 [English][ግእዝ]1. ሕጂ ኸኣ፥ ኣቱም ሃብታማት ስምዑ፥ በቲ ዚመጸኩም ዘሎ መከራ ዋይ! ዋይ! እናበልኩም ብኸዩ። 2. ሃብትኹም መሽሚሹ፥ ክዳውንትኹምውን ብልዒ በሊዕዎ። 3. ወርቅኹምን ብሩርኩምን መሪቱ፥ እቲ ምምራቱ ኸኣ ኪኸሰኩም እዩ፥ ኣብዛ ኃላፊት ዓለም እዚኣ ሃብቲ ሰለ ዝኣከብኩም ድማ ንሥጋኹም ከም ሓዊ ኺበልዖ እዩ። 4. እንሆ እቲ ንሰኻትኩም ዝገደብኩምዎም፥ ውዕለት እቶም ግርሁኹም ዝዓጸዱ ዓየይቲ የእዊ ኣሎ። ኣውያት እቶም ዓጻዶውን ኣብ እዝኒ እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት በጺሑ ኣሎ። 5. ኣብ ምድሪ ሓንቂቕኩምን ጥዒሙኩምን፥ ከም ንመዓልቲ ማኅረዲውን ገዛእ ርእስኹም ኣስቢሕኩም ኣሎኹም። 6. ነቲ ኺከላኸል ዘይክእል ጻድቕ ሰብውን ፈረድኩምዎን ቀተልኩምዎን።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ ሐዋ 26 : 1 - 8 [English][ግእዝ]1. ኣግሪጳ ንጳውሎስ “ብዛዕባ ርእስኻ ኽትዛረብ ተፈቒዱልካ ኣሎ” በሎ። ሽዑ ጳውሎስ ኢዱ ዘርጊሑ ከምዚ ዚስዕብ እናበለ ተመጻረየ፡ - 2. “ኦ ንጉሥ ኣግሪጳ! ሎሚ ኣብ ቅድሜኻ ብኣይሁድ እኽሰሰሉ ብዘሎኹ ዘበለ ነገር፥ ክምልስ ስለ ዝተፈቕደለይ ኣዝየ እሕጐስ ኣሎኹ። 3. ምኽንያቱ ኵሉ ሥርዓት ኣይሁድን ክርክሮምን ኣጸቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ፤ ስለዚ ድማ ብትዕግሥቲ ክትሰምዓኒ እልምነካ ኣሎኹ። 4. “እምበኣርከስ፥ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ፥ ኣብ ማእከል ሕዝበይ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘኅለፍክዎ ሕይወት ኵላቶም ኣይሁድ ይፈልጥዎ እዮም። 5. ኪምስክሩ እንተ ደኣ ደልዮምሲ፥ ካብቶም ብዛዕባ ሃይማኖት ኣዝዮም ዚጥንቀቑ ወገን ፈሪሳውያን ከም ዝነበርኩ፥ ንሳቶም ካብ ቀደም ጀሚሮም ይፈልጡኒ እዮም። 6. ሕጂ ድማ ነታ ኣምላኽ ነቦታትና ዝሃቦም ናይ ተስፋ ቓል ስለ ዝትስፎ፥ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ደው ኢለ እኔኹ። 7. እቶም ዓሠርተው ክልተ ነገድና ኸኣ፥ ለይትን መዓልትን ተጊሆም ንኣምላኽ እናኣገልገሉ፥ ፍጻሜ ናይዛ ቃል ተስፋ እዚኣ ይጽበዩ ነበሩ። ኣነውን፥ ኦ ንጉሥ ኣግሪጳ! ስለ እዛ ተስፋ እዚኣ እየ ብኣይሁድ ዝኽሰስ ዘሎኹ። 8. ኣምላኽ ንምዉታት ከም ዜተንሥኦም ደኣ፥ ስለምንታይ ከም ሓደ ዘይእመን ነገር ጌርኩም ትርእይዎ ኣሎኹም፧
ስንክሳር Synaxarium
እለእስክንድሮስወእንድራኒቆስ ዲያቆን
መዝሙር Psalm
መዝ 2 : 12 - 13 / መዝ ፪ : ፲፪ - ፲፫ [English][ትግርኛ]
ኵራኡ ቐልጢፉ ይነድድ እዩ እሞ፣ ከይዅሪ፣ ኣብ መገዲ ኸሎኹም ድማ ከይትጠፍኡስ፣ ንወዱ ስዐምዎ።
አጽንዕዋ ለጥበብ ከመ ኢይትመዓዕ እግዚአብሔር፤
ወኢትትሐጐሉ እምፍኖተ ጽድቅ፤
ሶበ ነደት ፍጡነ መዐቱ።
ወንጌል Gospel
ማቴ 15 : 6 - 20 [English][ግእዝ]6. ‘ነቦኡ ወይ ነዲኡ ኬኽብር ኣይግደድን እዩ’ ትብሉ። ስለዚ ምእንቲ ሥርዓትኩም ቃል ኣምላኽ ትስዕሩ ኣሎኹም። 7. - 8. ኣቱም ግቡዛት፥ ኢሳይያስ ‘እዚ ሕዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፥ ብልቡ ግና ኻባይ ኣዝዩ ርሑቕ እዩ። ትምህርቲ ትእዛዛት ሰብ እናመሃሩ ብኸንቱ የምልኹኒ’ ኢሉ ብዛዕባኻትኩም ሓቂ ተነበየ” በሎም። 9. ኢየሱስ ነቶም ሕዝቢ ናብኡ ጸዊዑ “ስምዑ! ኣስተውዕሉ። 10. ንሰብ ዜርክሶ ካብ ኣፍ ዝወፅእ ደኣ እምበር ናብ ኣፍ ዚአቱ ኣየርክሶን እዩ” በሎም። 11. ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም “ፈሪሳውያን ዘረባኻ ሰሚዖም ከም ዝተዓንቀፉስ ፈሊጥካዶ፧” በልዎ። 12. ንሱ ኸኣ መሊሱ “ናይ ሰማይ ኣቦይ ዘይተኸሎ ዘበለ ኵሉ ተኽሊ ኪምንቈስ እዩ፥ 13. ኅደግዎም፥ ዕዉራት መራሕቲ ዕዉራት እዮም። ዕዉር ንዕዉር እንተ መርሖ ክልቲኦም ኣብ ጕድጓድ ይወድቁ” በሎም። 14. ጴጥሮስ ድማ “ነዚ ምስላ እዚ ግዳ ተርጕመልና” በሎ። 15. ኢየሱስ ከኣ “ንስኻትኩምውንዶ ገና ኣየስተውዓልኩምን፧ 16. እቲ ብኣፍ ዚኣቱ ዘበለ ናብ ከብዲ ኸም ዚኃልፍ እሞ ንግዳም ከም ዚወፅእዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 17. እቲ ካብ ኣፍ ዚወፅእ ግና ኻብ ልቢ እዩ ዚመጽእ እሞ፥ ንሱ እዩ ንሰብ ዜርክሶ። 18. ካብ ልቢ ኽፉእ ሓሳብ፥ ቅትለት፥ ዝሙት፥ ምንዝርና፥ ስርቂ፥ ብሓሶት ምምስካር፥ ጸርፊ፥ ይወፅእ እዩ እሞ፥ 19. እዚ እዩ ንሰብ ዜርክሶ እምበር ብዘይተሓጽበ ኣእዳው ምብላዕሲ ንሰብ ኣየርክሶን እዩ” በሎም። 20. ኢየሱስ ካብኡ ወፂኡ ናብ ወሰን ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ኣልገሰ። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘእግዝእትነ ማርያም(ጐሥዓ) ዓዲ ዘ፫፻ ምእት(ግሩም)
ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 7 : 11 - 12 / መዝ ፯ : ፲፩ - ፲፪ [English][ትግርኛ]
ኣምላኽሲ ጻድቕ ፈራዲ፣ ዕለተ ዕለት ዚዅሪ ኣምላኽ እዩ። ሰብ እንተ ዘይተመልሰ፣ ሴፉ ስሒሉ፣ ቀስቱ ገቲሩ የዝግበሉ።
እግዚአብሔር መኰንነ ጽድቅ፤
ኃያል ወመስተዓግሥ፤
ወኢያመጽእ መንሱተ ኵሎ አሚረ።
ወንጌል Gospel
ማር 1 : 14 - 22 [English][ግእዝ]14. - 15. ድኅሪ ማእሰርቲ ዮሓንስ፥ ኢየሱስ “እቲ እዋን በጺሑ እዩ፥ መንግሥቲ ኣምላኽ ከኣ ቐሪባ እያ እሞ ተነስሑ፥ ብወንጌልውን እመኑ” ኢሉ ብሥራት ኣምላኽ እናሰበኸ ናብ ገሊላ መጸ። 16. ብጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኺኃልፍ ከሎ ስምዖንን እንድርያስ ኃዉን ገፈፍቲ ዓሣ ስለ ዝነበሩ መርበቦም ኣብ ባሕሪ ኼዉርዱ ኸለዉ ረኣየ። 17. ኢየሱስ ድማ “ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩምሲ ንዑ ስዓቡኒ” በሎም። 18. ንሳቶም ድማ መርበቦም ኃዲጎም ሽዑንሽዑ ሰዓብዎ። 19. ካብኡ ቚሩብ ኅልፍ ምስ በለ ድማ ያዕቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ዮሓንስ ኃዉን ኣብ ጃልባኦም ኮይኖም መርበቦም ኬተዓራርዩ ኸለዉ ረኣዮም እሞ 20. ብኡብኡ ጸውዖም። ንሳቶሞ ከኣ ንዘብዴዎስ ኣቦኦም ምስ ዕሱባቱ ኣብ ጃልባ ኃዲጎም ሰዓብዎ። 21. ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱን ኣብ ቅፍርናሆም በጽሑ፥ ኢየሱስ ድማ ብሰንበት ናብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣትዩ ኺምህር ጀመረ። 22. ንሱ ኸምቶም መምህራን ሕጊ ዘይኮነስ ከም ብዓል ሥልጣን ይምህሮም ስለ ዝነበረ፥ ብትምህርቱ ተገረሙ። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ!
ዘመነ ማርቆስ Readings for Tuesday
ነሐሰ 19, 2018 ብግእዝ Aug 25, 2026 ብፈረንጅ
ናይ ንግሆ ( Matin )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 139 : 11 - 12 / መዝ ፻፴፰ : ፲፩ - ፲፪ [English][ትግርኛ]
ጸልማት ይኸውለኒ፣ ኣብ ዙርያይ ዘሎ ብርሃን ከኣ ለይቲ ይኹን፣ እንተ በልኩ፣ ንኣኻስ ጸልማት እኳ ኣይጽልምተካን፣ ለይቲ ኸኣ ከም መዓልቲ ትበርህ፣ ጸልማትን ብርሃንን ንኣኻ ሓደ እዮም።
እስመ ጽልመትኒ ኢይጸልም በኀቤከ፤
ወሌሊትኒ ብሩህ ከመ መዓልት፤
በአምጣነ ጽልመታ ከማሁ ብርሃና።
ወንጌል Gospel
ዮሐ 12 : 35 - 41 [English][ግእዝ]35. ሽዑ ኢየሱስ “ገና ንቚሩብ መዓልቲ ብርሃን ምሳኹም ኣሎ። ስለዚ ጸልማት ከየርክበኩም ብብርሃን ተመላለሱ፤ ምኽንያቱ እቲ ብጸልማት ዚማላለስ ናብ ዚኸዶ ኣይፈልጥን እዩ። 36. ደቂ ብርሃን ምእንቲ ኽትኮኑ ኸኣ ብርሃን ከሎኩም ብብርሃን እመኑ” በሎም። ኢየሱስ ከምዚ ኢሉ ምስ ተዛረበ ካብኣቶም ከይዱ ተኃብአ። 37. - 38. እዚ ኽንድዚ ዚኣክል ትምህርቲ እኳ ኣብ ቅድሚኦም እንተ ገበረ፥ እቲ ነቢይ ኢሳይያስ “ጐይታይ፥ ንምስክርና መን ኣመኖ፧ ኃይሊ እግዚኣብሔርከ ንመን ተጋህደሉ፧” ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም ብእኡ ኣይኣመኑን። 39. - 40. ከምኡ ድማ ኢሳይያስ ከም ብሓዱሽ “በዕይንቶም ከይርእዩ፥ ብልቦምውን ከየስተውዕሉ እሞ ከይምለሱ ኣነ ኸኣ ኸይምሕሮምሲ፥ ኣዕይንቶም ኣዖረ፥ ልቦምውን ኣትረረ” ከም ዝበሎ ምእማን ሰኣኑ። 41. ኢሳይያስ ብዛዕባኡ ኸምዚ ኢሉ ዝተዛረበ ኽብሩ ስለ ዝረኣየ እዩ። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
2ይ ተሰ 2 : 8 - ፍም [English][ግእዝ]8. ስለ እንናፍቐኩም፥ ኣዚና እነፍቅረኩምውን ስለ ዝኾንና ገዛእ ሕይወትና ድማ እምበር ወንጌል ኣምላኽ ጥራይ ኣይኮንናን ከነካፍለኩም እንምነ ዝነበርና። 9. ኣኅዋተይ ነቲ ዕዮናን ጻዕርናን፥ ማለት ንሓደ እኳ ከይነኽብደሉ ኢልና፥ ለይትን መዓልትን እናዓየና ወንጌል ከም ዝሰበኽናልኩም፥ ትዝክርዎ ኢኹም። 10. ኣብ ማእከል እዞም እትኣምኑ ብቕድስናን ብጽድቅን ብዘይ መንቅብን ከም ዝነበርና፥ ንስኻትኩምን ኣምላኽን ምስክር ኢኹም። 11. - 12. ነቲ ንመንግሥቱን ክብሩን ዝጸውዓኩም ኣምላኽ ብቑዓት ኴንኩም ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ንነፍስ ወከፍኩም ከም ኣቦ ንውሉዱ ከመይ ጌርና ንምዕደኩምን ነጸናንዓኩምን ነተባብዓኩምን ከም ዝነበርና ትፈልጡ ኢኹም። 13. ነቲ ኻባና ዝሰማዕኩሞዎ ቓል ኣምላኽ ምስ ተቐበልኩምዎ ከምቲ ኣባኻትኩም ኣብቶም ኣመንቲ፥ ዚዓዮ ዘሎ፥ ከምቲ ሓቁ ኸም ቃል ኣምላኽ እምበር፥ ከም ቃል ሰብ ስለ ዘይተቐበልኩሞዎ፥ ንሕና ኸየቋረጽና ንኣምላኽ ነመስግኖ ኣሎና። 14. ኣኅዋተይ፥ ንስኻትኩም ነተን ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዚነበራ፥ ኣብ ይሁዳ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን ኣምላኽ መሲልኩምወን ኢኹም። ከመይ ከምቲ ንሳተን ብኣይሁድ ሓሰራ መከራ ዝጸገባ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ ብደቂ ዓድኹም መከራ ጸጊብኩም ኢኹም። 15. - 16. ኣይሁድ ንጐይታና ኢየሱስን ንነብያትን ቀተልዎም፥ ንኣና ኸኣ ኣሳደዱና። ኣሕዛብ ምእንቲ ኺድኅኑ ንሕና ወንጌል ከይንሰብከሎም ብምኽልካሎም ንእግዚኣብሔር ኣየሓጐስዎን። ምስ ኵሉ ሰብ ኸኣ ይጻልኡ ኣለው። በዚ ኸኣ ከም ቀደሞም መስፈር ኃጢኣቶም ይመልኡ ኣለው። ግናኸ ቚጥዓ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኦም ድሮ ወሪዱ ኣሎ። 17. እንተኾነ፥ ኣኅዋተይ፥ ብልቢ ምሳኹም ከሎናስ ንሓጺር ጊዜ ካባኻትኩም ተፈሊና ስለ ዝነበርና፥ ገጽኩም ክንርእየኩም ብዙኅ ናፍቆትን ሃረርታን ነይሩና። 18. ስለዚ ናባኻትኩም ክንመጽእ ደሊና ኔርና። ኣነ ጳውሎስ እኳ ደጋጊመ ኽመጽእ ፈቲነ ነይረ። ግናኸ ሰይጣን ዓገተና። 19. ከመይ ተስፋና ወይ ሓጐስና ወይ ኸኣ ኣብ ካልኣይ ምጽኣቱ ኣብ ቅድሚ ጐይታና ኢየሱስ እንምክሓሉ ኣኽሊልና መን ድዩ፧ ንስኻትኩምዶ ኣይኮንኩምን፧ 20. ብርግጽ ክብርናን ሓጐስናን ንስኻትኩም ኢኹም።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
1ይ ዮሐ 4 : 5 - 9 [English][ግእዝ]5. ንሳቶም ካብ ዓለም እዮም፥ ከም ኣዘራርባ ዓለም ከኣ ይዛረቡ ኣለዉ። ዓለምውን ትሰምዖም ኣላ። 6. ንሕና ኻብ ኣምላኽ ኢና፥ ንኣምላኽ ዚፈልጥ ይሰምዓና፥ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዘይኮነ ኣይሰምዓናን እዩ። ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ሓሶትን ከኣ በዚ ኢና እንፈልጦ። 7. ኣቱም ፍቁራተይ፥ ፍቕሪ ካብ ኣምላኽ እያ እሞ ንሓድሕድና ንፋቐር። ዜፍቅር ዘበለ ዅሉ ካብ ኣምላኽ ዝተወልደ እዩ፥ ንኣምላኽውን ይፈልጦ እዩ። 8. ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፥ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ። 9. ኣምላኽ ንፍቕሩ፥ ብወዱ ብሕይወት ምእንቲ ክንነብር፥ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ ገለጸልና።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ ሐዋ 16 : 35 - ፍም [English][ግእዝ]35. ምድሪ ምስ ወግሐ እቶም ሮማውያን ሰበ ሥልጣን “ነቶም ሰባት ፈቲሕካ ስደዶም” እናበሉ ገላዉ ለኣኹሉ። 36. እቲ ሓላው ቤት ማእሰርቲ ድማ፥ “እቶም ሰበ ሥልጣን ‘ፍትሕዎም’ ኢሎም ልኢኾም ኣለዉ እሞ፥ ሕጂ እምበኣር ወፂእኩም ብሰላም ኪዱ” ኢሉ ንጳውሎስ ነገሮ። 37. ጳውሎስ ግና፥ “ንሕና ሮማውያን ከሎና፥ ብዘይ ፍርዲ ብግህዶ ገሪፎም፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትዮምናስ፥ ሕጂ ብኅቡእዶ ኪሰዱና፧ ባዕላቶም ደኣ መጺኦም የውፅኡና እምበር፥ እዝስ ከቶ ኣይከውንን እዩ” በሎም። 38. እቶም ገላዉ ኸኣ ነቶም ሰበ ሥልጣን ነዚ ነገር እዚ ነገርዎም። ንሳቶም ድማ ሮማውያን ምዃኖም ምስ ሰምዑ ፈርሁ። 39. መጺኦም ከኣ “ይቕረ በሉልና” ኢሎም ኣውፅእዎም። ካብታ ኸተማ ኬልግሱውን ለመንዎም። 40. ሽዑ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወፂኦም ናብ ቤት ልድያ ኣተዉ፤ ነቶም ኣኅዋት ምስ ረኸብዎም ከኣ መዓድዎም፥ ካብኡውን ኃለፉ።
ስንክሳር Synaxarium
ፍልሰተ ሥጋሁ ለአባ መቃርስወፊንሐስ
መዝሙር Psalm
መዝ 56 : 11 - 12 / መዝ ፶፭ : ፲ - ፲፩ [English][ትግርኛ]
ብኣምላኽ ንቓሉ ኤመስግኖ፣ ብእግዚኣብሄር ንቓሉ ኤመስግኖ ኣሎኹ። ኣብ ኣምላኽ ተወኪለ ኣይፈርህን፣ ሰባትከ እንታይ ከይገብሩኒ፧
በእግዚአብሔር እሴብሕ ቃልየ፤
በእግዚአብሔር ይከብር ዘነበብኩ፤
ወበእግዚአብሔር ተወከልኩ ኢይፈርህ ምንተ ይሬስየኒ ሰብእ።
ወንጌል Gospel
ማቴ 15 : 12 - 21 [English][ግእዝ]12. ንሱ ኸኣ መሊሱ “ናይ ሰማይ ኣቦይ ዘይተኸሎ ዘበለ ኵሉ ተኽሊ ኪምንቈስ እዩ፥ 13. ኅደግዎም፥ ዕዉራት መራሕቲ ዕዉራት እዮም። ዕዉር ንዕዉር እንተ መርሖ ክልቲኦም ኣብ ጕድጓድ ይወድቁ” በሎም። 14. ጴጥሮስ ድማ “ነዚ ምስላ እዚ ግዳ ተርጕመልና” በሎ። 15. ኢየሱስ ከኣ “ንስኻትኩምውንዶ ገና ኣየስተውዓልኩምን፧ 16. እቲ ብኣፍ ዚኣቱ ዘበለ ናብ ከብዲ ኸም ዚኃልፍ እሞ ንግዳም ከም ዚወፅእዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 17. እቲ ካብ ኣፍ ዚወፅእ ግና ኻብ ልቢ እዩ ዚመጽእ እሞ፥ ንሱ እዩ ንሰብ ዜርክሶ። 18. ካብ ልቢ ኽፉእ ሓሳብ፥ ቅትለት፥ ዝሙት፥ ምንዝርና፥ ስርቂ፥ ብሓሶት ምምስካር፥ ጸርፊ፥ ይወፅእ እዩ እሞ፥ 19. እዚ እዩ ንሰብ ዜርክሶ እምበር ብዘይተሓጽበ ኣእዳው ምብላዕሲ ንሰብ ኣየርክሶን እዩ” በሎም። 20. ኢየሱስ ካብኡ ወፂኡ ናብ ወሰን ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ኣልገሰ። 21. እንሆ ድማ ሓንቲ ከነኣናዊት ሰበይቲ ካብ ወሰናስን እቲ ምድሪ መጺኣ “ኦ ጐይታይ ወዲ ዳዊት! ንጓለይ ጋኔን ብኽፉእ ኂዝዋ ኣሎ እሞ ራኅርኃለይ” እናበለት ጨርሐት። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘእግዝእትነ ማርያም(ጐሥዓ) ዓዲ ዘ፫፻ ምእት(ግሩም)
ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 107 : 32 - 34 / መዝ ፻፮ : ፴፪ - ፴፬ [English][ትግርኛ]
አብ ማሕበር ኣህዛብ ልዕል የብልዎ፣ አብ ባይቶ ሽማግሌታት ድማ የመስግንዎ። ንወሓዝቲ ናብ በረኻ፣ ንዓይኒ ማያት ናብ ንቚጽ ምድሪ፣ ንፍርያም ምድሪ፣ ብሰሪ ኽፍኣት እቶም ዝነበርዋ፣ ናብ ጐልጐል ጨው ለወጦ።
ወያዓብይዎ በማኅበረ አሕዛብ፤
ወይሴብሕዎ በመንበረ ሊቃውንት፤
ወረሰዮሙ ለአፍላግ በድወ።
ወንጌል Gospel
ሉቃ 19 : 39 - ፍም [English][ግእዝ]39. ኣብ ማእከል እቲ ሕዝቢ ዝነበሩ ገሊኣቶም ፈሪሳውያን ከኣ “መምህር! ንደቀ መዛሙርትኻ ገሥጾም” በልዎ። 40. ኢየሱስ ከኣ “እዚኣቶም እኳ ስቕ እንተ በሉ፥ እዞም ኣእማን ኪጭድሩ እዮም፥ እብለኩም ኣሎኹ፥” ኢሉ መለሰሎም። ኢየሱስ ንኢየሩሳሌም ከም ዘልቀሰላ 41. ኢየሱስ ናብታ ኸተማ ቐረበ፥ ምስ ረኣያ ኸኣ ኸምዚ ኢሉ ኣልቀሰላ፦ 42. “ኣየ፥ ንስኺ በዚ መዓልቲ እዚ ንሰላምኪ ዚኸውን ነገር ፈሊጥክዮ እንተ ትኾኒ! ሕጂ ግና ኻብ ዓይንኺ ተኸዊሉ ኣሎ። 43. ጸላእትኺ ቐጽሪ ቐጺሮም ዚኸቡኺ መዓልቲ ኽትመጽእ እያ እሞ፥ በዝን በትን ከኣ ኬጽብቡልኪ እዮም። 44. ዘመን ምሕረትኪ ሰኣን ምፍላጥክስ ንኣኽን ኣባኺ ንዚነብሩ ደቅኽን ምስ ሓመድ ኪጽምብሩኺ፥ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒውን ኣይኪኃድጉልክን እዮም።” 45. ኢየሱስ ናብ ቤት መቕደስ ኣትዩ ኸኣ ነቶም ዚሸጡን ዚሻየጡን ዝነበሩ፥ 46. “‘ቤተይ ቤት ጸሎት ክትከውን እያ’ ዚብል ተጻሒፉ ኣሎ፤ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉ ገበርኩምዋ” እናበለ ኼውፅኦም ጀመረ። 47. ዕለት ዕለት ከኣ ኣብ ቤተ መቕደስ ይምህር ነበረ። ሊቃነ ኻህናትን መምህራን ሕግን ዓበይቲ ሕዝብን ድማ ኺቀትልዎ ይደልዩ ነበሩ። 48. ብዘሎ እቲ ሕዝቢ ግና ብተመስጦ ይሰምዖ ስለ ዝነበረ ዚገብርዎ ሰአኑ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ዘመነ ማርቆስ Readings for Wednesday
ነሐሰ 20, 2018 ብግእዝ Aug 26, 2026 ብፈረንጅ
ናይ ንግሆ ( Matin )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 71 : 8 - 9 / መዝ ፸ : ፯ - ፰ [English][ትግርኛ]
ንብዙሓት መስተንከሪ ዀንክዎም፣ ንስኻ ግና ብርቱዕ መዕቈብየይ ኢኻ። አፈይ ብምስጋናኻ፣ ኵሉ መዓልቲ ብኽብርኻ ምልአዮ።
አንተ ረዳእየ ወኃይልየ፤
ምላእ አፉየ ስብሐቲከ፤
ከመ እሰብሕ አኰቴተከ።
ወንጌል Gospel
ሉቃ 18 : 34 - ፍም [English][ግእዝ]34. ንሳቶም ግና ኻብዚ ነገር እዚ ሓንቲ እኳ ኣየስተውዓሉን፤ እዚ ዘረባዚ ተሠዊርዎም ስለ ዝነበረ ነቲ ዝተዛረቦ ኣየስተብሃልዎን ነበሩ። 35. ናብ ኢያሪኮ ምስ ቀረቡ፥ እንሆ ሓደ ዕዉር ሰብኣይ ኣብ ጥቓ መገዲ ተቐሚጡ ይልምን ነበረ። 36. ሕዝቢ ብኡኡ ኺኃልፍ ከሎ ሰሚዑ ኸኣ፥ “እዚ እንታይ እዩ፧” ኢሉ ሓተተ። 37. ንሳቶም ከኣ “ኢየሱስ፥ እቲ ናዝራዊ፥ ይኃልፍ ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ። 38. ንሱ ሽዑ፥ “ወዲ ዳዊት ምሓረኒ፥” እናበለ ጨርሐ። 39. እቶም ቅድሚት ዚኸዱ ዝነበሩ ስቕ ኪብል ገሠጽዎ፤ ንሱ ግና “ወዲ ዳዊት ምሓረኒ” እናበለ ኣበርቲዑ ጨርሐ። 40. ኢየሱስ ከኣ ደው ኢሉ ናብኡ ኼምጽእዎ ኣዘዘ። ናብኡ ምስ ቀረበ ድማ ኢየሱስ 41. “እንታይ ክገብረልካ ትደሊ ኣሎኻ፧” እናበለ ሓተቶ። ንሱ ኸኣ፥ “ጐይታይ! ኣዕይንተይ ኪርእያ” በለ። 42. ኢየሱስ ድማ “ርአ፥ እምነትካ እዩ ዘሕወየካ” በሎ። 43. ብኡብኡ ረኣየ ንኣምላኽ እናወደሰ ኸኣ ሰዓቦ፤ እቶም ሕዝቢ ዅሎምውን እዚ ምስ ረኣዩ ንኣምላኽ ኣመስገንዎ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
2ይ ቆሮ 10 : 8 - ፍም [English][ግእዝ]8. በቲ ጐይታ ንምፍራስኩም ዘይኮነስ ንምሕናጽኩም ዝሃበና ሥልጣን፥ ቍሩብ ኣዛይደ እንተ ደኣ ተመኪሐ ኾይነ ድማ ኣይኃፍርን እየ። 9. ብመልእኽትታተይ ገይረ ከፈራርሃኩም ዝደሌኹ ኣይምሰልኩም። 10. ከመይ ገለ ሰብ “እተን መልእኽትታቱ ከበድትን ብርቱዓትን እየን፥ ብቖመናኡ ምሳና ኸሎ ግና ድኹም እዩ፥ ዘረባኡውን ንዑቕ እዩ” ዚብል ኣሎ። 11. እቲ ከምዚ ዚብል ሰብ፥ ከምቲ ኣብ ርሑቕ ከሎና ብመልእኽትታትና እንብሎ፥ ብቖመናና ኣብኡ ምሳኻትኩም ከሎናውን ከምኡ ከም እንብል ይፍለጥ። 12. ምስቶም ባዕላቶም ንገዛእ ርእሶም ዚንእዱ ንገዛእ ርእስና ኽንቈጽር ወይስ ከነመዓራሪ ኣይንደፍርን ኢና። ንሳቶም ንገዛእ ርእሶም ምስ ገዛእ ርእሶም ካብ ዜመዛዝኑ፥ ንገዛእ ርእሶም ከኣ ምስ ገዛእ ርእሶም ካብ ዜመዓራርዩ ዓያሱ እዮም። 13. ንሕና ግና በቲ ኣምላኽ ዝሃበና ደረት እምበር ካብ ልክዕ ኃሊፍና ኣይንምካሕን ኢና። እዚ ደረትዚ ኸኣ ክሳብ ናባኻትኩም ዚበጽሕ እዩ። 14. ቅድሚ ዅሉ ወንጌል ዝሰበኽናልኩም ንሕና ኢና። ስለዚ ሕጂ ብኣኻትኩም እንተ ተመካሕና ካብቲ ብኣምላኽ ዝተደረተልና ዝኃለፍና ኣይመስለናን። 15. ካብቲ ዝተደረተልና ኃሊፍና በቲ ኻልኦት ዝገበርዎ ኣይንምካሕን ኢና። እኳ ደኣ እምነትኩም ኪዓቢ እሞ እቲ ኣብ ማእከልኩም ዘሎና ሰበኻ ኪገፍሓልና ተስፋ ኣሎና። 16. ሽዑ ካባኹም ኃሊፍና ናብ ኻልእ ሃገር ወንጌል ክንሰብኽ ኢና። በቲ ኻልኦት ድሮ ዘዳለውዎ ሰበኻውን ኣይንምካሕን ኢና። 17. “እቲ ዚምካሕ ብእግዚኣብሔር ደኣ ይመካሕ” ከም ዚብሎ፥ 18. እቲ እግዚኣብሔር ዚንእዶ እምበር እቲ ንገዛእ ርእሱ ዚንእድ ሰብ ኣይኮነን ተመስኪሩሉ ዚወፅእ።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
ያዕ 4 : 11 - ፍም [English][ግእዝ]11. ኣቱም ኣኅዋተይ፥ ንሓድሕድኩም ኣይትነቓቐፋ። እቲ ንኃዉ ዚነቅፍ ወይ ኣብ ልዕሊ ኃው ዚፈርድ ንሕጊ እዩ ዚነቅፍ፥ ኣብ ልዕሊ ሕጊውን ይፈርድ፥ ንሕጊ ክትፈርዶ ኸሎኻ ግና፥ ትፈርዶ እምበር ትሕልዎ ኣይኮንካን ዘሎኻ። 12. እቲ ኼድኅንን ኬጥፍእን ዚኽእል፥ ሓጋግ ሕግን ፈራድን ሓደ ንሱ እዩ። ንሰኻ ደኣ ኣብ ብጻይካ እትፈርድ እንታዋይ ኢኻ፧ 13. ንስኻትኩም፥ ኣቱም “ሎሚ ወይ ጽባሕ ናብታ ኸተማ እቲኣ ኽንከይድ ኢና፥ እናነገድና ምእንቲ ኽንረብሕ ከኣ ኣብኣ ዓመት ክትቅመጥ ኢና” እትብሉ ስምዑ። 14. ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን እኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ሕይወትኩምከ እንታይ እያ፧ ንቝሩብ ጊዜ ተራእዩ ደኃር ዚበንን ሃፋ ኢኹም። 15. “ጐይታ እንተ ፈቒድዎ፥ ብሕይወት ክንነብር ኢና፥ ከምዚ ወይ ከምቲ ኽንገብር ኢና” እዩ ኽትብሉ ዚግብኣኩም ነይሩ። 16. ሕጂ ግና ትጀሃሩን ትምክሑን ኣሎኹም። ከምዚ ዝበለ ትምክሕቲ ኵሉ ኸኣ ክፉእ እዩ። 17. እምበኣርከስ እቲ ኺገብሮ ዚግብኦ ሠናይ ነገር ዚፈልጥ፥ ግና ዘይገብሮ፥ ንሱ ኃጢኣተኛ እዩ።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ ሐዋ 28 : 9 - 16 [English][ግእዝ]9. እዚ ምስ ኮነ ድማ እቶም ካልኦት ሕሙማት ደቂ እታ ደሴት ናብኡ መመጺኦም ተፈወሱ። 10. ንሳቶም ከኣ ብብዙኅ መገዲ ኣኽበሩና፥ ብመርከብ ክንብገስ ከሎናውን ዜድልየና ዘበለ ሂቦም ኣፋነውና። 11. ድኅሪ ሠለስተ ወርኂ ኸኣ በታ ኣብታ ደሴት ከሪማ ዝነበረት ናይ ዲዮስቆሮስ ዕላማ ዝነበራ መርከብ እስክንድርያ ጌርና ተበገስና። 12. ኣብ ሲራኩዛ ምስ በጻሕና ኸኣ ኣብኣ ሠለስተ መዓልቲ ጸናሕና። 13. ካብኣ ኃሊፍና ኸኣ ናብ ሬግዩም ኣቶና፤ ንጽባሒቱ ንፋስ ደቡብ ነፈሰ እሞ፥ ብኻልኣይቲ መዓልቲ ናብ ፑቲዮሉስ በጻሕና። 14. ኣብኣ ድማ ኣኅዋት ረኸብና እሞ፥ ሾብዓተ መዓልቲ ምስኣቶም ክንቅኒ ለመኑና፥ ከምዚ ኢልና ድማ ናብ ሮማ በጻሕና። 15. እቶም ኣኅዋት ወሬና ምስ ሰምዑ ኸኣ፥ ክሳዕ እቲ ኣጵያስ ዚብሃል ዕዳጋን ክሳዕ “ሠለስተ መኃድር” እትብሃል ቦታን መጺኦም ተቐበሉና፤ ጳውሎስ ከኣ ምስ ረኣዮም ንኣምላኽ ኣመስገነ፥ ኣዝዩውን ተጸናንዐ። 16. ኣብ ሮማ ምስ ኣቶና ኸኣ እቲ ሓለቓ ሚእቲ [ነቶም እሱራት ንሓለቓ ሠራዊት ኣኅሊፉ ሃቦም]፥ ንጳውሎስ ግና ምስ ሓደ ዚሕልዎ ዓቀይታይ ንበይኑ ኪቕመጥ ተፈቐደሉ።
ስንክሳር Synaxarium
አባ ስላማ ካልእ መተርጉመ መጻሕፍትወ፯ ደቂቁ እለ ኖሙ ፫፻፸ወ፪ኤተ ዓመተ
መዝሙር Psalm
መዝ 13 : 3 - 4 / መዝ ፲፪ : ፫ - ፬ [English][ትግርኛ]
ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ጠምት እሞ ምለሰለይ። ኣነ ድቃስ ሞት ከይድቅስ፣ ጸላእየይ፣ ስዒረዮ፣ ከይብል፣ እንተ ተናወጽኩ፣ ተጻረርተይ ከይፍስሁስ፣ ነዒንተይ ኣብርሃየን።
ነጽረኒ ወስምዐኒ እግዚኦ አምላኪየ፤
አብርሆን ለአዕይንትየ ከመ ኢይኑማ ለመዊት፤
ወከመ ኢይበሉኒ ጸላእትየ ሞእናሁ።
ወንጌል Gospel
ማቴ 22 : 23 - 33 [English][ግእዝ]23. በታ መዓልቲ እቲኣ “ትንሣኤ ሙታን የልቦን” ዚብሉ ሰዱቃውያን ናብኡ መጹ። 24. ከምዚ ኢሎም ድማ ሓተትዎ፡ - “መምህር! ሙሴ ‘ሓደ ሰብ ውሉድ ዘይብሉ እንተ ሞተ፥ እቲ ኃው ነታ ሰበይቲ ኃዉ ይውረሳ፥ ንኃዉ ድማ ውሉድ የቑመሉ’ ኢሉ ኣሎ። 25. እምበኣር ኣባና ሾብዓተ ኣኅዋት ነበሩ። እቲ ዓብይ ሰበይቲ ኣእትዩ፥ ከይወለደ ሞተ፥ እታ ሰበይቱ ድማ ንኃው ኃደጋ፥ 26. ከምኡ ድማ እቲ ኻልኣይን ሣልሳይውን፥ ክሳዕ ሾብዓቲኦም። 27. ድኅሪ ዅሎም ድማ እታ ሰበይቲ ሞተት። 28. ኵሎም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ፥ ብጊዜ ትንሣኤ ሙታን ካብ ሾብዓቲኦም ሰበይቲ መኖም ክትከውን እያ፧” 29. ኢየሱስ ድማ “መጻሕፍቲ ኾነ ኃይሊ ኣምላኽ ብዘይምፍላጥ ትጋገዩ ኣሎኹም። 30. ኣብ ጊዜ ትንሣኤስ፥ ኣብ ሰማያት ከም መላእኽቲ ኣምላኽ እዮም እምበር፥ ኣይምርዓዉ ኣየመርዓዕዉ። 31. - 32. ብዛዕባ ትንሣኤ ሙታን ግና እቲ ካብ ኣምላኽ ‘ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያዕቆብ እየ’ ዝተባህለልኩምዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም፧ እምበኣርከስ ንሱ ኣምላኽ ሕያዋን እዩ እምበር፥ ኣምላኽ ምዉታት ኣይኮነን” ኢሉ መለሰሎም። 33. እቶም ሕዝቢ ኸኣ ብትምህርቱ ተገረሙ። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘእግዝእትነ ማርያም(ጐሥዓ)
ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 96 : 1 - 2 / መዝ ፺፭ : ፩ - ፪ [English][ትግርኛ]
ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙር ዘምሩ፣ ኵልኺ ምድሪ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሪ። ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፣ ንስሙ ባርኹ።
ሰብሕዎ ለእግዚአብሔር ስብሐተ ሐዲሰ፤
ሰብሕዎ ለእግዚአብሔር ኵላ ምድር፤
ሰብሕዎ ለእግዚአብሔር ወባርኩ ለስሙ።
ወንጌል Gospel
ሉቃ 17 : 11 - 19 [English][ግእዝ]11. ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ኪኸይድ ከሎ ድማ ብመንጎ ሰማርያን ገሊላን ኃለፈ። 12. ንሱ ናብ ሓንቲ ዓዲ ኺኣቱ ኸሎ ኸኣ ብርሑቕ ደው ዝበሉ፥ ዓሠርተ ለምጻማት ተጓነፍዎ። 13. ድምፆም ዓው ኣቢሎም ከኣ “ኦ ኢየሱስ! ኦ መምህር! ምሓረና” በልዎ። 14. ንሱ ኸኣ ምስ ረኣዮም፥ “ኪዱ ርእስኹም ንኻህናት ኣርእዩ” በሎም። ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ ነጽሑ። 15. ካብኣቶም ሓደ ኸኣ ከም ዝሓወየ ምስ ረኣየ፥ ድምፁ ዓው ኣቢሉ ንኣምላኽ እናኣመስገነ ተመልሰ። 16. እናኣመስገኖ ኸኣ ኣብ እግሪ ኢየሱስ ብገጹ ተደፍአ። ንሱ ሳምራዊ ነበረ። 17. ኢየሱስ ከኣ ኸምዚ እናበለ ሓተተ፦ “ዝነጽሑስ ዓሠርተ ደይኮኑን፧ እቶም ትሽዓተ ደኣ ኣበይ ኣለዉ፧ 18. ብጀካ እዚ ኻልእ ዝዓሌቱስ ንኣምላኽ ክብሪ ኺህብ ዝተመልሰዶ የልቦን፧” 19. ብድኅርዚ “ተንሥእ እሞ ኪድ፤ እምነትካ ኣሕወየትካ” በሎ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ዘመነ ማርቆስ Readings for Thursday
ነሐሰ 21, 2018 ብግእዝ Aug 27, 2026 ብፈረንጅ
ናይ ንግሆ ( Matin )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 96 : 3 - 4 / መዝ ፺፭ : ፫ - ፬ [English][ትግርኛ]
ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፣ ንስሙ ባርኹ፣ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ምድሓኑ አበስሩ። ክብሩ አብ ማእከል አህዛብ፣ ተአምራቱ አብ ማእከል ኵሎም ህዝብታት አዘንትዉ።
ወንግርዎሙ ለአሕዛብ ስብሐቲሁ፤
ወለኵሎሙ አሕዛብ ተአምሪሁ፤
እስመ ዓቢይ እግዚአብሔር ወብዙኅ አኰቴቱ።
ወንጌል Gospel
ማር 12 : 24 - 27 [English][ግእዝ]24. ኢየሱሰ ከኣ “መጽሓፍቲ ኾነ ኃይሊ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጥኩምዶ ኣይኮነን ትጋገዩ ዘሎኹም፧ 25. ካብ ምዉታት ምስ ተንሥኡስ ከምቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ መላእኽቲ ኣምላኽ እዮም እምበር፥ ኣይምርዓውን ኣየመረዓዕውን እዮም። 26. ምውታት ከም ዚትንሥኡኸ ኣብቲ ብዝዕባ ቘጥቋጥ ዚዛረብ መጽሓፍ ሙሴ፥ “ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቕን ኣምላኽ ያዕቆብን እየ” ኢሉ ኸም ዝተዛረቦዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም፧ 27. እምበኣር ንሱ ኣምላኽ ሕያዋን እዩ እምበር ኣምላኽ ምዉታት ኣይኮነን፥ ንስኻትኩም ግና ኣዚኹም ትጋገዩ ኣሎኹም” ኢሉ መለሰሎም። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ!
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
ቆሎ 2 : 18 - ፍም [English][ግእዝ]18. ሓደ እኳ፥ ሓቂ ብዘይብሉ ትሕትናን ንመላእኽቲ ብዚግበር ኣምልኾን ነቲ ዓስቢ ዓወት ኣየግድፍኩም። እዚ ሰብዚ በቲ ዝረኸቦ ራእይ እናተመጻደቐ፥ ከንቱ ብዝኾነ ሥጋዊ ኣተሓሳስብኡ ዚዕበ እዩ። 19. እዚ ሰብዚ ምስቲ ርእሲ ዝኾነ ክርስቶስ ርክብ የብሉን፥ ንሰብነት ብጅማትን መገጣጠምን ኣሲሩ ዚምግብ ርእሲ እዩ። ኣምላኽ ከም ዝሃቦ ኸኣ ይዓቢ። 20. - 21. እምበኣር ካብ ኣተሓሳስባ እዛ ዓለም እዚኣ ምስ ክርስቶስ ሞይትኩም እንተ ዄንኩም፥ ስለምንታይ ደኣ ገና ከም ኣነባብራ ዓለም ትነብሩ፧ ስለምንታይከ ነቲ “ኣይትኃዝ፥ ኣይትልከፍ፥ ኣይትተንኪ” ዚብል ሕጊ ትግዝኡ፧ 22. እዚ ሕጊ እዚ ብምሉኡ ሰብ ዝሓገጎን ዝመሃሮን ስለ ዝኾነ፥ ምስ ፈጸምካዮ ኃላፊ እዩ። 23. እዚ ሰብ ባዕሉ ብዘጥረዮ ኣምልኾን ሓቂ ብዘይብሉ ትሕትናን ንሰብነት ኣበርቲዑ ዚቐጽዕ መልክዕ ጥበብ ዘለዎ ሕጊ እዩ። ባህታ ሥጋ ንምቊጽጻር ግና ኣይጠቅምን እዩ።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
2ይ ዮሐ 1 : 1 - 7 [English][ግእዝ]1. ካብ መራሕ ቤተ ክርስትያን፥ ናብታ ኅርይቲ እመቤትን፥ ናብቶም ኣነ ብሓቂ ዘፍቅሮም ደቃን፥ ኣነ በይነይ ዘይኮንኩስ፥ እቶም ነታ ሓቂ ዚፈልጥዋ ዘበሉ ዅላቶም ድማ ዜፍቅርዎም። 2. እነፍቅሮም ድማ ስለ እታ ኣባና ዘላ፥ ንዘለዓለም ከኣ ምሳና እትነብር ሓቂ፥ ኢልና ኢና። 3. ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዱ ንእግዚኣብሔር ኣቦን፥ ጸጋን ምሕረትን ሰላምን ብሓቅን ብፍቕርን ምሳና ኪኸውን እዩ። 4. ገለ ካብ ደቅኺ ከምቲ ኻብ ኣቦ ዝተቐበልናዮ ትእዛዝ ኮይኖም ብሓቂ ዚነብሩ ስለ ዝረኸብኩ፥ ብዙኅ እሕጐስ ኣሎኹ። 5. ሕጂ ድማ እመቤተይ፥ ሓድሽ ዘይኮነስ፥ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረና ትእዛዝ እየ ዝጽሕፈልኪ ዘሎኹ፥ ማለት ንሓድሕድና ክንፋቐር እልምነኪ ኣሎኹ። 6. ፍቕሪ ማለት ትእዛዛት ኣምላኽ እናፈጸምካ ምንባር ማለት እዩ። ከምቲ ካብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ፥ እቲ ትእዛዝ “ብፍቕሪ ንበሩ” ዚብል እዩ። 7. ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ብሥጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመኑ ብዙኃት መስሓትቲ ኣብ ዓለም ተላዒሎም ኣለዉ። መስሓትን ፀረ ክርስቶስን ዚበሃል ከኣ ኸምዚ ዝበለ እዩ።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ ሐዋ 27 : 17 - 22 [English][ግእዝ]17. ነታ ጃልባ ስሒቦም ምስ ኣውፅእዋ፥ ነታ መርከብ ብታሕቲ ብገመድ ኣሰርዋ። ኣብ ድበት ሑጻ ናብ ሰርቱስ ከይወድቁ ፈሪሆም ድማ ነቲ ጋንጽላ ጠቕሊሎም ትኺድ ኃደግዋ። 18. ንጽባሒቱ ማዕበል እናበርትዓና ምስ ከደ ድማ ኻብቲ ጽዕነት ናብ ባሕሪ ኺድርብዩ ጀመሩ። 19. ብሣልሰይቲ መዓልቲ ድማ ነቲ ናውቲ መርከብ ብገዛእ ኣእዳዎም ደርበይዎ። 20. ብዙኅ መዓልቲ ፀሓይ ኮነ ከዋኽብቲ ከይረአና ማዕበል እናበርትዓና ምስ ከደ፥ ኵሉ ተስፋ ድኅነት ሕይወትና ፈጺምና ቐበጽናዮ። 21. እኽሊ ኸይጠዓሙ ብዙኅ መዓልቲ ምስ ገበሩ ድማ ጳውሎስ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ “ኣቱም ሰባት፥ ምኽረይ ሰሚዕኩምኒ እንተ ትኾኑ ኔርኩም፥ ካብ ቀርጤስ ኣይምተበገስኩምን ኔርኩም። እዚ ጸበባን ጉድኣትን እዚ ኣይምረኸበኩምን ነይሩ። 22. ሕጂ ድማ እዛ መርከብ ክትጉዳእ እያ፤ ካባኻትኩም ግና ሓደ እኳ ኣይኪጠፍእን እዩ፤ ስለዚ ክትሃድኡ እልምነኩም ኣሎኹ።
ስንክሳር Synaxarium
በዓለ እግዝእትነ ማርያምወኄራኒ ሰማዕት
መዝሙር Psalm
መዝ 45 : 9 - 10 / መዝ ፵፬ : ፱ - ፲ [English][ትግርኛ]
ኣዋልድ ነገስታት ኣብ ማእከል እተን ክቡራት ኣንስትኻ እየን፣ እታ ንግስቲ ብወርቂ ኦፈር ተሰሊማ፣ ኣብ የማንካ ትቐውም ኣላ።
አዋልደ ነገሥት ለክብርከ፤
ወትቀውም ንግሥት በየማንከ፤
በአልባሰ ወርቅ ዑጽፍት ወሑብርት።
ወንጌል Gospel
ማቴ 25 : 1 - 13 [English][ግእዝ]1. “ሽዑ መንግሥተ ሰማያት መመብራህተን ኂዘን መርዓዊ ኺቕበላ ዝወፃ ዓሠርተ ደናግል ትመስል። 2. ካብኣተን እተን ኃሙሽተ ዓያሱ፥ እተን ኃሙሽተ ኸኣ ለባማት ነበራ። 3. እተን ዓያሱ ቐቀንዴለን ወሲደን፥ ዘይቲ ኣይተማልኣን። 4. እተን ለባማት ግና መምስ ቀንዴለን ዘይቲ ኣብ ጢናአን ተማሊአን ነበራ። 5. መርዓዊ ምስ ደንጐየ ድማ፥ ዂለን ተታኺሰን ደቀሳ። 6. ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ‘እንሆ መርዓዊ ኽትቅበሉ ውፁ’ ዚብል ዋዕዋዕታን ዕልልታን ኮነ። 7. ሽዑ ዅለን እተን ደናግል ተንሢአን፥ ቀቀንዴለን ኣሰናደዋ። 8. እተን ዓያሱ ነተን ለባማት ‘መባርህትና ኺጠፍኣና ኢለን እሞ፥ ካብ ዘይትኽን ግዳ ሃባና’ በላአን። 9. እተን ለባማት ግና ናብቶም ዚሸጡ ደኣ ኼድክን ንርእስኽን ተሻየጣ እምበር ንኣናን ንኣኻትክንን ዚኣክል የብልናን ኢለን መለሳለን። 10. ኪዕድጋ ምስ ከዳ እቲ መርዓዊ መጸ፥ እተን ተዳልየን ዝጸንሓ ምስኡ ናብ መርዓ ኣተዋ፥ ማዕጾ ድማ ተዓጽወ። 11. ደኃር እተን ዝተረፋ ደናግል መጺአን “ኦ ጐይታ! ኦ ጐይታ! ኣርኅወልና ኾታ፧” በላ። 12. ንሱ ግና “ብሓቂ ኣይፈልጠክንን እየ እብለክን ኣሎኹ” ኢሉ መለሰለን። 13. እምብኣርሲ እታ ወዲ ሰብ ዚመጸላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጥዋን ኢኹም እሞ ንቕሑ። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘእግዝእትነ ማርያም(ጐሥዓ)
ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 145 : 21 - 22 / መዝ ፻፵፬ : ፳፩ - ፳፪ [English][ትግርኛ]
ኣፈይ ምስጋና እግዚኣብሄር ይዛረብ፣ ኵሉ ስጋ ኸኣ ንቕዱስ ስሙ ንዘለአለም ኣለም ይባርኾ።
ስብሐተ እግዚአብሔር ይነግር አፉየ፤
ወኵሉ ዘሥጋ ይባርክ ለስሙ ቅዱስ፤
ለዓለም ወለዓለመ ዓለም።
ወንጌል Gospel
ዮሐ 13 : 31 - ፍም [English][ግእዝ]31. ንሱ ምስ ወፀ፥ ሽዑ ኢየሱስ ከምዚ በለ፦ “ሕጂ ወዲ ሰብ ከበረ፥ ኣምላኽውን ብእኡ ኸበረ። 32. ኣምላኽ ብእኡ ኻብ ከበረ፥ ኣምላኽ ከኣ ንእኡ ባዕሉ ኬኽብሮ እዩ፥ ቀልጢፉውን ኬኽብሮ እዩ። 33. ደቀየ፥ ገና ቚሩብ ጊዜ ምሳኻትኩም እየ፥ ክትደልዩኒ ኢኹም፥ ከምቲ ንኣይሁድ 'ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይክኣለኩምን እዩ' ዝበልክዎም፥ ንኣኻትኩምውን ሕጂ እብለኩም ኣሎኹ። 34. ንሓድሕድኩም ኽትፋቐሩ፥ እወ፥ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም ጌርኩም ንሓድሕድኩም ምእንቲ ክትፋቐሩ፥ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣሎኹ። 35. ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ኣላትኩም በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኪፈልጥ እዩ።” 36. ስምዖን ጴጥሮስ ከኣ፥ “ጐይታይ! ናበይ ክትከይድ ኢኻ፧” በሎ። ኢየሱስ ድማ “ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻ ሕጂ ኽትስዕበኒ ኣይትኽእልን ኢኻ፥ ደኃር ግና ኽትስዕበኒ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። 37. ጴጥሮስ ከኣ “ጐይታይ! ስለምንታይ እየ ሕጂ ኽስዕበካ ዘይክእል፧ ሕይወተይ እንተ ኾነ እኳ በጃኻ ኣኅሊፈ ኽህብ እየ” በሎ። 38. ኢየሱስ ከኣ “ብሓቂዶ ንሕይወትካ በጃይ ከተኅልፋ ኢኻ፧ ሠለስተ ጊዜ ክሳዕ እትኽሕደኒ ደርሆ ኸም ዘይንቁ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ” ኢሉ መለሰሉ። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።
ዘመነ ማርቆስ Readings for Friday
ነሐሰ 22, 2018 ብግእዝ Aug 28, 2026 ብፈረንጅ
ናይ ንግሆ ( Matin )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 103 : 9 - 10 / መዝ ፻፪ : ፱ - ፲ [English][ትግርኛ]
ኵሉ ጊዜ ኣይገንሕን፣ ንዘለአለም ከኣ ኣይቅየምን እዩ። ከም መጠን ሓጢኣትና ኣይገብረናን፣ ከም መጠን ኣበሳና ድማ ኣይፈድየናን እዩ።
ኢይቀሥፍ ወትረ ወኢይትመዓዕ ዘልፈ፤
አኮ በከመ ኃጢአትነ ዘገብረ ለነ፤
ወኢፈደየነ በከመ አበሳነ።
ወንጌል Gospel
ማቴ 6 : 1 - 8 [English][ግእዝ]1. “ብሰብ ምእንቲ ኽትርኣዩ ኢልኩም ጽድቅኹም ከይትገብሩ ተጠንቀቑ። እንተ ዘይኮነ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ የብልኩምን። 2. እምብኣርከ ንስኻ ክትምጽውት ከሎኻ፥ እቶም ግቡዛት፥ ብሰብ ምእንቲ ኺንኣዱ ኣብ ናይ ኣይሁድ ኣባይቲ ጸሎትን ዓበይቲ መገድታትን ከም ዚገብርዎ ኣብ ቅድሜኻ መለኸት ኣይትንፋሕ። ዓስቦም ከም ዝተቐበሉ፥ ብሓቂ እበለኩም ኣሎኹ። 3. - 4. ንስኻ ግና ምጽዋትካ ብኅቡእ ምእንቲ ኪኸውን፥ ክትምጽውት ከሎኻ የማነይትኻ እትገብሮ ጸጋመይትኻ ኣይትፍለጦ፥ እቲ ብሥዉር ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግልጺ ኪፈድየካ እዩ። 5. “እቶም ግቡዛት ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ፥ ኣብ ናይ ኣይሁድ ኣባይቲ ጸሎትን፥ ኣብ ቀራናታት መገድን ደው ኢሎም ኪጽልዩ ይፈትዉ እዮም እሞ፥ ክትጽልዩ ኸሎኹም ከምኣቶም ኣይትኹኑ፥ ዓስቦም ከም ዝተቐበሉ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 6. ንስኻ ግና ክትጽሊ ከሎኻ፥ ናብ ቤትካ እቶ፥ ማዕጾኻ ዓጺኻ ናብቲ ብሥዉር ዘሎ ኣቦኻ ጸሊ። እቲ ብሥዉር ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግልጺ ኪፈድየካ እዩ። 7. “ኣሕዛብ ብምብዛኅ ዘረባኦም ዚስምዑ እዩ ዚመስሎም እሞ፥ ኽትጽልዩ ኸሎኹም ከምኣቶም ከንቱ ዘረባ ኣይተብዝኁ። 8. እምብኣርከ ኣቦኹም ከይለመንኩምዎ፥ ዜድልየኩም ይፈልጥ እዩ እሞ፥ ኣይትምሰልዎም። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
ሮሜ 11 : 25 - ፍም [English][ግእዝ]25. ኣኅዋተይ! ምእንቲ “ብልህታት ኢና” ኢልኩም ከይትምክሑስ፥ ነዛ ምሥጢር እዚኣ ኽትፈልጡ ምፈቶኹ። ንገለ እስራኤላውያን ትሪ ልቢ ዝበጽሖም፥ ኣሕዛብ ናብ ድኅነት ብምልኣት ክሳዕ ዚምለሱ እዩ። 26. ስለዚ እስራኤላውያን ብምሉኦም ኪድኅኑ እዮም። ከመይ “መድኅኒ ካብ ጽዮን ኪመጽእ እዩ፥ ካብ ያዕቆብ ኃጢኣት ኬርሕቕ እዩ። 27. ኃጢኣቶም ምስ ኣርሓቕኩ ኸኣ፥ እቲ ምስኣቶም ዝኣትዎ ኺዳን እዚ እዩ” ዚብል ጽሑፍ ኣሎ። 28. እስራኤላውያን ንወንጌል ብዘይ ምቕባሎም፥ ምእንቲ ጥቕምኹም ጸላእቲ እግዚኣብሔር ኮኑ፥ ብኅርየት ግን ሳላ ኣቦታት ፍቁራት እግዚኣብሔር እዮም። 29. ከመይ እግዚኣብሔር ውህበት ምስ ሃበን ምስ ጸውዐን ኣይጠዓስን እዩ። 30. ንስኻትኩም ቀደም ንኣምላኽ ኣይተኣዘዝኩምዎን፥ ሕጂ ግና ብናይ እስራኤል ዘይምእዛዝ ተመሓርኩም። 31. ከምኡውን ንሳቶም፥ በቲ ንስኻትኩም ዝተመሓርኩምሉ ምሕረት ምእንቲ ኪምሓሩ ሕጂ ኣይተኣዘዙን። 32. ምኽንያቱ፥ ኣምላኽ ምሕረቱ ምእንቲ ኼርእዮም ንዅሎም ኣብቲ ዘይምእዛዝ ዓጸዎም። 33. ኣየ! ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን ክንደይ ዓሚቚ እዩ፥ ንፍርዱ ኪምርምሮ ዚኽእል የልቦን፥ ንመገዱ ኪእስሮ ዚኽእልውን የልቦን። 34. ሓሳብ እግዚኣብሔር ዚፈልጥ መን እዩ፧ ወይስ መን እዩ ዘማኸሮ፧ 35. ንኣምላኽከ ቀደም ገለ ዝሃቦ እሞ ዚፍደዮ መን እዩ፧ 36. ምኽንያቱ ዅሉ ኻብኡን ብእኡን ንእኡን እዩ። ንእኡ ንዘለዓለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
2ይ ጴጥ 1 : 19 - ፍም [English][ግእዝ]19. ነዚ ብዝበለጸ ዜረጋግጽልና ቃል ነብያትውን ኣሎና። ምድሪ ኽሳዕ ዚውግሕ፥ ኮኸብ ጽባሕ ኸኣ ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዚወፅእ፥ ከምቲ ኣብ ጸልማት ዜብርህ መብራህቲ ጌርኩም እንተ ኣስተብሃልኩምሉ ሠናይ ትገብሩ።20. ቅድሚ ዅሉ፥ ነቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዘሎ ትንቢት፥ ሓደ ብናይ ርእሱ ኣተሓሳስባ ኪትርጒሞ ከም ዘይክእል ፍለጡ።21. ከመይ ትንቢት፥ ሰባት ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ ዝተዛረብዎ እምበር፥ ከቶ ብፍቓድ ሰብ መጺኡ ኣይፈልጥን።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ ሐዋ 7 : 48 - 54 [English][ግእዝ]48. - 49. ከምቲ ነቢይ ‘ሰማይ ዝፋነይ እዩ፥ ምድሪ ኸኣ መርገጽ እግረይ እዩ፥ ከመይ ዝበለ ቤት ደኣ ኢኹም እትሓንጹለይ፧ ይብል እግዚኣብሔር፥ ከመይ ዝበለ ሥፍራኸ እዩ እቲ ኣነ ዝዓርፈሉ፧ ነዚ ዅሉ ነገራትስ ኢደይዶ ኣይኮነን ዝገበሮ፧’ ዝበሎ፥ እቲ ልዑል ኣምላኽ ብኢድ ሰብ ኣብ ዝተሓንጸ ቤት ኣይነብርን እዩ። 50. ኣቱም ተረርቲ ኽሳድ፥ ልብኹምን ኣእዛንኩምን ዘይተገዝረ፥ ንስኻትኩምውን ከምቲ ናይ ኣቦታትኩም ንመንፈስ ቅዱስ ኵሉ ጊዜ ትጻረርዎ ኣሎኹም። 51. ካብ ነቢያትከ ኣቦታትኩም ዘይሰጐጒዎ መን እዩ፧ ንሳቶም ነቶም ብዛዕባ ምምጻእ እቲ ጻድቅ ኣቐዲሞም ዘበሠሩ ቐተልዎም፤ ሕጂውን ንስኻትኩም ኣኅሊፍኩም ወሃብቱን ቀተልቱን ኢኹም። 52. ንስኻትኩም ነቲ ሕጊ ብኢድ መላእኽቲ ተቐቢልኩምዎ ኔርኩም፥ እንተኾነ ኣይሓሎኹምዎን።” 53. እቶም ሰብ ከኣ ነዚ ምስ ሰምዑ፥ ልቦም ነደደ፥ ኣስናኖም ከኣ ሓርቀሙሉ። 54. ንእስጢፋኖስ ግና መንፈስ ቅዱስ መልኦ፥ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ ኸኣ ኽብሪ ኣምላኽን ኢየሱስ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉን ረኣየ።
ስንክሳር Synaxarium
ሚክያስ ነቢይ ፩ እምደቂቀ ነቢያት
መዝሙር Psalm
መዝ 105 : 14 - 15 / መዝ ፻፬ : ፲፬ - ፲፭ [English][ትግርኛ]
ንሱ ሰብ ኪጠቕዖም ኣይሐደገን፣ ንቕቡኣተይ ኣይትተንክይዎም፣ ነብያተይ ድማ ክፉእ ኣይትግበርዎም፣ ኢሉ ምእንትኦም ንነገስታት ገሰጾም።
ወገሠጸ ነገሥተ በእንቲአሆሙ፤
ኢትግስሱ መሲሓንየ፤
ወኢታሕሥሙ ዲበ ነቢያትየ።
ወንጌል Gospel
ማቴ 2 : 1 - 6 [English][ግእዝ]1. - 2. ኢየሱስ ብዘመን ንጉሥ ሄሮድስ ኣብ ቤተ ልሔም ምድሪ ይሁዳ ምስ ተወለደ፥ እንሆ ካብ ሃገር ምብራቕ ዝተላዕሉ ሰብ ጥበብ፥ “እቲ ዝተወለደ ንጉሥ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ፧ ኮኸቡ ብምብራቕ ርኢና እሞ፥ ክንሰግደሉ መጺእና” እናበሉ ናብ ኢየሩሳሌም በጹሑ። 3. ንጉሥ ሄሮድስ ነዚ ሰሚዑ ተሸበረ፥ ኵሎም ሕዝቢ ኢየሩሳሌምውን ምስኡ ተሸበሩ። 4. ንሱ ድማ ንዅሎም ሊቃነ ኻህናትን ናይ ሕዝቢ መማህራን ሕግን ኣኪቡ፥ “ክርስቶስ ኣበይ እዩ ዚውለድ፧” ኢሉ ሓተቶም። 5. - 6. ንሳቶም ከኣ “‘ኣቲ ቤተ ልሔም ምድሪ ይሁዳ፥ ንሕዝበይ እስራኤል ዚጓስዮም ሹም ካባኺ ኪወፅእ እዩ እሞ፥ ካብ ሹማምንቲ ይሁዳ ከቶ ኣይትንእስን ኢኺ’ ዝብል ብነቢይ ጽሑፍ ስለ ዘሎ፥ ኣብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ እዩ” በልዎ። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘእግዝእትነ ማርያም(ጐሥዓ) ዓዲ ዘዮሐንስ ወልደ ነጐድጓድ (ሃቤከ)
ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 28 : 1 - 2 / መዝ ፳፯ : ፩ - ፪ [English][ትግርኛ]
ዎ እግዚኣብሄር፣ ናባኻ ኤእዊ ኣሎኹ፣ ከይመለስካለይ ስቕ እንተ በልካ፣ ኣነ ነቶም ናብ ጕድጓድ ዚወርዱ ኸይመስልሲ፣ ዎ ኸውሔይ፣ ኣይትጽመመኒ። ነእዳወይ ናብ ቅድስተ ቕዱሳን ኣልዒለ፣ ናባኻ ኽምህለል ከሎኹ፣ ንድምጺ ጸሎተይ ስምዓዮ።
ኀቤከ እግዚኦ ጸራሕኩ አምላኪየ ወኢትጸመመኒ፤
እመሰ ተጸመምከኒ እከውን ከመ እለ ይወርዱ ውስተ ግብ፤
ስምዐኒ እግዚኦ ቃለ ስእለትየ ዘጸራሕኩ ኀቤከ።
ወንጌል Gospel
ሉቃ 6 : 39 - ፍም [English][ግእዝ]39. ብምስላ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “ዕዉርዶ ንዕዉር ኪመርሖ ይኽእል እዩ፧ ክልቲኦምዶኸ ኣብ ጕድጓድ ኣይወድቁን፧ 40. ተመሃሪ ካብ መምህሩ ኣይበልጽን፥ ተማሂሩ ዝወድአ ዅሉ ግና ከም መምህሩ እዩ ዚኸውን። 41. “ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ሠርወ ዘየስተብሃልካስ ፥ ስለምንታይ ግዳ ኣብ ዓይኒ ኃውካ ዘሎ በሰር ትርኢ፧ 42. ወይሲ ንስኻ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ሠርወ ዘይረኣኻስ ከመይ ኢልካ ኢኻ ንኃውካ፥ ‘ኣታ ኃወይ፥ ነቲ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ በሰር ከውፅኣልካ ኅደገኒ’ ክትብሎ ትኽእል፧ ኣታ ግብዝ፥ ቅድም ነቲ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ሠርወ ኣውፅእ እሞ ብድኅሪኡ ነቲ ኣብ ዓይኒ ኃውካ ዘሎ በሰር ምውፃእ ኣጸቢቕካ ኽትርኢ ኢኻ። 43. “ሕማቕ ፍረ ዚፈሪ ጽቡቕ ኦም፥ ወይ ከኣ ጽቡቕ ፍረ ዚፈሪ ሕማቕ ኦም፥ የልቦን። 44. ምኽንያቱ በለስ ካብ እሾዂ፥ ወይኒ ኸኣ ካብ ተኾርባ ኣይቕንጠብን እዩ፥ ኵሉ ኦም ብፍሪኡ እዩ ዚፍለጥ። 45. ኣፍ ድማ ካብ ምልኣት ልቢ እዩ ዚዛረብ እሞ እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ሠናይ መዝገብ ልቡ ሠናይ የውፅእ፥ እቲ ኽፉእ ድማ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ የውፅእ። 46. “ነቲ ኣነ ዝብሎ ዘይትገብሩስ፥ ስለምንታይ ኢኹም ጐይታይ! ጐይታይ! እትብሉኒ፧ 47. እቲ ናባይ ዚመጽእን ንቓለይ ሰሚዑ ዚገብሮን ዘበለ ዅሉ ንመን ከም ዚመስል ከርእየኩም እየ። 48. ንሱ ቤት ኪሠርሕ ከሎ ኣዕሚቑ ዝዀዓተን መሠረቱውን ኣብ ከውሒ ዝመሥረተን ሰብኣይ እዩ ዚመስል። ብርቱዕ ውሒዝ ምስ መጸ፥ ነቲ ቤት ደፍኦ፥ ብጽኑዕ ስለ ዝተነድቀ ኸኣ ምንቕናቑ ሰኣነ። 49. እቲ ንቓለይ ሰሚዑ ዘይገብሮ ግና ቤቱ ብዘይ መሠረት ኣብ ምድሪ ዝሠርሐ ሰብኣይ እዩ ዚመስል፤ እቲ ውሒዝ ደፍኦ፤ ብኡብኡ ወደቐ፥ ኣወዳድቓ እቲ ቤት እቲ ኸኣ ዓቢይ ኾነ።” ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ዘመነ ማርቆስ Readings for Saturday
ነሐሰ 23, 2018 ብግእዝ Aug 29, 2026 ብፈረንጅ
ናይ ንግሆ ( Matin )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 44 : 10 - 11 / መዝ ፵፫ : ፲ - ፲፩ [English][ትግርኛ]
ካብ ተጻራሪ ኣምለስካና፣ ጸላእትናውን ዘመቱና። ከም ኣባጊዕ ክንብላዕ ኣሕሊፍካ ሀብካና፣ ኣብ ኣህዛብውን ፋሕ ኣበልካና፣
ወአግባእከነ ድኅሬነ ኀበ ፀርነ፤
ወተማሰጡነ ጸላእትነ፤
ወወሀብከነ ይብልዑነ ከመ አባግዕ።
ወንጌል Gospel
ዮሐ 16 : 1 - 6 [English][ግእዝ]1. “እዚ ዝነገርኩኹም ብእምነትኩም ምእንቲ ኸይትዕንቀፉ ኢለ እየ። 2. ካብ ቤት ጸሎቶም ኬውፅኡኹም እዮም፥ አረ እቲ ዚቐትለኩም ዘበለስ ንኣምላኽ ኣገልግሎት ዜቕርበሉ ኸም ዘሎ ዚመስሎ ጊዜ ኽትመጽእ እያ። 3. ነቦን ንኣይን ስለ ዘይፈለጡ፥ እዚ ዅሉ ኺገብሩኹም እዮም። 4. እዚ ነገራት እዚ ዝነገርኩኹም፥ ጊዜኦም ምስ በጽሐ ኣነ ኸም ዝበልኩኹም ምእንቲ ክትዝክርዎ ኢለ እየ። ካብ መጀመርታ እዚ ዘይነገርኩኹም ምሳኻትኩም ስለ ዝነበርኩ እየ። 5. “ሕጂ ግና ናብቲ ዝለኣኸኒ እኸይድ ኣሎኹ፥ ካባኻትኩም ከኣ ሓደ እኳ 'ናበይ ኢኻ እትኸይድ፧' ኢሉ ዚሓተኒ የልቦን። 6. እዚ ስለ ዝነገርኩኹም ግና ልብኹም ኃዘን መልአ። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
1ይ ቆሮ 13 : 1 - ፍም [English][ግእዝ]1. ብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ዝዛረብ፥ ግና ፍቕሪ እንተ ዘይህልወኒ፥ ከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል ምኾንኩ። 2. ውህበት ትንቢት እንተ ዚህልወኒ፥ ኵሉ ምሥጢራትን ኵሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥ፥ እምባታት ክሳብ ዘግዕዝ ከኣ ኵሉ እምነት እንተ ዚህልወኒ፥ ግና ፍቕሪ እንተ ዘይህልወኒ ከንቱ ምኾንኩ ነይረ። 3. ኵሉ ገንዘበይ ከኣ ንድኻታት እንተ ዝዕድል፥ ሰብነተይ ንምንዳድ ኣኅሊፈ እንተ ዝህብ፥ ግና ፍቕሪ እንተ ዘይህልወኒ ሓንቲ እኳ ኣይጠቕመንን እዩ። 4. ፍቕሪ ዓቃል እያ፥ ፍቕሪ ለዋህ እያ፥ ፍቕሪ ኣይትቐንእን እያ፥ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን እያ፥ ኣይትዕበን እያ። 5. ፍቕሪ ስዲ ኣይኮነትን፥ ንኣይ ይጥዓመኒ ብዚብል ኣይትምራሕን እያ። ፍቕሪ ኣይትቚጣዕን፥ ኣይትቕየምን እያ። 6. ብሓቂ ትሕጐስ እምበር ብዓመጽ ባህ ኣይብላን። 7. ፍቕሪ ንዅሉ ትፀውር፥ ንዅሉ ትኣምን፥ ብዅሉ ድማ ተስፋ ትገብር፥ ንዅሉ ትዕገሥ። 8. ትንቢት እንተሎ ንሱ ኺሰዓር እዩ፥ ምዝራብ ቋንቋታት እንተሎ ንሱ ኪውዳእ እዩ፥ ፍልጠት እንተሎውን ንሱ ኺሰዓር እዩ፥ ፍቕሪ ግና ከቶ ኣይተቋርጽን እያ። 9. ከመይ እቲ እንፈልጦ ኾነ እንንበዮ ምሉእ ኣይኮነን። 10. ግናኸ እቲ ምልኣት ምስ መጸ እቲ ጐደሎ ኪሰዓር እዩ። 11. ቈልዓ ኣብ ዝነበርኩሉ ጊዜ ኸም ቈልዓ እዛረብ ነበርኩ፥ ኸም ቈልዓ እሓስብ ነበርኩ፥ ከም ቈልዓውን እመራመር ነበርኩ። ሰብኣይ ምስ ኮንኩ ግና ነቲ ነገር ቈልዓ ኃደግክዎ። 12. ሕጂስ ከም ብመስትያት ዋግዋጎ ንርኢ ኣሎና፥ ሽዑ ግና ገጽ ንገጽ ክንርኢ ኢና። ሕጂ ፍልጠተይ ጐደሎ እዩ፥ ሽዑ ግና ከምቲ ኣምላኽ ንኣይ ዚፈልጠኒ ፍልጠተይ ምሉእ ኪኸውን እዩ። 13. ሕጂ ኸኣ እምነት፥ ተስፋ፥ ፍቕሪ፥ እዚኣተን ሠለስቲአን ኣለዋ። ካብዚኣተን እትዓቢ ግና ፍቕሪ እያ።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
2ይ ጴጥ 2 : 14 - ፍም [English][ግእዝ]14. ዝሙት ዝመልኣ ኻብ ኃጢኣት ኸኣ ዘየቋርጻ ኣዕይንቲ ኣለዋኦም፥ እተን ብእምነት ዘይጸንዓ ነፍሳት ይሓብልወን፥ ስስዐ ዝለመደ ልቢ ኣለዎም፥ ደቂ መርገም እዮም።15. ነታ ቕንዕቲ መገዲ ኃዲጎም ተጋገዩ፥ መገዲ እቲ ዓስቢ ዓመጻ ዝፈተወ በለኣም ወዲ ባሶር ሰዓቡ።16. እንተኾነ ሕጊ ብምፍራሱ መግናሕቲ ተቐበለ፥ በሃም ኣድጊ ብድምፂ ሰብ ተዛሪባ ንዕብዳን እቲ ነቢይ ዓገተቶ።17. እዞም ሰባት እዚኣቶም ዝነጸፈ ዓይኒ ማይን ህቦብላ ዚኽብክቦ ግመን እዮም፥ ንኣኣቶም ግብ ዝበለ ጸልማት ዘለዓለም ተኣኪቡሎም ኣሎ።18. ንሳቶም ነቶም ኣብ ስሕተት ካብ ምንባር ብቐረባ እዋን ዝመለቑ፥ በቲ ኸንቱን ትዕቢት ዝመልኦን ዘረባኦም ገይሮም ብኽፉእ ትምኒት ሥጋን ብርኽሰትን ይሓባብልዎም ኣለዉ።19. ዝተሰዓረ ሰብ ባርያ ናይቲ ዝሰዓሮ እዩ ዚኸውን፥ ንሳቶም ግና ገዛእ ርእሶም ናይ ክፋእ ኣመል ባሮት ኸለዉ “ሓራ ኽትወፁ ኢኹም” እናበሉ የተስፍውዎም።20. ከመይ ሰባት ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምፍላጥ ካብ ርኽሰት ዓለም መሊቖም፥ ከም ብሓዱሽ ብእኣ ተጠሊፎም እንተ ደኣ ተሳዕሩ፥ ካብ ቀዳማዮም ዳኅራዮም እዩ ዚገድድ።21. ንሳቶም እናፈለጥዋ ኻብቲ ዝተዋህቦም ቅዱስ ትእዛዝ ንድኅሪት ካብ ዚምለሱስ፥ ነታ መገዲ ጽድቂ እንተ ዘይፈልጥዋ ምኃሾም ነይሩ።22. እዚ ኸኣ እቲ “ከልቢ ናብ ትፍኡ ተመልሰ” ከምኡ ኸኣ “ሓሰማ ተሓጺባ ኣብ ጸምሪ ኣንገርገረት” ዚብል ምስላ ሓቂ ከም ዝኾነ የረድእ።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ ሐዋ 27 : 39 - ፍም [English][ግእዝ]39. ምስ ወግሐ ነቲ ምድሪ ምልላዩ ሰኣኑ፤ ኣማዕድዮም ግና ገምገም ዘለዎ ልሳን ባሕሪ ረኣዩ እሞ፥ እንተ ተኻእሎምሲ ነታ መርከብ ናብኡ ኬብጽሕዋ ደለዩ። 40. ነቲ መልህቅ ፈቲሖም ከኣ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ፤ ሽዑ ነቲ ማእሰር ስካን ፈትሕዎ፥ ነቲ ንእሽቶ ጋንጽላ ንንፋስ ገቲሮምውን ናብቲ ገምገም ገጾም ከዱ። 41. ኣብ ሓደ ልሳን ምድሪ ምስ በጽሑ ኸኣ፥ እታ መርከብ ብወገን ቅድሚታ ኣብ ምድሪ ተሸኽለት እሞ ዘይትንቕነቕ ኮነት፥ ብወገን ድኅሪታ ኸኣ ማዕበል በርቲዕዋ ተሰብረት። 42. እቶም ዓቀይቲ ድማ ሓደ እኳ ሓምቢሱ መታን ከይመልቚ ኢሎም፥ ነቶም እሱራት ኪቐትልዎም ተማኸሩ። 43. እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና ንጳውሎስ ኬድኅኖ ደልዩ፥ ነቲ ምኽሮም ኣይሠመሮን። ነቶም ሓምቢሶም ዚኽእሉ ድማ ቕድም ወሪዶም ናብ ምድሪ ኺወፁ ኣዘዘ። 44. ነቶም ዝተረፉ ኸኣ ገሊኦም ብሉሕ፥ ገሊኦምውን ብስባር እታ መርከብ ኪወፁ ኣዘዘ። በዚ ኸምዚ ዅላቶም ድኂኖም ናብ ምድሪ በጽሑ።
ስንክሳር Synaxarium
፫፻ ሰማዕታትወድምያኖስ ወአብርሃም ሶርያዊወበዓለ እግዝእትነ በዘአፍለሰታ ለዕቆና
መዝሙር Psalm
መዝ 46 : 2 - 3 / መዝ ፵፭ : ፪ - ፫ [English][ትግርኛ]
ኣኽራን ኣብ መዓሙቚ ባሕሪ እንተ ተናወጹ፣ ማያቱ እንተ ሀመመን እንተ ዐፈረን፣ ኣኽራን ብነድሮም እንተ አንቀጥቀጡ፣ ንሕናስ ኣይንፈርህን ኢና።
ወለእመኒ ፈለሱ አድባር ውስተ ልበ ባሕር፤
ደምፁ ወተሐመጉ ማያቲሆሙ፤
ወአድለቅለቁ አድባር እምኀይሉ።
ወንጌል Gospel
ማቴ 21 : 18 - 22 [English][ግእዝ]18. ንግሆ ናብ ከተማ ኺምለስ ከሎ ጠመየ። 19. ኣብ ጥቓ መገዲ ሓንቲ ኦም በለስ ርእዩ ናብኣ ኸደ፥ እንተኾነ ቈጽሊ ጥራይ እምበር ሓንቲ ፍረ ስለ ዘይረኸበላ “ደጊም ካባኺ ንሓዋሩ ፍረ ኣይረኸብ” በላ፥ እታ ኦም በለስ ከኣ ሽዑንሽዑ ነቐጸት። 20. ደቀ መዛሙርቱ ድማ ርእዮም “እዛ ኦም በለስ ከመይ ኢላ ብኡብኡ ነቐጸት” እናበሉ ተገረሙ። 21. ኢየሱስ ከኣ “ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፥ እምነት እንት ኣልያትኩም እሞ እንተ ዘይተጠራጠርኩም እዛ ኦም በለስ ከም ዝኾነቶ ጥራይ ኣይኮነን እትገብሩ፥ ነዚ እምባዚውን ‘ተለዓል፥ ናብ ባሕሪ ተወርወር’ እንተ በልኩምዎ ኪኾነልኩም እዩ። 22. ኣሚንኩም ብጸሎት ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዅሉ ነገርዉን ክትቅበሉ ኢኹም” እናበለ መለሰሎም። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘእግዝእትነ ማርያም(ጐሥዓ) ዓዲ ዘዮሐንስ ወልደ ነጐድጓድ (ሃቤከ)
ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 81 : 8 - 9 / መዝ ፹ : ፰ - ፱ [English][ትግርኛ]
ዎ ህዝበይ፣ ክምስክረልካስ ስማዕ፣ ዎ እስራኤል፣ ኣየ እንተ ትሰምዓኒ። ካልእ ኣምላኽ አብ ማእከል ኣይኹን፣ ንኻልእ ኣምላኽውን ኣይትስገድ።
ስምዓኒ ሕዝብየ ወእንግርከ፤
እስራኤል አሰምዕ ለከ፤
እመሰ ሰማዕከኒ ኢይከውነከ አምላከ ግብት።
ወንጌል Gospel
ሉቃ 9 : 1 - 6 [English][ግእዝ]1. ኢየሱስ ነቶም ዓሠርተው ክልተ ሓዋርያት ብኃባር ጸዊዑ፥ ኣጋንንቲ ኼውፅኡን ሕሙማት ኬሕውዩን ኃይልን ሥልጣንን ሃቦም። 2. መንግሥቲ ኣምላኽ ኪሰብኩን ሕሙማት ኬሕውዩን ከኣ ለኣኾም። 3. ከምዚውን በሎም፦ “ንመገሻ ኢልኩም በትሪ ኾነ ሳንጣ፥ እንጌራ ኾነ ገንዘብ ገለ እኳ ኣይትማልኡ፤ ክልተ ቐሚሽ ድማ ኣይሃሉኹም። 4. ኣብታ ዝኣቶኹምዋ ቤት ተቐመጡ፥ ካብታ ኸተማ ኽሳዕ እትወፁ ኸኣ ኣብኣ ጽንሑ። 5. እንተ ዘይተቐበሉኹም ግና፥ ካብታ ኸተማ እቲኣ ወፂእኩም ንኣኣቶም ምእንቲ ምስክር ኪኸውን፥ ደሮና ኣእጋርኩም ንገፉ።” 6. ንሳቶም ድማ ወፂኦም ዓዲ ንዓዲ እናዞሩ ወንጌል ይሰብኩ፥ ኣብ ኵሉውን ሕሙማት የሕውዩ ነበሩ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ዘመነ ማርቆስ Readings for Sunday
ነሐሰ 24, 2018 ብግእዝ Aug 30, 2026 ብፈረንጅ
ናይ ንግሆ ( Matin )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 84 : 6 - 7 / መዝ ፹፫ : ፮ - ፯ [English][ትግርኛ]
ሓይሎም ብኣኻ ዝዀነ፣ ብልቦም ንመገድኻ ዚሐስቡ ሰባት ብጹኣን እዮም። ብለሰ ብኽያት ኪሐልፉ ኸለዉ፣ ዓይኒ ማያት ይገብርዎ፣ ዝናም አዝመራውን ብበረኸት ይኸድኖ።
እስመ መምህረ ሕግ ይሁብ በረከተ፤
ወይሐውር እምኀይል ውስተ ኀይል፤
ወያስተርኢ አምላከ አማልክት በጽዮን።
ወንጌል Gospel
ዮሐ 10 : 1 - 21 [English][ግእዝ]1. ኣስዒቡ ኸኣ ኢየሱስ ከምዚ በለ፦ “እቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ብኣፍ ደገ ዘይኣቱ፥ ብኻልእ ወገን ዚሓኵር፥ ንሱ ሰራቕን ጒሒላን ከም ዝኾነ ብሓቂ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 2. እቲ ብኣፍ ደገ ዚኣቱ ግና ንሱ ጓሳ ኣባጊዕ እዩ። 3. ንእኡ እቲ ሓላው ኣፍ ደገ ይኸፍተሉ፥ እተን ኣባጊዕውን ድምፁ ይሰምዓ፥ ነተን ኣባጊዑ ኸኣ በብስመን ጸዊዑ የውፍረን። 4. ንዅለን ነተን ኣባጊዑ ምስ ኣውፈረን ድማ ቀቅድሚአን ይኸይድ፥ እተን ኣባጊዑውን ድምፁ ስለ ዘለልያ ይስዕባኦ። 5. ንጓና ግና ድምፁ ስለ ዘየለልያ፥ ኻብኡ ይገልባ እምበር ኣይስዕባኦን እየን።” 6. ኢየሱስ ነዚ ምስላ እዚ መሰለሎም፥ ንሳቶም ግና ነቲ ዝተዛረቦም ኣየስተውዓልዎን። 7. ስለዚውን ኢየሱስ ከም ብሓድሽ ከምዚ በሎም፦ “ብሓቂ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፥ እቲ ኣፍ ደገ ኣባጊዕ ኣነ እየ። 8. እቶም ቅድመይ ዝመጹ ዅላቶም ሰረቕትን ጐሓሉትን እዮም፥ እተን ኣባጊዕ ግና ኣይሰምዓኦምን እየን። 9. እቲ ኣፍ ደገ ኣነ እየ፤ ብኣይ ዚኣቱ ኪድኅን እዩ፤ ኪኣቱን ኪወፍርን እዩ፤ መጓሰዪውን ኪረክብ እዩ። 10. ሰራቒ ኪሰርቕን ኪሓርድን ኬጥፍእን እንተ ዘይኮይኑ ኣይመጽእን እዩ፤ ኣነ ግና ሕይወት ምእንቲ ኺረኽባ፥ ብምልኣትውን ምእንቲ ኺረኽባ እየ ዝመጻእኩ። 11. “ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ፥ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ሕይወቱ በጃ ኣባጊዑ ኣኅሊፉ ይህብ። 12. እቲ ጓሳ ዘይኮነ ብዓል ዓስቢ ግና፥ እተን ኣባጊዕ ዘይጥሪቱ ስለ ዝኾና ተዅላ ኪመጽእ እንተ ረኣየ፥ ነተን ኣባጊዕ ኃዲግወን ይሃድም፥ እቲ ተዅላ ድማ ነተን ኣባጊዕ ይዝርፈን ፋሕውን የብለን። 13. ብዓል ዓስቢ ስለ ዝኾነ ይሃድም፥ ግዲ እተን ኣባጊዕውን የብሉን። 14. - 15. ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ፤ ኣቦ ነኣይ ከም ዚፈልጠኒ ኣነውን ንኣቦ ከም ዝፈልጦ፥ ነባጊዐይ እፈልጠን እየ፤ እተን ኣባጊዐይውን ይፈልጣኒ እየን፤ ንሕይወተይ ከኣ በጃ እተን ኣባጊዕ አኅልፋ። 16. ካብዚ መጓሰ እዚ ዘይኮና ኻልኦት ኣባጊዕውን ኣለዋኒ፥ ንኣኣተን ድማ ኸምጽአን እየ፥ ቃለይውን ኪሰምዓ እየን፥ ሓደ መጓሰን ሓደ ጓሳን ከኣ ኪኾና እየን። 17. ኣነ ንሕይወተይ በጃ ኣኅሊፈ ዝህባ መሊሰውን ዝወስዳ ስለ ዝኾንኩ ኣቦ የፍቅረኒ እዩ። 18. ባዕለይ እየ በጃ ኣኅሊፈ ዝህባ እምበር ካባይ ዚወስዳስ ሓደ እኳ የልቦን፤ በጃ ኸኅልፋ፥ መሊሰውን ክወስዳ ሥልጣን ኣሎኒ፤ ነዚ ትእዛዝ እዚ ካብ ኣቦይ እየ ዝተቐበልክዎ።” 19. ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ድማ ኣብ ማእከል ኣይሁድ ከም ብሓዱሽ ምፍልላይ ኮነ። 20. ሽዑ ካብኣቶም ብዙኃት “ጋኔን ኂዝዎ እዩ ዚዓብድ ዘሎ፤ ስለምንታይ ኢኹም እትሰምዕዎ፧” በሉ። 21. ኻልኦት ግና “እዚ ጋኔን ናይ ዝኃደሮ ዘረባ ኣይኮነን፤ ጋኔንዶ ኣዕይንቲ ዕዉራት ኪኸፍት ይከኣሎ እዩ፧” በሉ። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
ሮሜ 8 : 27 - ፍም [English][ግእዝ]27. እቲ ልቢ ዚምርምር እግዚኣብሔር፥ ናይ መንፈስ ቅዱስ ሓሳብ እንታይ ከም ዝኾነ ይፈልጦ እዩ። ምኽንያቱ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ እቶም ቅዱሳን ዚጽልዮ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ገይሩ እዩ። 28. ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ ከም መደቡውን ዝተጸውዑ ግና ዅሉ ንሠናይ ከም ዚድግፎም ንፈልጥ ኢና። 29. ነቶም ኣቐዲሙ ዝፈለጦም፥ ንሱ ንብዙኃት ኣኅዋት በዅሮም ምእንቲ ኺኸውን፥ ንምስሊ ወዱ ኺመስሉ ቐደም መደቦም። 30. ነቶም ቀደም ዝመደቦም፥ ንኣኣቶም ኸኣ ጸውዖም። ነቶም ዝጸወዖም ንኣኣቶም ድማ ኣጽደቖም፥ ነቶም ዘጽደቖም፥ ንኣኣቶምውን ኣኽበሮም። 31. እምበኣርሲ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ እንታይ ክንብል ኢና፧ ኣምላኽ ምሳና ኻብ ኮነኸ፥ መን እዩ ዚቃወመና፧ 32. እቲ ንወዱ እኳ ምእንቲ ዂላትና ኣኅሊፉ ዝሃቦ እምበር ዘይነሓፎ፥ ከመይ ደኣኸ ምስኡ ዅሉ ዘይህበና፧ 33. እቲ ዜጽድቖም ኣምላኽ ካብ ኮነ፥ ነቶም ኅሩያት ኣምላኽ ዚኸሶም መን እዩ፧ 34. እቲ ዚዅንንከ መን እዩ፧ እቲ ዝሞተ፥ አረ ኻብ ምዉታት እኳ ዝተንሥአ፥ ኣብ የማን ኣምላኽ ኮይኑውን ምእንታና ዚልምን ዘሎ ክርስቶስ ኢየሱስ እዩ። 35. - 36. ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ፧ ከመዮ “ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል ኣሎና፥ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርና” ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፥ መከራዶ፥ ጸበባዶ፥ ስደትዶ፥ ጥሜትዶ፥ ዕርቃንዶ፥ ድንገትዶ ወይስ ሞት፧ 37. እምበኣር ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉ በቲ ዘፍቀረና ክርስቶስ ዓወት ብምርካብ ካብቶም ዝሰዓሩ ኣዚና ንበልጽ ኢና። 38. ስለዚ ሞት ኮነ ሕይወት፥ መላእኽቲ ኾኑ ገዛእቲ፥ ዘሎ ኾነ ዚመጽእ፥ ወይ ኃይልታት፥ 39. ላዕለዋይ ኮነ ታሕተዋይ፥ ኻልእ ፍጥረትውን እንተ ኾነ፥ ካብታ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ዘላትና ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ዚኽእል ከም ዘየልቦ ኣረጋጊጸ ኣሎኹ።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
1ይ ጴጥ 5 : 1 - 7 [English][ግእዝ]1. ኣነ ከምኣቶም መራሕ ቤተ ክርስቲያን፥ ናይቲ ክርስቶስ ዝተቐበሎ ስቓይ መስካሪ፥ ኣብቲ ደኃር ኪመጽእ ዘለዎ ኽብሪውን ተማቓሊ ዝኾንኩ፥ ነቶም ኣብ ማእከልኩም ዘለዉ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን እምዕዶም ኣሎኹ። 2. ነቲ ኣምላኽ ዝሃበኩም መጓሰ ጓስይዎ፥ እንተኾነ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ብፍታው እምበር ብግዲ ኣይኹን። ብጽቡቕ ድላይ እምበር ንኸንቱ ረብሓ ኣይኹን። 3. ነቲ መጓሰ ኣርኣያ ደኣ ኹንዎ እምበር፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተዋህቡኹም ጐይቶት ኣይትኹኑ። 4. እቲ ሓለቓ ጓሶት ምስ ተገልጸ ድማ ዘይጽምሉ ኣኽሊል ክብሪ ኽትቅበሉ ኢኹም። 5. ከምኡ ኸኣ፥ ኣቱም መንእሰይ፥ ነቶም ዚዓብዩኹም ተገዝእዎም። “ኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓቶም፥ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም” ከም ዚብል ድማ ትሕትና ለቢስኩም ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ። 6. ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ። 7. ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ ንዅሉ ኃልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ ሐዋ 20 : 22 - 32 [English][ግእዝ]22. ሕጂ ድማ እንሆ ኣብ ኢየሩሳሌም እንታይ ከም ዚረኽበኒ ከይፈለጥኩ፥ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኸ ናብ ኢየሩሳሌም እኸይድ ኣሎኹ። 23. ብዘይካ እቲ መንፈስ ቅዱስ ‘ማእሰርትን ጸበባን ኪበጽሓካ እዩ’ ኢሉ ኣብ ፈቐዶ ከተማታት ዝነገረኒ እንተ ዘይኮይኑ ዝፈልጦ የብለይን። 24. ኣነ ግና ኣገልግሎተይ ክሳዕ ዝፍጽምን እቲ ጐይታ ኢየሱስ ዝሃበኒ ዕዮ ክሳዕ ዝውድእን፥ ንሕይወተይ ኣየናሕስየላን እየ፥ ከም ክብርቲ ገይረውን ኣይርእያን እየ። ኣገልግሎተይ ድማ ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ ምስባኽ እዩ። 25. “ሕጂ ድማ፥ እንሆ ንስኻትኩም ኵላትኩም እዞም መንግሥቲ ኣምላኽ እናዞርኩ ዝሰበኽኩልኩም ደጊም ገጸይ ከም ዘይትርእዩ እፈልጥ እየ። 26. ስለዚ ኻብ ደም ኵልኻትኩም ንጹሕ ምዃነይ ሎሚ መዓልቲ እምስክረልኩም ኣሎኹ። 27. ምኽንያቱ ዅሉ ፍቓድ ኣምላኽ ደኣ ነገርኩኹም እምበር ዘትረፍኩልኩም የብለይን። 28. ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ቤተ ክርስቲያን ኣምላኽን ክትጓስዩ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስ ቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኵሉ መጓሰ ሓልዉ። 29. ኣነ ምስ ኣልገስኩ ነቲ መጓሰ ዘየናሕስዩሉ፥ ከም ተዃሉ እኩያት ዝኾኑ ሰባት ከም ዚመጹኹም እፈልጥ እየ። 30. ካባኻትኩምውን ከይተረፈ ንደቀ መዛሙርቲ ሰዓብቶም ምእንቲ ኪገብርዎም፥ ቄናን ትምህርቲ ዚምህሩ ኪትንሥኡ እዮም። 31. ስለዚ ሠለስተ ዓመት ምሉእ ለይትን መዓልትን ብንብዓት ንነፍስ ወከፍኩም ካብ ምምዓድ ከም ዘየብኰርኩ፥ እናዘከርኩም ንቕሑ። 32. ሕጂ ድማ ንኣምላኽን ነቲ ኺሓንጸኩምን ምስ ኵላቶም ቅዱሳን ኬረስትየኩምን ዚኽእል ቃል ጸጋኡን ኣማኅጽነኩም ኣሎኹ።
ስንክሳር Synaxarium
አቡነ ተክለ ሃይማኖትወቶማስወ፱፼ ሰማዕታትአብርሃም ይስሐቅ ያዕቆብ
መዝሙር Psalm
መዝ 44 : 22 - 23 / መዝ ፵፫ : ፳፪ - ፳፫ [English][ትግርኛ]
ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል ኣሎና፣ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርና። ጐይታየ፣ ተበራበር እባ፣ ንምንታይከ ትድቅስ፧ ኤረ ንቓሕ፣ ንሓዋሩ ኣይትደርብየና።
እስመ በእንቲአሁ ይቀትሉነ ኵሎ አሚረ፤
ወኮነ ከመ አባግዕ ዘይጠብሑ፤
ንቃህ እግዚኦ ለምንት ትነውም።
ወንጌል Gospel
ማቴ 10 : 16 - ፍም [English][ግእዝ]16. “እንሆ ኣነ ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም ኣሎኹ፥ ደጊም ብልህታት ከም ተመን፥ ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ ኹኑ። 17. ካብ ሰብ ተጠንቀቑ፥ ንሳቶም ናብ መጋባእያታት ኣኅሊፎም ኪህቡኹም፥ ኣብ ኣባይቲ ጸሎቶም ኪገርፍኹም እዮም። 18. ንኣኣቶምን ነሕዛብን ንምስክር ምእንቲ ኪኸውን ብኣይ ምኽንያት ናብ መኳንንትን ናብ ነገሥታትን ክትውሰዱ ኢኹም። 19. ኣኅሊፎም ኪህቡኹም ከለዉ እንታይ ከም እትዛረቡ በታ ሰዓት እቲኣ ኪወሃበኩም እዩ እሞ ከመይ ወይ እንታይ ከም እትዛረቡ ኣይትጨነቑ። 20. መንፈስ ኣቦኹም እዩ ብኣኻትኩም ዚዛረብ እምበር፥ ንስኻትኩም ኣይኮንኩምን እትዛረቡ። 21. ኃው ንኃዉ፥ ኣቦ ንውሉዱ፥ ንሞት ኣኅሊፉ ኪህብ እዩ፥ ውሉድውን ኣብ ልዕሊ ወለዶም ኪለዓሉ ኪቐትልዎምውን እዮም። 22. ስለ ስመይ ከኣ ብዅሉ ሰብ ዝተጸላእኩም ክትኮኑ ኢኹም፥ እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ንሱ ኪድኅን እዩ። 23. ካብዛ ዓዲ እዚኣ እንተ ሰጐጉኹም ናብ ካልእ ህደሙ፥ ወዲ ሰብ ክሳዕ ዚመጽእ፥ ከተማታት እስራኤል በጺሕኩም ከም ዘይትውድእወን ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 24. ካብ መምህሩ ዚዓቢ ተማሃራይ፥ ካብ ጐይትኡ ዚበልጽ ኣገልጋሊ የልቦን። 25. ተመሃራይ ከም መምህሩ፥ ኣገልጋሊ ከም ጐይትኡ እንተ ኾነ ይኣክል እዩ። ንብዓል ቤት ብኤል ዜቡል ካብ በልዎ ንቤተ ሰቡ ግዳ ክንደይ ኣዝዩ ብዙኅ ዘይብልዎም። 26. “እምበኣር ዘይግለጽ ክዱን ዘይፍለጥ ድማ ሥዉር የልቦን እሞ ኣይትፍርህዎም። 27. ብጸልማት ዝነገርኩኹም ብብርሃን ተዛረብዎ፥ ኣብ እዝንኹም እትሰምዕዎ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ዄንኩም ስበኽዎ። 28. ነቲ ነፍስን ሥጋን ኣብ ገሃነም ኬእቱ ዚከኣሎ ደኣ ፍርህዎ እምበር፥ ነቶም ንሥጋ ዚቐትሉ፥ ንነፍሲ ግና ኪቐትልዋ ዘይከኣሎም ኣይትፍርህዎም። 29. ክልተ ኣዕዋፍዶ ብሳንቲም ይሽየጣ ኣይኮናን፧ ሓንቲ እኳ ኻብኣተን ብዘይ ፍቓድ ኣቦኹም ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን እያ። 30. ንስኻትኩም ግና ፀጒሪ ርእስኹም ኵለን እኳ ቝጹራት እየን። 31. እምበኣርከስ ንስኻትኩም ካብ ብዙኃት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ ኣይትፍር 32. “ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝተኣመነኒ ዅሉ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክእመኖ እየ። 33. ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝኸሓደኒ ግና፥ ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክኽሕዶ እየ። 34. “ኣነ ናብ ምድሪ ሰላም ከውርድ ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም፥ ኲናት ደኣ እምበር ሰላም ከውርድ ኣይመጻእኩን። 35. ወዲ ኻብ ኣቦኡ፥ ጓል ካብ ኣዲኣ፥ መርዓት ካብ ሓማታ ኽፈላሊ እየ ዝመጻእኩ። 36. ንሰብ ከኣ ጸላእቱ ቤተ ሰቡ ኪኾኑ እዮም። 37. እቲ ነቦኡ ወይ ነዲኡ ካባይ ኣብሊጹ ዜፍቅር ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ። ካባይ ንወዱ ወይ ንጓሉ ኣብሊጹ ዜፍቅርውን ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ። 38. እቲ መስቀሉ ፀይሩ ደድኀረይ ዘይስዕብ ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ። 39. ንሕይወቱ ዚረኽባ ኼጥፍኣ እዩ፥ ንሕይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ኸኣ ኪረኽባ እዩ። 40. “ንኣኻትኩም ዚቕበል ንኣይ ይቕበል፥ እቲ ንኣይ ዚቕበል ድማ ነቲ ዝለኣኸኒ ይቕበሎ። 41. ንነቢይ ብስም ነቢይ ዚቕበል ዓስቢ ነቢይ ይረክብ፥ እቲ ንጻድቕ ብስም ጻድቕ ዚቕበል ዓስቢ ጻድቕ ይረክብ። 42. ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ብስም ወደ መዝሙር ዝሑል ብርጭቆ ማይ ጥራይ ዜስቲ፥ ዓስቡ ከቶ ከም ዘይስእን ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።” ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘ፫፻ ምእት(ግሩም)
ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 9 : 16 - 17 / መዝ ፱ : ፲፮ - ፲፯ [English][ትግርኛ]
እግዚኣብሄር ርእሱ ኣፍለጠ፣ ጸድቂ ገበረ፣ ረሲእ ብግብሪ ኢዱ ተሐንኰለ። ረሲኣን፣ ንኣምላኽ ዚርስዕዎ ዅላቶም ኣህዛብ፣ ናብ ሲኦል እዮም ዚምለሱ።
የአምር እግዚአብሔር ገቢረ ፍትሕ፤
ወበግብረ እደዊሁ ተሠግረ ኃጥእ፤
ይግብኡ ኃጥአን ውስተ ሲኦል።
ወንጌል Gospel
ማቴ 25 : 24 - 30 [English][ግእዝ]24. እቲ ሓደ መክሊት ዝተቐበለ ድማ ቐሪቡ ‘ጐይታይ! ዘይዘራእካዮ እትዓጽድ፥ ዘይበተንካዮውን እትእክብ ጨካን ሰብኣይ ምዃንካ እፈልጠካ እየ። 25. ስለዚ ፈሪሀ ኸድኩ፥ ነቲ መክሊትካ ድማ ኣብ ምድሪ ሓባእክዎ፥ ሕጂ ኸኣ እንሆ ገንዘብካ’ በሎ። 26. እቲ ጐይታኡ ግና መሊሱ በሎ፦ ‘ኣታ ኽፉእ ሃካይ ኣገልጋሊ! ዘይዘራእክዎ ከም ዝዓጽድ፥ ዘይበተንክዎ ኸም ዝእክብ እምበኣር ትፈልጥ ኔርካ! 27. ስለዚ ነቲ ገንዘበይ ኣብ ባንክ ከተእትዎ ምተገብኣካ ነይሩ፥ ኣነ ኸኣ መጺአ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ ነይረ። 28. እምብኣርከስ ነቲ መክሊት ካብኡ ኣግዲፍኩም ነቲ ዓሠርተ መክሊት ዘለዎ ሃብዎ። 29. ምኽንያኡ ድማ ንዘለዎ ዘበለ ዅሉ ይህብዎ፥ ይውስኽዎውን፥ ንዘይብሉ ግና እቲ ዘለዎ እኳ የግድፍዎ። 30. ነዚ ሃካይ ጊልያ ግና ኣብ ፍጹም ጸልማት ደርብይዎ፥ ኣብኡ ኸኣ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ’። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
መዝሙር ( Hymn )
መዝሙር
- በ፫(3)፤ ይሁበነ ዝናመ በጊዜሁ። ይሁበነ ዝናመ በጊዜሁ ወይሁበነ እክለ በረከት። ይ፤ ያርኁ ክረምተ ይገብር ምሕረተ ወይሁበነ ዝናመ በረከት። ይ፤ ከሢቶ ዓይኖ ሰፊሖ የማኖ ይፌኑ ሣህሎ ወበዘአእመረ ይሴባሕ። ይ፤ ወሠርዓ ሰንበተ ለሰብእ ዕረፍተ ወብውህ ሎቱ ይኅድግ ኃጢአተ። ይ፤ ዓይነ ኵሉ ነፍስ ይሴፎ ኪያሁ። ይሁቦሙ ሲሳዮሙ በጊዜሁ።
ሰላም
ዓይነ ኵሉ ነፍስ ይሴፎ ኪያከ፤ ከም ታውርድ ዝናመ በቃለ ትእዛዝከ፤ እግዚአ ለሰንበት መኑ ከማከ፤ ንስእለከ ወናስተበቁዓከ፤ ስፉሕ እዴከ ወምሕረተከ፤ ንጉሠ ሰላም መድኃኔ ዓለም ሰላመከ ሀበነ።
ሰላም
አይ ውእቱ ዝንቱ ዘይትኤዘዙ ሎቱ ባሕርኒ ወነፋሳት፤ እስመ ውእቱ እግዚአ ለሰንበት ይጼውዕዎ ዕጉለ ቋዓት ዓሣት ወአናብርት በፍሥሐ ወበሰላም፤ ውእቱኒ ይሠጠዎሙ።
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
2ቆሮ 8 : 1 - 15 [English][ግእዝ]1. ኣኅዋተየ ብዛዕባቲ ንኣብያተ ክርስቲያን መቄዶንያ ዝተዋህበ ጸጋ ኣምላኽ ክትፈልጡ ንደሊ ኣሎና። 2. ብብዙኅ ጸበባ ተፈቲኖም ኃሊፎም እዮም፥ እንተኾነ ሕጉሳት ስለ ዝኾኑ፥ ኣዝዮም ድኻታት እኳ እንተ ኾኑ ኣዝዮም ለጋሳት እዮም። 3. ባዕላቶም ፈትዮም፥ ከም ዓቕሞም፥ አረ ኃለፋ ዓቕሞም ከም ዝለገሱ እምስክረሎም ኣሎኹ። 4. ኣብ ኣገልግሎት ቅዱሳትውን ኪሳተፉ ግደ ኪወሃቦም ኣበርቲዖም ለመኑና። 5. ከምቲ ንሕና ዝተተስፎናዮ ዘይኮነ ኸኣ ቕድም ንጐይታ ድኅሪኡ ኸኣ ንኣና ከም ፍቓድ ኣምላኽ ገዛእ ርእሶም ወፈዩ። 6. ስለዚ ንቲቶ፥ ከምቲ ኣቀዲሙ ጀሚርዎ ዝነበረ፥ ነዚ ናይ ልግስኹም ጸጋ ኣብ ፍጻሜ ኬብጽሖ ምዒድናዮ ኣሎና። 7. ከምቲ ብዅሉ፥ ማለት ብእምነት፥ ብዘረባ፥ ብፍልጠት፥ ብዅሉ ጸዓት፥ በታ ኣባና ዘላትኩም ፍቕሪ ዝበለጽኩምዎ፥ በዚ ናይ ልግሲ ጸጋ ድማ ከም እትበልጹ ግበሩ። 8. እዚ ኽብል ከሎኹ፥ ምስ ናይ ካልኦት ትግሃት ብምንጽጻር፥ ፍቕርኹም ሓቂ ከም ዝኾነት ክዕዘብ ኢለ እየ እምበር፥ እእዝዘኩም ኣይኮንኩን ዘሎኹ። 9. ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም፥ ንስኻትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ፥ ሃብታም ከሎ ምእንታኹም ደኸየ። 10. ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ከምዚ ዚስዕብ ይምዕድ ኣሎኹ፦ ዓሚ ምልጋስ ጥራይ ዘይኮነስ ብቕድሙውን ንምውፃእ ገንዘብ ባህጊ ከም ዘሎኩም ዝገለጽኩም ንስኻትኩም ኢኹም። 11. ሕጂ ኸኣ እቲ ዝነበረኩም ባህጊ ምልኣት ምእንቲ ኺረክብ ነቲ ምግባር ሠናይ ከም ዓቕምኹም ጌርኩም ፈጽምዎ። 12. ንምሃብ ድልየት እንተድኣ ሃልዩ እቲ ውህበት ቅቡል እዩ፤ እንተኾነ ከም ዓቕሙ ደኣ እምበር ልዕሊ ዓቕሙ ኪኸውን የብሉን። 13. እዚ ግና ንኣኣቶም ኪርህዎም፥ ንኣኻትኩም ኪጸበኩም ኢለ ዘይኮነስ ማዕርነት ምእንቲ ኪህሉ ኢለ እየ። 14. -15. ከመዮ “ብዙኅ ዝኣከበ ኣየትረፈን፥ ሒደት ዝኣከበውን ኣይወሓዶን” ዚብል ጽሑፍ ዘሎ ኣብዚ ዘመን እዚ እቲ ተረፍኩም ነቲ ጐደሎኦም ኪምልእ፥ እቲ ተረፎም ኸኣ ነቲ ጐደሎኹም ኪምልእ እሞ ማዕርነት ምእንቲ ኪኸውን ኢለ እየ እዚ ዚብል ዘሎኹ።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
ያዕ 1 : 16 - ፍም [English][ግእዝ]16. ኣቱም ፍቁራት ኣኅዋተይ፥ ኣይትስሓቱ። 17. ጽቡቕን ምሉእን ውህበት ካብ ላዕሊ እዩ፥ ካብቲ ዘይልወጥን ኣብ ጸልማት ክንነብር ዘይኃድገናን፥ ኣቦ ብርሃናት ዝኾነ ዚወርድ እዩ። 18. በዅሪ ናይ ኵሉ ፍጥረቱ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ ከም ፍቓዱ ብቓል ሓቂ ወለደና። 19. ፍቁራት ኣኅዋተይ! ነዚ ዅሉ ትፈልጥዎ ኢኹም። ግና ነፍስ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፥ ንምዝራብ ደንጓዪ፥ ከምኡውን ንዅራ ደንጓዪ ይኹን። 20. ከመይ ኵራ ሰብ ናብቲ ኣምላኽ ዚደልዮ ቅኑዕ ሕይወት ኣየብጽሕን እዩ። 21. ስለዚ ንርኽሰት ዘበለን ነቲ ደንፊዑ ዘሎ ኽፍኣትን ካባኹም ኣርሕቑ፥ ነቲ ኼድኅነኩም ዚኽእል ኣብ ልብኹም ተተኺሉ ዘሎ ቓል ድማ ብገርህነት ተቐበልዎ። 22. ገበርቲ ቓል ኩኑ፥ ርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ። 23. ሓደ እኳ ሰማዕ ቃል ኮይኑ ገባሪ እንተ ዘይኮነ፥ ንሱ ነቲ ገጹ ብመስትያት ዚርኢ ሰብኣይ እዩ ዚመሰል። 24. ንሱ መልክዑ ይርኢ፥ ክይድ ኢሉ ኸኣ ብኡብኡ እንታይ ከም ዚመስል ይርስዕ። 25. እቲ ናብቲ ሓርነት ዚህብ ፍጹም ሕጊ ኣተኵሩ ዚጥምት፥ ኣብ ምጥማቱ ድማ ዚጸንዕ፥ ነቲ ዝሰምዖ ኸይረስዐ ኸኣ ኣብ ግብሪ ዜውዕል ሰብ ግና፥ ኣብ ኵሉ ግብሩ ብፁዕ እዩ። 26. ሓደ ሰብ ንእግዚኣብሔር አምልኽ እየ እንተ በለ፥ ንልሳኑ ግና ገቲኡ ዘይክእል እንተ ኾነ፥ ንገዛእ ርእሱ ደኣ ይጥብር ኣሎ እምበር ኣምልኾኡ ኸንቱ እዩ። 27. እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣቦ ንጹሕን ርኽሰት ዘይብሉን ኣምልኾ፥ ገዛእ ርእስኻ ካብ ርኽሰት ዓለም እናሓሎኻ፥ ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ ጊዜ ጸበባኦም ምርዳእ እዩ።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ 22 : 6 - 22 [English][ግእዝ]6. “ናብ ደማስቆ ክኸይድ ከሎኹ፥ ናብኣ ምስ ቀረብኩ፥ ኣጋ ቐትሪ ብሃንደበት ካብ ሰማይ ዓቢይ ብርሃን ኣብ ዙርያይ ኣንጸባረቐ። 7. ኣብ ምድሪ ኸኣ ወደቕኩ፥ ‘ሳውል! ሳውል! ንምንታይ እትሰጐኒ፧’ ዚብለኒ ድምፂ ሰማዕኩ። 8. ኣነ ድማ ‘ጐይታይ፥ ንስኻ መን ኢኻ፧’ ኢለ ሓተትክዎ። ንሱ ኸኣ ‘ኣነ እቲ ንስኻ እተሳድዶ ዘሎኻ ኢየሱስ ናዝራዊ እየ’ በለኒ። 9. እቶም ምሳይ ዝነበሩ ነቲ ብርሃን ረኣይዎ፥ ናይቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ ድምፂ ግና ኣይሰምዑን። 10. ሽዑ ኸኣ ‘ጐይታይ፥ እንታይ እግበር፧’ በልክዎ፤ ጐይታ ድማ ‘ተንሢእካ ናብ ደማስቆ እቶ፥ እቲ ኽትገብሮ እተሰርዓልካ ዘበለ ኸኣ ኣብኣ ኪነግሩኻ እዮም’ በለኒ። 11. ብምንጽብራቕ እቲ ብርሃን ምርኣይ ምስ ሰኣንኩ ድማ፥ እቶም ምሳይ ዝነበሩ መሪሖም ናብ ደማስቆ ኣእተዉኒ። 12. “ኣብኡ ኸኣ ሓናንያ ዚብሃል ከም ሕጊ ሙሴ ገይሩ ንእግዚኣብሔር ዚፈርህን በቶም ኣብ ደማስቆ ዚነብሩ ዝነበሩ ኣይሁድ ከኣ ምስጉንን ሰብኣይ ነበረ። 13. ናባይ መጺኡ፥ ኣብ ጥቓይ ደው በለ፤ ‘ሳውል ኃወይ፥ ርአ’ ኸኣ በለኒ፤ ኣነ ድማ ሽዑ ረአኽዎ። 14. ንሱ ኸኣ ‘ኣምላኽ ኣቦታትና፥ ፍቓዱ ኽትፈልጥን ነቲ ጻድቕ ከኣ ኽትርእዮን፥ ካብ ኣፉውን ቃል ክትሰምዕ ቅድም ኃረየካ። 15. እዚ ድማ በቲ ዝረአኻዮን ዝሰማዕካዮን ኣብ ኵሉ ሰብ ምስክር ምእንቲ ኽትኮኖ እዩ። 16. ሕጂኸ እንታይ ትጽበ ኣሎኻ፧ ተንሥእ፥ ስም ጐይታ እናጸዋዕካ ተጠመቕ፥ ካብ ኃጢኣትካውን ተሓጸብ’ በለኒ። 17. “ናብ ኢየሩሳሌም ተመሊሰ፥ ኣብ መቕደስ ኮይነ ኽጽሊ ከሎኹ ድማ ተመሰጥኩ። 18. ጐይታ ኸኣ ብራእይ ‘ነቲ ብዛዕባይ እትምስክሮ ኣይኪቕበሉኻን እዮም፥ ስለዚ ካብ ኢየሩሳሌም ቀልጢፍካ ውፃእ’ ኪብለኒ ኸሎ ረአኽዎ። 19. ኣነ ኸኣ ‘ጐይታይ፥ ኣነ ነቶም ብኣኻ ዚኣምኑ እኣስሮምን ኣብ ቤት ጸሎት እወቕዖምን ከም ዝነበርኩ ባዕላቶም ይፈልጡ እዮም። 20. ደም እስጢፋኖስ ሰማዕትኻ ኬፍስሱ ኸለዉ ድማ ባዕለይ ምስኣቶም ሠሚረ ኣብኡ ደው ኢለ ነበርኩ፤ ናይቶም ዝቐተልዎ ኽዳውንቲውን እሕሉ ነበርኩ’ በልክዎ። 21. ንሱ ኸኣ ‘ኣነ ንርሑቕ ናብ ኣሕዛብ እልእከካ ኣሎኹ እሞ ኪድ’ በለኒ።” 22. ክሳዕ እዚ ዘረባ እዚ ንጳውሎስ ሰምዕዎ፥ ብድኅሪ እዚ ግና ድምፆም ዓው ኣቢሎም፡- “ከምዚ ዝበለ ሰብ ብሕይወት ኪነብር ኣይግብኦን እዩ እሞ፥ ካብ ምድሪ ኣልግስዎ” በሉ።
መዝሙር Psalm
መዝ 145 : 15 - 16 / መዝ ፻፵፬ : ፲፭ - ፲፮ [English][ትግርኛ]
ኣዒንቲ ዅሎም ንኣኻ ይጽበያ፣ ንስኻውን በብጊዜኡ ምግቦም ትህቦም። ኢድካ ትኸፍት እሞ፣ ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸት ተጽግቦ።
ዐይነ ኵሉ ነፍስ ይሴፎ ኪያከ፤
አንተ ትሁቦመ ሲሳዮሙ በጊዜሁ፤
ትሰፍሕ የማነከ ወታጸግብ ለኵሉ እንስሳ ዘበሥርዐትከ።
ወይ / ዓዲ
መዝ 147 : 8 - 10 / መዝ ፻፵፮ : ፰ - ፲
ነቲ ንእንስሳን ንዚምህለሉ ጨጫዊት ኳዃትን ዚምግብ ዘምሩሉ፣ ንሓይሊ ፈረስ ኣይብህጎን።
ዘይሁቦሙ ሲሳዮሙ ለእንስሳ፤
ወለዕጕለ ቋዓት እለ ይጼውዕዎ፤
ኢይፈቅድ ኀይለ ፈረስ።
ወንጌል Gospel
ሉቃ 12 : 13 - 26 [English][ግእዝ]13. ሓደ ኻብቶም ሕዝቢ ድማ “መምህር! ንኃወይ ርስቲ ኺመቕለኒ ተዛረበለይ” በሎ። 14. ኢየሱስ ከኣ “ኣታ ሰብኣይ፥ ኣባኻትኩምከ ዳኛን መማቐልን ገይሩ መን ሸመኒ፧” በሎ። 15. ኣስዒቡ ኸኣ “ሕይወት ሰብ ብብዝኂ ገንዘብ ኣይኮነትን እሞ ተጠንቀቑ፥ ካብ ኵሉ ስስዐ ድማ ተሓለዉ” በሎም። 16. ከምዚ እናበለ ኸኣ ምስላ ነገሮም፦ “ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ግራሁኡ ቐደወሉ። 17. ብልቡ ኸኣ ‘እኽለይ ዝእክበሉ ስፍራ የብለይን፥ እንታይ ደኣ ኽገብር እየ፧’ ኢሉ ሓሰበ። 18. ከምዚ ድማ በለ፦ ’ከምዚ ደኣ ኽገብር፥ ንማዕከነይ ኣፍሪሰ ኣግፊሐ ኽሠርሖ እየ፥ ኣብኡ ኸኣ ዅሉ እኽለይን ሃብተይን ክእክብ እየ። 19. ንነፍሰይ ከኣ፥ ኦ ነፍሰይ! ንብዙኅ ዓመታት ዚኣክል ብዙኅ ዝተደለበ ሃብቲ አሎኪ እሞ ኣዕርፊ፥ ብልዒ፥ ስተዪ፥ ተሐጐሲ፥ ኽብላ እየ’ በለ። 20. ኣምላኽ ግና፥ ‘ኣታ ዓሻ፥ በዛ ለይቲ እዚኣ ንነፍስኻ ኻባኻ ኺወስድዋ እዮም፤ እዚ ዝደለብካዮ ደኣ ንመን ኪኸውን እዩ፧’ በሎ። 21. እቲ ንርእሱ ሃብቲ ዚእክብ፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግና ሃብታም ዘይኮነ፥ ኸምኡ እዩ።” 22. -23. ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዚ በሎም፦ “ካብ ምግቢ ሕይወት ትዓቢ፥ ካብ ክዳንውን ሰብነት ይዓቢ እዩ እሞ፥ ንሕይወትኩም ብትበልዕዎ ወይስ ንሰብነትኩም ብትኽደንዎ ኣይትጨነቑ፥ እብለኩም ኣሎኹ። 24. ናብ ኳዃት እሞ ኣስተብህሉ፥ ኣምላኽ ይቕልቦም እምበር ኣይዘርኡ፥ ኣይዓጽዱ፥ ማዕከን ወይ ቆፎ የብሎምን፤ ካብ ኣዕዋፍሲ ንስኻትኩም ግዳ ኽንደይ ኣዚኹም ዘይትበልጹ! 25. ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ቁመቱ ሓንቲ እመት ምውሳኽ ዚኽእል መን አሎ፧ 26. እዚ ቐሊል ነገር ምግባር ካብ ዘይትኽእሉስ ንምንታይ ደኣ ብኻልእ እትጭነቑ፧ ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘኤጲፋንዮስ(ዓቢይ)