God is great! God is great!

Daily readings / መዓልታዊ ንባባት

ዘመነ ማርቆስ Readings for Monday

ጥሪ 18, 2018 ብግእዝ Jan 26, 2026 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 102 : 3 - 4 [English][ግእዝ][ልሙድ]

መዓልትታተይ ከም ትኪ ይበና ኣለዋ እሞ፣ አዕጽምተይ ከኣ ከም እያድ ይነድድ ኣሎ። ምብላዕ እንጌራይ ረሲዔዮ እየ እሞ፣ ልበይ ከም ሳዕሪ ጸምለወን ነቐጸን።

 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 10 : 38 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

38. ኪኸዱ ኸለዉ ድማ ኢየሱስ ናብ ሓንቲ ዓዲ ኣተወ፤ ማርታ ዝስማ ሓንቲ ሰበይቲ ኸኣ ኣብ ቤታ ተቐበለቶ። 39. ማርያም እትብሃል ኃብቲ ድማ ነበረታ፤ ንሳ ኸኣ ቓሉ ኽትሰምዕ ኣብ ጥቓ እግሪ ኢየሱስ ተቐሚጣ ነበረት። 40. ማርታ ግና ብብዙኅ ምግልጋል ትጽዕር ነበረት። ደው ኢላ ኸኣ፣ “ጐይታይ፥ ኃብተይ ኃዲጋትኒ በይነይ ከገልግልዶ ግዲ የብልካን ኢኻ፧ ክትድግፈኒ እንዶ ንገራ፧” በለቶ። 41. ኢየሱስ ድማ “ማርታ! ማርታ! ብብዙኅ ነገር ትጭነቕን ትስህርን አሎኺ። 42. እቲ ዜድሊ ግና ሓደ ነገር ጥራይ እዩ። ማርያምሲ ካብኣ ዘይውሰድ ሠናይ ግደ ኃርያ ኣላ” ኢሉ መለሰላ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

ሮሜ 8 : 28 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

28. ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ ከም መደቡውን ዝተጸውዑ ግና ዅሉ ንሠናይ ከም ዚድግፎም ንፈልጥ ኢና። 29. ነቶም ኣቐዲሙ ዝፈለጦም፥ ንሱ ንብዙኃት ኣኅዋት በዅሮም ምእንቲ ኺኸውን፥ ንምስሊ ወዱ ኺመስሉ ቐደም መደቦም። 30. ነቶም ቀደም ዝመደቦም፥ ንኣኣቶም ኸኣ ጸውዖም። ነቶም ዝጸወዖም ንኣኣቶም ድማ ኣጽደቖም፥ ነቶም ዘጽደቖም፥ ንኣኣቶምውን ኣኽበሮም። 31. እምበኣርሲ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ እንታይ ክንብል ኢና፧ ኣምላኽ ምሳና ኻብ ኮነኸ፥ መን እዩ ዚቃወመና፧ 32. እቲ ንወዱ እኳ ምእንቲ ዂላትና ኣኅሊፉ ዝሃቦ እምበር ዘይነሓፎ፥ ከመይ ደኣኸ ምስኡ ዅሉ ዘይህበና፧ 33. እቲ ዜጽድቖም ኣምላኽ ካብ ኮነ፥ ነቶም ኅሩያት ኣምላኽ ዚኸሶም መን እዩ፧ 34. እቲ ዚዅንንከ መን እዩ፧ እቲ ዝሞተ፥ አረ ኻብ ምዉታት እኳ ዝተንሥአ፥ ኣብ የማን ኣምላኽ ኮይኑውን ምእንታና ዚልምን ዘሎ ክርስቶስ ኢየሱስ እዩ። 35. - 36. ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ፧ ከመዮ “ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል ኣሎና፥ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርና” ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፥ መከራዶ፥ ጸበባዶ፥ ስደትዶ፥ ጥሜትዶ፥ ዕርቃንዶ፥ ድንገትዶ ወይስ ሞት፧ 37. እምበኣር ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉ በቲ ዘፍቀረና ክርስቶስ ዓወት ብምርካብ ካብቶም ዝሰዓሩ ኣዚና ንበልጽ ኢና። 38. ስለዚ ሞት ኮነ ሕይወት፥ መላእኽቲ ኾኑ ገዛእቲ፥ ዘሎ ኾነ ዚመጽእ፥ ወይ ኃይልታት፥ 39. ላዕለዋይ ኮነ ታሕተዋይ፥ ኻልእ ፍጥረትውን እንተ ኾነ፥ ካብታ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ዘላትና ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ዚኽእል ከም ዘየልቦ ኣረጋጊጸ ኣሎኹ።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

1ይ ጴጥ 4 : 12 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

12. ኣቱም ፍቁራተይ፥ ከም ሓዊ ዚባላዕ ፈተና ኺረኽበኩም ከሎ፥ ሓደ ሓዱሽ ነገር ከም ዝበጽሓኩም ኴንኩም ኣይትገረሙ። 13. ንሱ ብግርማ ኺግለጽ ከሎ ኣዝዩ ባህ ኪብለኩም እዩ እሞ ኣብ ሥቓይ ክርስቶስ ክትካፈሉ ኸሎኹም ተሓጐሱ። 14. ምእንቲ ስም ክርስቶስ እንተ ተጸረፍኩም፥ እቲ ኽቡር መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ስለ ዚኃድር ተሓጐሱ። 15. ሓደ እኳ ኻባኻትኩም ቀታሊ፥ ወይ ሰራቒ፥ ወይ ገባር ክፋእ፥ ወይ ኣብ ነገር ካልኦት ኢዱ ዜእቱ ብምዃኑ ስቓይ ዚቕበል ኣይሃሉኹም። 16. ክርስቲያን ብምዃን እንተ ተሳቐየ ግና፥ ስለ እዚ ስም እዚ ንኣምላኽ የመስግን እምበር ኣይኅፈር። 17. ጊዜ ፍርዲ ቐሪቡ እዩ፥ ዚጅምሮ ኸኣ በቶም ኣብ ቤት ኣምላኽ ዘለዉ እዩ። ብኣና ዚጅምር ካብ ኮነኸ፥ መወዳእታ እቶም ንወንጌል ኣምላኽ ዘይእዘዙ ደኣ እንታይ ኪኽውን እዩ፧ 18. “እቲ ጻድቕ ብኃይሊ ገደል ዚድኅን ካብ ኮነኸ፥ እቲ ዓማጽን ኃጥእን ደኣ እንታይ ኪኸውን እዩ፧” 19. እምበኣር እቶም ከም ፍቓድ ኣምላኽ ዚሳቐዩ፥ ሠናይ እናገበሩ ንገዛእ ርእሶም ኣብቲ እሙን ፈጣሪ የማኅጽኑ።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 17 : 30 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

30. ኣምላኽ ነቲ ዘመን ድንቊርና ሸለል ብምባል ኣኅሊፍዎ እዩ፥ ሕጂ ግና ኣብ ኵሉ ዓለም ንብዘሎ ሰብ ኪንስሑ ኣዚዙ ኣሎ። 31. በቲ ንሱ ዝሸሞ ሰብኣይ ገይሩ ንዓለም ብጽድቂ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ኣሎ፤ ነዚ ንዅሉ ሰብ ዘረጋገጾ ነቲ ዝኃረዮ ሰብኣይ ካብ ምውታት ብምትንሣኡ እዩ።” 32. ብዛዕባ ትንሣኤ ምውታት ምስ ሰምዑ ገሊኦም ኣላገጹሉ፥ ገሊኦም ከኣ፥ “እዝስ ከም ብሓድሽ ክንሰምዓካ ንደሊ ኢና” በልዎ። 33. ሽዑ ጳውሎስ ካብ ማእከሎም ወፂኡ ኸደ። 34. ገሊኣቶም ሰባት ከኣ ኣሚኖም ሰዓብዎ፥ ንሳቶም ድማ ሓደ ኻብቶም ናይ ኣርዮስፋጎስ ባይቶ፥ ዲዮናስዮስ ዚብሃልን፥ ደማሪስ እትብሃል ሰበይትን፥ ከምኡውን ካልኦት ሰባት ምስኣቶም ነበሩ።

 

ስንክሳር Synaxarium

ዝርወተ ዓፅሙ ለጊዮርጊስ
ወያዕቆብ ዘንጽቢን ዘአጻዕደወ ሥእርቶን ለአንስት
ወተዝካሮን ለማርያም ወለማርታ

 

መዝሙር Psalm

መዝ 34 : 19 - 20 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ናይ ጻድቕ መከራ ብዙሕ እዩ፣ እግዚኣብሄር ግና ካብ ኵሉ የናግፎ። ንሱ ንዅለን ኣዕጽምቱ ይባልሄን፣ ሓንቲ እኳ ኣይትስበርን።

 

ወንጌል Gospel

ዮሐ 4 : 4 - 12 [English][ግእዝ][ልሙድ]

4. ብሰማርያ ኣቢሉ ኺኃልፍ ከኣ ግዲ ኾኖ። 5. ስለዚውን ናብ ጥቓ እታ ያዕቆብ ንዮሴፍ ወዱ ዝሃቦ ምድሪ ዘላ ሲካር እትብሃል ከተማ ሰማርያ መጸ። 6. ኣብኡ ኸኣ ዔላ ያዕቆብ ነበረ፣ ኢየሱስ ድማ ብምኻድ መገዲ ደኺሙ ኣብ ጥቓ እቲ ዔላ ኣዕረፈ፣ ሽዑ ፍርቂ መዓልቲ ኣቢሉ ነበረ። 7. ሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ኸኣ ማይ ክትቀድሕ መጸት፣ ኢየሱስ ድማ “ማይ ኮታ ኣስትይኒ፧” በላ። 8. ደቀ መዛሙርቱ ግና ምግቢ ኪዕድጉ ናብ ከተማ ኸይዶም ነበሩ። 9. ኣይሁድ ምስ ሳምራውያን ኣይተኃባበሩን ነበሩ እሞ እታ ሳምራዊት ሰበይቲ፥ “ንስኻ ኣይሁዳዊ ኸሎኻስ ካባይ ካብ ሳምራዊት ሰበይቲ ደኣ ኸመይ ኢልካ ማይ ክትሰቲ ትልምን ኣሎኻ፧” በለቶ። 10. ኢየሱስ ድማ “ህያብ ኣምላኽን እቲ ኣስትይኒ ዚብለኪ ዘሎ መን ምዃኑን እንተ ትፈልጥስ፥ ንስኺ ምለመንክዮ ኔርኪ፥ ንሱ ኸኣ ማይ ሕይወት ምሃበኪ ነይሩ” ኢሉ መለሰላ። 11. እታ ሰበይቲ ድማ “ጐይታይ! መቕድሒ የብልካን፥ እዚ ዔላ ኸኣ ዓሚቚ እዩ፣ እቲ ማይ ሕይወት ደኣ ካበይ ከተምጽኦ ኢኻ፧ 12. ንስኻዶ ኻብቲ ነዚ ዔላ እዚ ዝሃበና ኣቦና ያዕቆብ ትዓቢ ኢኻ፧ ንሱን ደቁን ማሉን ካብኡ ሰተዩ” በለቶ። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘዮሐንስ ወልደ ነጐድጓድ (ሃቤከ)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 13 : 5 - 6 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ኣነ ግና ብምሕረትካ እውከል ኣሎኹ፣ ልበይ ብምድሓንካ ይሕጐስ ኣሎ። እግዚኣብሄር ሰናይ ገይሩለይ እዩ እሞ፣ ምስጋናኡ ኽዝምር እየ።

 

ወንጌል Gospel

ማር 5 : 35 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

35. ኢየሱስ ገና እዚ ኺዛረብ ከሎ፥ ካብቲ ገዛ መራሕ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ገለ ሰባት መጺኦም፥ “ጓልካ ሞይታ እያ፥ ደጊምከ ስለምንታይ ንመምህር ተድክሞ፧” በልዎ። 36. ኢየስሱ ከኣ ነቲ ዝተዛረብዎ ሰሚዑ ነቲ መራሕ ቤት ጸሎት ኣይሁድ “ኣይትፍራህ፥ እመን ደኣ” በሎ። 37. ብዘይካ ጴጥሮስን ያዕቆብን ኃው ያዕቆብ ዮሓንስን ሓደ እኳ ኺስዕቦ ኣይፈቐደን። 38. ናብ ገዛ እቲ መራሕ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ምስ ኣተዉ ኸኣ ብዙኅ ጫውጫው ዚብሉን ዚበኽዩን ዋይዋይ ዚብሉን ረኣየ። 39. ንሱ ኸኣ ኣትዩ “ስለምንታይ ትበኽዩን ጫውጫው ትብሉን፧ እዛ ቘልዓ ደቂሳ እያ ዘላ እምበር ኣይሞተትን” በሎም። 40. ንሳቶም ከኣ ሰሓቕዎ፥ ንሱ ግና ንዅሎም ኣውፂኡ ነቦ እታ ቘልዓን ነዲኣን ነቶም ምስኡ ዝነበሩን ኂዙ ናብቲ እታ ቘልዓ ዝነበረቶ ኣተወ። 41. ኢድ እታ ቘልዓ ኂዙ ኸኣ “ታሊታ ቁሚ” በላ። ትርጓሜኡ “ኣቲ ጓል፥ ተንሥኢ እብለኪ ኣሎኹ” ማለት እዩ። 42. እታ ጓል ድማ ብቕጽበት ተንሢኣ ተዛወረት፤ ዕድሚኣ ድማ ዓሠርተው ክልተ ዓመት ነበረ። ሽዑ ኣዝዮም ተገረሙ። 43. ንሱ ኸኣ፥ ነዚ ሓደ እኳ ከይፈልጦ ብጽኑዕ ኣዘዞም፤ ዚብላዕ ኪህብዋ ድማ ነገሮም። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ!

 

ዘመነ ማርቆስ Readings for Tuesday

ጥሪ 19, 2018 ብግእዝ Jan 27, 2026 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 62 : 3 - 5 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ካብ ልዕልናኡ ኼጽድፍዎ ጥራይ ይማኸሩ፣ ብሓሶት ባህ ይብሉ፣ ብአፎም ይምርቑ፣ ብውሽጦም ግና ይረግሙ ኣለዉ። ትጽቢተይ ካብኡ እዩ እሞ፣ ነፍሰየ፣ ብኣምላኽ ጥራይ ሃዲእኪ ተጸበዪ።

 

ወንጌል Gospel

ማር 7 : 1 - 9 [English][ግእዝ][ልሙድ]

1. ፈሪሳውያንን ካብ ኢየሩሳሌም ዝመጹ ገለ መምህራን ሕግን ናብኡ ተኣከቡ። 2. ንገለ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ብዝረኸሳ፥ ማለት ብዘይተሓጽባ ኣእዳው፥ እንጌራ ኺበልዑ ረኣይዎም። 3. [ምኽንያቱ ኸኣ ዅሎም ፈሪሳውያንን ኣይሁድን ሥርዓት ዓበይቲ ምእንቲ ኺሕልዉ ኣእዳዎም ኣጸቢቖም ከይተሓጽቡ ኣይበልዑን ነበሩ። 4. ካብ ዕዳጋ ንዘምጽእዎውን ማይ ከይነጸጉሉ ኣይበልዑን ነበሩ፥ ካልእ ብዙኅ ድማ ከም ምሕጻብ መሳተያን ኣቕሑ ገዛን ዓታሩን ዓራውትን ዚመስል ኪሕልውዎ ዝወረስዎ ወግዒ ነበሮም።] 5. መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ድማ “ስለምንታይ ደቀ መዛሙርትኻ ሥርዓት ዓበይቲ ዘይሕልዉ፧ ኣእዳዎም ከይተሓጽቡ ኸኣ እንጌራ ዚበልዑ፧” ኢሎም ሓተትዎ። 6. - 7. ንሱ ኸኣ ኸምዚ በሎም፡ - “ኣቱም ግቡዛት፥ ከምቲ ጽሑፍ ‘እዚ ሕዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፥ ልቡ ግና ኻባይ ኣዝዩ ዝረሓቐ እዩ። ግናኸ ምህሮ ሥርዓት ሰብ እናመሃሩ፥ ብኸንቱ የምልኹኒ’ ዝበሎ፥ ኢሳይያስ ብዛዕባኹም ጽቡቕ ተነበየ። 8. “ትእዛዝ ኣምላኽ ኃዲግኩም ሥርዓት ሰብ ትሕልዉ ኣሎኹም [ከም ምሕጻብ መሳተያን ካልእ ኣቕሑ ገዛን ካልእ ድማ ነዚ ዚመስል ትገብሩ ኣሎኹም።] 9. ጽቡቕ እባ ደኣ! ሥርዓትኩም ምእንቲ ኽትሕልዉ ትእዛዝ ኣምላኽ ተፍርሱ ኣሎኹም። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ!

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

ቆሎ 1 : 21 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

21. ንስኻትኩም ቀደም ካብ ኣምላኽ ዝረሓቕኩም፥ ብሓሳብኩምን ብኽፋእ ግብርኹምን ጸላእቱ ነበርኩም። 22. ንሱ ግና ኣበርን ነቐፋን ዘይብሎም ቅዱሳን ገይሩ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኬቑመኩም ብሞት ሥጋዊ ሰብነት ወዱ ገይሩ ዓረቐኩም። 23. እዚ ግና ተሠሪትኩምን ደልዲልኩምን፥ ካብቲ ብወንጌል ዝረኸብኩምዎ ተስፋ ከይተነቓነቕኩም ኣብ እምነትኩም እንተ ጸናዕኩም እዩ። እዚ ኸኣ እቲ ንስኻትኩም ዝሰማዕኩምዎ፥ ኣነ ጳውሎስ ዘገልጋሊኡ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ፍጡር ዅሉ ዝተሰብከ ወንጌል እዩ። 24. ሕጂ ኸኣ ምእንታኻትኩም ብምስቓየይ እሕጐስ ኣሎኹ። ምእንቲ እታ ሰብነቱ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ከኣ ነቲ ኻብ ስቓይ ክርስቶስ ዝተረፈ ብሥጋይ እምልእ ኣሎኹ። 25. ከምቲ ብእግዚኣብሔር ዝተዋህበኒ መዚ፥ ቃል ኣምላኽ ኣባኻትኩም ብምልኣት ምእንቲ ኽሰብኽ፥ ናይዛ ቤተ ክርስቲያን እዚኣ ኣገልጋሊ ኾንኩ። 26. እዚ ምሥጢር እዚ ኻብ ዘለዓለም፥ ንውሉድ ወለዶ፥ ተሠዊሩ ነበረ፥ ሕጂ ግና ንቕዱሳኑ ተገልጸ። 27. ኣምላኽ ነዚኣቶም፥ እዚ ምሥጢር እዚ ኣብ መንጎ ኣሕዛብ ክሳዕ ክንደይ ክቡርን ሃብታምን ከም ዝኾነ ኬፍልጦም መረጸ። እዚ ኸኣ እቲ ናይ ክብሪ ተስፋ ዝኾነ ኣባኻትኩም ዘሎ ክርስቶስ እዩ። 28. ንሕና ድማ ንነፍስ ወከፍ ሰብ ፍጹም ጌርና ምእንቲ ከነቕርቦ፥ ብጥበብ ዘበለ ንዅሉ ሰብ እናመዓድና፥ ንዅሉ ሰብውን እናመሃርና ንእኡ ንሰብኽ ኣሎና። 29. ኣነ ኸኣ በቲ ንሱ ኣብ ውሽጠይ ብኃይሊ ዚገብሮ ዘሎ ተግባራት ኵሉ እናተጋደልኩ እጽዕር ኣሎኹ።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

1ይ ዮሐ 5 : 14 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

14. ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ ኸም ዚሰምዓና ስለ እንፈልጥ፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ትብዓት ኣሎና። 15. እቲ ዝለመንናዮ ዘበለ ኸም ዚሰምዓና ስለ እንፈልጥ ድማ እቲ ኻብኡ ዝለመንናዮ ድሮ ከም ዝረኸብናዮ ንፈልጥ ኢና። 16. ሓደ፥ ንኃዉ ናብ ሞት ዘየብጽሕ ኃጢኣት ኪገብር እንተ ረኣዮ ይጸልየሉ፥ ኣምላኽ ከኣ ሕይወት ኪህቦ እዩ። እዚ ነቶም ናብ ሞት ዘየብጽሕ ኃጢኣት ዚገበሩ እዩ ዜርኢ። ናብ ሞት ዜብጽሕ ኃጢኣት ኣሎ፥ “ይጸልየሉ” ዝብል ዘሎኹ ብዛዕባ እዚ ኣይኮነን። 17. ክፉእ ሥራሕ ዘበለ ዅሉ ኃጢኣት እዩ። እንተኾነ ናብ ሞት ዘየብጽሕ ኃጢኣትውን ኣሎ። 18. እቲ ካብ ኣምላኽ ዝተወልደ ኃጢኣት ከም ዘይገብር ንፈልጥ ኢና። ወዲ ኣምላኽ ስለ ዚሕልዎ እቲ ኽፉእ ኣይትንክዮን እዩ። 19. ንሕና ናይ ኣምላኽ ከም ዝኾንና፥ ብዘላ ዓለም ከኣ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እቲ ኽፉእ ከም ዘላ ንፈልጥ ኢና። 20. እቲ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝመጸ፥ ንእኡ፥ ነቲ ሓቂ ዝኾነ፥ ክንፈልጦ ኢሉ ምስትውዓል ከም ዝሃበና ንፈልጥ ኢና። ንሕና ኣብቲ ሓቂ ዝኾነ፥ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዱ ኢና ዘሎና። ንሱ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ናይ ዘለዓለም ሕይወትን እዩ። 21. ኣቱም ደቀየ፥ ካብ ጣዖታት ተሓለዉ።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 17 : 5 - 12 [English][ግእዝ][ልሙድ]

5. እቶም ኣይሁድ ከኣ ቐኒኦም፥ ካብቲ ዕዳጋ እኩያት ሰባት ወሰዱ፥ ሕዝቢ ኣኪቦም ድማ ነታ ኸተማ ኣነዓብዋ፤ ንጳውሎስን ንሲላስን ኣውፂኦም ናብቶም ሕዝቢ ምእንቲ ኬቕርብዎም ድማ ንቤት ኢያሶን ከበብዋ። 6. ምስ ሰኣንዎም ግና ንኢያሶንን ቊሩባት ካብ ኣኅዋትን ናብቶም መኳንንቲ እታ ኸተማ ኣቕረብዎም፤ “እዞም ንዅሉ ዓለም ዜናዕቡስ ኣብዚ ኸኣ መጺኦም። 7. ኢያሶን ከኣ ኣብ ገዝኡ ተቐቢልዎም ኣሎ፤ ንሳቶም ድማ ‘ኢየሱስ ዚብሃል ካልእ ንጉሥ ኣሎ’ እናበሉ ምስ ኣዋጅ ንጉሥ ሮማ ዚጻረር ነገር ይገብሩ ኣለዉ” እናበሉ ከሰስዎም። 8. እቶም ሕዝብን መኳንንቲ እታ ኸተማን፥ ነዚ ምስ ሰምዑ ተጨነቑ። 9. ንኢያሶንን ነቶም ካልኦት ብጾቱን ዋሕስ ኣትኪሎም ከኣ ኃደግዎም። 10. እቶም ኣኅዋት ግና ንጳውሎስን ሲላስን ብኡብኡ ብለይቲ ናብ ቤርያ ከም ዝኸዱ ገበርዎም፤ ኣብኣ ምስ በጽሑ ኸኣ ናብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣተዉ። 11. እቶም ሰብ ቤርያ፥ ካብቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዚነብሩ ዝነበሩ ኣይሁድ ዝለበሙ ነበሩ፤ ነቲ ቓል ብምሉእ ልቦም ተቐበልዎ። እዚ ነገር እዚ ኸምኡ እንተ ኾይኑ ንኺፈልጡ ኸኣ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣብ ጸጽባሕ ይምርምሩ ነበሩ። 12. ስለዚ ብዙኃት ካብኣቶም ኣመኑ፥ ካብቶም ግሪኻውያን ድማ ብዙኃት ክቡራት ኣንስትን ብዙኃት ግሪኻውያን ሰብኡትን ኣመኑ።

 

ስንክሳር Synaxarium

ርክበተ ሥጋሆሙ ለአባ ብስራ ወዝኁራ ወእሞሙ ኔራ
ወበልስጢና
ወያፈቅረነ እግዚእ
ወቅዳሴ ቤቶሙ ለሰማዕታተ አስና

 

መዝሙር Psalm

መዝ 18 : 29 - 31 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ነቶም ብእኡ ዚውከሉ ዘበሉ ዋልታኦም እዩ። ብዘይ እግዚኣብሄር እሞ መን እዩ ኣምላኽ፧ ብዘይ ኣምላኽናኸ መን እዩ ኸውሒ፧ እቲ ሓይሊ ዜዕጥቐኒ፣ ንመገደይ ከኣ ዜቕንዓ ኣምላኽ፣

 

ወንጌል Gospel

ዮሐ 10 : 34 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

34. ኢየሱስ ከኣ “ኣብ ሕግኹም ‘ኣነ፥ ኣማልኽቲ ኢኹም፥ በልኩ' ዚብል ጽሑፍዶ የልቦን እዩ፧ 35. እቲ ጽሑፍ ኪሰዓር ኣይከኣልን እዩ፥ ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝመጸሎም 'ኣማልኽቲ’ ካብ ዚብሎም፥ 36. ነቲ ኣቦ ዝቐደሶ ናብ ዓለምውን ዝለኣኾ ደኣ ‘ወዲ ኣምላኽ እየ' ስለ ዝበልኩኹም፥ ከመይ ኢልኩም ‘ትጻረፍ ኣሎኻ’ ትብሉኒ ኣሎኹም፧ 37. ግብሪ ኣቦይ እንተ ዘይገበርኩ ኣይትእመኑኒ። 38. ዝገብሮ እንተ ደኣ ኾይነ ግና፥ ንኣይ እኳ እንተ ዘይኣመንኩም፥ ኣቦ ኣባይ ምህላዉ ኣነውን ኣብ ኣቦ ምህላወይ ምእንቲ ኣረጋጊጽኩም ክትፈልጡ ነቲ ግብረይ እመንዎ” እናበለ መለሰሎም። 39. መሊሶም ድማ ኺኅዝዎ ደለዩ፥ ንሱ ግና ኻብ ኣእዳዎም መለቘ። 40. ከም ብሓዱሽ ናብታ ዮሓንስ ቀደም ዜጥምቐላ ዝነበረ ስፍራ ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ከደ፤ ኣብኣውን ተቐመጠ። 41. ብዙኃት ድማ ናብኡ መጺኦም “ዮሓንስ ሓንቲ ተኣምራት እኳ ኣይገበረን፥ እቲ ዮሓንስ ብዛዕባ እዚ ሰብ እዚ ዝተዛረቦ ግና ሓቂ እዩ” በሉ። 42. ኣብኣውን ብዙኃት ብእኡ ኣመኑ። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘ፫፻ ምእት(ግሩም)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 38 : 11 - 12 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ፈተውተይን ኣዕሩኸይን ካብ ስቓየይ ይርሕቁ፣ ኣዝማደይ ከኣ ኣብ ርሑቕ ደው ይብሉ ኣለዉ። ንነፍሰይ ዚደልዩ ኸአ መጻወድያ የጻውዱለይ።

 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 19 : 18 - 26 [English][ግእዝ][ልሙድ]

18. “እቲ ኻልኣይ ድማ፥ ‘ጐይታይ፥ እታ ቕርሺ ወርቅኻ ካልእ ኃሙሽተ ወለድ ረኺበላ’ እናበለ ቐረበ። 19. ነዚ ድማ ‘ንስኻውን ኣብ ኃሙሽተ ኸተማ ሸይመካ ኣሎኹ’ በሎ። 20. - 21. ሓደ ኻልእ ድማ ‘ጐይታይ፥ ዘየንበርካዮ እተልዕል፥ ዘይዘራእካዮ እትዓጽድ ጨካን ሰብ ምዃንካ ስለ ዝፈለጥኩ ፈሪሀካ፥ እዛ ኣብ ቍራጽ ዓለባ ቘጺረ ዘጽናሕክዋ ቕርሺ ወርቅኻ እንሃልካ’ እናበለ ቐረበ። 22. ንሱ ድማ ‘ኣታ እኩይ ኣገልጋሊ፥ ከምቲ ብኣፍካ ዝበልካዮ እፈርደካ ኣሎኹ። ኣነ ዘየንበርክዎ ዘልዕል፥ ዘይዘራእክዎ ዝዓጽድ ኃያል ሰብ ምዃነይ ፈሊጥካ ኸሎኻስ 23. ስለምንታይ ደኣ ነቲ ወርቀይ ኣብ ባንክ ዘየንበርካዮ፧ ኣነ መጺአ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ ነይረ’ በሎ። 24. ነቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሰባት ከኣ ‘እታ ቕርሺ ወርቂ ኣግድፍዎ እሞ ነቲ ዓሠርተ ቕርሺ ወርቂ ዘለዎ ሃብዎ’ በሎም። 25. ንሳቶም ከኣ፥ ‘ጐይታይ! እትስ ዓሠርተ ቕርሺ ወርቂ ኣለዎ’ በልዎ። 26. ንሱ ድማ ’ንዘለዎ ዘበለ ኺውሃቦ እዩ፥ ነቲ ዘይብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ ኬግድፍዎ እዮም፥ እብለኩም ኣሎኹ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ዘመነ ማርቆስ Readings for Wednesday

ጥሪ 20, 2018 ብግእዝ Jan 28, 2026 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 51 : 2 - 4 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ካብ ኣበሳይ ኣጸቢቕካ ሕጸበኒ፣ ካብ ሓጢኣተይውን ኣጽርየኒ። ኣነ ኣበሳይ እፈልጥ አሎኹ እሞ፣ ሓጢኣተይ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ እዩ።

 

ወንጌል Gospel

ዮሐ 1 : 29 - 34 [English][ግእዝ][ልሙድ]

29. ንጽባሒቱ፥ ዮሓንስ ንኢየሱስ ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ምስ ረኣዮ “እንሆ ኃጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ” በለ። 30. “እቲ ብዛዕባኡ ‘ሓደ ሰብኣይ ብድኅረይ ኪመጽእ እዩ፥ ንሱ ብቕድመይ ስለ ዝነበረ ይዓብየኒ እዩ’፥ ዝበልኩኹም እዚ እዩ። 31. ኣነ ኣይፈለጥክዎን፥ ንሱ ንእስራኤል ምእንቲ ኺግለጽ ግና ኣነ ብማይ እናኣጥመቕኩ መጻእኩ።” 32. ዮሓንስ ድማ ኸምዚ ዚስዕብ እናበለ መስከረ፦ “መንፈስ ቅዱስ ካብ ሰማይ ከም ርግቢ ኺወርድ ከሎ ረአኹ፥ ኣብኡውን ዓለበ። 33. እቲ ብማይ ከጥምቕ ዝለኣኸኒ ደኣ፥ ‘እቲ መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ እትርእዮ፥ ንሱ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ዜጥምቕ’ ኢሉኒ እምበር፥ ኣነስ ኣይፈለጥክዎን። 34. ኣነ ኸኣ ረአኹ፥ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ድማ መስከርኩ።” ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

1ይ ቆሮ 12 : 12 - 21 [English][ግእዝ][ልሙድ]

12. ከምቲ ሰብነት ሓደ ኸሎስ ብዙኅ ኣካላት ዘለዎ፥ እቲ ኣካላት ከኣ ብዙኅ ከሎ ሓደ ሰብነት ዝኾነ፥ ክርስቶስ ከኣ ኸምኡ እዩ። 13. ከመይ ንሕና ኣይሁድ ኮንና ግሪኻውያን፥ ባሮት ኮንና ጭዋታት ኲልና ሓደ ሰብነት ምእንቲ ኽንከውን ብሓደ መንፈስ ተጠመቕና፥ ሓደ መንፈስውን ሰቴና። 14. እቲ ሰብነት ከኣ ብብዙኅ እምበር ብሓደ ኣካል ዝተሠርሐ ኣይኮነን። 15. እግሪ፥ “ኢድ ካብ ዘይኮንኩስ ናይ ሰብነት ኣይኮንኩን” እንተ በለ፥ በዚዶ ናይ ሰብነት ምዃኑ ይተርፎ እዩ፧ 16. እዝኒ ድማ “ዓይኒ ካብ ዘይኮንኩስ ናይ ሰብነት ኣይኮንኩን” እንተ በለት፥ በዚዶ ናይ ሰብነት ምዃና ይተርፋ እዩ፧ 17. ብዘሎ እቲ ሰብነት ዓይኒ እንተ ዚኸውን ደኣ ምስማዕ ኣበይ ምተረኽበ፧ እቲ ሰብነት ኲለንትናኡ ምስማዕ እንተ ዚኸውንከ ምሽታት ኣበይ ምተረኽበ፧ 18. ሕጂ ግና ኣምላኽ ንሱ ከም ዝደለዮ ገይሩ ንነፍስ ወከፍ ኣካላት ኣብቲ ሰብነት ሠርዖ። 19. ኵሉ ሓደ ኣካል እንተ ዚኸውን ሰብነት ኣይምተረኽበን። 20. ሕጂ ግና እቲ ኣካላት እኳ ብዙኅ እንተ ኾነ፥ እቲ ሰብነት ሓደ እዩ። 21. ሰለዚ ዓይኒ ንኢድ “ኣይደልየክን” ክትብላ ኣይትኽእልን እያ፥ ርእሲ ድማ ነእጋር “ኣይደልየኩምን” ኪብሎም ኣይክእልን እዩ።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

1ይ ጴጥ 4 : 7 - 12 [English][ግእዝ][ልሙድ]

7. ናይ ዅሉ ነገር መወዳእታ ቐሪቡ እዩ፥ ስለዚ ጸሊኹም ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ገዛእ ርእሶም ዝገትኡን ጥንቁቓትን ኩኑ። 8. ፍቕሪ ብዙኅ ኃጢኣት ትኸድን እያ እሞ ቕድሚ ዅሉ ንሓድሕድኩም ብምሉእ ልቢ ተፋቐሩ። 9. ብዘይ ምዕዝምዛም ተቐበልቲ ጋሻ ኹኑ። 10. ናይቲ ብዙኅ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ እሙናት ኣገልገልቲ ብምዃን፥ ነፍስ ወከፍኩም ከምቲ ዝተቐበልኩምዎ ውህበት ጸጋ ጌርኩም ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ። 11. እቲ ዝሰብኽ ቃል ኣምላኽ ይስበኽ፥ እቲ ዜገልግል በቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ኃይሊ የገልግል፥ እዚ ኸኣ ኣምላኽ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብዅሉ ነገር ምእንቲ ኪምስገን እዩ። ክብርን ሥልጣንን ንዘለዓለም ዓለም ንእኡ ይኹኖ። ኣሜን። 12. ኣቱም ፍቁራተይ፥ ከም ሓዊ ዚባላዕ ፈተና ኺረኽበኩም ከሎ፥ ሓደ ሓዱሽ ነገር ከም ዝበጽሓኩም ኴንኩም ኣይትገረሙ።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 6 : 3 - 7 [English][ግእዝ][ልሙድ]

3. ስለዚ ኣቱም ኣኅዋትና ካባኻትኩም ብጽቡቕ ዝተመስከረሎም መንፈስን ጥበብን ዝመልኦም ሾብዓተ ሰብኣይ ኅረዩ፤ ነዚ ጉዳይ እዚ ኸኣ ክንምዝዞም። 4. ንሕና ግና ኣብ ጸሎትን ኣብ ምምሃር እዚ ቓል እዝን ክንጽመድ” በልዎም። 5. እዚ ዘረባ እዚ ንዅሉ እቲ ሕዝቢ ባህ ኣበሎ፤ ንእስጢፋኖስ፥ እቲ እምነትን መንፈስ ቅዱስን ዝመልኦ ሰብኣይን፥ ንፊልጶስን፥ ንጵሮኮሮንን፥ ንኒቃኖራን፥ ንጢሞናን፥ ንጰርሜናን፥ ነቲ ናብ እምነት ኣይሁድ ዝኣተወ ኒቆላዎስ ብዓል ኣንጾኪያን ድማ ኃረዩ። 6. ነዚኣቶም ኣብ ቅድሚ ሓዋርያት ኣቕረብዎም፤ ንሳቶም ጸለዩሎም፥ ኣእዳዎም ከኣ ኣንበሩሎም። 7. ቃል ኣምላኽ ድማ ተዘርግሐ፤ ቊጽሪ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣዝዩ እናበዝኀ ኸደ። ካብ ካህናትውን ብዙኃት ኣመኑ።

 

ስንክሳር Synaxarium

አብሮኮሮስ ፩ እም፸፪ አርድእት ወ፯ ዲያቆናት
ወአባ አክሎግ ቀሲስ ወወንጌሉ ዘወርቅ
ወዮሐንስ
ወብህኑ
ወአባ ኖህ
ወቅዳሴ ቤቱ ለመርምህናም
ወስልዋኖስ
ወአባ አብዩድ
ወአባ ብንዋህ
ወጥንተ ጾመ ነነዌ

 

መዝሙር Psalm

መዝ 18 : 47 - 48 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ካብ ጸላእተይ ዜውዕለንስ ኣምላኽ እዩ። እወ፣ ኣብ ልዕሊ ተጻረርተይ ልዕል እተብለኒ፣ ካብቲ ዓመጸኛ ሰብ እትባልሃኒ ንስኻ ኢኻ።

 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 10 : 12 - 20 [English][ግእዝ][ልሙድ]

12. ብመዓልቲ ፍርዲ ኻብ ነታ ኸተማ እቲኣስ ንሶዶም ከም ዚቐለላ፥ እብለኩም ኣሎኹ። 13. “ወይለኺ ኩራዚን! ወይለኺ ቤተ ሳይዳ! እቲ ኣባኻትክን ዝተገብረ ኃይሊ ኣብ ጢሮስን ሲዶናን ተገይሩ እንተ ዚኸውንሲ ወጮ ተኸዲነን ኣብ ሓሙዅሽቲ ተቐሚጠን ቀደም ምተነስሓ ነይረን። 14. ብመዓልቲ ፍርዲ ግና ኻብ ንኣኻትክን ንጢሮስን ሲዶናን ኪቐለለን እዩ። 15. ኣቲ ቅፍርናሆም ንስኺኸ ኽሳብ ሰማይዶ ልዕል ክትብሊ ኢኺ፧ ክሳብ ሲኦልከስ ከትወርዲ ኢኺ። 16. እቲ ንኣኻትኩም ዚሰምዕ ንኣይ እዩ ዚሰምዕ፥ እቲ ንኣኻትኩም ዚንዕቕ ድማ ንኣይ እዩ ዚንዕቕ፥ እቲ ንኣይ ዚንዕቕ ከኣ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዚንዕቕ።” 17. እቶም ሰብዓን [ክልተን] ልኡኻት ከኣ “ጐይታይ! ኣጋንንቲውን ከይተረፉ ብስምካ ይግዝኡና ኣለዉ” እናበሉ ብሓጐስ ተመልሱ። 18. ኢየሱስ ድማ ኸምዚ በሎም፦ “ሰይጣን ከም መብረቕ ካብ ሰማይ ኪወድቕ ከሎ ረአኽዎ። 19. እንሆ፥ ተመንን ዕንቅርቢትን ኵሉ ኃይሊ ጸላእን ክትረግጹ ሥልጣን ሂበኩም ኣሎኹ፤ ዚጐድኣኩም ከኣ ኸቶ የልቦን። 20. ግናኸ ስምኩም ኣብ ሰማይ ስለ ዝተጻሕፈ ደኣ ተሓጐሱ እምበር፥ መናፍስቲ ስለ ዝተመልኩልኩም ኣይትተሓጐሱ።” ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘኤጲፋንዮስ(ዓቢይ)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 119 : 61 - 62 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ሕግኻ ግና ኣይረሳዕኩን። ስለቲ ጻድቕ ፍርድኻ ኸመስግነካ፣ ፍርቂ ለይቲ ኽትንስእ እየ።

 

ወንጌል Gospel

ማቴ 4 : 17 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

17. ኢየሱስ ካብታ እዋን እቲኣ፥ “መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ እያ እሞ ተንስሑ” እናበለ ኪሰብኽ ጀመረ። 18. ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኺመላለስ ከሎ፥ ገፈፍቲ ዓሣ ዝነበሩ ኽልተ ኣኅዋት፥ ጴጥሮስ ዝተባህለ ስምዖንን እንድርያስ ኃዉን ብመርበብ ዓሣ ኺገፉ ረኣየ። 19. ኢየሱስ ከኣ “ኣነ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ፥ ንዑ ስዓቡኒ” በሎም። 20. ብኡብኡ ድማ መርበቦም ኃዲጎም ሰዓብዎ። 21. ካብኡ ኃሊፉ ኻልኦት ክልተ ኣኅዋት፥ ያዕቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ዮሓንስ ኃዉን፥ ምስ ዘብዴዎስ ኣቦኦም፥ መርበቦም ኣብ ጃልባ ኬተዓራርዩ ርእዩ ጸውዖም። 22. ንሳቶም ከኣ ነታ ጃልባን ኣቦኦምን ኃዲጎም ብኡብኡ ሰዓብዎ። 23. ኢየሱስ ድማ ኣብ ኵላ ገሊላ፥ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ እናመሃረ፥ ብሥራት መንግሥቲ እግዚኣብሔር እናሰበኸ፥ ኣብ ሕዝቢ ዘሎ ኵሉ ዓይነት ሕማም እናሕወየ ይዘውር ነበረ። 24. ዝናኡውን ኣብ ኵላ ሶርያ ተዘርገሐ፥ ኵሎም ሕሙማት፥ በብዓይነቱ ሕማምን ቃንዛን ዘለዎም፥ ኣጋንንቲ ዝኃደርዎም፥ በብወርኂ ዚለዓል ሕማም ዘለዎምን ልሙሳትን ኣምጽእሉ፥ ንሱ ድማ ኣሕወዮም። 25. ካብ ገሊላን ካብ ደካፖሊስ ዚበሃል ሃገርን ካብ ኢየሩሳሌምን ካብ ይሁዳን ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስን ከኣ ብዙኃት ሕዝቢ ሰዓብዎ። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ዘመነ ማርቆስ Readings for Thursday

ጥሪ 21, 2018 ብግእዝ Jan 29, 2026 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 147 : 12 - 13 [English][ግእዝ][ልሙድ]

መሃርሃር መዓጹኺ ኣጽኒዑ፣ ንደቅኺ ኣብ ማእከልኪ ባሪኽዎም እዩ እሞ፣ ዎ የሩሳሌም፣ ንእግዚኣብሄር አመስግኒ፣ ዎ ጽዮን፣ ንኣምላኽኪ ወድሲ።

 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 2 : 1 - 20 [English][ግእዝ][ልሙድ]

1. በቲ ቕነ እቲ ድማ ዅሉ ኣብ ግዝኣት ሮማውያን ዝነበረ ሕዝቢ ኪጸሐፍ ካብ ቄሣር ኣውጉስጦስ ትእዛዝ ወፀ። 2. እዚ እቲ ቀሬኔዎስ ኣብ ሶርያ ተሸይሙ ኸሎ ዝዀነ ቐዳማይ ጽሕፈት እዩ። 3. ሽዑ ነፍስ ወከፍ ነናብ ዓዱ ኪጸሓፍ ከደ። 4. - 5. ዮሴፍ ድማ ካብ ቤት ዳዊትን ካብ ዓሌቱን ስለ ዝነበረ፥ ካብ ገሊላ ኻብ ከተማ ናዝሬት ምስታ ጠኒሳ ዝነበረት ማርያም ሕጽይቱ ናብ ይሁዳ፥ ቤተ ልሔም ናብ እትብሃል ከተማ ዳዊት፥ ኪጸሓፍ ደየበ። 6. ኣብኡ ኸለዉ ድማ ጊዜ ሕርሳ በጽሐ። 7. በዅሪ ወዳ ወለደት በጭርቕቲውን ጠቕለለቶ፥ ኣብቲ መኅደር ኣጋይሽ ሥፍራ ስለ ዘይነበሮም ድማ ኣብ መብልዕ ማል ኣደቀሰቶ። 8. ኣብቲ ሃገር እቲ ብለይቲ ማሎም ኪሕልዉ ኣብ መሮር ዝኃደሩ ጓሶት ነበሩ። 9. መልኣኽ እግዚኣብሔር ድማ ተራእዮም፥ ክብሪ እግዚኣብሔርውን ኣብ ዙርያኦም ኣብርሀ፤ ኣዝዮም ከኣ ፈርሁ። 10. እቲ መልኣኽ ድማ “እንሆ ንዅሉ ሕዝቢ ዚኸውን ዓቢይ ሓጐስ አበሥረኩም ኣሎኹ እሞ ኣይትፍርሁ። 11. ምኽንያቱ ሎሚ፥ መድኃኒ ክርስቶስ ጐይታ፥ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊዱልኩም ኣሎ። 12. ምልክት ከኣ እዚ ይኹነልኩም፦ በጭርቕቲ ዝተጠቕለለ ሕፃን ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱ ኽትረኽቡ ኢኹም” በሎም። 13. ብሃንደበት ከኣ ብዙኃት ሠራዊት ሰማይ ምስቲ መልኣኽ ኮይኖም ከምዚ ዚስዕብ እናበሉ ንኣምላኽ የመስግኑ ነበሩ፦ 14. “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ኣርያም፥ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጐ እቶም እግዚኣብሔር ዚሕጐሰሎም ሰብ።” 15. እቶም መላእኽቲ ኻብኣቶም ናብ ሰማይ ምስ ዓረጉ ድማ፥ እቶም ጓሶት ንሓድሕዶም፥ “ነዚ እግዚኣብሔር ዝገለጸልና ክውን ነገር ክንርኢ ንዑናይ ናብ ቤተ ልሔም ንኺድ፥” ተበሃሃሉ። 16. ቀልጢፎም ከኣ ኸዱ፥ ንማርያምን ንዮሴፍን፥ ነቲ ኣብ መብልዕ ማል ዝደቀሰ ሕፃንን ከኣ ረኸብዎም። 17. ነዚ ምስ ረኣዩ ድማ ብዛዕባ እቲ ሕፃን ዝተነግረሎም ነገር ኣውረዩ። 18. እቶም ዝሰምዑ ዘበሉ ዅሎም ከኣ በቲ እቶም ጓሶት ዝነገርዎም ተገረሙ። 19. ማርያም ግና ነዚ ነገር እዚ ዅሉ ኣብ ልባ ተዋህልሎን ትሓስቦን ነበረት። 20. እቶም ጓሶት ድማ ኸምቲ ዝተነግሮም ኮይኑ ስለ ዝረኸብዎ፥ ስለቲ ዝሰምዕዎን ዝረኣይዎን ኵሉ ንኣምላኽ እናኣኽበሩን እናወደሱን ተመልሱ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

ገላ 4 : 1 - 11 [English][ግእዝ][ልሙድ]

1. ሕጅውን እንተኾነ ወራሲ ኣብ ጊዜ ሕፃንነቱ፥ ሽሕ እኳ ናይ ዅሉ ጐይታ እንተ ኾነ፥ ካብ ባርያ ዚኅሸሉ የብሉን። 2. ክሳዕ እቲ ኣቦኡ ዝወሰነሉ ጊዜ ኣብ ትሕቲ ሥልጣን ሓለውትን መገብትን እዩ። 3. ከምኡውን ንሕና ሕፃናት ከሎና፥ ኣብ ትሕቲ ኣተሓሳስባ ዓለም ባሮት ኴንና ነበርና። 4. - 5. ጊዜኡ ምስ በጽሐ፥ ኣምላኽ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሥልጣን ሕጊ ዝነበሩ ምእንቲ ኬድኅን፥ ንሕናውን ናይ ውልድነት ሥልጣን ምእንቲ ኽንረክብ፥ ነቲ ካብ ሰበይቲ ዝተወልደ፥ ኣብ ትሕቲ ሕጊውን ዝኃደረ ወዱ ለኣኾ። 6. ውሉድ ስለ ዝኾንኩም ከኣ ነቲ “ኣባ፥ ኣቦ” ኢሉ ዚጽውዕ መንፈስ ወዱ ናብ ልብኹም ለኣኾ። 7. ደጊም ውሉድ እምበር ባርያ ኣይኮንካን። ውሉድ ካብ ኮንካ ኸኣ ኣምላኽ ወራሲ ገይሩካ እዩ። 8. ቕድም ንኣምላኽ ከይፈለጥኩምዎ ኸሎኹም፥ ነቶም ብባህሪኦም ኣማልኽቲ ዘይኮኑ ብባርነት ትግዝኡ ነበርኩም። 9. ሕጂ ግና ንኣምላኽ ምስ ፈለጥኩምዎ፥ እባ ደኣ ኣምላኽ ንኣኻትኩም ስም ፈለጠኩም፥ ከመይ ኢልኩም ናብቲ ድኹምን ድኻን ኣተሓሳስባ ዓለም ትምለሱ ኣሎኹም፧ ከም ብሓዱሽዶ ንኣኣቶም ክትግዝኡ ትደልዩ ኣሎኹም፧ 10. ንስኻትኩም፥ ፍሉያት መዓልትታትን ኣዋርኅን ክፍለ ዓመታትን ተኽብሩ ኣሎኹም። 11. ኣባኻትኩም ንኸንቱ ደኺመ ኸይከውን እፈርሃልኩም ኣሎኹ።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

2ይ ዮሐ 1 : 1 - 7 [English][ግእዝ][ልሙድ]

1. ካብ መራሕ ቤተ ክርስትያን፥ ናብታ ኅርይቲ እመቤትን፥ ናብቶም ኣነ ብሓቂ ዘፍቅሮም ደቃን፥ ኣነ በይነይ ዘይኮንኩስ፥ እቶም ነታ ሓቂ ዚፈልጥዋ ዘበሉ ዅላቶም ድማ ዜፍቅርዎም። 2. እነፍቅሮም ድማ ስለ እታ ኣባና ዘላ፥ ንዘለዓለም ከኣ ምሳና እትነብር ሓቂ፥ ኢልና ኢና። 3. ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዱ ንእግዚኣብሔር ኣቦን፥ ጸጋን ምሕረትን ሰላምን ብሓቅን ብፍቕርን ምሳና ኪኸውን እዩ። 4. ገለ ካብ ደቅኺ ከምቲ ኻብ ኣቦ ዝተቐበልናዮ ትእዛዝ ኮይኖም ብሓቂ ዚነብሩ ስለ ዝረኸብኩ፥ ብዙኅ እሕጐስ ኣሎኹ። 5. ሕጂ ድማ እመቤተይ፥ ሓድሽ ዘይኮነስ፥ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረና ትእዛዝ እየ ዝጽሕፈልኪ ዘሎኹ፥ ማለት ንሓድሕድና ክንፋቐር እልምነኪ ኣሎኹ። 6. ፍቕሪ ማለት ትእዛዛት ኣምላኽ እናፈጸምካ ምንባር ማለት እዩ። ከምቲ ካብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ፥ እቲ ትእዛዝ “ብፍቕሪ ንበሩ” ዚብል እዩ። 7. ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ብሥጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመኑ ብዙኃት መስሓትቲ ኣብ ዓለም ተላዒሎም ኣለዉ። መስሓትን ፀረ ክርስቶስን ዚበሃል ከኣ ኸምዚ ዝበለ እዩ።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 7 : 30 - 34 [English][ግእዝ][ልሙድ]

30. ኣብ ምድያም ኣርብዓ ዓመት ምስ ተቐመጠ ድማ፥ ኣብ ምድረ በዳ ደብረ ሲና መልኣኽ ብዚነድድ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ተራእዮ። 31. ሙሴ ነዚ ትርኢት እዚ ምስ ረኣየ ተገረመ፥ ኪጥምቶ እንተ ቐረበ ድማ ከምዚ ዚብል ድምፂ እግዚኣብሔር ሰምዐ፡ - 32. ‘ኣነ ኣምላኽ ኣቦታትካ፥ ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያዕቆብን እየ።’ ሽዑ ሙሴ ኣንቀጥቀጠ፥ ኪጥምት ከኣ ኣይደፈረን። 33. እግዚኣብሔር ድማ ‘እዛ ደው ኢልካያ ዘሎኻ ቦታ ቕድስቲ ምድሪ እያ እሞ ኣሳእንካ ካብ እግርኻ ኣውፅእ። 34. ግፍዒ ናይቶም ኣብ ግብጺ ዘለዉ ሕዝበይ ኣጸቢቐ ረአኹ፥ እህህታኦም ከኣ ሰማዕኩ ከውፅኦም ወረድኩ፥ ሕጂ ኸኣ ንዓ ናብ ግብጺ ክልእከካ እየ’ በሎ።

 

ስንክሳር Synaxarium

በዓለ ዕረፍታ ለእግዝእትነ ማርያም
ወኢላርያ ቅድስት
ወጎርጎርዮስ
ወኤርምያስ
ወጳውሎስ መኮንን
ወሲላስ ካህን
ወቀውስጦስ
ወዮሐንስ
ወአባ እስክንድርያ
ወአስተርእዮተ እግዝእትነ በደብረ ማኅው ምስለ ዮሐንስ

 

መዝሙር Psalm

መዝ 45 : 9 - 10 [English][ግእዝ][ልሙድ]

እታ ንግስቲ ብወርቂ ኦፈር ተሰሊማ፣ ኣብ የማንካ ትቐውም ኣላ። ጓለየ፣ ስምዒ፣ ርአዪውን፣ እዝንኺ ኸኣ ኣድንኒ፣ ህዝብኽን ቤት ኣቦኽን ረስዒ።

ወይ

መዝ 48 ፡ 8 - 9

ከምቲ ዝሰማዕናዮ፣ ኣብ ከተማ ጐይታ ሰራዊት፣ ኣብታ ኸተማ ኣምላኽና ኸምኡ ርኤና፣ ኣምላኽ ንዘለአለም ኬጽንዓ እዩ።


 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 1 : 46 - 56 [English][ግእዝ][ልሙድ]

46. ማርያም ድማ ኸምዚ በለት፦ “ነፍሰይ ንእግዚኣብሔር ተዕብዮ፣ 47. መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኸይ፥ በቲ መድኃንየይ፥ ባህ ይብሎ። 48. ውርደት ባርያኡ ርእዩ እዩ እሞ እንሆ ኻብ ሕጂ ዅሎም ወለዶ ብፅዕቲ ኺብሉኒ እዮም። 49. እቲ ዅሉ ዚኽእል ዓበይቲ ነገራት ገይሩለይ እዩ እሞ፥ ስሙ ቕዱስ እዩ። 50. ምሕረቱውን ኣብቶም ዚፈርህዎ ንውሉድ ወለዶ እዩ። 51. ብቕልጽሙ ኃይሊ ገበረ፥ ንዕቡያት ሓሳባት ልቦም በተነሎም። 52. ንኃያላት ካብ ዝፋናቶም ኣውረዶም፥ ንዝተዋረዱ ኸኣ ልዕል ኣበሎም። 53. ንጥሙያት ብበረኸት ኣጽገቦም፥ ንሃብታማት ከኣ ጥራይ ኢዶም ሰደዶም። 54. - 55. ከምቲ ነቦታትና፥ ንኣብርሃምን ንዘርኡን ዝነገሮም፥ ንዘለዓለም ምሕረቱ እናዘከረ ንእስራኤል ባርያኡ ተቐበሎ።” 56. ማርያም ከኣ ንሠለስተ ወርኂ ዚኣክል ምስ ኤልሳቤጥ ተቐሚጣ ብድኅሪኡ ናብ ቤታ ተመልሰት። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘእግዝእትነ ማርያም(ጐሥዓ)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 109 : 1 - 4 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ብቓላት ጽልኢ ኸቢቦምኒ፣ ብዘይ ምኽንያት ይዋግኡኒ ኣለዉ እሞ፣ ስቕ ኣይትበል። አብ ክንዲ ዘፍቀርክዎም ተጻረሩኒ፣ ኣነ ግና እጽሊ ኣሎኹ።

 

ወንጌል Gospel

ማር 6 : 40 - 46 [English][ግእዝ][ልሙድ]

40. እቶም ሕዝቢ ኸኣ ከከም መሥርዖም በብሚእትን በብኃምሳን ተቐመጡ። 41. ኢየሱስ ነተን ኃሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሣን ኣልዒሉ ናብ ሰማይ እናጠመተ ኣመስገነ፥ ነተን እንጌራ ቘሪሱ ኬቕርቡሎም ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፥ እቲ ኽልተ ዓሣውን ንዅሎም ዓደሎም። 42. ኵሎም ድማ በሊዖም ጸገቡ። 43. ስለዚ ደቀ መዛሙርቱ ዓሠርተው ክልተ ቚርስራስ ዝመልኦ መሶብ ኣልዓሉ፥ ካብቲ ዓሣ ድማ ኸምኡ። 44. እቶም እንጌራ ዝበልዑ ኸኣ ኃሙሽተ ሽሕ ሰብኡት ነበሩ። 45. ኢየሱስ ሽዑ ነቶም ሕዝቢ ኽሳዕ ዜሰናብት ንደቀ መዛሙርቱ ብቕልጡፍ ኣብ ጃልባ ኣትዮም ናብ ማዕዶ ቤተ ሳይዳ ኪቕድምዎ ኣዘዞም። 46. ምስ ኣፋነዎም [ካብኡ ኃሊፉ] ኪጽሊ ናብ እምባ ደየበ። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ!

 

ዘመነ ማርቆስ Readings for Friday

ጥሪ 22, 2018 ብግእዝ Jan 30, 2026 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 31 : 16 - 17 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ንገጽካ ናብ ባርያኻ ኣብርሃዮ፣ ብሳህልኻ ኣድሕነኒ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ናባኻ ተማህሊለ ኣሎኹ እሞ፣ ኣይተሕፍረኒ።

 

ወንጌል Gospel

ማቴ 11 : 25 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

25. በቲ እዋን እቲ ኢየሱስ ከምዚ ዝስዕብ እናበለ ተዛረበ፡ - “ኦ ኣቦይ ጐይታ ሰማይን ምድርን፥ እዚ ኻብ ብልህታትን ኣስተውዓልትን ስለ ዝሓባእካዮ፥ ንሕፃናት ግና ስለ ዝገለጽካዮ፥ አመስግነካ ኣሎኹ። 26. እወ፥ ኦ ኣቦይ! ኣብ ቅድሜኻ ዘሓጐሰካ ንሱ አዩ። 27. ካብ ኣቦይ ኵሉ ተዋሂቡኒ ኣሎ። ብዘይካ ኣቦ ንወልድ ዚፈልጦ ሓደ እኳ የልቦን፥ ነቦ ድማ ብዘይካ ወልድን እቲ ንሱ ኪገልጸሉ ዚፈቱን እንተ ዘይኮይኑ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን። 28. “ኣቱም ኵሉኹም እትጽዕሩን ፆር ዝኸበደኩምን፥ ናባይ ንዑ፥ ኣነ ኸኣ ከዕርፈኩም እየ። 29. ኣነ ለዋህ እየ፥ ልበይውን ትሑት እዩ እሞ፥ ኣርዑተይ ፁሩ፥ ካባይውን ተምሃሩ፥ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም። 30. ከመይ ኣርዑተይ ልዙብ ፆረይ ከኣ ፈኵሽ እዩ።” ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

ኤፌ 6 : 10 - 18 [English][ግእዝ][ልሙድ]

10. ብዝተረፈስ ኣኅዋተየ፥ ብጐይታን ብጽንዓት ኃይሉን በርትዑ። 11. ንፍሕሶ ሰይጣን ተቓዊምኩም ምእንቲ ኽትክእሉ ኣፅዋር ኣምላኽ ብምሉኡ ልበሱ። 12. ከመይ ቅልስና ምስ ሕልቅነትን ሥልጣናትን፥ ምስቶም ንዘመን ጸልማት ዜመኃድሩ ገዛእቲ ዓለምን፥ ምስቶም ክፉኣት መናፍስትን ኣብ ሰማያት ዘለዉ እዩ እምበር ምስ ሰብ ኣይኮነን። 13. እምበኣር በታ ኽፍእቲ መዓልቲ ተቓዊምኩም ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ዅሉ ስዒርኩም ኸኣ ደው ክትብሉስ፥ ምሉእ ኣፅዋር ኣምላኽ ልበሱ። 14. ደጊም ሕቜኹም ብሓቂ ተዓጢቕኩም፥ ድርዒ ጽድቂውን ተኸዲንኩም ቁሙ። 15. ነቲ ሰላም ዚህብ ወንጌል ኣብ ኣእጋርኩም ከም ኣሣእን ብምእታው ተዳሊኹም ደው በሉ። 16. ኣብ ርእሲ እዚ ዅሉ ኸኣ ነቲ ናይቲ ኽፉእ ሃልሃል ዚብል ፍላጻታት ኵሉ ከተጥፍኡሉ እትኽእሉ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ። 17. ናይ ምድኃን ቆብዕ ሓፂን ኣእትዉ፥ ናይ መንፈስ ቅዱስ ሰይፊውን፥ ማለት ቃል ኣምላኽ፥ ኃዙ። 18. ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ ጸልዩ። ስለዚ ኸኣ ተስፋ ከይቆረጽኩም ስለ ዅሎም ኣመንቲ ኣብ ጸሎት ተጸመዱ።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

1ይ ዮሐ 4 : 4 - 11 [English][ግእዝ][ልሙድ]

4. ኣቱም ደቀየ፥ ንስኻትኩም ካብ ኣምላኽ ኢኹም። ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ መንፈስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ መንፈስ ዚዓቢ ስለ ዝኾነ፥ ንስኻትኩም ነቶም ሓሰውቲ ነቢያት ስዒርኩምዎም ኢኹም። 5. ንሳቶም ካብ ዓለም እዮም፥ ከም ኣዘራርባ ዓለም ከኣ ይዛረቡ ኣለዉ። ዓለምውን ትሰምዖም ኣላ። 6. ንሕና ኻብ ኣምላኽ ኢና፥ ንኣምላኽ ዚፈልጥ ይሰምዓና፥ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዘይኮነ ኣይሰምዓናን እዩ። ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ሓሶትን ከኣ በዚ ኢና እንፈልጦ። 7. ኣቱም ፍቁራተይ፥ ፍቕሪ ካብ ኣምላኽ እያ እሞ ንሓድሕድና ንፋቐር። ዜፍቅር ዘበለ ዅሉ ካብ ኣምላኽ ዝተወልደ እዩ፥ ንኣምላኽውን ይፈልጦ እዩ። 8. ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፥ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ። 9. ኣምላኽ ንፍቕሩ፥ ብወዱ ብሕይወት ምእንቲ ክንነብር፥ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ ገለጸልና። 10. ፍቕሪ ማለት ከኣ ኸምዚ እዩ፥ ኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና ንኃጢኣትና ኼርሕቕ ኢሉ ንወዱ ስለ ዝሰደደልና እዩ እምበር ንሕና ስለ ዘፍቀርናዮ ኣይኮነን። 11. ኣቱም ኣኅዋተይ፥ ኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ኻብ ኣፍቀረና፥ ንሕናውን ንሓድሕድና ኽንፋቐር ይግብኣና እዩ።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 15 : 1 - 6 [English][ግእዝ][ልሙድ]

1. ካብ ይሁዳ ናብ ኣንጾኪያ ናይ ሶርያ ዝኸዱ ገለ ሰባት ድማ ነቶም ኣኅዋት “ከም ሥርዓት ሙሴ እንተ ዘይተገዘርኩምሲ ክትድኅኑ ኣይኾነልኩምን እዩ” ኢሎም መሃርዎም። 2. ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ጳውሎስን በርናባስን ምስቶም ሰባት ኣዝዮም ተኸራኸሩ። ስለዚ ጳውሎስን በርናባስን ምስ ገሊኦም ኣኅዋት ኮይኖም፥ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ናብ ኢየሩሳሌም ናብ ሓዋርያትን መራሕቲ ቤተ ክርስቲያንን ኪኸዱ ተመደበ። 3. ሽዑ ንሳቶም ካብታ ቤተ ክርስቲያን ምስ ተፋነዉ፥ እቶም ኣሕዛብ ከመይ ኢሎም ናብ ኣምላኽ ከም ዝተመልሱ እናዘንተዉሎም ብፍንቄን ብሰማርያን ኃለፉ፤ እዚ ኸኣ ንዅሎም እቶም ኣኅዋት ኣሓጐሶም። 4. ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በጽሑ ድማ፥ ቤተ ክርስቲያንን ሓዋርያትን መራሕትን ተቐበልዎም፤ ንሳቶም ድማ ነቲ ኣምላኽ ዝገበረሎም ዘበለ ዅሉ ኣዘንተውሎም። 5. ገሊኣቶም ካብቶም ዝኣመኑ ወገን ፈሪሳውያን ተንሢኦም ከኣ፥ “ኣሕዛብ ኪግዘሩን ሕጊ ሙሴ ኺሕልዉን ምግባር ይግባእ እዩ” እናበሉ ተዛረቡ። 6. እቶም ሓዋርያትን መራሕቲ ቤተ ክርስቲያንን ከኣ ነዚ ነገር እዚ ኪምርምሩ ተኣከቡ።

 

ስንክሳር Synaxarium

እንጦንስ አበ መነኮሳት
ወአባ ሚናስ ኤጲስ ቆጶስ ዘማሩን

 

መዝሙር Psalm

መዝ 92 : 12 - 13 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ጻድቕ ከም ስየ ይልምልም፣ ከም ጽሕዲ ሊባኖስ ይዓቢ። እቶም አብ ቤት እግዚኣብሄር እተተኽሉ አብ ኣጸድ ኣምላኽና ይልምዑ።

 

ወንጌል Gospel

ማቴ 6 : 5 - 18 [English][ግእዝ][ልሙድ]

5. “እቶም ግቡዛት ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ፥ ኣብ ናይ ኣይሁድ ኣባይቲ ጸሎትን፥ ኣብ ቀራናታት መገድን ደው ኢሎም ኪጽልዩ ይፈትዉ እዮም እሞ፥ ክትጽልዩ ኸሎኹም ከምኣቶም ኣይትኹኑ፥ ዓስቦም ከም ዝተቐበሉ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 6. ንስኻ ግና ክትጽሊ ከሎኻ፥ ናብ ቤትካ እቶ፥ ማዕጾኻ ዓጺኻ ናብቲ ብሥዉር ዘሎ ኣቦኻ ጸሊ። እቲ ብሥዉር ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግልጺ ኪፈድየካ እዩ። 7. “ኣሕዛብ ብምብዛኅ ዘረባኦም ዚስምዑ እዩ ዚመስሎም እሞ፥ ኽትጽልዩ ኸሎኹም ከምኣቶም ከንቱ ዘረባ ኣይተብዝኁ። 8. እምብኣርከ ኣቦኹም ከይለመንኩምዎ፥ ዜድልየኩም ይፈልጥ እዩ እሞ፥ ኣይትምሰልዎም። 9. “ንስኻትኩምሲ ከምዚ ኢልኹም ደኣ ጸልዩ፦ ‘ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፥ ስምካ ይቀደስ፥ መንግሥትኻ ትምጻእ፥ 10. ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፥ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን። 11. ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና። 12. ንሕና ንዝበደሉና ከም ዝኃደግናሎም በደልና ኅደገልና። 13. ካብ ክፉእ ኣድኅነና እምበር ናብ ፈተና ኣይተእትወና። [ከመይ መንግሥትን ኃይልን ክብርን ንዘለኣለም ናትካ እዩ፥ ኣሜን።]’ 14. “ንሰብ በደሎም እንተ ኃደግኩምሎም ንኣኻትኩም ድማ ሰማያዊ ኣቦኹም ኪኃድገልኩም እዩ። 15. ንሰብ በደሎም እንተ ዘይኃደግኩምሎም ግና፥ ንኣኻትኩም ድማ ኣቦኹም ኣይኪኃድገልኩምን እዩ። 16. “እቶም ግቡዛት ጸወምቲ ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኺረኣዩ፥ ገጾም የጸምልዉ እዮም እሞ ክትጾሙ ኸሎኹም ከምኣቶም ጽምልዋት ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝተቐበሉ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 17. - 18. ንስኻ ግና ክትጸውም ከሎኻ ከም ዝጾምካ ነቲ ብሥውር ዘሎ ኣቦኻ ድኣ እምበር ንሰብ ምእንቲ ኸይተርኢ ርእስኻ ቅባእ፥ ገጽካውን ተሓጸብ። እቲ ብኅቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግልጺ ኪፈድየካ እዩ።” ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘ፫፻ ምእት(ግሩም)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 29 : 9 - 10 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ድምጺ እግዚኣብሄር ንእራባት የውልደን፣ ንዱር የርግፎ፣ ኣብ መቕደሱውን ኵሉ፣ ክብሪ፣ ይብል ኣሎ።

 

ወንጌል Gospel

ዮሐ 3 : 31 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

31. እቲ ኻብ ላዕሊ ዚመጽእ ንሱ ልዕሊ ዅሉ እዩ፥ እቲ ኻብ ምድሪ ዝኾነ ኸኣ ምድራዊ እዩ፥ ናይ ምድሪውን ይዛረብ፣ እቲ ኻብ ሰማይ ዚመጽእ ግና ንሱ ልዕሊ ዅሉ እዩ። 32. ነቲ ምስክሩ ደኣ ዚቕበሎ የልቦን እምበር ንሱስ ነቲ ዝረኣዮን ዝሰምዖን እዩ ዚምስክር። 33. እቲ ንምስክሩ ዝተቐበለ ግና ኣምላኽ፥ ሓቀኛ ከም ዝኾነ የረጋግጽ። 34. ኣምላኽ መንፈሱ ሰፊሩ ኣይህብን እዩ እሞ እቲ ኣምላኽ ዝለኣኾ ንሱ ቓል ኣምላኽ እዩ ዚነግር። 35. ኣቦ ንወዱ የፍቅሮ እዩ፥ ኵሉ ነገር ከኣ ኣብ ኢዱ ሃቦ። 36. እቲ ብወልድ ዚኣምን ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኣለዎ፣ እቲ ብወልድ ዘይኣምን ግና ቚጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነብር እምበር ንሕይወት ኣይኪርእያን እዩ።” ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።

 

ዘመነ ማርቆስ Readings for Saturday

ጥሪ 23, 2018 ብግእዝ Jan 31, 2026 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 21 : 1 - 2 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ዎ እግዚኣብሄር፣ ንጉስ ብሓይልኻ ይሕጐስ፣ ብምድሓንካኸ ክንደይ ኣዝዩ ዘይፍሳህ። ትምኒት ልቡ ሂብካዮ፣ ልማኖ ኸናፍሩውን ኣይከላእካዮን።
 

ወንጌል Gospel

ማቴ 22 : 15 - 22 [English][ግእዝ][ልሙድ]

15. ድኀርዚ ፈሪሳውያን ብዘረባኡ ከመይ ገይሮም ከም ዜስሕትዎ ኸይዶም ተማኸሩ። 16. ንደቀ መዛሙርቶም ከኣ ምስ ወገን ሄሮድስ ገይሮም ከምዚ ኢሎም ናብኡ ለኣኹ፦ “መምህር፥ ሓቀኛ ምዃንካ፥ መገዲ ኣምላኽ ከኣ ብሓቂ ከም እትምህር፥ ገጽ ሰብ ርኢኻ ድማ ከም ዘይተዳሉ፥ ንሓደ እኳ ከም ዘይትፈርህ፥ ንፈልጥ ኢና። 17. እምበኣር እንታይ ይመስለካ፥ እስከ ንገረና፧ ንቄሣር ግብሪ ምሃብ ይግባእ ድዩ ወይ ኣይግባእን፧” 18. ኢየሱስ ግና ክፍኣቶም ፈሊጡ “ኣቱም ግቡዛት፥ ንምንታይ ትፍትኑኒ ኣሎኹም፧ 19. እቲ ናይ ግብሪ ገንዘብ እስከ ኣርእዩኒ” በሎም። ንሳቶም ድማ ሓደ ዲናር ኣምጽኡሉ። 20. ; ኢየሱስ ድማ “እዝስ መልክዑን ጽሕፈቱን ናይ መን እዩ፧” በሎም። 21. ንሳቶም ከኣ “ናይ ቄሣር እዩ” በልዎ። “እምበኣር ናይ ቄሣር ንቄሣር፥ ናይ ኣምላኽ ከኣ ንኣምላኽ ሃቡ” በሎም። 22. እዚ ሰሚዖም ተገረሙ፥ ኃዲጎምዎ ድማ ከዱ። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

2ይ ጢሞ 1 : 1 - 10 [English][ግእዝ][ልሙድ]

1. ካብ ጳውሎስ፥ ነታ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘተስፈወና ሕይወት ኬበሥር፥ ብፍቓድ ኣምላኽ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓዋርያት ዝኾነ፥ 2. ናብ ጢሞቴዎስ ፍቁር ወደይ፥ ካብ እግዚኣብሔር ኣቦይ ካብ ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ጸጋ፥ ምሕረት፥ ሰላም፥ ምሳኻ ይኹን። 3. ለይትን መዓልትን ከየብኰርኩ ኣብ ጸሎተይ ክዝክረካ ከሎኹ፥ ነቲ ኸምቲ ናይ ኣቦታተይ ገይረ ብንጹሕ ሕልና ዘገልግሎ ኣምላኽ አመስግኖ ኣሎኹ። 4. ክንደይ ከም ዝነባዕካ እዝክር እየ። ሕጂ ኸኣ ብታሕጓስ ምእንቲ ኽምላእ ክርእየካ እናፍቀካ ኣሎኹ። 5. ነታ ጥርጥር ዘይብሉ ኣባኻ ዘሎ እምነት እዝክሮ እየ። እዚኣ እምነት እዚኣ ቕድም ኣብ ዓባይካ ሎይድ፥ ከምኡውን ኣብ ኣዴኻ ኤውንቄ ነበረት። ሕጂ ኸኣ ኣባኻ ከም ዘላ ኣሚነ ኣሎኹ። 6. በዚ ምኽንያት እዚ ነቲ ብምንባር ኢደይ ኣባኻ ዘሎ ዉህበት ኣምላኽ ከተሓድሶ አዘክረካ ኣሎኹ። 7. ከመይ ኣምላኽ መንፈስ ኃይልን ፍቕርን ገዛእ ርእስኻ ምግታእን እምበር መንፈስ ፍርሃት ኣይሃበናን። 8. ደጊም ንጐይታ ብምምስካርን ብኣይ ብእሱሩን ኣይትኅፈር፥ እኳ ደኣ በቲ ኣምላኽ ዝህበካ ኃይሊ ምእንቲ ወንጌል ምሳይ መከራ ጽገብ። 9. ንሱ ብግብርና ዘይኮነስ ብፍቓዱን በቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዘመናት ቅድሚ ምጅማሩ ዝተዋህበና ጸጋን ኣድኃነና፥ ብቕዱስ ጽውዓውን ጸውዓና። 10. እዚ ጸጋ እዚ ብምምጻእ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ተገልጸ። ንሱ ንሞት ስዒሩ ንሕይወትን ንዘይሙማትን ብወንጌል ናብ ብርሃን ኣውፅኦ።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

1ይ ጴጥ 3 : 13 - 17 [English][ግእዝ][ልሙድ]

13. ንሠናይ ነገር ትጽዕቱ እንተ ዄንኩምከ መን እዩ ኺጐድኣኩም ዝኽእል፧ 14. ምእንቲ ጽድቂ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብኩም ግና ብፁዓን ኢኹም። ካብ ሰብ ኣይትፍርሁ፥ ብሓደ እኳ ኣይትሸበሩ። 15. ንክርስቶስ ብልብኹም ከም ጐይታ ቐድስዎ። ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ንዚሓትኩም ዘበለ ምላሽ ምሃብ ምእንቲ ኽትክእሉ ዅሉ ሳዕ ድልዋት ኩኑ። ግናኸ ብለውሃትን ብኽብርን ግበርዎ። 16. እቶም ነቲ ብክርስቶስ ዘሎኩም ሠናይ ኣካይዳኹም ዚጸርፋ፥ በቲ ዚጸርፍዎ ምእንቲ ኪኃፍሩ፥ ንጹሕ ሕሊና ይሃሉኹም። 17. ከመይ፥ ኣምላኽ እንተ ደኣ ፈቒድዎስ፥ ካብ ክፉእ እናገበርካስ ሠናይ እናገበርካ ሓሳረ መከራ ኽትጸግብ ይኃይሽ።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 16 : 1 - 12 [English][ግእዝ][ልሙድ]

1. ካብኡ ጳውሎስ ኣብ ደርቤንን ኣብ ልስጥራንን በጽሐ፤ ኣብኡ ኸኣ፥ ካብ ሓንቲ ኣይሁዳዊት ኣማኒት ሰበይትን ካብ ሓደ ግሪኻዊ ሰብኣይን ዝተወልደ ጢሞቴዎስ ዚብሃል ወደ መዝሙር ነበረ። 2. ንሱ በቶም ኣብ ልስጥራንን ኣብ ኢቆንዮንን ዝነበሩ ኣኅዋት ጽቡቕ ምስክርነት ነበሮ። 3. ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ምስኡ ኺወስዶ ደለየ፥ ኣቦኡ ግሪኻዊ ምኳኑ ዅላቶም ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ፥ ምእንቲ እቶም ኣብተን ዓድታት እቲኣተን ዝነበሩ ኣይሁድ ገዘሮ። 4. ኣብ ዘዝኣተውዋ ኸተማ ኸኣ ነቲ ሓዋርያትን መራሕቲ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝሓገጉሎም ሕግጋት ኪሕልውዎ ሃብዎም። 5. እተን ኣብያተ ክርስቲያን ከኣ ብእምነት ጸንዓ፤ ቚጽረን ድማ ኣብ ጸጽባሕ ይውስኽ ነበረ። 6. ጳውሎስን ብጾቱን ኣብ እስያ ነቲ ቓል ከይነግሩ መንፈስ ቅዱስ ምስ ከልከሎም፥ ብሃገር ፍርግያን ገላትያን ኃለፉ። 7. ኣብ ሚስያ ምስ በጽሑ፥ ናብ ቢታንያ ኪኸዱ ፈተኑ፥ መንፈስ ኢየሱስ ግና ኣይፈቐደሎምን። 8. ስለዚ ብሚስያ ኃሊፎም ናብ ጢሮኣዳ ወረዱ። 9. ጳውሎስ ከኣ ብለይቲ ሓደ ብዓል መቄዶንያ ሰብኣይ፥ ደው ኢሉ “ናብ መቄዶንያ ኅለፍ እሞ ርድኣና” እናበለ ኺልምኖ ኸሎ ራእይ ረኣየ። 10. ንሱ ራእይ ምስ ረኣየ፥ ወንጌል ክንሰብከሎም ኣምላኽ ከም ዝጸውዓና ስለ ዝገመትና ብኡብኡ ናብ መቄዶንያ ኽንከይድ ደሌና። 11. ሽዑ ካብ ጢሮኣዳ ብመርከብ ምስ ከድና ትኽ ኢልና ናብ ሰሞትራቄ ኣቕናዕና፥ ንጽባሒቱ ድማ ናብ ናጱሌ ኸድና። 12. ካብኣ ድማ ናብታ ኽፍለ ሃገር መቄዶንያ ቐዳመይቲ ኸተማን ግዝኣት ሮማን ዝኾነት ፊልጵስዩስ ኣቶና፥ ኣብኣ ኸኣ ሓያሎ መዓልቲ ቐኔና።

 

ስንክሳር Synaxarium

ጢሞቴዎስ ሰማዕት
ወለሐዊኖስ
ወቴዎድስዮስ ንጉሥ

 

መዝሙር Psalm

መዝ 35 : 23 - 24 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ዎ ኣምላኸይ ጐይታይውን፣ ንመሰለይ ንቓሕ፣ ንነገረይ ድማ ተንስእ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣምላኸይ፣ ከም ጽድቅኻ በይነለይ፣ ብአይ ድማ ኣይተሐጕሶም።

 

ወንጌል Gospel

ማቴ 12 : 15 - 21 [English][ግእዝ][ልሙድ]

15. ኢየሱስ ድማ ነዚ ፈሊጡ ኻብኡ ኣልገሰ፥ ብዙኃት ሰባት ከኣ ሰዓብዎ። ንዅሎምውን ኣሕወዮም። 16. ከየግህድዎ ድማ ኣጠንቀቖም። 17. እዚ ኸኣ እቲ ብነቢይ ኢሳይያስ 18. “እንሆ እቲ ዝኃሬኽዎ ብእኡ ደስ ዝበለኒ ዘፍቅሮ ጊልያይ፥ ኣብኡ መንፈሰይ ከኅድር እየ፥ ነሕዛብ ድማ ፍትሒ ኼበሥር እዩ። 19. ንሱ ኣይኪከራኸርን፥ ኣይኪጭድርን እዩ፥ ሓደ እኳ ኣብ ቅርዓት ድምፁ ኣይኪሰምዕን እዩ። 20. ፍትሒ ናብ ዓወት ክሳዕ ዜብጽሕ ቅጥቁጥ ሻምብቆ ኣይኪሰብርን፥ ንዚተክኽ ፈትሊ ጥዋፍውን ኣይኬጥፍእን እዩ፥ 21. ኣሕዛብ ድማ ብስሙ ተስፋ ኺገብሩ እዮም።” ተባሂሉ ዝተነግረ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘአበዊነ ሐዋርያት(ዘበደሃሪ)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 74 : 4 - 5 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ተጻረርትኻ ኣብ ማእከል ማሕበርካ ጨዲሮም፣ ንምልክቶም ምልክት ገይሮም ኣቘምዎ። ከምቶም ማሕጸ ኣብ ብርቱዕ ዱር ዜልዕሉ ሰብ ይመስሉ። ንብዘሎ ቕርጺ ህንጻታቱ ብማሕጸን ብመዶሻን ገይሮም ኣድቂቖምዎ።
 

ወንጌል Gospel

ማር 7 : 5 - 13 [English][ግእዝ][ልሙድ]

5. መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ድማ “ስለምንታይ ደቀ መዛሙርትኻ ሥርዓት ዓበይቲ ዘይሕልዉ፧ ኣእዳዎም ከይተሓጽቡ ኸኣ እንጌራ ዚበልዑ፧” ኢሎም ሓተትዎ። 6. - 7. ንሱ ኸኣ ኸምዚ በሎም፡ - “ኣቱም ግቡዛት፥ ከምቲ ጽሑፍ ‘እዚ ሕዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፥ ልቡ ግና ኻባይ ኣዝዩ ዝረሓቐ እዩ። ግናኸ ምህሮ ሥርዓት ሰብ እናመሃሩ፥ ብኸንቱ የምልኹኒ’ ዝበሎ፥ ኢሳይያስ ብዛዕባኹም ጽቡቕ ተነበየ። 8. “ትእዛዝ ኣምላኽ ኃዲግኩም ሥርዓት ሰብ ትሕልዉ ኣሎኹም [ከም ምሕጻብ መሳተያን ካልእ ኣቕሑ ገዛን ካልእ ድማ ነዚ ዚመስል ትገብሩ ኣሎኹም።] 9. ጽቡቕ እባ ደኣ! ሥርዓትኩም ምእንቲ ኽትሕልዉ ትእዛዝ ኣምላኽ ተፍርሱ ኣሎኹም። 10. ከመይ፥ ሙሴ ‘ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፥ ነቦኡ ወይ ነዲኡ ሕማቕ ቃል ዚዛረብ ብርግጽ ይሙት’ ኢሉ ኣሎ። 11. ንስኻትኩም ግና ኸምዚ ትብሉ፡ - ‘እቲ ነቦኡ ወይ ነዲኡ ‘እቲ ኻባይ ዚግብኣኩም ሓገዝ፥ ቊርባን እዩ’፥ ማለት መባእ ይኹነለይ እንተ በሎም፥ 12. ደጊም ነቦኡ ወይ ነዲኡ ገለ ነገር ኪገብረሎም ከቶ ኣይትፈቕዱሉን ኢኹም። 13. ስለዚ ድማ ነቲ ዝሠራዕኩምዎ ሥርዓት ክትብሉ ቓል ኣምላኽ ተፍርሱ ኣሎኹም፤ ከምኡውን ነዚ ዚመስል ብዙኅ ትገብሩ ኣሎኹም።” እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ!

 

ዘመነ ማርቆስ Readings for Sunday

ጥሪ 24, 2018 ብግእዝ Feb 01, 2026 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 84 : 4 - 5 [English][ግእዝ][ልሙድ]

አብ ቤትካ ዚነብሩ ብጹኣን እዮም፣ ኵሉ ጊዜ ይውድሱኻ። ሓይሎም ብኣኻ ዝዀነ፣ ብልቦም ንመገድኻ ዚሐስቡ ሰባት ብጹኣን እዮም።
 

ወንጌል Gospel

ማቴ 5 : 1 - 16 [English][ግእዝ][ልሙድ]

1. ብዙኅ ሕዝቢ ምስ ረኣየ፥ ናብ እምባ ደየበ። ምስ ተቐመጠ ኸኣ፥ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐረቡ። 2. ከምዚ እናበለ ድማ ኪምህሮም ጀመረ፦ 3. “ብመንፈስ ድኻታት ዝኾኑ መንግሥተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፥ ብፁዓን እዮም። 4. ዚኃዝኑ፥ ምጽንናዕ ኪረኽቡ እዮም እሞ፥ ብፁዓን እዮም። 5. ለወሃት፥ ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ ብፁዓን እዮም። 6. ንጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን፥ ኪጸግቡ እዮም እሞ፥ ብፁዓን እዮም። 7. መሓርቲ፥ ምሕረት ኪረኽቡ እዮም እሞ፥ ብፁዓን እዮም። 8. ንጹሓት ልቢ፥ ንኣምላኽ ኪርእይዎ እዮም እሞ፥ ብፁዓን እዮም። 9. ገበርቲ ሰላም፥ ውሉድ ኣምላኽ ኪበሃሉ እዮም እሞ፥ ብፁዓን እዮም። 10. ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ፥ መንግሥተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፥ ብፁዓን እዮም። 11. “ምእንታይ እንተ ጸረፉኹምን፥ እንተ ሰጐጉኹምን፥ ኵሉ ኽፋእ ዘበለ ድማ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩምን፥ ብፁዓን ኢኹም። 12. ከምኡ ኸኣ ነቶም ቅድሜኹም ዝነበሩ ነቢያት ኣሳዲዶምዎም እዮም እሞ፥ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙኅ ስለ ዝኾነ፥ ተሓጐሱ ባህውን ይበልኩም። 13. “ንስኻትኩም ንምድሪ ጨው ኢኹም፥ ጨው መቐረቱ እንተ ጠፍአኸ፥ ብምንታይ ይምቅር፧ ንደገ ተደርብዩ፥ ብሰብ ኪርገጽ እንተ ዘይኮይኑስ ዚጠቕሞ የብሉን። 14. ንስኻትኩም ንዓለም ብርሃኑ ኢኹም፥ ኣብ እንባ ዘላ ኸተማ ኽትክወል ኣይከኣላን እዩ። 15. መብራህቲ፥ ኣብ ቤት ንዘሎ ዅሉ ምእንቲ ኬብርህ ኣብ በሪኽ መቐመጢኡ ተንብሮ እምበር ኣብ ትሕቲ ኸፈር ከተንብሮ ኣይተብርሆን ኢኻ። 16. ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፥ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፥ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

ቲቶ 2 : 1 - 11 [English][ግእዝ][ልሙድ]

1. ንስኻ ግና ምስቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዚሰማማዕ ምሃር። 2. ነቶም ኣረገውቲ ሰብኡት እሩማት፥ ሓፋራት፥ ለባማት፥ ብእምነትን ብፍቕርን ብትዕግስትን ጥዑያት ኪኾኑ ምሃሮም። 3. ነተን ኣረገውቲ ኣንስቲውን ከምኡ ብቕድስና ዚነብራ፥ ዘይሓምያ፥ ወልፊ መስተ ዘይብለን፥ ሠናይ ዘበለ ዚምህራ ኪኾና ምሃረን። 4. ሽዑ ነተን ናኣሽቱ ኣንስቲ ንሰብኡተንን ንውሉደንን ኬፍቅራ፥ 5. ገዛእ ርእሰን ገቲአን ዚኽእላ ንጹሓት፥ ቤተን ዚኣልያ፥ ሕያዎት፥ ንሰብኡተን ዚእዘዛ ኪኾና ኬለብማአን እየን። እዚ ኸኣ ቃል ኣምላኽ ምእንቲ ኸይጽረፍ እዩ። 6. ንመንእሰይውን ከምኡ ለባማት ኪኾኑ ምዓዶም። 7. - 8. እቶም ዚቃወሙኻ ብዛዕባና ዚብልዎ ኽፉእ ነገር ስኢኖም ምእንቲ ኪኃፍሩስ፥ ክትምህር ከሎኻ እሙን ብምዃን፥ ብርዝነት፥ መንቅብ ብዘይብሉ ጥዑይ ዘረባ፥ ብዅሉ ሠናይ ግብሪ እናኣዘውተርካ ኣርኣያ ኹኖም። 9. ነቶም ግዙኣት ንጐይተቶም ብዅሉ ነገር ኪግዝኡ፥ ኼሓጉስዎም እምበር ከይታረኽዎም ምዓዶም። 10. እቲ ትምህርቲ እግዚኣብሔር መድኃኒና ኣብ ዅሉ ቕቡል ምእንቲ ኪኸውን ኸኣ ኣብ ዅሉ እሙናት ኪኾኑ እምበር ሰረቕቲ ኸይኮኑ ምዓዶም። 11. እቲ ምድኃን ዜምጽእ ጸጋ ኣምላኽ ንዅሉ ሰብ ተገሊጹ እዩ።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

1ይ ጴጥ 3 : 1 - 6 [English][ግእዝ][ልሙድ]

1. - 2. ከምኡውን፥ ኣትን ኣንስቲ! ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። ገለ ነቲ ቃል ኣምላኽ ዘይኣምኑ ሰብኡት እንተ ኣለዉ ድማ፥ ከም እተኽብራኦምን ብንጽሕና ከም እትነብራን ምስ ረኣዩ፥ ብዘረባ ዘይኮነስ፥ ብሕይወት ኣንስቶም ኪምለሱ እዮም። 3. መልክዕክን ግዳማዊ ብዝኾነ፥ ማለት ብሥርሓት ርእስን ወርቂ ብምእሳርን ብኽቡር ክዳውንትን ኣይኹን። 4. መልክዕክንሲ እቲ ኣብ ልቢ ወዲ ሰብ ዘሎ ለዋህን ህዱእን ዝኾነ መንፈስ ይኹን። እዚ መንፈስ እዚ ዘይበርስ፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኸኣ ክቡር እዩ። 5. ቀደም ድማ እተን ኣምላኽ ዝተስፍአን ቅዱሳን ኣንስቲ፥ ከምዚ ኢለን እየን ዝተሰለማ። ንሰብኡተን ይእዘዛ ነበራ። 6. ሣራ ንኣብርሃም “ጐይታይ” እናበለት ትእዘዞ ነበረት። ንስኻትክንውን ከምኡ ጽቡቕ እንተ ገበርክን፥ ገለ ነገርውን እንተ ዘይፈራህክን ደቃ ኢኽን።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 26 : 28 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

28. ኣግሪጳ ኸኣ ንጳውሎስ “ብሓጺር ጊዜዶ ክርስቲያን ክትገብረኒ ደሊኻ፧” በሎ። 29. ጳውሎስ ከኣ “እንተ ብሓጺሩ እንተ ብነዊኁ፥ ንስኻ ጥራይ ዘይኮንካስ ኵሎም እዞም ሎሚ ዚሰምዑኒ ዘለዉውን ብዘይካ እዚ መቚሐይ፥ ከምዚ ኸማይ ኪኾኑ ካብ ኣምላኽ ዝምነዮ ዘሎኹ እዩ” በለ። 30. ሽዑ እቲ ንጉሥን እቲ ራእስን ብርኒቄን እቶም መቓምጦምን ተንሥኡ። 31. ካብኡ ወፂኦም ምስ ከዱ ንሓድሕዶም “እዚ ሰብኣይ እዚ ናብ ሞት ወይ ናብ ማእሰርቲ ዜብጽሕ ሓንቲ ነገር እኳ ኣይገበረን” ተበሃሃሉ። 32. ኣግሪጳ ኸኣ ንፊስጦስ “እዚ ሰብኣይ እዚ ናብ ቄሣር ‘ይግባይ’ ኢሉ እንተ ዘይኸውንሲ ኪፍታሕ ምተገብኦ ነይሩ” በሎ።

 

ስንክሳር Synaxarium

ማርያም እስክንድራዊት
ወአባ አብሳዲ
ወሲፋ ሰማዕት
ወአባ መርሐ ክርስቶስ

 

መዝሙር Psalm

መዝ 112 : 1 - 2 [English][ግእዝ][ልሙድ]

እቲ ንእግዚኣብሄር ዚፈርሆ፣ ብትእዛዛቱ ኣዝዩ ባህ ዚብሎ ሰብ ብጹእ እዩ። ዘርኡ አብ ምድሪ ኺስልጥን፣ ወለዶ ቕኑዓት ኪባረኽ እዩ።

 

ወንጌል Gospel

ዮሐ 14 : 11 - 15 [English][ግእዝ][ልሙድ]

11. ኣነ ኣብ ኣቦ ምህላወይ ኣቦውን ኣባይ ምህላዉ እነግረኩም ኣሎኹ፥ እመኑኒ። እንተ ዘይኮነስ ስለ እቲ ግብርታት እኳ እመኑኒ። 12. ኣነ ናብ ኣቦይ እኸይድ ኣሎኹ እሞ እቲ ብኣይ ዚኣምን ንሱ ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ከም ዚገብር፥ ካብኡ ዚዓቢውን ከም ዚገብር ብሓቂ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 13. ኣቦ ብውልድ ምእንቲ ኪኸብርሲ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዅሉ ኽገብረልኩም እየ። 14. ብስመይ ዝኾነ እንተ ለመንኩምውን ክገብረልኩም እየ። 15. “እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ ትእዛዛተይ ክትሕልዉ ኢኹም። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘባስልዮስ(እግዚኦ መሐረነ)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 64 : 1 - 2 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ዎ ኣምላኽ፣ ክምህለል ከሎኹ፣ ድምጸይ ስማዕ፣ ንህይወተይ ካብ ፍርሃት ጸላኢ ሐልዋ። ካብ ሕቡእ ምኽሪ ሕሱማት፣ ካብ ህውከት ገበርቲ እከይ ሰውረኒ።

 

ወንጌል Gospel

ማቴ 12 : 14 - 20 [English][ግእዝ][ልሙድ]

14. ፈሪሳውያን ግና ኻብኡ ወፂኦም ከመይ ገይሮም ከም ዚቐትልዎም ተማኸሩ። 15. ኢየሱስ ድማ ነዚ ፈሊጡ ኻብኡ ኣልገሰ፥ ብዙኃት ሰባት ከኣ ሰዓብዎ። ንዅሎምውን ኣሕወዮም። 16. ከየግህድዎ ድማ ኣጠንቀቖም። 17. እዚ ኸኣ እቲ ብነቢይ ኢሳይያስ 18. “እንሆ እቲ ዝኃሬኽዎ ብእኡ ደስ ዝበለኒ ዘፍቅሮ ጊልያይ፥ ኣብኡ መንፈሰይ ከኅድር እየ፥ ነሕዛብ ድማ ፍትሒ ኼበሥር እዩ። 19. ንሱ ኣይኪከራኸርን፥ ኣይኪጭድርን እዩ፥ ሓደ እኳ ኣብ ቅርዓት ድምፁ ኣይኪሰምዕን እዩ። 20. ፍትሒ ናብ ዓወት ክሳዕ ዜብጽሕ ቅጥቁጥ ሻምብቆ ኣይኪሰብርን፥ ንዚተክኽ ፈትሊ ጥዋፍውን ኣይኬጥፍእን እዩ፥ ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 


ካብ 19 ጥሪ ክሳብ 25 ጥሪ።
5ይ መዝሙር ፡ እሙነ ኮነ ልደቱ።


Show/Hide መዝሙር ( Hymn )

መዝሙር

- በ፮(6)፤ እሙነ ኮነ ልደቱ። እሙነ ኮነ ልደቱ ለመድኃኒነ ክርስቶስ። እ፤ እምሰማያት ወረደ ወእማርያም ተወልደ ወእመላእክት ተአኵተ። እ፤ በቤተ ልሔም ተወልደ ወበናዝሬት ተሐፅነ ወአስተርአየ ገሀደ። እ፤ ውእቱ አክሊለ ሰማዕት ውእቱ መድኃኔ ነገሥት ኖላዊሆሙ ለእስራኤል። እሙነ ኮነ ልደቱ ብርሃነ ኮነ ምጽአቱ፤ ለመድኃኒነ ክርስቶስ።

ሰላም

መንክር ምጽአቱ ወመንክር ልደቱ ወመንክር ተአምሪሁ ዘዮሐንስ አጥመቆ ርእየ ወስእነ ጠይቆቶ በፍሥሓ ወበሰላም ተቀደሰት ማይ በጥምቀቱ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

2ቆሮ 1 : 13 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

13. -14. ብዘይካ እቲ እተንብብዎን እተስተውዕልዎን ካልእ ኣይንጽሕፈልኩምን ኢና፥ ሕጂ ብገሊኡ ኢኹም እትፈልጡና። በታ ጐይታና ኢየሱስ ዚመጸላ መዓልቲ ግና፥ ከምቲ ንስኻትኩም ትምክሕትና ዝኾንኩም፥ ንሕና እውን ትምክሕትኹም ከም ዝኾንና ኣጸቢቕኩም ከም እትፈልጡ ተስፋ እገብር ኣሎኹ። 15. በዚ ርግጸኛ ስለ ዝነበርኩን፥ ድርብ ሓጐስ መታን ክትረኽቡን፥ ብመጀመርታ ናባኻትኩም ክመጽእ ደልየ ነይረ። 16. ብኣኻትኩም ኣቢለ ኸኣ ናብ መቄዶንያ ኽኃልፍ፥ ከም ብሓድሽ ካብ መቄዶንያ ናባኻትኩም ክመጽእ፥ ንስኻትኩም ድማ ዜድልየኒ ሂብኩም ናብ ይሁዳ ኸተፋንዉኒ መዲበ ነይረ። 17. ከምዚ ኢለ ኽምድብ ከሎኹ ቅዉም ሓሳብ ስለ ዘይብለይ ድየ፧ ወይስ “እወ፥ እወ” ኽብል ጸኒሐ “ኣይኮነን፥ ኣይኮነን” ዝብል፥ ንኣይ ይጥዓመኒ ብዚብል ኣተሓሳስባ ዝምራሕ ስለ ዝኾንኩ ድየ፧ 18. እቲ ዝነገርናኩም ቃል “እወ”ን “ኣይኮነን”ን ከም ዘይነበረ ኣምላኽ ምስክርና እዩ። 19. ከመይ ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ብኣና ማለት ብኣይን ብስልዋኖስን ብጢሞቴዎስን ኣባኻትኩም ዝተሰብከ ወዲ ኣምላኽ ብእኡ “እወ” እምበር “እወ”ን “ኣይኮነን”ን ኣይነበረን። 20. ናይቲ ዅሉ ብኣምላኽ ተዋሂቡ ዘሎ ተስፋ “እወ” ንሱ እዩ። በዚ ኸኣ እቲ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ “ኣሜን” እንብሎ፥ ንኽብሪ ኣምላኽ ኢና እንብሎ። 21. እቲ ንኣናን ንኣኻትኩምን ኣብ ክርስቶስ ዘጽንዓና ኣምላኽ እዩ፥ ዝቐብኣናውን ንሱ እዩ። 22. ናቱ ኸም ዝኾንና ማኅተም መፈለጥታ ዝገበረልና፥ ኣብ ልብና ዕርቡን መንፈስ ቅዱስ ዝሃበና፥ ንሱ እዩ። 23. እቲ ናብ ቆሮንቶስ ገና ዘይምምጽአይ ምእንቲ ኽንሕፈኩም ኢለ ከም ዝኾንኩ፥ ኣምላኽ ምስክረይ እዩ። 24. ብእምነት ጸኒዕኩም ስለ ዘለኹም፥ ምእንቲ ኽትሕጐሱ ኃቢርና እንዓዪ ደኣ ኢና እምበር፥ ኣብ ልዕሊ እምነትኩም ክንጕይተት ሃረርታ የብልናን።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

1ዮሐ 2 : 22 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

22. እቲ ንኢየሱስ ንሱ መሲሕ ምዃኑ ዚኽሕዶ እንተ ዘይኮይኑኸ፥ መን እዩ እቲ ሓሳዊ፧ ንሱ፥ እቲ ንኣቦን ንወልድን ዚኽሕድ ፀረ ክርስቶስ እዩ። 23. እቲ ንወልድ ዚኽሕድ፥ ኣቦ ኣብኡ የሎን፥ እቲ ንወልድ ዚኣምን፥ ነቦ ይኣምን። 24. ንስኻትኩም ግና እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ይንበር። እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ዚነብር እንተ ኾይኑ ኸኣ፥ ንስኻትኩም ኣብ ወልድን ኣብ ኣቦን ክትነብሩ ኢኹም። 25. እታ ክርስቶስ ዘተስፈወና ተስፋ ኸኣ ናይ ዘለዓለም ሕይወት እያ። 26. ብዛዕባ እቶም ዜስሕቱኹም እየ እዚ ዝጸሓፍኩልኩም። 27. ንስኻትኩም ግና እቲ ካብ ክርስቶስ ዝተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ኣባኹም ይነብር ኣሎ። መንፈስ ቅዱስ ብዛዕባ ዅሉ ስለ ዚምህረኩም፥ ሓደ እኳ ኺምህረኩም ኣየድልን እዩ። ትምህርቱ ኸኣ ሓቂ እዩ፥ ሓሶት ኣይኮነን። እምበኣር ከምቲ ዝመሃረኩም ኣብ ክርስቶስ ጸኒዕኩም ንበሩ። 28. ሕጂ ድማ፥ ደቀየ፥ ንሱ ኺግለጽ ከሎ ትብዓት ምእንቲ ክንረክብ፥ በታ ዝመጸላ መዓልቲውን ኣብ ቅድሚኡ ከይንኃፍርስ ኣብ ክርስቶስ ንበሩ። 29. ንሱ ጻድቕ ምዃኑ ትፈልጡ እንተ ዄንኩምሲ ጽድቂ ዚገብር ዘበለ ዅሉ ካብ እግዚኣብሔር ከም ዝተወልደውን ፍለጡ።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ 13 : 20 - 27 [English][ግእዝ][ልሙድ]

20. እዚ ዅሉ ኣርባዕተ ሚእትን ኃምሳን ዓመት ኣቢሉ ወሰደ። ክሳዕ ዘመን ነቢይ ሳሙኤል ድማ መሳፍንቲ ሸመሎም። 21. ብድኅርዚ ንጉሥ ኬንግሠሎም ለመኑ፤ ኣምላኽ ከኣ ሓደ ሰብኣይ ካብ ነገድ ብንያም፥ ሳኦል ወዲ ቂስ፥ ንኣርብዓ ዓመት ኣንገሠሎም። 22. ኣምላኽ ንሳኦል ምስ ሰዓሮ ድማ ንዳዊት ኣንገሠሎም፤ ‘ዳዊት ወዲ እሴይ ዅሉ ፍቓደይ ዚገብር ሰብኣይ ዝኸም ልበይ ረኸብኩ’ ኢሉ ኸኣ መስከረሉ። 23. ኣምላኽ ከምቲ ኣተስፍይዎ ዝነበረ፥ ካብ ዘርኢ ዳዊት፥ ነቲ መድኃኒ እስራኤል ዝኾነ ኢየሱስ ለኣኾ። 24. ቅድሚ ምምጻኡውን ዮሓንስ ንዅሉ ሕዝቢ እስራኤል ንንስሓ ዚኸውን ጥምቀት ሰበኸ። 25. ዮሓንስ ከኣ መልእኽቱ ምስ ፈጸመ፥ ‘ኣነ መን ይመስለኩም፧ ኣነስ ንሱ ኣይኮንኩን፤ እቲ ኣነ ኣሣእኑ ካብ ኣእጋሩ ንምውፃእ ዘይበቅዕ፥ እንሆ ንሱ ብድኅረይ ይመጽእ ኣሎ’ በለ። 26. ኣቱም ኣኅዋትና፥ ደቂ ዓሌት ኣብርሃምን ኣብ ማእከሎም ዘሎኹም ንኣምላኽ እትፈርሁን እዚ ቓል ምድኃን እዚ ናባና እዩ ዝተላእከ። 27. እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዚነብሩን መኳንንቶምን ንኢየሱስ ኣይፈለጥዎን፤ እቲ በብሰንበት ዜንብብዎ ቓል ነቢያት ምእንቲ ኺፍጸም ከኣ ንሞት ፈረድዎ።

 

መዝሙር Psalm

መዝ 118 : 27 - 28 [English][ግእዝ][ልሙድ]

እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ እዩ፣ ንሱውን ኣብረሀልና፣ ነቲ መስዋእቲ በዓል ዓመት ክሳዕ ኣቕርንቲ መሰውኢ ብገመድ እሰሩ።

ወንጌል Gospel

ሉቃ 2 : 41 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

41. እቶም ወለዱ ንበዓል ፋሲካ ዓመት ዓመት ናብ ኢየሩሳሌም ይኸዱ ነበሩ። 42. ኢየሱስ ወዲ ዓሠርተው ክልተ ዓመት ምስ ኮነ ኸኣ ኸምቲ ልማዶም በዓል ኬኽብሩ ንኢየሩሳሌም ደየቡ። 43. ነተን በዓላት ኣኅሊፎም ኪምለሱ ኸለዉ፥ ኢየሱስ እቲ ሕፃን ኣብ ኢየሩሳሌም ተረፈ፤ ወለዱ ግና ኣይፈለጡን። 44. ምስ መኻይዶም ዘሎ መሲልዎም መገዲ ሓደ መዓልቲ ተጓዕዙ፤ ኣብ ኣዝማዶምን ኣብ ዚፈልጥዎምን ከኣ ደለይዎ። 45. ምስ ሰኣንዎ ኸኣ እናደልይዎ ናብ ኢየሩሳሌም ተመልሱ። 46. ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ፥ ኣብ ማእከል መምህራን ተቐሚጡ፥ ኪሰምዖምን ኪሓቶምን ከሎ ረኸብዎ። 47. እቶም ዝሰምዕዎ ዘበሉ ድማ በቲ ምስትውዓሉን ምላሹን ተገረሙ። 48. ምስ ረኣይዎ ድማ ገረሞም። ኣዲኡ ኸኣ “በል ወደይ፥ ስለምንታይ ደኣ ኸምዚ ገበርካና፧ እንሆ ኣነን ኣቦኻን ተሸጊርና ኽንደልየካ ቐኒና” በለቶ። 49. “ንምንታይ እሞ እትደልዩኒ፧ ኣብቲ ናይ ኣቦይ ቤት ክህሉ ኸም ዚግብኣኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧” በሎም። 50. ንሳቶም ግና ነቲ ዝበሎም ዘረባ ኣየስተውዓልዎን። 51. ምስኣቶም ወሪዱ ናብ ናዝሬት መጸ፥ ይእዘዞምውን ነበረ፤ ኣዲኡ ድማ ነዚ ዅሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት። 52. ኢየሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብጥበብን ብቝመትን ብጸጋን ዓበየ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘዲዮስቆሮስ(እምቅድመ ዓለም)