God is great! God is great!

Daily readings / መዓልታዊ ንባባት

ዘመነ ማርቆስ Readings for Monday

ሕዳር 22, 2018 ብግእዝ Dec 01, 2025 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 118 : 17 - 18 / መዝ ፻፲፯ : ፲፯ - ፲፰ [English][ትግርኛ]

ብህይወት ክነብር እየ እምበር፣ ኣይክመውትን፣ ግብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ከዘንቱ እየ። እግዚኣብሄር ኣዝዩ ቐጽዓኒ፣ ንሞት ግና ኣይወፈየንን።

ኢይመውት ዘእንበለ ዘአሐዩ፤
ወእነግር ግብሮ ለእግዚአብሔር፤
ገሥፆሰ ገሠፀኒ እግዚአብሔር።


 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 15 : 17 - ፍም [English][ግእዝ]

17. ሽዑ ናብ ልቡ ተመሊሱ ‘እንጌራ ዚተርፎም ኣገልገልቲ ኣቦይ ክንደይ እዮም፥ ኣነ ግና ኣብዚ ብጥሜት እመውት ኣሎኹ። 18. ተንሢአ ደኣ ናብ ኣቦይ ክኸይድ እሞ፦ ኣቦ! ኣብ ቅድሚ ሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ኃጢኣት ገበርኩ። 19. ደጊም ወድኻ ኽብሃል ኣይበቅዕን እየ፥ ከም ሓደ ኻብ ገላውኻ ግበረኒ ኽብሎ’ በለ። 20. ተንሢኡ ኸኣ ናብ ኣቦኡ ተመልሰ፤ ኣቦኡ ድማ ገና ርሑቕ ከሎ ረኣዮ እሞ ደንገጸሉ፤ ጐይዩ ኸኣ፥ ብኽሳዱ ሓኒቑ ሰዓሞ። 21. እቲ ወዲ ድማ፥ ‘ኣቦ! ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሜኻን ኃጢኣት ገበርኩ፥ ደጊምሲ ወድኻ ኽብሃል ኣይበቅዕን እየ’ በሎ። 22. ኣቦኡ ግና ንገላውኡ ‘ብሉጽ ክዳን ኣምጺእኩም ክደንዎ፥ ካትም ኣብ ኣጻብዑ፥ ኣሣእንውን ኣብ ኣእጋሩ፥ ውደይሉ። 23. ስብሕቲ ላም ኣምጺእኩም ሕረዱ፤ ንብላዕ፥ ንተሓጐስ። 24. ምኽንያቱ እዚ ወደይ ሞይቱ ነይሩ ሓውዩ፤ ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ’ በሎም። ኪሕጐሱ ድማ ጀመሩ። 25. “እቲ ዓብይ ወዱ ግና ኣብ ወፍሪ ነበረ፤ መጺኡ ናብ ጥቓ ቤት ምስ ቀረበ፥ ጓይላን እልልታን ሰምዐ። 26. ካብቶም ገላው ንሓደ ጸዊዑ ‘እዚ ነገር እዚ እንታይ እዩ፧’ ኢሉ ሐተቶ። 27. ንሱ ኸኣ፥ ‘እቲ ኃውካ መጺኡ እሞ ኣቦኻ ብደኃኑ ስለ ዝረኸቦ፥ ስብሕቲ ላም ሓሪዱሉ’ በሎ። 28. ንሱ ግና ዀርዩ ምእታው ኣበየ፥ ኣቦኡ ኸኣ ወፂኡ ለመኖ። 29. ንሱ ግና ነቦኡ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ ‘እንሆ ኽንድዚ ዓመት ተገዛእኩኻ፥ ካብ ትእዛዝካውን ከቶ ኣይኃለፍኩን፥ እንተኾነ ንኣይ ምስ ኣዕሩኸይ ዝሕጐሰሉ ማሕስእ እኳ ኣይሃብካንን። 30. እዚ ምስ ኣመናዝር ኮይኑ ገንዘብካ በሊዑ ዝወድአ ወድኻ ምስ መጸ ግና ስብሕቲ ላም ሓረድካሉ።’ 31. ኣቦኡ ኸኣ፥ ‘ወደይ ንስኻስ ኵሉ ሳዕ ምሳይ ኣሎኻ፥ ናተይ ዘበለ ድማ ናትካ እዩ። 32. እዚ ኃውካ ግና ሞይቱ ነይሩ ሓውዩ፥ ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ እሞ፥ ክንሕጐስን ባህ ኪብለናን ይግባኣና እዩ’ በሎ።” ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

[English][ግእዝ]

1. እምበኣርከ፥ ኣቱም ፍቁራተይ፥ እዚ ዅሉ ተስፋ እዚ ካብ ዚህልወናስ ካብቲ ሥጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ ርእስና ነንጽሕ። ንኣምላኽ እናፈራህና ኸኣ ብቕድስና ፍጹማት ንኹን። 2. ልብኹም ኣግፊሕኩም ክፈቱልና። ንሕና ንሓደ እኳ ኣይዓመጽናን፥ ንሓደ እኳ ኣይጐዳእናን፥ ንሓደ እኳ ኣይተበለጽናሉን። 3. እዚ ዝብለኩም ዘለኹ ኽወቕሰኩም ኢለ ኣይኮንኩን። ከመይ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩኹም ንኣኻትኩም ልብና ኽፉት እዩ። ብሕይወት እንተ ኣሎና ወይ እንተ ሞትና ዅሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ኢና። 4. ኣባኻትኩም ብዙኅ እምነት ኣሎኒ፥ ብኣኻትኩም ኸኣ ኣዝየ እየ ዝሕበን። ተጸናኒዐ ኣሎኹ፥ ብዙኅ ጸበባ እኳ እንተ ኣሎና ሓጐሰይ ወሰን የብሉን። 5. ኣብ መቄዶንያ ምስ በጻሕና ድማ ብዅሉ ጨነቐና እምበር ዕረፍቲ እኳ ኣይረኸብናን፤ ኣብ ወፃኢ ውግእ፥ ኣብ ውሽጢውን ፍርሃት ነበረና። 6. እቲ ሕሊናኦም ንዝዓረቦም ዜጸናንዕ ኣምላኽ ግና ብምምጻእ ቲቶ ገይሩ ኣጸናንዓና። 7. ግናኸ በቲ ንሱ ኻባኻትኩም ዝረኸቦ ምጽንናዕ ደኣ እምበር ብምምጽኡ ጥራይ ኣይኮነን፤ ናተይ ናፍቖት ከም ዘሎኩም፥ ከም እተጥዓስኩም፥ ብኣይውን ኣዚኹም ከም እትግደሱ ምስ ኣዘንተወለይ ኣዝየ ተሓጐስኩ። 8. ብመልእኽተይ ኣጕህየኩም እንተ ኾንኩ እኳ ኣየጣዕሰንን እዩ። ቕድም ግና ንጊዜኡ እኳ እንተ ኾነ፥ ከም ዘጕሄኹኹም ስለ ዝፈለጥኩ ኣጣዒሱኒ ነይሩ። 9. ሕጂ ግና ስለ ዘጕሄኹኹም ዘይኮነስ ብምኽንያትና ገለ ጕድኣት ስለ ዘይበጽሓኩምን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ንንስሓ ስለ ዝጕሄኹምን እሕጐስ ኣሎኹ።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

ያዕ 1 : 2 - 12 [English][ግእዝ]

2. ኣኅዋተየ፥ በበይኑ ዝኾነ ፈተና ኪበጽሓኩም ከሎ፥ ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቊጸርዎ። 3. ከመይ ብእምነትኩም ክትፍተኑ ኸሎኹም፥ ጽንዓት እዩ ዜፍርየልኩም። 4. ግና ብሓንቲ ነገር እኳ ኸይጐደለኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ብትዕግሥቲ ኽሳዕ መወዳእታ ጽንዑ። 5. ሓደ ካባኻትኩም ጥበብ ዝጐደሎ እንተሎ፥ ነቲ “ንሰኻ ኸምዚ እንዲኻ” ኸይበለ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ፥ ንሱውን ኪህቦ እዩ። 6. እቲ ዚልምን ግና ከይተጠራጠረ ብእምነት ደኣ ይለምን፥ ከመይ እቲ ዚጠራጠር ከምቲ ንፋስ ንየው ነጀው ዚደፍኦ ማዕበል ባሕሪ እዩ ዚመስል። 7. እዚ ኸምዚ ዘመሰለ ሰብ ካብ ጐይታ ገለ ዚቕበል ኣይምሰሎ። 8. ንሱ ኣብ ኵሉ ዕዩኡ ጽንዓት ዘይብሉ፥ ክልተ ዝልቡ ሰብኣይ እዩ። 9. እቲ ትሕት ዝበለ ናብራ ዘለዎ ኃው ልዕል እንተ በለ ይተሓጐስ። 10. እቲ ሃብታም ከኣ ብናብራኡ ትሕት እንተ በለ ብእኡ ይተሓጐስ። ከመይ ንሱ ኸም ዕምባባ ሣዕሪ ኺኃልፍ እዩ። 11. ፀሓይ ምስ ዋዒኣ ትወፅእ እሞ፥ ነቲ ሣዕሪ ተንቅጾ፥ እቲ ዕምባባኡ ኸኣ ይረግፍ፥ ደመት ትርኢቱ ድማ ይጠፍእ፥ ከምኡዉን እቲ ሃብታም ዋኒን ንብረቱ ኺገብር ከሎ ይጠፍእ። 12. እቲ ብጊዜ ፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብፁዕ እዩ፥ ከመይ ተፈቲኑ ምስ ወፀ፥ ነቲ እግዚኣብሔር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ሕይወት ኪቕበል እዩ።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 17 : 1 - 12 [English][ግእዝ]

1. ጳውሎስን ሲላስን ብኣንፊጶልን ብኣጶሎንያን ኣቢሎም ናብ ተሰሎንቄ ኣተዉ። ኣብኣውን ቤት ጸሎት ኣይሁድ ነበረት። 2. ጳውሎስ ከኣ ከምቲ ልማዱ ናብኣቶም ኣትዩ፥ ሠለስተ ሰንበት ብቕዱሳት መጻሕፍቲ ምስኣቶም ተዘራረበ። 3. መሲሕ መከራ ኪቕበልን ካብ ምዉታት ኪትንሥእን ከም ዚግብኦ ይገልጸሎምን የረድኦምን ነበረ። “እዚ ኣነ ዝሰብከልኩም ዘሎኹ ኢየሱስ መሲሕ እዩ” ኸኣ ይብል ነበረ። 4. ካብኣቶም ገሊኦም ኣሚኖም ምስ ጳውሎስን ሲላስን ኃበሩ፥ ኣዝዮም ብዙኃት ካብቶም ንኣምላኽ ዚፈርሁ ግሪኻውያንን ሓያሎ ምርኡያት ኣንስትን ከኣ ኸምኡ ገበሩ። 5. እቶም ኣይሁድ ከኣ ቐኒኦም፥ ካብቲ ዕዳጋ እኩያት ሰባት ወሰዱ፥ ሕዝቢ ኣኪቦም ድማ ነታ ኸተማ ኣነዓብዋ፤ ንጳውሎስን ንሲላስን ኣውፂኦም ናብቶም ሕዝቢ ምእንቲ ኬቕርብዎም ድማ ንቤት ኢያሶን ከበብዋ። 6. ምስ ሰኣንዎም ግና ንኢያሶንን ቊሩባት ካብ ኣኅዋትን ናብቶም መኳንንቲ እታ ኸተማ ኣቕረብዎም፤ “እዞም ንዅሉ ዓለም ዜናዕቡስ ኣብዚ ኸኣ መጺኦም። 7. ኢያሶን ከኣ ኣብ ገዝኡ ተቐቢልዎም ኣሎ፤ ንሳቶም ድማ ‘ኢየሱስ ዚብሃል ካልእ ንጉሥ ኣሎ’ እናበሉ ምስ ኣዋጅ ንጉሥ ሮማ ዚጻረር ነገር ይገብሩ ኣለዉ” እናበሉ ከሰስዎም። 8. እቶም ሕዝብን መኳንንቲ እታ ኸተማን፥ ነዚ ምስ ሰምዑ ተጨነቑ። 9. ንኢያሶንን ነቶም ካልኦት ብጾቱን ዋሕስ ኣትኪሎም ከኣ ኃደግዎም። 10. እቶም ኣኅዋት ግና ንጳውሎስን ሲላስን ብኡብኡ ብለይቲ ናብ ቤርያ ከም ዝኸዱ ገበርዎም፤ ኣብኣ ምስ በጽሑ ኸኣ ናብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣተዉ። 11. እቶም ሰብ ቤርያ፥ ካብቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዚነብሩ ዝነበሩ ኣይሁድ ዝለበሙ ነበሩ፤ ነቲ ቓል ብምሉእ ልቦም ተቐበልዎ። እዚ ነገር እዚ ኸምኡ እንተ ኾይኑ ንኺፈልጡ ኸኣ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣብ ጸጽባሕ ይምርምሩ ነበሩ። 12. ስለዚ ብዙኃት ካብኣቶም ኣመኑ፥ ካብቶም ግሪኻውያን ድማ ብዙኃት ክቡራት ኣንስትን ብዙኃት ግሪኻውያን ሰብኡትን ኣመኑ።

 

ስንክሳር Synaxarium

ቆዝሞስ
ወድምያኖስ ደቂቀ ቴውዳዳ
ወ፪፻ ወ፪ እደው ሰማዕታት
ወ፵ወ፱ አንስት
ወቀሌምንጦስ ሰማዕት

 

መዝሙር Psalm

መዝ 31 : 7 - 8 / መዝ ፴ : ፮ - ፯ [English][ትግርኛ]

ንመከራይ ርኢኻዮ፣ ንጸበባ ነፍሰይ ፈሊጥካዮ፣ ናብ ኢድ ጸላኢ ኣይሀብካንን፣ ነእጋረይ ኣብ ገፊሕ ቦታ ደው ኣቢልካየን ኢኻ እሞ፣ ብምሕረትካ ኽፍሳህ ክሕጐስውን እየ።

እትፌሣሕ ወእትሐሠይ በአድኅኖትከ፤
እስመ ርኢከኒ በሕማምየ፤
ወአድኀንካ እምንዳቤሃ ለነፍስየ።


 

ወንጌል Gospel

ማቴ 9 : 10 - 17 [English][ግእዝ]

10. ብድኅርዚ ኣብ እንዳ ማቴዎስ ኣብ መኣዲ ምስ ተቐመጠ፥ እንሆ ብዙኃት ተቐበልቲ ቐረጽን ኃጥኣንን ምስ ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱን ተቐመጡ። 11. ፈሪሳውያን ከኣ እዚ ርእዮም ንደቀ መዛሙርቱ፦ “መምህርኩም ምስ ተቐበልቲ ቐረጽን ኃጥኣንን ስለምንታይ ይበልዕ፧” በልዎም። 12. ኢየሱስ ግና ሰሚዑ፥ “ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፥ ጥዑያት ኣይደልይዎን እዮም። 13. ‘ምሕረት ደኣ እምበር መሥዋዕቲ ኣይኰነን ዝደሊ’ ዚብል እንታይ ምዃኑ ኪዱ ተምሃሩ። ከመይ ኣነ ንኃጥኣን እምበር ንጻድቃን ናብ ንስሓ ኽጽውዕ ኣይመጻእኩን” በሎም። 14. ሽዑ ደቀ መዛሙርቲ ዮሓንስ ናብ ኢየሱስ መጺኦም “ንሕናን ፈሪሳውያንን ብዙኅ ንጸውም፥ ደቀ መዛሙርትኻ ድኣ ስለምንታይ እዮም ዘይጸሙ፧” በልዎ። 15. ኢየሱስ ከኣ ኸምዚ በሎም፦ “መርዓዊ ምስኣቶም ከሎዶ ኣዕሩኽ መርዓዊ ኪኃዝኑ ይኽእሉ እዮም፧ ግናኸ መርዓዊ ካብኣቶም ዚውሰደላ መዓልቲ ኽትመጽእ እያ፥ ሽዑ ኸኣ ኪጾሙ እዮም። 16. ሓድሽ ቁራጽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዚልግብ ሓደ እኳ የልቦን፥ ምኽንያቱ ነቲ ጥዑይ ይልክሞ፥ እቲ ምቕዳዱ ኸኣ ዝገደደ ይኸውን። 17. ንሓድሽ ወይኒ ኣብ ዝኣረገ ኣሕርብቲ ኣየዕርቕዎን እዮም፥ ምኽንያቱ እቲ ኣሕርብቲ ይቕደድ እቲ ወይኒውን ይፈስስ፥ እቲ ኣሕርብቲ ኸኣ ይበላሾ። ንሓድሽ ወይኒ ግና ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ የዕርቕዎ፥ ክልቲኦም ድማ ይሕለው። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

ቅዳሴ Liturgy :

ዘዮሐንስ ወልደ ነጐድጓድ (ሃቤከ)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 119 : 133 - 134 / መዝ ፻፲፰ : ፻፴፫ - ፻፴፬ [English][ትግርኛ]

ንስጕምተይ ኣብ ቃልካ ኣጽንዓዮ፣ እከይ ድማ ከቶ ኣይምለኸኒ። ካብ መጥቃዕቲ ሰብ ተበጀወኒ፣ ኣነውን ትእዛዛትካ ኽሕሉ እየ።

አርትዕ ፍኖትየ ወሑረትየ በከመ ነቢብከ፤
ወኢይማዐኒ ኵሉ ኃጢአት፤
አድኅነኒ እምትዕግልተ ዕጓለ እመሕያው።


 

ወንጌል Gospel

ማቴ 19 : 16 - 26 [English][ግእዝ]

16. እንሆ ሓደ ናብኡ መጺኡ “መምህር! ናይ ዘለዓለም ሕይወት ክወርስሲ እንታይ ሠናይ ግብሪ ኽገብር፧” በሎ። 17. ኢየሱስ ከኣ “ንምንታይ ብዛዕባ ሠናይ ትሓተኒ፧ እቲ ሠናይስ ሓደ እዩ። ናብ ሕይወት ክትኣቱ እንተ ደሌኻ ግና ትእዛዛት ሓሉ” በሎ። 18. ንሱ ድማ “ኣየኖት እየን፧” በሎ። ኢየሱስ ከኣ “ኣይትቕተል፥ ኣይትዘሙ፥ ኣይትስረቕ፥ ብሓሶት ኣይትመስክር፥ 19. ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፥ ብጻይካውን ከም ነፍስኻ ኣፍቅር” በሎ። 20. እቲ መንእሰይ ድማ “ዝተረፈኒ ደኣ እንተሎ እምበር፥ ነዚ ዅሉስ ካብ ንእስነተይ ኂዘ፥ ሓልየዮ ኣሎኹ” በሎ። 21. ኢየሱስ ከኣ “እምበኣር ፍጹም ክትከውን እንተ ደሌኻስ፥ ኪድ፥ ዘሎካ ሃብቲ ሸጥካ ንድካታት ሃብ፥ ኣብ ሰማይ ድማ ሃብቲ ኽትረክብ ኢኻ እሞ፥ ንዓ ሰዓበኒ” በሎ። 22. እቲ መንእሰይ ድማ ብዙኅ ሃብቲ ስለ ዝነበሮ፥ ነዚ ቓል እዚ ምስ ሰምዐ እናጐሃየ ኸደ፡፡ 23. ኢየሱስ ከኣ ንደቀ መዛሙርቱ “ሃብታም ናብ መንግሥተ ሰማያት ኪኣቱ ጭንቂ ከም ዝኾነ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 24. ደጊመ ሃብታም ናብ መንግሥተ ኣምላኽ ካብ ዚኣቱስ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ኪኃልፍ ከም ዚቐልል እብለኩም ኣሎኹ” በሎም። 25. ደቀ መዛሙርቲ ድማ ነዚ ሰሚዖም “መን ደኣ ኾን ኪድኅን ይኽእል፧” እናበሉ ብዙኅ ተገረሙ። 26. ኢየሱስ ድማ ጠመቶም እሞ “እዚ ብዓቕሚ ሰብ ኣይከኣልን እዩ፥ ብኣምላኽ ግና ዅሉ ይከኣል እዩ” በሎም። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ዘመነ ማርቆስ Readings for Tuesday

ሕዳር 23, 2018 ብግእዝ Dec 02, 2025 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 84 : 11 - 12 / መዝ ፹፫ : ፲፩ - ፲፪ [English][ትግርኛ]

እግዚአብሄር ኣምላኽሲ ጸሓይን ዋልታን እዩ እሞ፣ እግዚአብሄር ጸጋን ክብርን ይህብ፣ ነቶም ብቕንዕና ዚመላለሱ ሰናይ ዘበለ ኣይኸልኦምን እዩ።

እስመ ጽድቀ ወምጽዋተ ያበድር እግዚአብሔር፤
እግዚአብሔር ይሁብ ክብረ ወሞገሰ፤
እግዚአብሔር ኢያስተጼንሶሙ እምበረከቱ ለእለ ይሐውሩ በየዋሃት።


 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 9 : 22 - 27 [English][ግእዝ]

22. “ወዲ ሰብ ብዙኅ መከራ ኺጸግብ፥ ብዓበይትን ብሊቃነ ካህናትን ብመምህራን ሕግን ኪነዓቕን ኪቕተልን ብሣልሰይቲ መዓልቲ ኪትንሥእን ግድን እዩ” ድማ በሎም። 23. ኢየሱስ ንዅሎም ከምዚ በሎም፦ “ዝኾነ ሰብ ደድኅረይ ኪስዕብ ዚደሊ ገዛእ ርእሱ ይኽሓድ፥ መዓልቲ መዓልቲውን መስቀሉ ተሰኪሙ ይስዓበኒ። 24. ምኽንያቱ እቲ ንነፍሱ ኼድኅና ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ፤ እቲ ንነፍሱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ግና ኼድኅና እዩ። 25. ሰብከ ንብዘላ ዓለም ረቢሑስ ንነፍሱ እንተ ጐድኣ ወይ እንተ ኣጥፍኣ እንታይ ይጠቕሞ፧ 26. ብኣይን ብቓለይን ዚኃፍር ዘበለ፥ ወዲ ሰብ ብግርማኡን ብግርማ ኣቡኡን ብግርማ ቅዱሳን መላእኽቱን ኪመጽእ ከሎ፥ ብእኡ ኺኃፍር እዩ። 27. እንተኾነ ኻብዞም ኣብዚኣ ደው ኢሎም ዘለዉ ሰባት ንመንግሥቲ ኣምላኽ ክሳዕ ዚርእይዋ ዘይሞቱ ኸም ዘለዉ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።” ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

1ይ ቆሮ 14 : 26 - 33 [English][ግእዝ]

26. እምኸ ደኣ ኣኅዋተየ፥ እንታይ ይኃይሽ፧ ክትእከቡ ኸሎኹም፥ ሓደ ውህበት መዝሙር ኣለዎ፥ ሓደ ናይ ምምሃር ውህበት ኣለዎ፥ ሓደ ራእይ ኣለዎ፥ ሓደ ብቛንቋታት ናይ ምዝራብ ውህበት ኣለዎ፥ ሓደ ናይ ምትርጓም ውህበት ኣለዎ፥ ኵሉ ንምሕናጽ ይገበር። 27. ብቛንቋታት ዚዛረቡ እንተለው፥ ክልተ እንተ በዝኁ ኸኣ ሠለስተ ይዛረቡ እሞ በብተራ ይዛረቡ፥ ሓደ ድማ ይተርጒሞ። 28. ተርጓሚ እንተ ዘየልቦ ግና እቲ ብቛንቋታት ዚዛረብ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ስቕ ይበል፥ ንርእሱን ንኣምላኽን ግና ይዛረብ ደኣ። 29. ነብያት ክልተ ወይስ ሠለስተ ኾይኖም ይዛረቡ፥ እቶም ካልኦት ድማ ይመርምሩ። 30. ካብቶም ተቐሚጦም ዘለዉ ንሓደ ራእይ እንተ ተገልጸሉ ግና እቲ ቐዳማይ ስቕ ይበል። 31. ኲላቶም ምእንቲ ኺምሃሩ፥ ኲላቶምውን ምእንቲ ኺተባብዑስ፥ ኲላትኩም በብሓደ ኽትንበዩ ትኽእሉ ኢኹም። 32. እቶም መናፍስቲ ነብያት ነቶም ነብያት ይግዝእዎም እዮም። 33. ከመይ ኣምላኽ ናይ ሰላም እምበር፥ ናይ ዝርግርግ ኣምላኽ ኣይኮነን። ከምቲ ኣብ ኲለን ኣብያተ ክርስቲያን ኣመንቲ ዚግበር ዘሎ፥

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

2ይ ጴጥ 2 : 1 - 3 [English][ግእዝ]

1. ግናኸ ከምቲ ሓሰውቲ ነብያት ኣብ ማእከል ሕዝቢ እግዚኣብሔር ተንሢኦም ዝነበሩ፥ ኣብ ማእከልኩምውን ሓሰውቲ መምህራን ኪትንሥኡ እዮም። ንሳቶም ብኅቡእ ጥፋኣት ዜስዕብ መናፍቕነት ኬምጽኡ እዮም። ነቲ ዝተበጀዎም ጐይታ ብምኽሓድውን ኣብ ልዕሊኦም ቅልጡፍ ጥፍኣት ኬምጽኡ እዮም።2. ብዙኅት ድማ በቲ መገዲ ርኽሰቶም ኪስዕብዎም እዮም። ብሰሮምውን እታ መገዲ ሓቂ ክትጽረፍ እያ።3. ንሳቶም ስሱዓት ስለ ዝኾኑ ብዘረባ እናጠበሩ መናገዲ ኺገብሩኹም እዮም። ካብ ቀደም ፍርዶም ኣብ ልዕሊኦም ኣንጠልጢሉ ኣሎ። እቲ ዜጥፍኦም ኸኣ ነቒሑ ይጽበ ኣሎ።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 10 : 23 - 29 [English][ግእዝ]

23. ሽዑ ጴጥሮስ ኣብ ገዛ ተቐቢሉ ኣኅደሮም። ንጽባሒቱ ተንሢኡ ምስኣቶም ከደ፥ ካብ ኢዮጴ ኸኣ ገለ ቚሩብ ኣኅዋት ሰዓብዎ። 24. ንጽባሒቱ ድማ ኣብ ቂሳርያ ኣተወ። ቆርኔሌዎስ ከኣ ኣዝማዱን ዚኣምኖም ፈተውቱን ኣኪቡ ይጽበዮም ነበረ። 25. ጴጥሮስ ኪኣቱ ኸሎ ኸኣ ቆርኔሌዎስ ተቐበሎ፥ ኣብ እግሩ ተደፊኡ ኸኣ ሰገደሉ። 26. ጴጥሮስ ግና “ተንሥእ! ኣነ ድማ ከማኻ ሰብ እየ”እናበለ ኣተንሥኦ። 27. ምስኡ እናተዛረበ ኣተወ፥ ኣብኡ ድማ ብዙኃት ሰብ ረኸበ። 28. ከምዚ ድማ በሎም፡ - “ንሓደ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ምስ ካልእ ሕዝቢ ኺጽምበር ወይ ናብ ቤቶም ኪኣቱ ከም ዘይግብኦ ትፈልጡ ኢኹም፤ ንኣይ ግና ንሓደ ሰብ እኳ ከይጽየፍ፥ ወይ ‘ርኹስ እዩ’ ከይብል ኣምላኽ ኣርእዩኒ እዩ። 29. ምእንትዚ ድማ ምስ ለኣኽኩምለይ፥ ስግጥ ከይበልኩ መጻእኩ፤ እሞ ሕጂኸ ብዛዕባ እንታይ ኢኹም ዝጸዋዕኩምኒ፧”

 

ስንክሳር Synaxarium

ቆርኔሌዎስ ሊቀ ሐራ
ወጴጥሮስ
ወአብድዩ ነቢይ

 

መዝሙር Psalm

መዝ 139 : 17 - 18 / መዝ ፻፴፰ : ፲፯ - ፲፰ [English][ትግርኛ]

ዎ ኣምላኽ፣ ሓሳባትካ ንኣይ ክንደይ ክቡር እዩ፣ ቊጽሩስ ክንደይ ዓብዪ እዩ። እንተ ቘጸርክዎ፣ ካብ ሑጻ ይበዝሕ።

ወበኀቤየሰ ፈድፋደ ክቡራን አዕርክቲከ እግዚኦ፤
ወፈድፋደ ጸንዑ እምቀደምቶሙ፤
እኌልቆሙ ወእምኆፃ ይበዝኁ።


 

ወንጌል Gospel

ማቴ 10 : 32 - ፍም [English][ግእዝ]

32. “ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝተኣመነኒ ዅሉ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክእመኖ እየ። 33. ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝኸሓደኒ ግና፥ ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክኽሕዶ እየ። 34. “ኣነ ናብ ምድሪ ሰላም ከውርድ ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም፥ ኲናት ደኣ እምበር ሰላም ከውርድ ኣይመጻእኩን። 35. ወዲ ኻብ ኣቦኡ፥ ጓል ካብ ኣዲኣ፥ መርዓት ካብ ሓማታ ኽፈላሊ እየ ዝመጻእኩ። 36. ንሰብ ከኣ ጸላእቱ ቤተ ሰቡ ኪኾኑ እዮም። 37. እቲ ነቦኡ ወይ ነዲኡ ካባይ ኣብሊጹ ዜፍቅር ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ። ካባይ ንወዱ ወይ ንጓሉ ኣብሊጹ ዜፍቅርውን ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ። 38. እቲ መስቀሉ ፀይሩ ደድኀረይ ዘይስዕብ ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ። 39. ንሕይወቱ ዚረኽባ ኼጥፍኣ እዩ፥ ንሕይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ኸኣ ኪረኽባ እዩ። 40. “ንኣኻትኩም ዚቕበል ንኣይ ይቕበል፥ እቲ ንኣይ ዚቕበል ድማ ነቲ ዝለኣኸኒ ይቕበሎ። 41. ንነቢይ ብስም ነቢይ ዚቕበል ዓስቢ ነቢይ ይረክብ፥ እቲ ንጻድቕ ብስም ጻድቕ ዚቕበል ዓስቢ ጻድቕ ይረክብ። 42. ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ብስም ወደ መዝሙር ዝሑል ብርጭቆ ማይ ጥራይ ዜስቲ፥ ዓስቡ ከቶ ከም ዘይስእን ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።” ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘዮሐንስ ወልደ ነጐድጓድ (ሃቤከ)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 32 : 5 - 6 / መዝ ፴፩ : ፭ - ፮ [English][ትግርኛ]

ሓጢኣተይ ኣፍለጥኩኻ፣ በደለይውን ኣይሰወርኩን፣ ንእግዚኣብሄር ኣበሳይ ክናዘዘሉ እየ፣ በልኩ። ንስኻውን እከይ ሓጢኣተይ ይቕረ በልካለይ። ስለዚ ደጊ ዘበለ ዅሉ ብእትርከበላ ጊዜ ይልምነካ።

ወእቤ አስተዋዲ ርእስየ ኀበ እግዚአብሔር በእንተ ኃጢአትየ፤
ወአንተ ኅድግ ጽልሑቶ ለልብየ፤
በእንተዝ ይጼሊ ኀቤከ ኵሉ ጻድቅ በጊዜ ርቱዕ።


 

ወንጌል Gospel

ማር 11 : 22 - 26 [English][ግእዝ]

22. ኢየሱስ ከኣ ኸምዚ ኢሉ መለሰሎም፡ - “ብኣምላኽ እመኑ። 23. እቲ ብልቡ ኸይተጠራጠረ እቲ ዚልምኖ ከም ዚፍጸም ዚኣምን ኵሉ፥ ነዚ እምባ እዚ ‘ካብዚ ተላዒልካ ናብቲ ባሕሪ ተወርወር’ እንተ በሎ ንእኡ ከም ዚኾነሉ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 24. ስለዚ እትጽልይዎን እትልምንዎን ዘበለ ኸም ዝተቐበልኩምዎ እመኑ እሞ ኪኾነልኩም እዩ፥ እብለኩም ኣሎኹ። 25. ደው ኢልኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም ከኣ ሰማያዊ ኣቦኹም በደልኩም ምእንቲ ኺኃድገልኩም፥ ንብጻይኩም ዝኃዝኩምሉ በደል እንተሎ፥ ኅደጉሉ። 26. ንስኻትኩም እንተ ዘይኃደግኩም ግና እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ድማ በደልኩም ኣይኃድገልኩምን እዩ።” እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ!

 

ዘመነ ማርቆስ Readings for Wednesday

ሕዳር 24, 2018 ብግእዝ Dec 03, 2025 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 113 : 7 - 8 / መዝ ፻፲፪ : ፯ - ፰ [English][ትግርኛ]

ምስ መሳፍንቲ፣ ምስቶም መሳፍንቲ ህዝቡ ኬቐምጦስ፣ ንመስኪን ካብ ሓመድ የተንስኦ፣ ንድኻውን ካብ ድዅዒ የልዕሎ።

ዘያነሥኦ ለነዳይ እምድር፤
ወያሌዕሎ እመሬት ለምስኪን፤
ከመ ያንብሮ ምስለ መላእክቲሁ።


 

ወንጌል Gospel

ማቴ 18 : 10 - 14 [English][ግእዝ]

10. “መላእኽቶም ኣብ ሰማያት ኵሉ ሳዕ ገጽ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ ኣለዉ እሞ፥ ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ክይትንዕቁ ተጠንቀቑ። 11. ወዲ ሰብ ንዝጠፍአ ኬድሕን መጺኡ ኣሎ እሞ፥ 12. እንታይ ይመስለኩም፧ ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ ሰብኣይ ካብአን ሓንቲ እንተ ጠፍኣቶ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ ጎቦታት ኃዲጉ ነታ ዝጠፍአት ኪደሊዶ ኣይከይድን፧ 13. እንተ ረኸባ ድማ ኻብተን ተስዓን ትሽዓተን ዘይጠፍኣ ብኣኣ ኣዝዩ ኸም ዚሕጐስ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 14. ከምኡ ድማ ኻብዞም ናእሽቱ ሓደ እኳ ኺጠፍእ ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ኣይኰነን። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

1ይ ጢሞ 5 : 17 - ፍም [English][ግእዝ]

17. ነቶም ብጽቡቕ ዘገልግሉ መራሕቲ ቤተክርስትያን፥ ምናዳ ነቶም ወንጌል ዝሰብኩን ዝምህሩን ዕጽፊ ኽብሪ ይግብኦም እዩ። ከመይ እቲ ቅዱስ መጽሓፍ “ኣፍ እቲ ዜኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር፥” ከምኡውን “ንዓያዪ ውዕለቱ ይግብኦ እዩ” ይብል እዩ። 18. ንመራሒ ቤተክርስትያን ዚርኢ ኽሲ ግና፥ ኽልተ ወይ ሠለስተ ሰባት እንተ ዘይመስኪሮምሉ ኣይትቀበሎ። 19. ነቶም ኃጢኣት ዚገብሩ ኸኣ፥ እቶም ካልኦት ምእንቲ ኪፈርሁ፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ግንሓዮም። 20. ብዘይ ኣፈላላይን ብዘይ ኣድልዎን ነዚ ምዕዶዚ ክትሕሉ፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ኢየሱስን ኣብ ቅድሚ እቶም ኅሩያት መላእኽትን አማኅጽነካ ኣሎኹ። 21. ብታህዋኽ ኣብ ሓደ እኳ ኢድካ ኣይተንብር፥ ኣብ ኃጢኣት ካልኦትውን ኣይትጸምበር። ንርእስኻ ብንጽሕና ሓሉ። 22. ስለ ኸብድኻን ስለቲ ዚመላለሰካ ሕማምን ሒደት ወይኒ ደኣ እምበር ማይ ጥራይ ኣይትስተ። 23. ኃጢኣት ገሊኦም ሰባት ግሁድ እዩ፥ ናብ ፍርዲ ኸኣ ይቕድሞም። ናይ ገሊኦም ግና ይስዕቦም። 24. ከምኡ ኸኣ እቲ ሠናይ ግብሪ ግሉጽ እዩ፥ እቲ ዘይግሉጽውን ኪሥወር ኣይከኣሎን እዩ።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

ያዕ 5 : 12 - ፍም [English][ግእዝ]

12. ኣብ ርእሲ እዚ፥ ኣኅዋተይ፥ ኣይትምሓሉ። ብምድሪ ኾነ ብሰማይ ወይ ብኻልእ ነገር ኣይትምሓሉ፤ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ እግዚኣብሔር ከይትወድቁ ድማ እቲ እወኹም እወ፥ እቲ ኣይኮነን ዝበልኩምዎ ኸኣ ኣይኮነን ይኹን። 13. ኣብ ማእከልኩም ዝጸበቦ እንተሎ ይጸሊ። ሕጉስ እንተሎ ይዘምር። 14. ኣብ ማእከልኩም ዝሓመመ እንተሎ ንመራሕቲ ቤት ክርስቲያን ይጸውዕ፥ ንሳቶም ከኣ ብስም ጐይታ ብዘይቲ እናቐብኡ ይጸልዩሉ። 15. እታ ብእምነት ዝተገብረት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተሕውዮ እያ። ጐይታውን ኬተንሥኦ እዩ። ኃጢኣት ገይሩ እንተ ኾይኑውን ኪኅደገሉ እዩ። 16. እምበኣርሲ ምእንቲ ኽትሓውዩ ንሓድሕድኩም ኃጢኣትኩም ተናዘዙ፥ ምእንቲ ንሓድሕድኩምዉን ጸልዩ። ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙኅ ተስልጥ እያ። 17. ኤልያስ ከማና ሰብ እዩ ዝነበረ። ዝናም ከይዘንም ጸሎት ገበረ፥ ሠለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርኅን ከኣ ኣብ ምድሪ ዝናም ኣይዘነመን። 18. ከም ብሓድሽ ድማ ጸለየ፥ ሰማይ ከኣ ዝናም ሃበ፥ ምድሪውን ፍሪኣ ሃበት። 19. ኣቱም ኣኅዋተይ፥ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ሓቂ እንተ ረሓቐ፥ ሓደ ኸኣ እንተ መለሶ፥ 20. እቲ ንኃጥእ ካብ መገዲ ጌጋኡ ዝመለሶ፥ ካብ ዘለዓለማዊ ሞት ከም ዘድኃኖ፥ ብዙኅ ኃጢኣት እዉን ኬኅደግ ከም ዝገበረ ይፍለጥ።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 22 : 17 - 23 [English][ግእዝ]

17. “ናብ ኢየሩሳሌም ተመሊሰ፥ ኣብ መቕደስ ኮይነ ኽጽሊ ከሎኹ ድማ ተመሰጥኩ። 18. ጐይታ ኸኣ ብራእይ ‘ነቲ ብዛዕባይ እትምስክሮ ኣይኪቕበሉኻን እዮም፥ ስለዚ ካብ ኢየሩሳሌም ቀልጢፍካ ውፃእ’ ኪብለኒ ኸሎ ረአኽዎ። 19. ኣነ ኸኣ ‘ጐይታይ፥ ኣነ ነቶም ብኣኻ ዚኣምኑ እኣስሮምን ኣብ ቤት ጸሎት እወቕዖምን ከም ዝነበርኩ ባዕላቶም ይፈልጡ እዮም። 20. ደም እስጢፋኖስ ሰማዕትኻ ኬፍስሱ ኸለዉ ድማ ባዕለይ ምስኣቶም ሠሚረ ኣብኡ ደው ኢለ ነበርኩ፤ ናይቶም ዝቐተልዎ ኽዳውንቲውን እሕሉ ነበርኩ’ በልክዎ። 21. ንሱ ኸኣ ‘ኣነ ንርሑቕ ናብ ኣሕዛብ እልእከካ ኣሎኹ እሞ ኪድ’ በለኒ።” 22. ክሳዕ እዚ ዘረባ እዚ ንጳውሎስ ሰምዕዎ፥ ብድኅሪ እዚ ግና ድምፆም ዓው ኣቢሎም፡ - “ከምዚ ዝበለ ሰብ ብሕይወት ኪነብር ኣይግብኦን እዩ እሞ፥ ካብ ምድሪ ኣልግስዎ” በሉ። 23. እቶም ሕዝቢ ክዳውንቶም እናደርበዩ፥ ሓመድ ንላዕሊ እናበተኑ ኺጭድሩ ኸለዉ፥

 

ስንክሳር Synaxarium

ዕሥራ ወአርባዕቱ ካህናተ ሰማይ
ወሰማዕታተ ናግራን
ወቀተላው
ወጋይዮስ
ወቃርዮስ
ወዲዮስቆሮስ
ወዮሴፍ ዘሃገረ ኦን

 

መዝሙር Psalm

መዝ 148 : 1 - 2 / መዝ ፻፵፰ : ፩ - ፪ [English][ትግርኛ]

እግዚኣብሄር ካብ ሰማያት አመስግንዎ፣ ኣብ ኣርያም ኣመስግንዎ። ኵሉኹም መላእኽቱ፣ አመስግንዎ፣ ብዘሎኹም ሰራዊቱ፣ አመስግንዎ።

ሰብሕዎ ለእግዚአብሔር እምሰማያት፤
ይሴብሕዎ በአርያም፤
ይሴብሕዎ ኵሎሙ መላእክቲሁ።


 

ወንጌል Gospel

ማቴ 13 : 36 - 43 [English][ግእዝ]

36. ድኅርዚ ነቶም ሕዝቢ ኣፋንዩ ናብ ቤት ኣተወ፥ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ቐሪቦም “ምስላ ናይቲ ኣብ ግራት ዝበቘለ ኽርዳድ ተርጕመልና” በልዎ። 37. ንሱ ድማ ኸምዚ ኢሉ መለሰሎም፡ - “እቲ ጽሩይ ዘርኢ ዚዘርእ ወዲ ሰብ እዩ፥ 38. እታ ግራት ዓለም እያ፥ ጽሩይ ዘርኢ ድማ ደቂ መንግሥቲ እዮም፥ እቲ ኽርዳድ ግና ደቂ እቲ እኩይ እዮም። 39. እቲ ዝዘርኦም ጸላኢ ኸኣ ድያብሎስ እዩ፥ ቀውዒ ድማ መወዳእታ ዓለም እዩ፥ እቶም ዓጻዶውን መላእኽቲ እዮም። 40. እምበኣር ነቲ ኽርዳድ ኣኪቦም ብሓዊ ኸም ዜንድድዎ ኣብ መወዳእታ ዓለም ከኣ ኸምኡ ኺኸውን እዩ። 41. ወዲ ሰብ ንመላእኽቱ ኪልእኮም እዩ፥ ንሳቶም ከኣ ንዅሎም ምኽንያት ኃጢኣት ዝኾኑን ገበርቲ ኽፉእን ካብ መንግሥቱ ኺእክብዎም እዮም። 42. ኣብ እቶን ሓዊ ኺድርብይዎም እዮም፥ ኣብኡ ድማ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ። 43. ሽዑ ጻድቃን ኣብ መንግሥቲ ኣቦኦም ከም ፀጸሓይ ኪበርሁ እዮም፥ እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ። ተቐቢሩ ዝተረኽበ ወርቅን ዕንቊን ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘ፫፻ ምእት(ግሩም)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 32 : 1 - 2 / መዝ ፴፩ : ፩ - ፪ [English][ትግርኛ]

ኣበሳኡ እተሐድገሉ፣ ሓጢኣቱ እተሰወረሉ ሰብ ብጹእ እዩ። እግዚኣብሄር በደሉ ዘይጽብጽበሉ፣ ኣብ መንፈሱውን ልግሚ ዜብሉ ሰብ ብጹእ እዩ።

ብፁዓን እለ ተኀድገ ሎሙ ኃጢአቶሙ፤
ወእለ ኢሐሰበ ሎሙ ኵሎ ጌጋዮሙ፤
ብፁዕ ብእሲ ዘኢኇለቈ ሎቱ እግዚአብሔር ኃጢአቶ።


 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 6 : 6 - 11 [English][ግእዝ]

6. ብኻልእ ሰንበት ድማ ኢየሱስ ናብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣትዩ መሃረ፥ ኣብኡ ኸኣ የማነይቲ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ነበረ። 7. መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ከኣ መኽሰሲ ምእንቲ ኪረኽቡሉ፥ ብሰንበት እንተ ኣሕወዮ ኢሎም ይጸናጸንዎ ነበሩ። 8. ንሱ ኸኣ ሓሳቦም ፈሊጡ ነቲ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ “ተንሥእ እሞ ኣብ ማእከል ደው በል” በሎ። ንሱውን ተንሢኡ ደው በለ። 9. ኢየሱስ ከኣ “እስከ ክሓተኩም፦ ብሰንበት ጽቡቕ ምግባርዶ ወይ ክፉእ ምግባር፥ ነፍሲ ምድኃንዶ ወይ ምቕታል ይግባእ፧” በሎም። 10. ንዅሎም እቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ እናጠመተ ኸኣ ነቲ ሰብኣይ “ኢድካ ዘርግሕ” በሎ፥ ንሱ ኸኣ ዘርግሓ፥ እታ ኢዱውን ሓወየት። 11. ንሳቶም ግና ኣዝዮም ነደሩ፥ ንኢየሱስ እንታይ ከም ዚገብርዎ ድማ ንሓድሕዶም ተማኸሩ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ዘመነ ማርቆስ Readings for Thursday

ሕዳር 25, 2018 ብግእዝ Dec 04, 2025 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 89 : 15 - 16 / መዝ ፹፰ : ፲፬ - ፲፭ [English][ትግርኛ]

መሰረት ዝፋንካ ጽድቅን ቅንዕናን እዩ፣ ሳህልን ሓቅን ቀቅድሚ ገጽካ ይኸዳ አለዋ። እቲ እልልታ ዚፈልጥ ህዝቢ ብጹእ እዩ።

ፍትሕ ወርትዕ ተድላ መንበርከ፤
ሣህል ወጽድቅ የሐውር ቅድመ ገጽከ፤
ብፁዕ ሕዝብ ዘየአምር የብቦ።


 

ወንጌል Gospel

ማቴ 20 : 20 - 28 [English][ግእዝ]

20. ድኅርዚ ኣደ ደቂ ዘብዴዎስ ምስ ደቃ ናብኡ ቐሪባ እናሰገደትሉ ሓደ ነገር ለመነቶ። 21. ኢየሱስ ከኣ “እንታይ ትደልዪ፧” በላ። ንሳ ድማ “እዞም ክልተ ደቀይ ኣብ መንግሥትኻ ሓደ ብየማንካ፥ ሓደ ብጸጋምካ ኪቕመጡ ሕራይ በለኒ” በለቶ። 22. ኢየሱስ ግና መሊሱ “እትልምንዎ ኣይትፈልጡን ኢኹም፥ እቲ ኣነ ዝሰትዮ ናይ መከራ ጽዋዕ ክትሰትዩኸ ትኽእሉዶ፧” በሎም። ንሳቶም ድማ “እወ፥ ንኽእል” በልዎ። 23. ኢየሱስ ከኣ “ጽዋዐይሲ ኽትሰትዩ ኢኹም፥ ኣብ የማነይን ጸጋመይን ምቕማጥ ግና ነቶም ኣቦይ ዘዳለወሎም እዩ እምበር ኣነ ኣይኰንኩን ዝህቦ” በሎም። 24. እቶም ዓሠርተ ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ሰሚዖም በቶም ክልተ ኣኅዋት ኣመና ሓረቑ። 25. ስለዚ ኢየሱስ ጸዊዑ “ንኣሕዛብ እቶም ሽማምንቶም ከም ዚገዝእዎም፥ ዓበይቶም ድማ ኣብ ልዕሊኦም ከም ዚሥልጥኑ ትፈልጡ ኢኹም። 26. “ኣባኻትኩም ግና ከምዚ ኣይኰነን፥ እቲ ኻባኻትኩም ኪዓቢ ዚደሊ ኣገልጋሊኹም ይኹን። 27. እቲ ኻባኻትኩም ሓለቓ ኺኸውን ዚደሊ ልኡኽኩም ይኹን። 28. ከመይ ወዲ ሰብ እውን እንተኾነ ኬገልግልን ሕይወቱ ምእንቲ ብዙኃት በጃ ኪህብን ድኣ እምበር ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን” በሎም። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

2ይ ቆሮ 7 : 4 - 11 [English][ግእዝ]

4. ኣባኻትኩም ብዙኅ እምነት ኣሎኒ፥ ብኣኻትኩም ኸኣ ኣዝየ እየ ዝሕበን። ተጸናኒዐ ኣሎኹ፥ ብዙኅ ጸበባ እኳ እንተ ኣሎና ሓጐሰይ ወሰን የብሉን። 5. ኣብ መቄዶንያ ምስ በጻሕና ድማ ብዅሉ ጨነቐና እምበር ዕረፍቲ እኳ ኣይረኸብናን፤ ኣብ ወፃኢ ውግእ፥ ኣብ ውሽጢውን ፍርሃት ነበረና። 6. እቲ ሕሊናኦም ንዝዓረቦም ዜጸናንዕ ኣምላኽ ግና ብምምጻእ ቲቶ ገይሩ ኣጸናንዓና። 7. ግናኸ በቲ ንሱ ኻባኻትኩም ዝረኸቦ ምጽንናዕ ደኣ እምበር ብምምጽኡ ጥራይ ኣይኮነን፤ ናተይ ናፍቖት ከም ዘሎኩም፥ ከም እተጥዓስኩም፥ ብኣይውን ኣዚኹም ከም እትግደሱ ምስ ኣዘንተወለይ ኣዝየ ተሓጐስኩ። 8. ብመልእኽተይ ኣጕህየኩም እንተ ኾንኩ እኳ ኣየጣዕሰንን እዩ። ቕድም ግና ንጊዜኡ እኳ እንተ ኾነ፥ ከም ዘጕሄኹኹም ስለ ዝፈለጥኩ ኣጣዒሱኒ ነይሩ። 9. ሕጂ ግና ስለ ዘጕሄኹኹም ዘይኮነስ ብምኽንያትና ገለ ጕድኣት ስለ ዘይበጽሓኩምን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ንንስሓ ስለ ዝጕሄኹምን እሕጐስ ኣሎኹ። 10. ከም ፍቓድ ኣምላኽ ምጕሃይ ናብ ድኅነት ዜብጽሕ ንስሓ የስዕብ፥ ኣየጣዕስን ኸኣ እዩ፤ ጓሂ ዓለም ግና ሞት የስዕብ። 11. እንሆ እዚ ኸም ፍቓድ ኣምላኽ ዝጕሄኹምዎ ክትጽዕቱን ካብ በደል ንጹሓት ምዃንኩም ከም ተረድኡን ገበረኩም። ጽልኢ ኃጢኣትን ፍርሃት እግዚኣብሔርን ከም ዚህልወኩምን ንኣይ ከም እትናፍቑን መንፈሳዊ ቕንኣት ከም ዚኃድረኩምን ብቕንዕና ከም እትፈርዱንውን ገበረኩም። በዚ ነገር እዚ ብዅሉ ንጹሓት ከም ዝኾንኩም ገለጽኩም።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

2ይ ጴጥ 1 : 1 - 8 [English][ግእዝ]

1. ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣገልጋልን ሓዋርያን ዝኾነ፥ ካብ ስምዖን ጴጥሮስ፥ ናብቶም ብናይ ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጽድቂ ኸማና ኽብርቲ እምነት ዝተቐበሉ፥2. በቲ ንኣምላኽን ንጐይታና ኢየሱስን ዘሎኩም ፍልጠት ጸጋን ሰላምን ይብዝኃልኩም።3. ነቲ ናብ ክብሩን ሕያውነቱን ዝጸውዓና ብምፍላጥና፥ መለኮታዊ ኃይሉ፥ ዅሉ እቲ ንሕይወትን ንመንፈሳውነትን ዜድልየና ሂቡና ኣሎ።4. በዚ እታ ኽብርትን ዓባይን ተስፋ ረኸብና። ንስኻትኩም ድማ፥ ካብቲ ንዓለም ኣባላሽይዋ ዘሎ ትምኒት ሥጋ ወፂእኩም ተኻፈልቲ መለኮታዊ ባህርዩ ኾንኩም።5. ስለዚ ብዅሉ ትግሃት እናተጋደልኩም ኣብ እምነትኩም ሕያውነት ወስኹ፥ ኣብ ሕያውነትውን ፍልጠት፥6. ኣብ ፍልጠት ኸኣ ምግታእ ርእስኻ፥ ኣብ ምግታእ ርእስኻ ድማ ዓቕሊ፥ ኣብ ዓቕሊውን መንፈሳውነት፥7. ኣብ መንፈሳውነት ኸኣ ኅውነት፥ ኣብ ኅውነት ድማ ፍቕሪ ወስኹ።8. እዚ ነገር እዚ እንተ ኣሎኩም፥ እናማዕበለውን እንተ ኸደ፥ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኬፍልጠኩም እዩ። ሃካያትን ዘየፍርዩንውን ኣይክትኮኑን ኢኹም።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 16 : 22 - 27 [English][ግእዝ]

22. እቲ ሕዝቢ ኸኣ ኣብ ልዕሊኦም ተንሢኡ ተጻብኦም፥ እቶም ሮማውያን ሰበ ሥልጣን ድማ ክዳውንቶም ገፊፎም ብበትሪ ኪዘብጥዎም ኣዘዙ። 23. ብዙኅ ምስ ገረፍዎም ከኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም፤ ነቲ ሓላው ቤት ማእሰርቲ ድማ ኣጽኒዑ ኪሕልዎም ኣዘዝዎ። 24. ንሱ ነዚ ትእዛዝ እዚ ምስ ተቐበለ ኸኣ፥ ናብቲ ዝወሸጠ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎም፤ ኣእጋሮም ድማ ብመቚሕ ጒንዲ ኣጽኒዑ ኣሰሮም። 25. ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ድማ፥ ጳውሎስን ሲላስን እናጸለዩ፥ ንኣምላኽ ብመዝሙር የመስግኑ ነበሩ፤ እቶም ካልኦት እሱራት ከኣ ይሰምዕዎም ነበሩ። 26. ብሃንደበት ድማ፥ መሠረት እታ ቤት ማእሰርቲ ኽሳብ ዚናወጽ፥ ብርቱዕ ምንድቕዳቕ ምድሪ ኾነ፤ ብኡብኡ ኸኣ ኵሉ እቲ መዓጹ ተኸፍተ፥ ናይ ኵላቶም መቓውሕውን ተፈትሐ። 27. እቲ ሓላው ቤት ማእሰርቲ ምስ ተበራበረ ኸኣ መዓጹ እታ ቤት ማእሰርቲ ተኸፊቱ ረኣየ፤ እቶም እሱራት ዝመለቑ መሲልዎ ድማ ሰይፉ መሊሑ ባዕሉ ንባዕሉ ኪቐትል ደለየ።

 

ስንክሳር Synaxarium

መርቆሬዎስ
ወአቃርዮስ
ወሮማኖስ

 

መዝሙር Psalm

መዝ 83 : 4 - 5 / መዝ ፹፪ : ፫ - ፬ [English][ትግርኛ]

ንህዝብኻ ተንኰል ይፍሕሱሎም፣ ነቶም እትጋርዶም ድማ አብ ልዕሊኦም ይማኸሩሎም ኣለዉ። ህዝቢ ኸይኰኑ፣ ስም እስራኤል ደጊም ከይዝከርሲ፣ ንዑ ነጽንቶም፣ ይብሉ አለዉ።

ወተማከሩ ዲበ ቅዱሳኒከ፤
ወይቤሉ ንዑ ንሥርዎሙ እምአሕዛብ፤
ወኢይዝክሩ እንከ ስመ እስራኤል።


 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 21 : 12 - 19 [English][ግእዝ]

12. ቅድሚ እዚ ዅሉ ኸኣ፥ ኪኅዙኹምን ኪሰጕኹምን እዮም። ስለ ስመይ ኸኣ ናብ ቤት ጸሎት ኣይሁድን ናብ ቤት ማእሰርትን ኪወስዱኹም፥ ናብ ነገሥታትን ሹማምንትን ኬብጽሑኹም እዮም። 13. እዚ ንኽትምስክሩለይ ጽቡቕ ዕድል ኪኾነልኩም እዩ። 14. ነዚ ነገር እዚ ኣብ ልብኹም ኣኅድርዎ፥ እንታይ ኢልኩም ከም እትምልሱ ኣቐዲምኩም ኣይትሕሰቡ። 15. ምኽንያቱ ኣነ ንኹሎም መኸራኽርትኹም ምቅዋሙን ምምጓቱን ዘይከኣሎን ኣፍን ጥበብን ክህበኩም እየ። 16. ወለድን ኣኅዋትን ኣዝማድን ኣዕሩኽን ኣኅሊፎም ኪህቡኹም፥ ካባኻትኩምውን ንገሊኣቶም ኪቐትሉ እዮም። 17. ስለ ስመይ ከኣ ብዅሉ ዝተጸላእኩም ክትኮኑ ኢኹም። 18. ግናኸ ኻብ ርእስኹም ሓንቲ ፀጕሪ እኳ ኣይክትጠፍእን እያ። 19. ንነፍስኹም ከኣ ብትዕግሥትኹም ከተጥርይዋ ኢኹም። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘዮሐንስ ወልደ ነጐድጓድ (ሃቤከ)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 145 : 18 - 19 / መዝ ፻፵፬ : ፲፰ - ፲፱ [English][ትግርኛ]

እግዚኣብሄር ንዚጽውዕዎ ዅሎም፣ ብሓቂ ንዚጽውዕዎ ዅሎም ቀረባኦም እዩ። ፍቓድ እቶም ዚፈርህዎ ይፍጽም።

ቅሩብ እግዚአብሔር ለኵሎሙ እለ ይጼውዕዎ፤
ወለኵሎሙ እለ ይጼውዕዎ በጽድቅ፤
ይገብር ፈቃዶሙ ለእለ ይፈርህዎ።


 

ወንጌል Gospel

ማቴ 6 : 3 - 8 [English][ግእዝ]

3. - 4. ንስኻ ግና ምጽዋትካ ብኅቡእ ምእንቲ ኪኸውን፥ ክትምጽውት ከሎኻ የማነይትኻ እትገብሮ ጸጋመይትኻ ኣይትፍለጦ፥ እቲ ብሥዉር ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግልጺ ኪፈድየካ እዩ። 5. “እቶም ግቡዛት ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ፥ ኣብ ናይ ኣይሁድ ኣባይቲ ጸሎትን፥ ኣብ ቀራናታት መገድን ደው ኢሎም ኪጽልዩ ይፈትዉ እዮም እሞ፥ ክትጽልዩ ኸሎኹም ከምኣቶም ኣይትኹኑ፥ ዓስቦም ከም ዝተቐበሉ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 6. ንስኻ ግና ክትጽሊ ከሎኻ፥ ናብ ቤትካ እቶ፥ ማዕጾኻ ዓጺኻ ናብቲ ብሥዉር ዘሎ ኣቦኻ ጸሊ። እቲ ብሥዉር ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግልጺ ኪፈድየካ እዩ። 7. “ኣሕዛብ ብምብዛኅ ዘረባኦም ዚስምዑ እዩ ዚመስሎም እሞ፥ ኽትጽልዩ ኸሎኹም ከምኣቶም ከንቱ ዘረባ ኣይተብዝኁ። 8. እምብኣርከ ኣቦኹም ከይለመንኩምዎ፥ ዜድልየኩም ይፈልጥ እዩ እሞ፥ ኣይትምሰልዎም። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ዘመነ ማርቆስ Readings for Friday

ሕዳር 26, 2018 ብግእዝ Dec 05, 2025 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 59 : 1 - 3 / መዝ ፶፰ : ፩ - ፪ [English][ትግርኛ]

ኣምላኸየ፣ ካብ ጸላእተይ ኣናግፈኒ፣ ካብቶም ዚትንስኡኒ ኣብ እምባ ኣቚመኒ። ካብ ገበርቲ እከይ ኣናግፈኒ፣ ካብ ደመኛታትውን ኣድሕነኒ።

አድኅነኒ እግዚኦ እምፀርየ፤
ወአንግፈኒ እምእለ ቆሙ ላዕሌየ፤
ወባልሐኒ እምገበርተ ዓመፃ።


 

ወንጌል Gospel

ማር 13 : 9 - 13 [English][ግእዝ]

9. “ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ኪኸውን ብኣይ ምኽንያት ንፍርዲ ኣኅሊፎም ኪህቡኹም፥ ኣብ ኣብያተ ጸሎቶምውን ኪገርፉኹም፥ ኣብ ቅድሚ መኳንንትን ነገሥታትን ከኣ ደው ኬብሉኹም እዮም እሞ ንርእስኹም ተጠንቀቑ። 10. ቕድም ግና ንዅሎም ኣሕዛብ ወንጌል ኪስበኽ ግድን እዩ። 11. መንፈስ ቅዱስ እዩ እምበር ንስኻትኩም ኣይኮንኩምን እትዛረቡ፤ ስለዚ ኣኅሊፎም ኪህብኹም ምስ ወሰደኹም፥ እቲ በታ ሰዓት እቲኣ ዚወሃበኩም ደኣ ተዛረቡ እምበር፥ እንታይ ኢልኩም ከም እትዛረቡ ኣቐዲምኩም ኣይትጨነቑ። 12. ኃው ንኃው፥ ወላዲ ንውሉዱ፥ ኣኅሊፉ ንሞት ኪህብ እዩ፥ ውሉድውን ኣብ ልዕሊ ወለዶም ተንሢኦም ኪቐትልዎም እዮም። 13. ምእንቲ ስመይ ከኣ ኵሉ ኪጸልኣኩም እዩ፤ እቲ ኽሳዕ መወድእታ ዚዕገስ ግና ንሱ ኺድኅን እዩ። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ!

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

ሮሜ 8 : 35 - ፍም [English][ግእዝ]

35. - 36. ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ፧ ከመዮ “ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል ኣሎና፥ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርና” ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፥ መከራዶ፥ ጸበባዶ፥ ስደትዶ፥ ጥሜትዶ፥ ዕርቃንዶ፥ ድንገትዶ ወይስ ሞት፧ 37. እምበኣር ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉ በቲ ዘፍቀረና ክርስቶስ ዓወት ብምርካብ ካብቶም ዝሰዓሩ ኣዚና ንበልጽ ኢና። 38. ስለዚ ሞት ኮነ ሕይወት፥ መላእኽቲ ኾኑ ገዛእቲ፥ ዘሎ ኾነ ዚመጽእ፥ ወይ ኃይልታት፥ 39. ላዕለዋይ ኮነ ታሕተዋይ፥ ኻልእ ፍጥረትውን እንተ ኾነ፥ ካብታ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ዘላትና ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ዚኽእል ከም ዘየልቦ ኣረጋጊጸ ኣሎኹ።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

1ይ ጴጥ 1 : 6 - 9 [English][ግእዝ]

6. ሽሕ እኳ ሕጂ ንቚሩብ ጊዜ ብብዙኅ ዝዓይነቱ ፈተና ኽትኃልፉ ግዲ እንተ ኾነ፥ በዚ ክትሕጐሱ ኢኹም። 7. እዚ ኸኣ እታ እምነትኩም ሓቂ ከም ዝኾነት ኬረድእ እዩ። ወርቂ ሽሕ እኳ ብሓዊ እንተ ተዀልዐ በራሳይ እዩ። እምነትኩም ግና ምስ ተፈተነት ኣዝዩ ዝበለጸ ዋጋ ኣለዋ፥ ከመይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኪግለጽ ከሎ ምስጋናን ስብሓትን ክብርን ከተምጽኣልኩም እያ። 8. - 9. ከይርአኹምዎ ተፍቅርዎ፥ ሕጂውን ከይርአኹምዎ ብእኡ ትኣምኑ ኣሎኹም፥ ነቲ ናይ እምነትኩም መደምደምታ ዝኾነ ድኅነት ነፍስኹም ምስ ተቐበልኩም ኸኣ ብኺንገር ዘይኸኣል ክቡር ሓጐስ ትሕጐሱ ኣሎኹም።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 8 : 1 - 4 [English][ግእዝ]

1. ሳውል ድማ ኣብ ቅትለት እስጢፋኖስ ሠሚሩ ነበረ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ብርቱዕ ስደት ኮነ። ብዘይካ ሓዋርያት ከኣ ኵሎም ኣመንቲ ናብ ሃገር ይሁዳን ሰማርያን ተበተኑ። 2. እግዚኣብሔር ዚፈርሁ ሰባት ድማ ንእስጢፋኖስ ቀበርዎ፥ ብርቱዕ ብኽያትውን በኸዩሉ። 3. ሳውል ግና ነታ ቤተ ክርስትያን ኬጥፍኣ ተላዕለ፥ ገዛ ገዛ እናኸደ ኸኣ፥ ሰብኡትን ኣንስትን ሰስሒቡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ የእትዎም ነበረ። 4. እቶም ዝተበተኑ ሰባት ግና ቃል ወንጌል እናሰበኹ ኸዱ።

 

ስንክሳር Synaxarium

በላርያኖስ
ወጎርጎርዮስ ሰማዕት
ወሰማዕታተ ናግራን ምስለ አቡሆሙ ኂሩት
ወጌልዮስ
ወምክዋስ
ወማርልዮስ

 

መዝሙር Psalm

መዝ 9 : 12 - 13 / መዝ ፱ : ፲፪ - ፲፫ [English][ትግርኛ]

እቲ ሕነ ደም ዚፈዲ ዘኪርዎም፣ ንኣውያት ጥቑዓት ከኣ ኣይርስዖን እዩ እሞ፣ ነቲ ኣብ ጽዮን ዚነብር እግዚኣብሄር ዘምሩሉ፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ግብርታቱ ንገሩ።

እስመ ተዘክረ ዘይትኃሠሥ ደሞሙ፤
ወኢረስዐ ዐውያቶሙ ለነዳያን፤
ተሣሀለኒ እግዚኦ ወርኢ ዘከመ ያሐሙኒ ጸላእትየ።


 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 21 : 12 - 19 [English][ግእዝ]

12. ቅድሚ እዚ ዅሉ ኸኣ፥ ኪኅዙኹምን ኪሰጕኹምን እዮም። ስለ ስመይ ኸኣ ናብ ቤት ጸሎት ኣይሁድን ናብ ቤት ማእሰርትን ኪወስዱኹም፥ ናብ ነገሥታትን ሹማምንትን ኬብጽሑኹም እዮም። 13. እዚ ንኽትምስክሩለይ ጽቡቕ ዕድል ኪኾነልኩም እዩ። 14. ነዚ ነገር እዚ ኣብ ልብኹም ኣኅድርዎ፥ እንታይ ኢልኩም ከም እትምልሱ ኣቐዲምኩም ኣይትሕሰቡ። 15. ምኽንያቱ ኣነ ንኹሎም መኸራኽርትኹም ምቅዋሙን ምምጓቱን ዘይከኣሎን ኣፍን ጥበብን ክህበኩም እየ። 16. ወለድን ኣኅዋትን ኣዝማድን ኣዕሩኽን ኣኅሊፎም ኪህቡኹም፥ ካባኻትኩምውን ንገሊኣቶም ኪቐትሉ እዮም። 17. ስለ ስመይ ከኣ ብዅሉ ዝተጸላእኩም ክትኮኑ ኢኹም። 18. ግናኸ ኻብ ርእስኹም ሓንቲ ፀጕሪ እኳ ኣይክትጠፍእን እያ። 19. ንነፍስኹም ከኣ ብትዕግሥትኹም ከተጥርይዋ ኢኹም። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘዮሐንስ ወልደ ነጐድጓድ (ሃቤከ)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 147 : 1 - 2 / መዝ ፻፵፮ : ፩ - ፪ [English][ትግርኛ]

ንኣምላኽና ብመዝሙር ምውዳስ ሰናይ እዩ፣ ጥዑም እዩ እሞ፣ ምስጋና ይግባእ። እግዚኣብሄር ንየሩሳሌም ይሀንጽ።

ሰብሕዎ ለእግዚአብሔር እስመ ሠናይ መዝሙር፤
ወለአምላክነ ሐዋዝ ሰብሖ፤
የሐንፃ እግዚአብሔር ለኢየሩሳሌም።


 

ወንጌል Gospel

ማቴ 15 : 32 - 39 [English][ግእዝ]

32. ደቀ መዛሙርቱ ድማ “ኣብዚ በረኻ እዚ ደኣ ንኽንድዚ ዚኣክል ሕዝቢ ዜጽግብ እንጌራ ኻበይ ክንረክብ ኢና፧” በልዎ። 33. ኢየሱስ ከኣ “ክንደይ እንጌራኸ ኣሎኩም፧” በሎም። ንሳቶም “ሾብዓተ እንጌራን ቊሩብ ዓሣን” በልዎ። 34. ነቶም ሕዝቢ ኸኣ ኣብ ምድሪ ኪቕመጡ ኣዘዞም። 35. ሽዑ ነተን ሾብዓተ እንጌራን ነቲ ቚሩብ ዓሣን ኣልዒሉ፥ ኣመስገነ፥ ቈሪሱ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፥ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ነቶም ሕዝቢ ሃብዎም። 36. ኵሎም በሊዖም ጸገቡ፥ ዝተረፈ ቚርስራስ ድማ ሾብዓተ መሶብ መሊኦም ኣልዓሉ። 37. እቶም ዝበልዑ ኸኣ፥ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን ኣርባዕተ ሽሕ ሰብኣይ ነበሩ። 38. ነቶም ሕዝቢ ምስ ኣፋነዎም ናብ ጃልባ ደይቡ ናብ ወሰን መጌዶን መጸ። 39. ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ዘመነ ማርቆስ Readings for Saturday

ሕዳር 27, 2018 ብግእዝ Dec 06, 2025 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 2 : 1 - 2 / መዝ ፪ : ፩ - ፪ [English][ትግርኛ]

ስለምንታይ እዮም ኣህዛብ ጫውጫው ዚብሉ፣ ህዝብታትሲ ከንቱ ዚሓስቡ፧ ነገስታት ምድሪ ይትንስኡ፧

ለምንት አንግለጉ አሕዛብ፤
ወሕዝብኒ ነበቡ ከንቶ፤
ወተንሥኡ ነገሥተ ምድር።


 

ወንጌል Gospel

ማር 15 : 1 - 15 [English][ግእዝ]

1. ምስ ወግሐ፥ ብኡብኡ ሊቃነ ካህናት ምስ ሽማግለታትን መምህራን ሕግን ብዘሎ እቲ መጋባእያን ምኽሪ መኸሩ፥ ንኢየሱስ ኣሲሮም ወሰድዎ፥ ኣኅሊፎም ከኣ ንጲላጦስ ሃብዎ። 2. ጲላጦስ ድም ንኢየሱስ “ንስኻዶ ንጉሥ ኣይሁድ ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኸኣ “ንስኻ ባዕልኻ እኳ ትብል ኣሎኻ” ኢሉ መለሰሉ። 3. እቶም ሊቃነ ካህናት ድማ ብብዙኅ ነገር ከሰስዎ፥ ንሱ ግና ኣይመለሰን። 4. ጲላጦስ ከኣ “እነሆ ብኽንደይ ነገር ይኸሱኻ ኣለዉ፥ እኳዶ ሓንቲ ነገር ኣይትምልስን ኢኻ፧” እናበለ ደጋጊሙ ሓተቶ። 5. ኢየሱስ ግና ጲላጦስ ክሳዕ ዚግረም ሓንቲ እኳ ኣይመለሰን። 6. እነሆ ኸኣ በብበዓል ንሳቶም ዝለመንዎ ሓደ ኻብቶም እሱራት ይፍታሓሎም ነበር። 7. ምስቶም ህውከት ዝገብሩን፥ ኣብቲ ህውከትውን ነፍሲ ዝቐትሉን፥ በርባን ዚበሃል ሰብኣይ ተኣሲሩ ነበረ። 8. እቶም ሕዝቢ ድማ ደይቦም ከምታ ልማዶም ኪገብረሎም ኪልምንዎ ጀመሩ። 9. - 10. ጲላጦስ ከኣ፥ እቶም ሊቃነ ካህናት ብቕንኣቶም ኣኅሊፎም ከም ዝሃብዎ ፈሊጡ ነበረ እሞ፥ “ነቲ ንጉሥ ኣይሁድ ክፈትሓልኩምዶ ትደልዩ ኢኹም፧” ኢሉ ሓተቶም። 11. እቶም ሊቃነ ካህናት ግና፥ ንበርባን ምእንቲ ኪፍትሓሎም ኪልምኑ፥ ነቶም ሕዝቢ ኣለዓዓልዎም። 12. ስለዚ ጲላጦስ ከም ብሓድሽ “ነዚ ንጉሥ ኣይሁድ እትብልዎ እንታይ ክገብሮ ትደልዩ፧” ኢሉ ሓተቶም። 13. ንሳቶም ከኣ “ስቐሎ” ኢሎም ከም ብሓድሽ ጨደሩ። 14. “እንታይ ክፉእ ስለ ዝገበር፧” በሎም። ንሳቶም ግና ኣመና ዓው ኢሎም “ስቐሎ!” በሉ። 15. ጲላጦስ ከኣ ነቶም ሕዝቢ ኼሓጒሶም ስለ ዝመደበ፥ ንበርባን ፈትሓሎም፥ ንኢየሱስ ከኣ ኺሰቕልዎ ገርፉ ሃቦም። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ!

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

ፊልሞ 1 : 1 - 13 [English][ግእዝ]

1. ካብቲ ምእንቲ ክርስቶስ ኢየሱስ እሱር ዝኾነ ጳውሎስን፥ ካብ ጢሞቴዎስ ኃውናን፥ ናብቲ ፍቁርን መተዓይይትናን ዝኾነ ፊልሞና፥ 2. ናብ ኣፍብያ ኃብትናን፥ ናብቲ ምሳና ኾይኑ ዚዋጋእ ኣርክጳን፥ ናብቶም ኣብ ቤት ፊልሞና ዚእከቡ ክርስቲያንን። 3. ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም። 4. ኣብ ጸሎተይ ክዝክረካ ኸሎኹ ኵሉ ጊዜ ንኣምላኸይ ኣመስግን። 5. እዚ ኸኣ ንኣመንቲ ከም እተፍቅርን ብጐይታና ብኢየሱስ ከም እትኣምንን ስለ ዝሰማዕኩ እየ። 6. ነቲ ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ ሠናይ ነገር ኣጸቢቕካ ምእንቲ ኽትርዳእ፥ ነቲ ዘሎካ እምነት ብትብዓት ከተካፍሎ እጽሊ ኣሎኹ። 7. ኣታ ኃወይ! ልቢ ኣመንቲ ስለ ዘጸናናዕካ ብፍቕርኻ ብዙኅ ሓጐስን ምትብባዕን ረኺበ ኣሎኹ። 8. ስለዚ ብክርስቶስ ኢየሱስ ብዘሎኒ ብዙኅ ትብዓት ነቲ ኽትገብሮ ዚግብኣካ እኳ ኽእዝዘካ ዝኽእል እንተ ኾንኹ፥ 9. ኣነ ጳውሎስ፥ ሽማግለ፥ ሕጂውን ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ እሱር፥ ምእንቲ ፍቕሪ ኢለ፥ 10. ብዛዕባ እቲ ኣብ መቓውሐይ ኮይነ ብክርስቶስ ዝወለድክዎ ወደይ ኣናሲሞስ እልምነካ ኣሎኹ። 11. ንሱ ቐደም ኣይጠቐመካን፥ ሕጂ ግና ንኣኻን ንኣይን ይጠቕመና እዩ። 12. ነቲ ብልቢ ዘፍቅሮ መሊሰ ናባኻ እሰዶ ኣሎኹ። 13. ኣነ እኳ፥ ወንጌል ብምስባኸይ ተኣሲረ ኣብ ዘሎኹሉ፥ ኣብ ክንዳኻ ኾይኑ ኼገልግለኒ ምሳይ ከትርፎ ምደሌኹ ነይረ።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

1ይ ጴጥ 3 : 18 - ፍም [English][ግእዝ]

18. ክርስቶስ ሓንሳእ ንሓዋሩ ምእንቲ ኃጢኣት ሞተ። ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኼቕርበና ጻድቕ ከሎ ምእንቲ እቶም ኃጥኣን ሞተ። ብሥጋ ሞተ፥ ብመንፈስ ግና ሕያው ኮነ። 19. በዚ መንፈስ እዚውን ከይዱ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ነፍሳት ድኅነት ሰበኸሎም። 20. እዚኣቶም እቶም ቀደም ብዘመን ኖኅ እታ መርከብ ክትሥራሕ ከላ፥ እግዚኣብሔር ብትዕግሥቲ እናተጸበዮም ከሎ፥ ምእዛዝ ዝኣበይዎ እዮም። ኣብታ መርከብ ሒደት፥ ማለት ሸሞንተ ነፍሲ፥ ብማይ ደኃና። 21. ማይ ናይቲ ሕጂ ዜድኅነኩም ጥምቀት ምልክት እዩ፥ ጥምቀት ኸኣ እቲ ብትንሣኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ብንጹሕ ሕሊና ናብ ኣምላኽ ዚቐርብ ጸሎት እዩ እምበር፥ ናይ ሰብነት ርስሓት ዚሓጽብ ኣይኮነን። 22. ንሱ ናብ ሰማይ ዓሪጉ ኣብ የማን ኣምላኽ ኣሎ፥ መላእኽትን ሥልጣናትን ኃይልታትን ይግዝእዎ ኣለዉ።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 11 : 25 - ፍም [English][ግእዝ]

25. በርናባስ ካብኡ ወፂኡ ንሳውል ኪደልዮ ናብ ጠርሴስ ከደ። 26. ምስ ረኸቦ ናብ ኣንጾኪያ ኣምጽኦ፥ ኣብታ ቤት ክርስቲያን ከኣ ዓመት ምሉእ ብኅብረት ነበሩ፥ ንብዙኅ ሕዝቢውን መሃሩ፥ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ንፈለማ ጊዜ ኣብ ኣንጾኪያ ክርስቲያን ተባሂሎም ተሰምዩ። 27. በተን መዓልትታት እቲኣተን ነቢያት ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ኣንጾኪያ ወረዱ። 28. ሓደ ኻብኣቶም ከኣ ኣጋቦስ ዝስሙ ተንሢኡ፥ ኣብ ኵሉ ዓለም ብርቱዕ ጥሜት ከም ዚኸውን፥ ብመንፈስ ቅዱስ ተዛረበ፤ እዚ ብዘመን ቄሣር ቀላውዴዎስ ኮነ። 29. ስለዚ እቶም ደቀ መዛሙርቲ፥ ነፍሲ ወከፍ ከከም ዓቕሙ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ኣኅዋት ረድኤት ኪሰዱሎም መደቡ። 30. ነቲ ዝተዋፅአ ገንዘብ ድማ ብኢድ በርናባስን ሳውልን ገይሮም ናብቶም መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ሰደድዎ።

 

ስንክሳር Synaxarium

ያዕቆብ ዘግሙድ
ወተዝካረ ስቅለቱ ለእግዚእነ
ወጢሞቴዎስ
ወፊልሞና ፩እም ፸ወ፪
ወተክለ ሐዋርያት
ወገብረ ዮሐንስ

 

መዝሙር Psalm

መዝ 40 : 1 - 2 / መዝ ፴፱ : ፩ - ፪ [English][ትግርኛ]

ንእግዚኣብሄር ተዐጊሰ ተጸቤኽዎ፣ ንሱውን ናባይ ደኒኑ ኣውያተይ ሰምዔ።

ጸኒሐ ጸናሕክዎ ለእግዚአብሔር፤
ሰምዐኒ ወተመይጠኒ፤
ወሰምዐኒ ቃለ ስእለትየ።

ወይ / ዓዲ

መዝ 37 ፡ 39 - 40 / መዝ ፴፮ : ፴፱ - ፵

ምድሓን ጻድቃን ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ፣ ንሱ ብዘመን ጸገማ መኸወሊኦም እዩ። እግዚኣብሄር ይረድኦምን የናግፎምን።

መድኃኒቶሙ ለጻድቃን እምኀበ እግዚአብሔር፤
ወቀዋሚሆሙ ውእቱ በጊዜ ምንዳቤሆሙ፤
ይረድኦሙ እግዚአብሔር ወያድኅኖሙ።


 

ወንጌል Gospel

ማቴ 27 : 35 - 42 [English][ግእዝ]

35. ምስ ሰቐልዎ ኸኣ ነቲ ኽዳውንቱ ዕጫ ኣውዲቖም ተማቐልዎ። 36. ኣብኡ ተቐሚጦም ከኣ ይሕልውዎ ነበሩ። 37. ኣብ ልዕሊ ርእሱ ድማ “እዚ ኢየሱስ ንጉሥ ኣይሁድ እዩ” ዚብል ናይ ክሱ ጽሑፍ ኣንበሩሉ። 38. ሽዑ ምስኡ ኽልተ ጐሓሉት፥ ሓደ ብየማኑ ሓደ ድማ ብጸጋሙ፥ ተሰቕሉ። 39. እቶም ብጥቕኡ ዚኃልፉ ዝነበሩ ድማ ርእሶም እናነቕነቑ፥ 40. “ኣታ ንቤት መቕደስ ኣፍሪስካ ብሠለስተ መዓልቲ እትሓንጽ፥ እስከ ንርእስኻ ኣድኅን፧ ወዲ ኣምላኽ እንተ ደኣ ዄንካስ እስከ ኻብ መስቀል ውረድ!” እናበሉ ይጸርፍዎ ነበሩ። 41. ከምኡ ድማ እቶም ሊቃነ ካህናት ምስ መምህራን ሕግን ሽማግለታትን ኮይኖም፡ - 42. “ንኻልኦት ኣድኃነ ንርእሱ ግና ኬድኅን ኣይከኣለን፥ ንሱ ንጉሥ እስራኤል እንተ ድኣ ኾይኑስ እስከ ሕጂ ኻብ መስቀል ይውረድ፥ ንሕና ኸኣ ብእኡ ክንኣምን፥ ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘ፫፻ ምእት(ግሩም) አው ዘዮሐንስ አፈወርቅ(ናሁ ንዜኑ)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 104 : 20 - 21 / መዝ ፻፫ : ፳ - ፳፩ [English][ትግርኛ]

ጸልማት ትገብር፣ ለይቲውን ይኸውን፣ ብእኡ ዅሎም እንስሳ ዱር ይዛወሩ። ሽደናት ኣንበሳ ንምዝራፍ ይጓዝሙ፣ ቀለቦም ከኣ ካብ ኣምላኽ ይደልዩ።

ታመጽእ ጽልመተ ወይከውን ሌሊተ፤
ወይወፅኡ ቦቱ ኵሉ አርዌ ገዳም፤
ዕጕለ አናብስት ይጥኅሩ ወይመሥጡ።


 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 13 : 1 - 5 [English][ግእዝ]

1. በቲ ወርኃት እቲ፥ ገለ ሰባት መጺኦም ብዛዕባ እቶም ጲላጦስ ቀቲሉ ደሞም ምስ መሥዋዕቶም ዝጸምበሮ ገሊላውያን ነገርዎ። 2. ኢየሱስ መሊሱ ኸምዚ በሎም፦ “ነዞም ገሊላውያን እዚኣቶም እዚ ስለ ዝረኸቦምሲ ኻብ ኵሎም ገሊላውያን ኃጥኣን ዝነበሩዶ ይመስለኩም፧ 3. ኣይፋሎም፥ እንተ ዘይተነሳሕኩምሲ ኵላትኩም ድማ ኸምኦም ክትጠፍኡ ኢኹም፥ እብለኩም ኣሎኹ። 4. ወይሲ እቶም ኣብ ሰሊሆም ግምቢ ዝወደቖም እሞ ዝቐተሎም ዓሠርተው ሸሞንተኸ፥ ካብቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዚነብሩ ዅሎም ሰብ ዚበዝኅ ኃጢኣት ዝነበሮምዶ ይመስለኩም፧ 5. ኣይፋሎም፥ እንተ ዘይተነሳሕኩምሲ፥ ኵላትኩም ከምኦም ኽትጠፍኡ ኢኹም።” ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ዘመነ ማርቆስ Readings for Sunday

ሕዳር 28, 2018 ብግእዝ Dec 07, 2025 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 119 : 154 - 155 / መዝ ፻፲፰ : ፻፶፬ - ፻፶፭ [English][ትግርኛ]

ጠበቓይ ኩን እሞ ተበጀወኒ፣ ከም ቃልካ ህያው ግበረኒ። ረሲኣን ስርዓታትካ ኣይደልዩን እዮም እሞ፣ ምድሓንካ ኻብኦም ረሐቐ።

ፍታሕ ፍትሕየ ወባልሐኒ፤
ወበእንተ ቃልከ አሕይወኒ፤
ርኁቅ ሕይወት እምኃጥአን።


 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 13 : 10 - 17 [English][ግእዝ]

10. ኢየሱስ ብሰንበት ኣብ ሓንቲ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኮይኑ ይምህር ነበረ። 11. እንሆ፥ ዓሠርተው ሸሞንተ ዓመት መንፈስ ድኻም ዝኃደራ ሰበይቲ ነበረት፤ ንሳ ኸኣ ጐቢጣ ነበረት፥ ክትቀንዕውን ከቶ ኣይትኽእልን ነበረት። 12. ኢየሱስ ምስ ረኣያ ጸዊዑ “ኣቲ ሰበይቲ! ካብ ሕማምኪ ተፈቲሕኪ ኢኺ” ኢሉ 13. ኢዱ ኣንበረላ፥ ብኡብኡ ኸኣ ቐንዐት ንኣምላኽውን ኣመስገነቶ። 14. እቲ መራሕ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ከኣ፥ ኢየሱስ ብሰንበት ስለ ዘሕወየ ተቘጢዑ፥ ነቶም ሕዝቢ “ኪዕየየን ዚግባእ ሽዱሽተ መዓልቲ ኣለዋኹም። እምበኣር ብኣኣተን መጺእኩም ተፈወሱ እምበር፥ ብመዓልቲ ሰንበት ኣይኮነን” ኢሉ ተዛረቦም። 15. ጐይታ ኸኣ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “ኣቱም ግቡዛት፥ ነፍስ ወከፍ ካባኻትኩም ንብዕራዩ ወይ ንኣድጉ ብሰንበት ካብ ማእሰሩ ፈቲሑ ማይ ኬስትዮዶ ኣየውርዶን እዩ፧ 16. እንሆ እዛ ዓሠርተው ሸሞንተ ዓመት ሰይጣን ዝኣሰራ ጓል ኣብርሃምከ፥ ካብዚ ማእሰርቲ እዚ ብመዓልቲ ሰንበት ክትፍታሕዶ ኣይግብኣን እዩ፧” 17. እዚ ምስ በለ፥ እቶም ዚቃወምዎ ዝነበሩ ዅሎም ኃፈሩ፥ እቶም ሕዝቢ ኸኣ በቲ ብኢየሱስ ዝተገብረ፥ መስተንክር ዝኾነ ግብርታት ኵሉ ተሐጐሱ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

ገላ 3 : 1 - 9 [English][ግእዝ]

1. ኣቱም ድንዙዛት ሰብ ገላትያ! መን እዩ እቲ ዝዓዘመኩም፧ ኢየሱስ ክርስቶስ ስቑል፥ ኣብ ቅድሚ ኣዕይንትኹምዶ ብግሁድ ከም ሥእሊ ተሰጢሑ ኣይነበረን፧ 2. ካባኻትኩም ክፈልጣ ዝደሊ ሓንቲ ነገር ጥራይ ኣላ፥ ንመንፈስ ቅዱስ ዝተቐበልኩምዎ፥ ሕጊ ብምፍጻም ዲኹም ወይ ነቲ ዝሰማዕኩምዎ ብሥራት ብምእማን፧ 3. ክሳብ ክንድዚዶ ድንዙዛት ኢኹም፧ ብመንፈስ ጀሚርኩምሲ ሕጂ ብሥጋ ክትፍጽሙዶ ትደልዩ ኣሎኹም፧ 4. እዚ ክንድዚ ዝኣክል ተመክሮ ተቐቢልኩምሲ ንኸንቱ፧ እዚስ እወ፥ ብሓቂ እንተ ደኣ ከምኡ ኾይኑስ፥ ከንቱ እዩ። 5. ኣምላኽ ብመንፈሱ ዚመልኣኩምን፥ ኣብ ማእከልኩም ኸኣ ተኣምራት ዚገብርን፥ ሕጊ ስለ ዝፈጸምኩም ድዩ ወይስ ነቲ ዝሰማዕኩምዎ ብሥራት ስለ ዝኣመንኩም፧ 6. ኣብርሃም “ብኣምላኽ ኣመነ፥ ንጽድቂ ኸኣ ተቔጽረሉ”። 7. ፍለጡ እምበኣር ደቂ ኣብርሃም ዝኾኑ እቶም ናይ እምነት ሰባት እዮም። 8. ቅዱስ መጽሓፍውን ኣምላኽ ነሕዛብ ብእምነት ከም ዜጽድቖም ኣቐዲሙ ርእዩ “ኵሎም ኣሕዛብ ብኣኻ ኺባረኹ እዮም” እናበለ ኣቐዲሙ ንኣብርሃም ኣበሠሮ። 9. ኣብርሃም ሰለ ዝኣመነ ተባረኸ፥ እቶም ዚኣምኑ ዘበሉ ኸኣ ከምቲ ናቱ ኺባረኹ እዮም።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

ያዕ 2 : 21 - ፍም [English][ግእዝ]

21. ኣብርሃም ኣቦና ንይስሓቕ ወዱ ኣብ መሠውዒ ምስ ኣቕረቦ ብግብሩዶ ኣይጸደቐን፧ 22. እምነት ምስ ግብሪ ኾይና ከም ዝዓየየት፥ ከምኡውን ብግብሪ ገይራ ምልኣት ከም ዝረኸበት ትርኢ ኣሎኻ። 23. እቲ “ኣብርሃም ንኣምላኽ ኣመኖ፥ ጽድቂ ኾይኑውን ተቘጽረሉ” ዚብል ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ተፈጸመ። በዚውን ዓርኪ ኣምላኽ ተባህለ። 24. ሰብ ብእምነት ጥራይ ዘይኮነስ ብግብሪ ኸም ዚጸድቕ ትርእዮ ኣሎኹም። 25. ከምኡ ኸኣ ረኣብ፥ እታ ኣመንዝራ፥ ነቶም ልኡኻት ምስ ተቐበለቶም፥ ብኻልእ መገዲውን ምስ ኣውፅኣቶም፥ ብግብራዶ ኣጸደቐትን፧ 26. እምበኣርከ ሥጋ ብዘይ መንፈስ ምውቲ ከም ዝኾነት እምነትውን ብዘይ ግብሪ ምውቲ እያ።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 3 : 12 - 17 [English][ግእዝ]

12. ጴጥሮስ ነዚ ምስ ረአየ፥ ነቶም ሕዝቢ ኸምዚ ዚስዕብ እናበለ ተዛረቦም፡ - “ኣቱም ሰብ እስራኤል፥ ንምንታይ በዚ ትግረሙ፧ ብገዛእ ኃይልና ወይስ ብጽድቅና ነዚ ኪኸይድ ከም ዝገበርናዮስ ንምንታይ ንኣና ትጥምቱ ኣሎኹም፧ 13. ኣምላኽ ኣቦታትና፥ ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን፥ ንወዱ ኢየሱስ ኣኽበሮ፥ ንስኻትኩም ግና ነቲ ጲላጦስ ‘ይፈታሕ’ ኢሉ ዝፈረደሉ ኣኅሊፍኩም ሃብኩምዎ፥ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ከኣ ኸሓድኩምዎ። 14. እወ! ንስኻትኩም ነቲ ቕዱስን ጻድቕን ክሒድኩምሲ ነቲ ሰብ ዝቐተለ ሰብኣይ ኪፍትሓልኩም ለመንኩም። 15. ነቲ ወሃብ ሕይወት ቀተልኩምዎ፥ ንእኡ ኣምላኽ ካብ ምውታት ኣተንሥኦ፥ ንሕና ኸኣ ነዚ ምስክሩ ኢና። 16. ስሙ፥ ማለት ብስሙ ምእማን፥ ነዚ እትርእይዎን እትፈልጥዎን ሰብኣይ ኣጽንዖ፥ እታ ብኢየሱስ ምእማን ድማ ነዚ ኣብ ቅድሚ ዅላትኩም ምሉእ ጥዕና ሃበቶ። 17. “ሕጂ ድማ ኣኅዋተይ፥ ከምቶም መራሕትኹም ነዚ ብዘይ ፍላጥ ከም ዝገበርኩምዎ እፈልጥ ኣሎኹ።

 

ስንክሳር Synaxarium

አብርሃም ይስሐቅ ወያዕቆብ
ወአባ ስረባሞን
ወሊቃኖስ ዘእም፱ ቅዱሳን

 

መዝሙር Psalm

መዝ 97 : 11 - 12 / መዝ ፺፮ : ፲፩ - ፲፪ [English][ትግርኛ]

ኣቱም ንእግዚኣብሄር እተፍቅርዎ፣ እከይ ጽልኡ፣ ነፍሲ ቕዱሳኑ ይሕሉ፣ ካብ ኢድ ረሲኣን የናግፎም። ብርሃን ንጻድቃን፣ ደስታ ኸኣ ንቕኑዓት ልቢ ተዘርኤ።

በርህ ሠረቀ ለጻድቃን፤
ወለርቱዓነ ልብ ትፍሥሕት፤
ይትፌሥሑ ጻድቃን በእግዚአብሔር።

 

ወንጌል Gospel

ማር 12 : 24 - 27 [English][ግእዝ]

24. ኢየሱሰ ከኣ “መጽሓፍቲ ኾነ ኃይሊ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጥኩምዶ ኣይኮነን ትጋገዩ ዘሎኹም፧ 25. ካብ ምዉታት ምስ ተንሥኡስ ከምቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ መላእኽቲ ኣምላኽ እዮም እምበር፥ ኣይምርዓውን ኣየመረዓዕውን እዮም። 26. ምውታት ከም ዚትንሥኡኸ ኣብቲ ብዝዕባ ቘጥቋጥ ዚዛረብ መጽሓፍ ሙሴ፥ “ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቕን ኣምላኽ ያዕቆብን እየ” ኢሉ ኸም ዝተዛረቦዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም፧ 27. እምበኣር ንሱ ኣምላኽ ሕያዋን እዩ እምበር ኣምላኽ ምዉታት ኣይኮነን፥ ንስኻትኩም ግና ኣዚኹም ትጋገዩ ኣሎኹም” ኢሉ መለሰሎም። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ!

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘ፫፻ ምእት(ግሩም)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 50 : 17 - 18 / መዝ ፵፱ : ፲፯ - ፲፰ [English][ትግርኛ]

ንረሲእ ግና ኣምላኽ ይብሎ፣ ኣታ ተግሳጸይ እትጸልእ፣ ቃላተይውን ንድሕሬኻ እትድርብስ፣ ከመይ ጌርካ ኢኻ ስርዓታተይ እትነግር፧ ንኺዳነይውን ብአፍካ እተውስኦ፣ ሰራቒ ምስ ርኤኻ፣ ምስኡ ሐበርካ፣ ክፍልኻውን ምስ ኣመንዝራታት ነበረ።

ወአግባእከ ድኅሬከ ቃልየ፤
እመኒ ርኢከ ሰራቄ ትረውፅ ምስሌሁ፤
ወረሰይከ መክፈልተከ ምስለ ዘማውያን።


 

ወንጌል Gospel

ማር 10 : 2 - 12 [English][ግእዝ]

2. ፈሪሳውያን ድማ ምእንቲ ኺፍትንዎ መጺኦም “ሰብኣይ ንሰበይቱ ኺፈትሓዶ ግቡእ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ። 3. ኢየሱስ ድማ “ሙሴ እንታይ ኣዘዘኩም፧” ኢሉ መለሰሎም። 4. ንሳቶም ከኣ “ሙሴስ መፍትሒኣ ጽሑፍ ጺሒፍና ክንፈትሓ ፈቒዱልና እዩ” በልዎ። 5. ኢየሱስ ከኣ ኸምዚ በሎም፡ - “ሙሴስ ብትሪ ልብኹም እዩ እዚ ትእዛዝ እዚ ዝጸሓፈልኩም። 6. ካብ መጀመርታ ፍጥረት ግና ኣምላኽ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ እዩ ዝፈጠሮም። 7. ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ኃዲጉ ምስ ሰበይቱ ይወሃድ። 8. ክልቲኦም ድማ ሓደ ኣካል ይኾኑ፤ ስለዚ ሓደ ኣካል እዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን። 9. እምበኣርከስ ነቲ ኣምላኽ ሓደ ዝገበሮ ሰብ ኣይፍለዮ።” 10. ኣብ ቤት ከኣ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ኻልኣይ ጊዜ ሓተትዎ። 11. ንሱ ድማ “እቲ ሰበይቱ ፈቲሑ ኻልእ ዜእቱ፥ ኣብ ልዕሊኣ ይዝሙ። 12. እታ ሰብኣያ ፈቲሓ ኻልእ እተእቱ ድማ ትዝሙ” በሎም። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ!

 

Show/Hide መዝሙር ( Hymn )

መዝሙር

- በ፪፤ ይቤሉ እስራኤል። ኢርኢነ ወኢሰማዕነ ዘዕውሩ ተወልደ ወተከሥተ አዕይንቲሁ በሰንበት። ለእመ እምኀበ እግዚአብሔር ኢኮነ እመ ኢገብረ ዘንተ። ወይቤልዎ ምንተ ትብል በእንተ ዘአሕየወከ። ዘአሕየወኒ ይቤለኒ ኢትንግር። ወእምዝ ዘየአኪ ኢይርከብከ።

ሰላም

በሰንበት ወረቀ ምድረ ወገብረ ጽቡረ አሕየወ ዕዉረ ሃሌ ሉያ፣ ሃሌ ሉያ፣ ሃሌ ሉያ፣ ይትፌሥሑ ጻድቃን በብዙኅ ሰላም ሎሙኒ ፀሐየ ጽድቅ ሠረቀ ሎሙ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

2ቆሮ 4 : 1 - 12 [English][ግእዝ]

1. እምበኣርከስ ኣምላኽ ብምሕረቱ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ስለ ዝሃበና ተስፋ ኣይንቘርጽን ኢና። 2. እኳ ደኣ፥ ነቲ ሓቂ ኣብ ሕሊና ነፍስ ወከፍ ሰብ ብግህዶ እናተዛረብና፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንርእስና ነማዕቍብ ኣሎና እምበር ብተንኰል ኣይተመላለስናን፥ ንቓል ኣምላኽ ኣየጋጌናን፥ ነቲ ብኅቡእ ዚግበር ነውራም ነገርውን ካባና ኣርሒቕናዮ ኢና። 3. እቲ እንሰብኮ ወንጌል ሥዉር እንተ ደኣ ኾይኑ ኣብቶም ዚጠፍኡ ጥራይ እዩ ዝተሠወረ። 4. እቲ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ዝኾነ ሰይጣን፥ ብርሃን ወንጌል ምእንቲ ኸይርእዩ ንልቢ እቶም ዘይኣምኑ ደፈኖ። እዚ ብርሃንዚ ኸኣ ኽብሪ ናይቲ ኣርኣያ ኣምላኽ ዝኾነ ክርስቶስ እዩ። 5. ከመይ ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታ ከም ዝኾነ፥ ንሕና ኸኣ ብምኽንያት ክርስቶስ ገላዉኹም ከም ዝኾንና እምበር፥ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ኣይኮንናን እንሰብኽ። 6. ምኽንያቱ እቲ “ኣብ ጸልማት ብርሃን ይብራህ” ዝበለ ኣምላኽ፥ ነቲ ኣብ ገጽ ክርስቶስ ክብሪ ኣምላኽ ዜንጸባርቕ ብርሃን ፍልጠት ምእንቲ ኪህበና፥ ኣብ ልብና ከም ዚበርህ ገበሮ። 7. ግናኸ እቲ ዓቢይ ኃይሊ፥ ናይ ኣምላኽ እምበር ናትና ከም ዘይኮነ ምእንቲ ኪገሃድ፥ እዚ ሃብቲ እዚ ኣባና፥ ከም ኣብ ኣቕሓ መሬት ዝተቐመጠ እዩ። 8. ብዅሉ ወገን ንግፋዕ፥ ግና ኣይንሰዓርን ኢና፥ እንገብሮ ይጠፍኣና፥ ግና ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና። 9. የሳድዱና፥ ግና ኣይተረሳዕናን፤ ይወቕዑና፥ ግና ኣይንመውትን ኢና። 10. ሕይወት ኢየሱስ ኣብ ሰብነትና ምእንቲ ኽትገሃድውን ሞት ኢየሱስ ኣብ ሰብነትና ዅሉ ሳዕ ንፀውር ኣሎና። 11. ከመይ፥ ሕይወት ኢየሱስ ኣብ መዋቲ ሰብነትና ምእንቲ ክትገሃድሲ ንሕና ብሕይወት እንነብር ዘሎና ምእንቲ ኢየሱስ፥ ኵሉ ሳዕ ናብ ሞት ኣኅሊፎም ይህቡና ኣለዉ። 12. ስለዚ ንሕና ንመውት ኣሎና፥ ንስኻትኩም ግና ብሕይወት ትነብሩ ኣሎኹም።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

1ዮሐ 5 : 11 - ፍም [English][ግእዝ]

11. እቲ ኣምላኽ ዚህቦ ምስክር ከኣ እዚ እዩ፦ ኣምላኽ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ሃበና፥ እዛ ሕይወት እዚኣ ኸኣ ኣብ ወዱ ኣላ። 12. እቲ ወዲ ኣምላኽ ኣብኡ ዚነብር ሰብ፥ ሕይወት ኣላቶ፥ እቲ ወዲ ኣምላኽ ኣብኡ ዘይነብር ሰብ፥ ሕይወት የብሉን። 13. ንኣኻትኩም ነዞም ብስም ወዲ ኣምላኽ እትኣምኑ፥ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ከም ዘላትኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ ኢለ እየ እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ። 14. ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ ኸም ዚሰምዓና ስለ እንፈልጥ፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ትብዓት ኣሎና። 15. እቲ ዝለመንናዮ ዘበለ ኸም ዚሰምዓና ስለ እንፈልጥ ድማ እቲ ኻብኡ ዝለመንናዮ ድሮ ከም ዝረኸብናዮ ንፈልጥ ኢና። 16. ሓደ፥ ንኃዉ ናብ ሞት ዘየብጽሕ ኃጢኣት ኪገብር እንተ ረኣዮ ይጸልየሉ፥ ኣምላኽ ከኣ ሕይወት ኪህቦ እዩ። እዚ ነቶም ናብ ሞት ዘየብጽሕ ኃጢኣት ዚገበሩ እዩ ዜርኢ። ናብ ሞት ዜብጽሕ ኃጢኣት ኣሎ፥ “ይጸልየሉ” ዝብል ዘሎኹ ብዛዕባ እዚ ኣይኮነን። 17. ክፉእ ሥራሕ ዘበለ ዅሉ ኃጢኣት እዩ። እንተኾነ ናብ ሞት ዘየብጽሕ ኃጢኣትውን ኣሎ። 18. እቲ ካብ ኣምላኽ ዝተወልደ ኃጢኣት ከም ዘይገብር ንፈልጥ ኢና። ወዲ ኣምላኽ ስለ ዚሕልዎ እቲ ኽፉእ ኣይትንክዮን እዩ። 19. ንሕና ናይ ኣምላኽ ከም ዝኾንና፥ ብዘላ ዓለም ከኣ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እቲ ኽፉእ ከም ዘላ ንፈልጥ ኢና። 20. እቲ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝመጸ፥ ንእኡ፥ ነቲ ሓቂ ዝኾነ፥ ክንፈልጦ ኢሉ ምስትውዓል ከም ዝሃበና ንፈልጥ ኢና። ንሕና ኣብቲ ሓቂ ዝኾነ፥ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዱ ኢና ዘሎና። ንሱ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ናይ ዘለዓለም ሕይወትን እዩ። 21. ኣቱም ደቀየ፥ ካብ ጣዖታት ተሓለዉ።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ 4 : 14 - 23 [English][ግእዝ]

14. እቲ ዝሓወየ ሰብኣይ ምስኣቶም ደው ኢሉ ምስ ረኣይዎ፥ ዚዛረብዎ ሰኣኑ። 15. ስለዚ ካብቲ መጋባእያ ኼልግሱ ኣዘዝዎም። ንሓድሕዶም ከኣ ኸምዚ ዚስዕብ እናበሉ ተማኸሩ፡- 16. “ኣሉ ኽንብላ ዘይኮነልና፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ንዚነብሩ ዅላቶም ዝተጋህደት ፍልጥቲ ተኣምራት ብኣኣቶም ተገይራ እያ እሞ፥ ነዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ ንግበሮም፧ 17. ኣብ ሕዝቢ ኣዝዩ ኸይውረ ግና ደጊም ብስም ኢየሱስ ንሓደ እኳ ከይዛረቡ ኣትሪርና ነጠንቅቆም።” 18. ጸዊዖም ድማ ብስም ኢየሱስ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ወይ ከይምህሩ ኣዘዝዎም። 19. ጴጥሮስን ዮሓንስን ከኣ “ካብ ንኣምላኽ፥ ንኣኻትኩም ምስማዕ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ እንተ ድኣ ኾይኑስ እስከ ባዕላትኩም ፍረዱ። 20. ንሕና ግና ነቲ ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ክንኃድግ ኣይኮነልናን እዩ” እና በሉ መለሱሎም። 21. ንሳቶም ከኣ እቲ ሕዝቢ በቲ ዝኾነ ነገር ንኣምላኽ የመስግን ስለ ዝነበረ ፈሪሆም፥ ዜቕጽዕ ምኽንያትውን ስለ ዝሰኣኑሎም ከም ብሓድሽ ኣፈራሪሆም ኪኸዱ ኃደግዎም። 22. ምኽንያቱ እቲ ናይ ምሕዋይ ትእምርቲ ዝተገብረሉ ሰብኣይ ዕድሚኡ ልዕሊ ኣርብዓ ዓመት ነበረ። 23. ጴጥሮስን ዮሓንስን ምስ ተፈትሑ ናብቶም ኣኅዋቶም ከይዶም ነቲ ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታትን ዝበልዎ ዅሉ ኣዘንተውሎም።

 

መዝሙር Psalm

መዝ 6 : 2 - 4 / መዝ ፮ : ፫ - ፬ [English][ትግርኛ]

ነፍሰይውን ኣዝያ ተሸቢራ፣ ንስኻኸ፣ ዎ እግዚኣብሄር ክሳዕ መአዝ፧ ዎ እግዚኣብሄር፣ ተመለስ፣ ንነፍሰይ ኣናግፋ፣ ምእንቲ ምሕረትካ ኣድሕነኒ።

ወአንተኒ እግዚኦ እስከ ማእዜኑ፤
ተመየጥ እግዚኦ ወባልሓ ለነፍስየ፤
ወአድኅነኒ በእንተ ምሕረትከ።

ወይ / ዓዲ

መዝ 4 : 2 - 3 / መዝ ፬ : ፪ - ፫

ኣቱም ደቂ ሰብ፣ ክብረይስ ኰን ክሳዕ መአዝ እዩ ዚሐስር፧ ክሳዕ መአዝከ ንኸንቱነት ትፈትዉ፣ ሓሶትውን ትደልዩ፧ እግዚኣብሄር ግና ነቲ ደጊ ኸም ዝሐረዮ፣ ፍለጡ።

ደቂቀ እጓለ እመሕያው እስከ ማእዜኑ ታከብዱ ልብክሙ፤
ለምንት ታፈቅሩ ከንቶ ወተኀሡ ሐሰተ፤
ኣእምሩ ከመ ተሰብሐ እግዚአብሔር በጻድቁ።


ወንጌል Gospel

ዮሐ 9 : 13 - 25 [English][ግእዝ]

13. ሽዑ ነቲ ዕዉር ዝነበረ ናብ ፈሪሳውያን ወሰድዎ። 14. እታ ኢየሱስ ጸብሪ ገይሩ ኣዕይንቱ ዝኸፈተላ መዓልቲ ሰንበት ነበረት። 15. ስለዚ ፈሪሳውያን ከመይ ኢሉ ኸም ዝረኣየ ከም ብሓድሽ ሓተትዎ። ንሱ ኸኣ “ፀብሪ ኣብ ኣዒይንተይ ገበረለይ፥ ተሓጸብኩ እሞ ረኣኹ” በሎም። 16. ሽዑ ኻብቶም ፈሪሳውያን ገሊኦም “እዚ ሰብኣይ እዚ ሰንበት ካብ ዘየኽብርስ ካብ ኣምላኽ ኣይኮነን” በሉ። ካልኦት ድማ “ኃጥእ ሰብ ደኣ ኸምይ ገይሩ ኸምዚ ዝበለ ተኣምራት ኪገብር ይኽእል፧” በሉ። ኣብ መንጎኦም ከኣ ምፍልላይ ኮነ። 17. ሽዑ መሊሶም ነቲ ዕዉር “ንስኻኸ ኣዕይንትኻ ከፊቱልካ እዩ እሞ ብዛዕባኡ እንታይ ትብል፧” በልዎ። ንሱ ድማ “ነቢይ እዩ” በለ። 18. እቶም ኣይሁድ ግና ንወለዲ እቲ ኣዕይንቱ ዝተኸፍታሉ ክሳብ ዚጽውዑ፥ ዕዉር ነይሩስ ከም ዝረኣየ ኣይኣመንዎን ነበሩ። 19. ስለዚ “እቲ ብዕዉሩ ተወሊዱ እትብሉዎ ወድኹም እዚ ድዩ፧ ሕጂ ደኣ ኸመይ ኢሉ ይርኢ ኣ፧” ኢሎም ሓተትዎም። 20. እቶም ወለዱ ድማ “እዚ ወድና ኸም ዝኾነን ብዕዉሩ ከም ዝተወልደን ንፈልጥ። 21. ሕጂ ግና ኸመይ ኢሉ ይርኢ ኸም ዘሎ ኣይንፈልጥን፥ ኣዕይንቱውን መን ከም ዝኸፈተሉ ኣይንፈልጥን፥ ንእኡ ሕተትዎ፥ ንሱ በጽሒ እዩ፥ ብዛዕባ ርእሱ ባዕሉ ይዛረብ” ኢሎም መለሱ። 22. እቶም ወለዱ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሁ እዮም እዚ ዝበሉ። ምኽንያቱ ኣይሁድ “ንሱ መሲሕ እዩ” ኢሉ ንዝመስከረ ካብ ቤት ጸሎቶም ኪሰጒዎ ተሰማሚዖም ነበሩ። 23. ስለዚ እዮምውን እቶም ወለዱ “ንሱ በጽሒ እዩ፥ ሕተትዎ” ዝበሉ። 24. ሽዑ ነቲ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ ካልኣይ ጊዜ ጸዊዖም “ሓቂ ብምዝራብ ንኣምላኽ ክብሪ ሃብ ፤ ንሕና እዚ ሰብኣይ እዚ ኃጥእ ከም ዝኾነ ንፈልጥ ኢና” በልዎ። 25. ንሱ ድማ መሊሱ “ኣነስ ኃጥእ ከም ዝኾነ ኣይፈልጥን ፤ ዕዉር ከም ዝነበርኩን ሕጂ እርኢ ከም ዘሎኹን እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ እየ ዝፈልጥ” በሎም። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘእግዚእነ (ነአኩተከ) ዓዲ ዘዮሐንስ ወልደ ነጐድጓድ (ሃቤከ)