ዘመነ ሉቃስ Readings for Monday
ጥቅምቲ 2, 2019 ብግእዝ Oct 12, 2026 ብፈረንጅ
ናይ ንግሆ ( Matin )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 107 : 37 - 38 [English][ግእዝ][ልሙድ]ግርሁ ዘርኡ፣ ወይንታት ተኸሉ፣ ብዝሒ ፍረ ኸኣ ሀቦም። ባረኾም እሞ ኣዝዮም በዝሑ።
ወንጌል Gospel
ማር 12 : 1 - 12 [English][ግእዝ][ልሙድ]1. ኢየሱስ ብምስላታት ገይሩ ኸምዚ ኺብሎም ጀመረ፡ - “ሓደ ሰብኣይ ወይኒ ተኸለ፥ ሓጹር ገበረሉ፥ መሓምተሊ ኸኣ ኾዓተሉ፥ መሓለዊ ዋላውን ሠርሓሉ፥ ንሓረስቶት ድማ ብመገስ ሂብዎም ገሸ። 2. ጊዜ ፍርያት ምስ በጽሐ፥ ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረ ኼምጽእሉ ናብቶም ሓረስቶት ኣገልጋሊኡ ለኣኸ። 3. ንስቶም ግና ኂዞም ገረፍዎ፥ ጥራይ ኢዱውን ሰደድዎ። 4. ደጊሙ ኻልእ ኣገልጋሊኡ ናብኣቶም ለኣኸ። ብዳርባ እምኒ ፈግእዎ፥ ኣዋሪዶምውን ሰደድዎ። 5. ካልእ ድማ ለኣኸ፥ ንእኡ ውን ቀተልዎ። ብዙኃት ካልኦት ከኣ ለኣኸ፥ ንገሊኦም ገረፍዎም፥ ንገሊኦም ድማ ቐተልዎም። 6. ገና ሓደ ዜፍቅሮ ወዲ ነበሮ፥ ኣብ መውዳእታ ኸኣ 'ንወደይሲ ይኃፍርዎ ግዲ ይኾኑ' ኢሉ ናብኣቶም ለኣኾ። 7. እቶም ሓረስቶት ግና፥ 'እዚ እቲ ወራሲ እዩ፥ ንዑ ንቕተሎ እሞ እቲ ርስቱ ኸኣ ንኣና ኪኸውን እዩ' ተበሃሃሉ። 8. ኂዞም ቀተልዎ፥ ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ ናብ ወፃኢ ደርበይዎ። 9. እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ እንታይ ኮን ኪገብር እዩ፧ መጺኡ ነቶም ሓረስቶት ይቐትሎም፥ ነቲ ኣታኽልቲ ወይኑ ኸኣ ንኻልኦት ይህቦ። 10. - 11. 'እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፥ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ፥ እዚ ኻብ እግዚኣብሔር እዩ፥ ንምርኣዩውን ዜደንቕ እዩ' ዚብል ጽሑፍዶ ከቶ ኣየንበብኩምዎን ኢኹም፧” 12. መራሕቲ ኣይሁድ እዚ ምስላ እዚ ብዛዕብኦም ከም ዝተዛረቦ ፈሊጦም ነበሩ እሞ ኪኅዝዎ ደለዩ፥ ነቶም ሕዝቢ ፈሪሆም ግና ኃዲጎምዎ ኸዱ። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ!
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
1ይ ቆሮ 3 : 1 - 9 [English][ግእዝ][ልሙድ]1. ኣነ ግና ኣኅዋተይ፥ ከም ሥጋውያን፥ ብክርስቶስ ከኣ ገና ከም ዘይዓበዩ ሕፃናት እምበር፥ ከም መንፈሳውያን ክዛረበኩም ኣይከኣልኩን። 2. ዕጹም ብልዒ ዘይኮነ ጸባ መገብኩኹም፤ ከመይ ድልዋት ኣይነበርኩምን፥ ሕጂውን ገና ዝተዳሎኹም ኣይኮንኩምን። 3. እዚ ኸኣ ገና ሥጋውያን ስለ ዝኾንኩም እዩ። ኣብ ማእከልኩም ቅንእን ባእስን ካብ ዚህሉስ ሥጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኰነን፧ ከም ባህሊ ማንም ሰብዶኸ ትኸዱ ኣየለኹምን፧ 4. ምኽንያቱ እቲ ሓደ “ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ”፥ ሓደ ኻልእ ከኣ “ኣነስባ ናይ ኣጵሎስ እየ” ካብ ዚብል ሥጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኮነን። 5. እምበርከ ኣጵሎስ መን እዩ፧ ጳውሎስከ መን እዩ፧ ንነፍሲ ወከፎም እግዚኣብሔር ከም ዝሃቦም ብኣኣቶም ጌርኩም ናብ እምነት ዝበጻሕኩም ኣገልገልቲ እዮም። 6. ኣነ ተኸልኩ፥ ኣጵሎስ ኣስተየ፥ ኣምላኽ ግና ኣብቈለ። 7. እቲ ዜብቊል ኣምላኽ ደኣ እምበር እቲ ዚተክል ወይስ እቲ ዜስቲ ዚዓብሶ የብሉን። 8. እቲ ዚተክልን እቲ ዜስትን ማዕረ እዮም፥ ነፍስ ወከፍ ከኣ ከከም ጻዕሩ ዓስቡ ኪቕበል እዩ። 9. ከመይ ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና፥ ንስኻትኩም ከኣ ግራት ኣምላኽ ኢኹም፥ ሕንጻ ኣምላኽ ኢኹም።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
1ይ ጴጥ 5 : 5 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]5. ከምኡ ኸኣ፥ ኣቱም መንእሰይ፥ ነቶም ዚዓብዩኹም ተገዝእዎም። “ኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓቶም፥ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም” ከም ዚብል ድማ ትሕትና ለቢስኩም ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ። 6. ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ። 7. ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ ንዅሉ ኃልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ። 8. ዲያብሎስ፥ እቲ መጻርርትኹም፥ ዚውሕጦ ደልዩ ከም ዚጓዝም ኣንበሳ ይዘውር ኣሎ እሞ ተጠንቀቑ፥ ንቕሑ። 9. ኣብ እምነት ጸኒዕኩም ተቓወምዎ፥ ምኽንያቱ ነቶም ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ ኣኅዋትኩምውን እዚ መከራ እዚ ይበጽሖም ከም ዘሎ ትፈልጡ ኢኹም። 10. እቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ናብ ናይ ዘለዓለም ክብሩ ዝጸወዓኩም፥ ኣምላኽ ዅሉ ጸጋ፥ ቊሩብ ጊዜ ሓሰረ መከራ ምስ ጸገብኩም፥ ንሱ ፍጹማት ኪገብረኩም፥ ኬጽንዓኩም፥ ኬበርትዓኩም፥ ኪሥርተኩምውን እዩ። 11. ንዘለዓለም ዓለም ንእኡ ኽብርን ሥልጣንን ይኹን። ኣሜን። 12. በቲ እሙን ምዃን ኣነ ዝፈልጦ ስልዋኖስ ኃውና ገይረ ነዛ ሓጻር መልእኽቲ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ። እዚ ኸኣ ከተባብዓኩምን እዚ ናይ ሓቂ ጸጋ ኣምላኽ ምዃኑ ኽምስክርን ኢለ እየ። ኣብዚ ጸጋ እዚ ጸኒዕኩም ደው በሉ። 13. እታ መተኃርይትኹም ዝኾነት ኣብ ባቢሎን እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ሰላም ትብለኩም ኣላ። ማርቆስ ወደይውን ሰላም ይብለኩም ኣሎ። 14. ብክርስቲያናዊ ፍቕሪ እናተሰዓዓምኩም ንሓድሕድኩም ሰላም ተበሃሃሉ። ብክርስቶስ ዘሎኹም ኵላትኩም ሰላም ይሃልኹም። ኣሜን።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ ሐዋ 20 : 1 - 6 [English][ግእዝ][ልሙድ]1. እቲ ታዕታዕ ዝግ ምስ በለ ኸኣ፥ ጳውሎስ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ጸዊዑ ብምኽሪ ኣበራትዖም፥ ተሰናቢትዎም ከኣ ናብ መቄዶንያ ኪኸይድ ተበገሰ። 2. በቲ ዝኃለፎ ዓድታት ከኣ ብብዙኅ ቃል እናኣጸናንዖም ናብ ግሪኽ ከደ። 3. ኣብኡ ሠለስተ ወርኂ ተቐመጠ፤ ናብ ሶርያ ብመርከብ ኪኸይድ ሓሲቡ ኸሎ ድማ፥ ኣይሁድ ውዲት ከም ዝገበሩሉ ምስ ፈለጠ፥ ብመቄዶንያ ገይሩ ኺምለስ መኸረ። 4. ክሳብ እስያ ኸኣ እኒ ሶጴጥሮስ ወዲ ጲሮስ ብዓል ቤርያ፥ ኣርስጦርኮስን ሲኮንዱስን ሰብ ተሰሎንቄ፥ ጋይዮስ ብዓል ደርቤን፥ ከምኡ ኸኣ ጢሞቴዎስ፥ ካብ እስያ ኸኣ ቲኪቆስን ጥሮፊሞስን ኣሰነይዎ። 5. እዚኣቶም ቅድሜና ኃሊፎም ኣብ ጢሮኣዳ ተጸበዩና። 6. ንሕና ግና ድኅሪ በዓል ቅጫ፥ ካብ ፊልጵስዩስ ብመርከብ ነቒልና፥ ብኃሙሽተ መዓልቲ ኣብ ጢሮኣዳ ናብኣቶም በጻሕና፥ ኣብኣውን ሾብዓተ መዓልቲ ቐኔና።
ስንክሳር Synaxarium
ተዝካረ ተአምሪሁ ወስደቱ ለሳዊሮስ ሊቀ ጳጳሳትወቴክላ ሰማዕትወሕርያቆስ
መዝሙር Psalm
መዝ 11 : 1 - 2 [English][ግእዝ][ልሙድ]ኣብ እግዚኣብሄር ኣዕቊበ ኣሎኹ፣ ከመይ ደአ ንነፍሰይ፣ ከም ዑፍ ናብ ከረንኪ ህደሚ፣ እትብልዋ፧ ንቕኑዓት ልቢ ብጸልማት ምእንቲ ኺውርውሩሎም፣ እንሆ፣ ረሲኣን ቀስቶም ይግትሩ፣ ንፍላጻኦም ኣብ መንትግ የዝግብዎ።
ወይ
መዝ 4 ፡ 6 - 7
ዎ እግዚኣብሄር፣ ብርሃን ገጽካ ኣብርሃልና። ካብቲ እቶም እኽሎምን ወይኖምን ምስ በዝሔ ዚሕጐስዎ ኣብሊጽካ ኣብ ልበይ ሓጐስ ኣንበርካ።
ወንጌል Gospel
ማቴ 5 : 10 - 16 [English][ግእዝ][ልሙድ]10. ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ፥ መንግሥተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፥ ብፁዓን እዮም። 11. “ምእንታይ እንተ ጸረፉኹምን፥ እንተ ሰጐጉኹምን፥ ኵሉ ኽፋእ ዘበለ ድማ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩምን፥ ብፁዓን ኢኹም። 12. ከምኡ ኸኣ ነቶም ቅድሜኹም ዝነበሩ ነቢያት ኣሳዲዶምዎም እዮም እሞ፥ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙኅ ስለ ዝኾነ፥ ተሓጐሱ ባህውን ይበልኩም። 13. “ንስኻትኩም ንምድሪ ጨው ኢኹም፥ ጨው መቐረቱ እንተ ጠፍአኸ፥ ብምንታይ ይምቅር፧ ንደገ ተደርብዩ፥ ብሰብ ኪርገጽ እንተ ዘይኮይኑስ ዚጠቕሞ የብሉን። 14. ንስኻትኩም ንዓለም ብርሃኑ ኢኹም፥ ኣብ እንባ ዘላ ኸተማ ኽትክወል ኣይከኣላን እዩ። 15. መብራህቲ፥ ኣብ ቤት ንዘሎ ዅሉ ምእንቲ ኬብርህ ኣብ በሪኽ መቐመጢኡ ተንብሮ እምበር ኣብ ትሕቲ ኸፈር ከተንብሮ ኣይተብርሆን ኢኻ። 16. ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፥ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፥ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘእግዝእትነ ማርያም(ጐሥዓ)
ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 94 : 2 - 3 [English][ግእዝ][ልሙድ]ንዕቡያት ከም ግብሮም ፍደዮም። ክሳዕ መአዝ እቶም ረሲኣን፣ ጐይታየ፣ ክሳዕ መአዝ ረሲኣን ኪዕወቱ እዮም፧
ወንጌል Gospel
ማቴ 21 : 28 - 32 [English][ግእዝ][ልሙድ]28. ቀጺሉ ኢየሱስ “እንታይ ይመስለኩም፧ ሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ፥ ናብቲ ቐዳማይ ቀሪቡ ‘ወደይ፥ ሎሚ ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ውፈር እሞ ዕየ’ በሎ። 29. ንሱ ኸኣ ‘እምቢ’ ኢሉ መለሰ፥ ደኃር ግና ተጣዒሱ ወፈረ። 30. ናብቲ ኻልኣይ ቀሪቡ ኸኣ ኸምኡ በሎ፥ ንሱ ኸኣ ‘ሕራይ፥ ጐይታይ’ በሎ፥ ግናኸ ኣይወፈረን። 31. ካብ ክልቲኦም ኣየናዮም እዩ ፍቓድ ኣቦኡ ዝመልአ፧” በሎም። ንሳቶም ከኣ “እቲ ቐዳማይ” በልዎ፥ ኢየሱስ ድማ “ተቐበልቲ ቐረጽን ኣመናዝርን ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ከም ዚቕድሙኹም ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 32. ዮሓንስ ብመገዲ ጽድቂ ናባኻትኩም መጺኡ ነበረ እሞ፥ ተቐበልቲ ቐረጽን ዘመዉትን ደኣ ኣመንዎ እምበር ንስኻትኩምሲ ኣይኣመንኩምዎን፥ ነዚ ምስ ርኤኹምዉን ተጣዒስኩም ብእኡ ኣይኣመንኩምን” በሎም። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ዘመነ ሉቃስ Readings for Tuesday
ጥቅምቲ 3, 2019 ብግእዝ Oct 13, 2026 ብፈረንጅ
ናይ ንግሆ ( Matin )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 80 : 8 - 11 [English][ግእዝ][ልሙድ]ጕንዲ ወይኒ ኻብ ግብጺ ኣውጻእካ፣ ኣህዛብ ሰጒጕካውን ተኸልካያ። አብ ቅድሚኣ ቦታ ኣዳሎኻላ፣ ሱር ሰደደት ምድሪውን መልኤት። ኣኽራን ብጽላላ ተኸድኑ፣ ጨናፍራ ድማ ከም ጽሕድታት ኣምላኽ ነበሩ።
ወንጌል Gospel
ዮሐ 15 : 5 - 11 [English][ግእዝ][ልሙድ]5. እቲ ጒንዲ ወይኒ ኣነ እየ፥ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም፥ እቲ ኣባይ ዚነብር ኣነውን ኣብኡ፥ ንሱ እዩ ብዙኅ ፍረ ዚፈሪ፤ ምኽንያቱ ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም። 6. ኣባይ ዘይነብር ዘበለ ኸም ጨንፈር ወይኒ ንወፃኢ ተደርብዩ ይነቅጽ፥ ኣኪቦም ድማ ናብ ሓዊ ይድርብይዎ እሞ ይነድድ። 7. ኣባይ እንተ ነበርኩም፥ ቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ኃደረ፥ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይኾነልኩም። 8. ብዙኅ ፍረ እንተ ፈሬኹም ኣቦይ በዚ ኪኸብር እዩ፥ ንስኻትኩም ከኣ ደቀ መዛሙርተይ ክትኮኑ ኢኹም። 9. “ከምቲ ኣቦ ዘፍቀረኒ ኣነውን ኣፍቂረኩም እየ፤ ኣብ ፍቕረይ ንበሩ። 10. ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ሓልየ ኣብ ፍቕሩውን ጸኒዐ ዝነብር ዘሎኹ፥ ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተ ሓሎኹም ኣብ ፍቕረይ ጸኒዕኩም ክትነብሩ ኢኹም። 11. ሓጐሰይ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኺነብር፥ ሓጐስኩምውን ምሉእ ምእንቲ ኪኸውንሲ እዚ ነገርኩኹም። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
ቲቶ 2 : 1 - 8 [English][ግእዝ][ልሙድ]1. ንስኻ ግና ምስቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዚሰማማዕ ምሃር። 2. ነቶም ኣረገውቲ ሰብኡት እሩማት፥ ሓፋራት፥ ለባማት፥ ብእምነትን ብፍቕርን ብትዕግስትን ጥዑያት ኪኾኑ ምሃሮም። 3. ነተን ኣረገውቲ ኣንስቲውን ከምኡ ብቕድስና ዚነብራ፥ ዘይሓምያ፥ ወልፊ መስተ ዘይብለን፥ ሠናይ ዘበለ ዚምህራ ኪኾና ምሃረን። 4. ሽዑ ነተን ናኣሽቱ ኣንስቲ ንሰብኡተንን ንውሉደንን ኬፍቅራ፥ 5. ገዛእ ርእሰን ገቲአን ዚኽእላ ንጹሓት፥ ቤተን ዚኣልያ፥ ሕያዎት፥ ንሰብኡተን ዚእዘዛ ኪኾና ኬለብማአን እየን። እዚ ኸኣ ቃል ኣምላኽ ምእንቲ ኸይጽረፍ እዩ። 6. ንመንእሰይውን ከምኡ ለባማት ኪኾኑ ምዓዶም። 7. - 8. እቶም ዚቃወሙኻ ብዛዕባና ዚብልዎ ኽፉእ ነገር ስኢኖም ምእንቲ ኪኃፍሩስ፥ ክትምህር ከሎኻ እሙን ብምዃን፥ ብርዝነት፥ መንቅብ ብዘይብሉ ጥዑይ ዘረባ፥ ብዅሉ ሠናይ ግብሪ እናኣዘውተርካ ኣርኣያ ኹኖም።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
3ዮሐ 1 : 8 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]8. እምብኣርከስ ከምኣቶም ምእንቲ እታ ሓቂ ዚዓዩ ክንከውን፥ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ክንቅበሎም ይግብኣና እዩ። 9. ኣነ ናብታ ቤተ ክርስቲያን ሓደ ነገር ጽሒፈ ነይረ፥ እቲ ሓለቓኦም ኪኸውን ዚደሊ ድዮጥራፊስ ግና ኣይቅበለናን እዩ። 10. ስለዚ ኣነ ምስ መጻእኩ ነቲ ንሱ ኽፉእ እናተዛረበ ዚጸርፈና ዘሎ ከዘኻኽረኩም እየ። እዚ ምእካል ኣብይዎ ኸኣ ንሱ ንባዕሉ ነቶም ኣኅዋት ኣይቅበሎምን፥ ነቶም ኪቕበልዎም ዚደልዩ ኸኣ ይኽልክሎም፥ ካብ ቤተ ክርስቲያንውን የውፅኦም ኣሎ። 11. ኣታ ፍቁረይ፥ ነቲ ሠናይ ደኣ እምበር፥ ነቲ እኩይሲ ኣይትስዓቦ። እቲ ሠናይ ዚገብር ካብ ኣምላኽ እዩ፥ እቲ ኽፉእ ዚገብር ንኣምላኽ ኣይረኣዮን። 12. ንድሜጥሮስ ኵላቶም ይምስክሩሉ ኣለዉ፥ እታ ሓቂ ባዕላ ድማ ትምስክረሉ ኣላ። ንሕናውን ንምስክረሉ ኣሎና፥ ምስክርና ሓቂ ከም ዝኾነት ድማ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። 13. ብዙኅ ዝጽሕፈልካ ነይሩኒ፥ ግናኸ ብቐለምን ብብርዕን ክጽሕፈልካ ኣይደሌኹን። 14. ቀልጢፈ ኽርእየካ ተስፋ ኣሎኒ፥ ሽዑ ኣፍ ንኣፍ ክንዘራረብ ኢና። 15. ሰላም ምሳኻ ይኹን። እቶም ፈተውትኻ ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። ነቶም ፈተውትና በብስሞም ሰላም በሎም።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ ሐዋ 7 : 1 - 7 [English][ግእዝ][ልሙድ]1. እቲ ሊቀ ካህናት ከኣ “እዚ ነገር እዚ ኸምኡ ድዩ፧” ኢሉ ሓተቶ። 2. ንሱ ድማ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፡ - “ኣቱም ኣኅዋትናን ኣቦታትናን ስምዑ። ነቦና ኣብርሃም ኣብ ካራን ከይተቐመጠ ገና ኣብ መሰጶታምያ ኸሎ፥ ኣምላኽ ክብሪ ተራእዮ እሞ፥ 3. ‘ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ውፃእ፥ ናብቲ ኣነ ዘርእየካ ምድሪውን ኪድ’ በሎ። 4. ሽዑ ኻብ ምድሪ ከለዳውያን ወፂኡ ኣብ ካራን ተቐመጠ። ኣቦኡ ምስ ሞተ ኸኣ ኣምላኽ ካብኡ ናብዛ ሕጂ እትነብሩላ ዘሎኹም ምድሪ ኣግዓዞ። 5. ኣብኣ ኽንዲ መርገጽ እግሪ እትኣክል እኳ ርስቲ ኣይሃቦን፤ እንተኾነ ውሉድ ዘይብሉ ኸሎ፥ እታ ምድሪ ንእኡን ብድኅሪኡውን ንዘርኡን ከም ዘረስትዮ ኣተስፈዎ። 6. ኣምላኽ ድማ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥ ‘ዘርእኻ ኣብ ምድሪ ባዕዲ ስደተኛ ኪኸውን እዩ፥ ነርባዕተ ሚእቲ ዓመት ከኣ ከም ባርያ ኪገፍዕዎን ኪጭቊንዎን እዮም። 7. ኣነ ግና ነቶም ዝገዝእዎም ሕዝቢ ኽፈርዶም እየ’ ይብል ኣምላኽ፥ ‘ብድኅርዚ ኻብኡ ወፂኦም ኣብዛ ሥፍራ እዚኣ ኬምልኹኒ እዮም።’
ስንክሳር Synaxarium
አባ ስምዖን ሊቀ ጳጳሳትወማርያም እህተ አልዓዛርወጊዮርጊስ ሐዲስወጎርጎርዮስ ዘአርማንያወታኦድራ ቅድስትወካልአን ሰማዕት
መዝሙር Psalm
መዝ 45 : 12 - 13 [English][ግእዝ][ልሙድ]ጓል ጢሮስን ናይ ህዝቢ ሃብታማትን፣ ገጸ በረኸት ሒዞም፣ ሞገስካ ኺደልዩ እዮም። ጓል ንጉስ ኣብ ውሽጢ ዅለንትናኣ ኽብርቲ እያ፣ ክዳውንታ ወርቀዘቦ እዩ።
ወንጌል Gospel
ሉቃ 10 : 38 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]38. ኪኸዱ ኸለዉ ድማ ኢየሱስ ናብ ሓንቲ ዓዲ ኣተወ፤ ማርታ ዝስማ ሓንቲ ሰበይቲ ኸኣ ኣብ ቤታ ተቐበለቶ። 39. ማርያም እትብሃል ኃብቲ ድማ ነበረታ፤ ንሳ ኸኣ ቓሉ ኽትሰምዕ ኣብ ጥቓ እግሪ ኢየሱስ ተቐሚጣ ነበረት። 40. ማርታ ግና ብብዙኅ ምግልጋል ትጽዕር ነበረት። ደው ኢላ ኸኣ፣ “ጐይታይ፥ ኃብተይ ኃዲጋትኒ በይነይ ከገልግልዶ ግዲ የብልካን ኢኻ፧ ክትድግፈኒ እንዶ ንገራ፧” በለቶ። 41. ኢየሱስ ድማ “ማርታ! ማርታ! ብብዙኅ ነገር ትጭነቕን ትስህርን አሎኺ። 42. እቲ ዜድሊ ግና ሓደ ነገር ጥራይ እዩ። ማርያምሲ ካብኣ ዘይውሰድ ሠናይ ግደ ኃርያ ኣላ” ኢሉ መለሰላ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘ፫፻ ምእት(ግሩም)
ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 80 : 8 - 10 [English][ግእዝ][ልሙድ]ጕንዲ ወይኒ ኻብ ግብጺ ኣውጻእካ፣ ኣህዛብ ሰጒጕካውን ተኸልካያ። አብ ቅድሚኣ ቦታ ኣዳሎኻላ።
ወንጌል Gospel
ዮሐ 15 : 5 - 11 [English][ግእዝ][ልሙድ]5. እቲ ጒንዲ ወይኒ ኣነ እየ፥ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም፥ እቲ ኣባይ ዚነብር ኣነውን ኣብኡ፥ ንሱ እዩ ብዙኅ ፍረ ዚፈሪ፤ ምኽንያቱ ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም። 6. ኣባይ ዘይነብር ዘበለ ኸም ጨንፈር ወይኒ ንወፃኢ ተደርብዩ ይነቅጽ፥ ኣኪቦም ድማ ናብ ሓዊ ይድርብይዎ እሞ ይነድድ። 7. ኣባይ እንተ ነበርኩም፥ ቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ኃደረ፥ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይኾነልኩም። 8. ብዙኅ ፍረ እንተ ፈሬኹም ኣቦይ በዚ ኪኸብር እዩ፥ ንስኻትኩም ከኣ ደቀ መዛሙርተይ ክትኮኑ ኢኹም። 9. “ከምቲ ኣቦ ዘፍቀረኒ ኣነውን ኣፍቂረኩም እየ፤ ኣብ ፍቕረይ ንበሩ። 10. ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ሓልየ ኣብ ፍቕሩውን ጸኒዐ ዝነብር ዘሎኹ፥ ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተ ሓሎኹም ኣብ ፍቕረይ ጸኒዕኩም ክትነብሩ ኢኹም። 11. ሓጐሰይ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኺነብር፥ ሓጐስኩምውን ምሉእ ምእንቲ ኪኸውንሲ እዚ ነገርኩኹም። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።
ዘመነ ሉቃስ Readings for Wednesday
ጥቅምቲ 4, 2019 ብግእዝ Oct 14, 2026 ብፈረንጅ
ናይ ንግሆ ( Matin )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 144 : 9 - 10 [English][ግእዝ][ልሙድ]ዎ ኣምላኽ፣ ሓድሽ መዝሙር እዝምረልካ፣ ዓሰርተ ብዘውታሩ በገና እውድሰካ ኣሎኹ። ንነገስታት ዲል ዝሀብካ፣ ንዳዊት ባርያኻ ኻብ ክፉእ ሰይፊ ዘድሐንካ ንስኻ ኢኻ።
ወንጌል Gospel
ማቴ 17 : 24 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]24. ናብ ቅፍርናሆም ምስ መጹ እቶም ግብሪ ቤት መቕደስ ዚቕበሉ ናብ ጴጥሮስ መጺኦም፥ “መምህርኩምሲ ግብሪዶ ኣይከፍልን እዩ፧” በልዎ። 25. ንሱ ድማ “ይኸፍል እባ” ኢሉ መለሰ። ናብ ቤት ምስ ኣተወ ኢየሱስ ኣቐዲሙ “ስምዖን፥ እንታይ ይመስለካ፧ ነገሥታት ምድርስ ግብርን ቀረጽን ካብ መን ይቕበሉ፧ ካብ ደቆምዶ ወይ ካብ ካልኦት” በሎ። 26. ጴጥሮስ ከኣ “ካብ ካልኦት እባ” በለ። ኢየሱስ ከኣ “ደቆምስ እምበኣር ናጻ እዮም፧ 27. ከይንዕንቕፎም ግና ናብ ባሕሪ ኼድካ መቚለብ ዓሣ ደርቢ፥ ነቲ ቕድም እትኅዞ ዓሣ ውሰድ። ኣፉ ምስ ከፈትካ ኣብኡ ሓደ ኣስታቴር ክትረክብ ኢኻ። ንእኡ ወሲድካ ኣብ ክንዳይን ኣብ ክንዳኻን ሃቦም” በሎ። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
ሮሜ 13 : 1 - 8 [English][ግእዝ][ልሙድ]1. ነፍስ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ብዓል ሥልጣን ይገዝኣዮ፥ ከመይ ካብ ኣምላኽ እንተ ዘይኮይኑ ኻልእ ሥልጣን የልቦን። እቶም ዘለዉ ሰብ ሥልጣንውን ብኣምላኽ ዝተሠርዑ እዮም። 2. ስለዚ ኸኣ ንብዓል ሥልጣን ዚቃወም፥ ኣምላኽ ንዝሠርዖ እዩ ዚቃወም፥ እቶም ዚቃወምዎ ድማ ኣብ ገዛእ ርእሶም ፍርዲ ኼምጽኡ እዮም። 3. እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ዚገብሩ እምበር ንሠናይ ዚገብሩ ኣየፍርሁን እዮም። ንበዓል ሥልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ሠናይ ግበር፥ ንሱውን ኪንእደካ እዩ። 4. ከመይ ንሱ ኣምላኽ ንሠናይካ ኢሉ ዝሸሞ ኣገልጋሊ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና ፍራህ፥ ምኽንያቱ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ። ንሱ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ነቲ እኩይ ዝግብሩ ኺቐጽዕ ልኡኽ ቊጥዓ ኣምላኽ እዩ። 5. ስለዚ መቕጻዕቲ ፈሪህኩም ጥራይ ዘይኮነ ሕልናኹም ስለ ዚወቕሰኩምውን ክትግዝኡ ይግብኣኩም እዩ። 6. ንሳቶም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እዮም፥ ኣብዚ ተግባር እዚ ድማ ኸየብኰሩ ተጸሚዶም ኣለዉ። ስለዚ ግቡእኩም እዩ እሞ ግብሪ ኽፈሉ። 7. እምበኣርከስ ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፥ ቀረጽ ንዝግብኦ ቐረጽ፥ ፍርሃት ንዝግብኦ ፍርሃት፥ ክብሪ ንዝግብኦ ኽብሪ፥ ንዅሉ እቲ ዘዚግብኦ ሃብዎ። 8. ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኮይኑ፥ ምስ ሓደ እኳ ዕዳ ኣይሃልኹም። ምኽንያቱ እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
1ይ ጴጥ 2 : 16 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]16. ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብሓርነት ንበሩ እምበር፥ ከምቶም ነቲ ሓርነትሲ መጐልበቢ ኽፍኣት ዚገብርዎ ኣይትኹኑ። 17. ንዅሉ ሰብ ኣኽብሩ፥ ፍቕሪ ኣኅዋት ይሃሉኹም፥ ንኣምላኽ ፍርህዎ፥ ንንጉሥ ኣኽብርዎ። 18. ኣቱም ግዙኣት፥ ነቶም ሕያዎትን ልኡማትን ጐይቶትኩም ጥራይ ዘይኮነስ፥ ነቶም ዓመጽቲውን ከይተረፈ ብዅሉ ኽብሪ ተኣዘዝዎም። 19. ሓደ እኳ ተዓሚጹ ኸሎ ምእንቲ ኣምላኽ ኢሉ እንተ ተዓገሠ፥ ብኣምላኽ ቅቡል እዩ። 20. በደል እናገበርኩም መውቃዕቲ እንተ ተዓገሥኩምከ እንታይ ሓበን ኣለዎ፧ ሠናይ እናገበርኩም መከራ እንተ ተዓገሥኩም ግና እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ። 21. ንስኻትኩምውን ነዚ ኢኹም ዝተጸዋዕኩም፥ ክርስቶስ ድማ ኣሰር ኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ ኢሉ ምእንታኹም መከራ ተቐበለ፥ ኣርኣያውን ኃደገልኩም። 22. “ንሱ ኃጢኣት ኣይገበረን፥ ሓሶትውን ኣብ ኣፉ ኣይተረኽበን።” 23. ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ኣይጸረፈን፥ መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ኣምላኽ ደኣ ነገሩ ኣኅሊፋ ሃበ እምበር ኣየፈራርሀን። 24. ካብ ኃጢኣት ርሒቕና ብጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር ንሱ ባዕሉ ንኃጢኣትና በቲ ኣብ መስቀል ዝተሸንከረ ስብነቱ ፆሮ። ብቚስሉ ኢኹም ዝሓዌኹም። 25. ከመይ ከም ኣባጊዕ ተባሪርኩም ጠፊእኩም ነበርኩም፥ ሕጂ ግና ናብቲ ጓሳኹምን ሓላዊ ነፍሳትኩምን ተመሊስኩም ኣሎኹም።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ ሐዋ 9 : 10 - 20 [English][ግእዝ][ልሙድ]10. ኣብ ደማስቆ ኸኣ ሓደ ሃናንያ ዝስሙ ወደ መዝሙር ነበረ። ንእኡ ጐይታ ብራእይ “ሃናንያ” ኢሉ ጸውዖ፤ ንሱ ከኣ “እኔኹ ጐይታይ” ኢሉ መለሰ። 11. ጐይታ ኸኣ “ተንሥእ እሞ ናብታ ቕንዕቲ ተባሂላ እትጽዋዕ መገዲ ኺድ፤ ሳውል ዚብሃል ሰብኣይ ብዓል ጠርሴስ ይጽሊ ኣሎ እሞ ኣብ ቤት ይሁዳ ድለዮ፤ 12. ንእኡውን ንስኻ ኼድካ፥ ኢድካ ኣንቢርካ ከም ዚርኢ ኽትገብሮ ምዃንካ ብራእይ ገሊጸሉ ኣሎኹ” በሎ። 13. ሃናንያ ኸኣ “ጐይታይ! ብዛዕባ እዚ ሰብኣይዚ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ንቕዱሳንካ ክንደይ ክፉእ ከም ዝገበሮም ካብ ብዙኃት ሰሚዐ ኣሎኹ። 14. ኣብዚ ድማ ነቶም ስምካ ዚጽውዑ ዅሎም ኪኣስር ካብ ሊቃነ ካህናት ሥልጣን ኂዙ መጺኡ ኣሎ” ኢሉ መለሰ። 15. ጐይታ ግና “ኪድ ድኣ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣሕዛብን ነገሥታትን ደቂ እስራኤልን ስመይ ኪፀውር ዘለዎ ናተይ ኅሩይ ኣቕሓ እዩ። 16. ምእንቲ ስመይውን ክንደይ ብዙኅ ሓሳረ መከራ ኪቕበል ከም ዚግብኦ ኸርእዮ እየ” በሎ። 17. ሃናንያ ኸኣ ከደ፥ ናብ ቤትውን ኣተወ፥ ኢዱ ኣብ ልዕሊኡ ኣንቢሩ ኸኣ “ሳውል ኃወይ! እቲ ኽትመጽእ ከሎኻ ኣብ መገዲ ዝተራእየካ ጐይታና ኢየሱስ ክትርእን መንፈስ ቅዱስ ኪመልኣካን ናባኻ ልኢኹኒ” በሎ። 18. ብኡብኡ ኸኣ ካብ ኣዕይንቱ ከም ቅራፍ ዝበለ ረጊፉ ወደቐ እሞ ረኣየ፤ ተንሢኡውን ተጠምቀ። 19. ምግቢ ምስ በልዐ ድማ በርትዐ። 20. ብኡብኡ ድማ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ “ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ እዩ” እናበለ ሰበኸ።
ስንክሳር Synaxarium
አብርሃ ወአጽብሃ ነገሥተ ኢትዮጵያወባኮስ ቢጹ ለሰርጊስወገብረ ክርስቶስወሐናንያ ፩እም ፸ወ፪ አርድእት
መዝሙር Psalm
መዝ 68 : 32 - 34 [English][ግእዝ][ልሙድ]ኢትዮጵያ ቐልጢፋ ኣእዳዋ ናብ ኣምላኽ ክትዝርግሕ እያ። አቱም መንግስትታት ምድሪ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ጥንቲ ሰማየ ሰማያት ዚኸይድ ኣምላኽ ዘምሩ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ።
ወንጌል Gospel
ማቴ 13 : 36 - 43 [English][ግእዝ][ልሙድ]36. ድኅርዚ ነቶም ሕዝቢ ኣፋንዩ ናብ ቤት ኣተወ፥ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ቐሪቦም “ምስላ ናይቲ ኣብ ግራት ዝበቘለ ኽርዳድ ተርጕመልና” በልዎ። 37. ንሱ ድማ ኸምዚ ኢሉ መለሰሎም፡ - “እቲ ጽሩይ ዘርኢ ዚዘርእ ወዲ ሰብ እዩ፥ 38. እታ ግራት ዓለም እያ፥ ጽሩይ ዘርኢ ድማ ደቂ መንግሥቲ እዮም፥ እቲ ኽርዳድ ግና ደቂ እቲ እኩይ እዮም። 39. እቲ ዝዘርኦም ጸላኢ ኸኣ ድያብሎስ እዩ፥ ቀውዒ ድማ መወዳእታ ዓለም እዩ፥ እቶም ዓጻዶውን መላእኽቲ እዮም። 40. እምበኣር ነቲ ኽርዳድ ኣኪቦም ብሓዊ ኸም ዜንድድዎ ኣብ መወዳእታ ዓለም ከኣ ኸምኡ ኺኸውን እዩ። 41. ወዲ ሰብ ንመላእኽቱ ኪልእኮም እዩ፥ ንሳቶም ከኣ ንዅሎም ምኽንያት ኃጢኣት ዝኾኑን ገበርቲ ኽፉእን ካብ መንግሥቱ ኺእክብዎም እዮም። 42. ኣብ እቶን ሓዊ ኺድርብይዎም እዮም፥ ኣብኡ ድማ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ። 43. ሽዑ ጻድቃን ኣብ መንግሥቲ ኣቦኦም ከም ፀጸሓይ ኪበርሁ እዮም፥ እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ። ተቐቢሩ ዝተረኽበ ወርቅን ዕንቊን ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘቄርሎስ አው ዘባስልዮስ
ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 32 : 1 - 2 [English][ግእዝ][ልሙድ]ኣበሳኡ እተሐድገሉ፣ ሓጢኣቱ እተሰወረሉ ሰብ ብጹእ እዩ። እግዚኣብሄር በደሉ ዘይጽብጽበሉ፣ ኣብ መንፈሱውን ልግሚ ዜብሉ ሰብ ብጹእ እዩ።
ወንጌል Gospel
ማር 11 : 22 - 26 [English][ግእዝ][ልሙድ]22. ኢየሱስ ከኣ ኸምዚ ኢሉ መለሰሎም፡ - “ብኣምላኽ እመኑ። 23. እቲ ብልቡ ኸይተጠራጠረ እቲ ዚልምኖ ከም ዚፍጸም ዚኣምን ኵሉ፥ ነዚ እምባ እዚ ‘ካብዚ ተላዒልካ ናብቲ ባሕሪ ተወርወር’ እንተ በሎ ንእኡ ከም ዚኾነሉ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 24. ስለዚ እትጽልይዎን እትልምንዎን ዘበለ ኸም ዝተቐበልኩምዎ እመኑ እሞ ኪኾነልኩም እዩ፥ እብለኩም ኣሎኹ። 25. ደው ኢልኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም ከኣ ሰማያዊ ኣቦኹም በደልኩም ምእንቲ ኺኃድገልኩም፥ ንብጻይኩም ዝኃዝኩምሉ በደል እንተሎ፥ ኅደጉሉ። 26. ንስኻትኩም እንተ ዘይኃደግኩም ግና እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ድማ በደልኩም ኣይኃድገልኩምን እዩ።” እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ!
ዘመነ ሉቃስ Readings for Thursday
ጥቅምቲ 5, 2019 ብግእዝ Oct 15, 2026 ብፈረንጅ
ናይ ንግሆ ( Matin )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 100 : 3 - 4 [English][ግእዝ][ልሙድ]እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ምዃኑ ፍለጡ፣ ንሱ ገበረና፣ ባዕላትና ኣይኰንናን፣ ንሕናስ ህዝቡን ኣባጊዕ መጓሴኡን ኢና። አብ ደጌታቱ ብምስጋና፣ አብ አጸዱውን ብውዳሴ እተዉ፣ አመስግንዎ ንስሙ ኸኣ ባርኹ።
ወንጌል Gospel
ዮሐ 10 : 1 - 14 [English][ግእዝ][ልሙድ]1. ኣስዒቡ ኸኣ ኢየሱስ ከምዚ በለ፦ “እቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ብኣፍ ደገ ዘይኣቱ፥ ብኻልእ ወገን ዚሓኵር፥ ንሱ ሰራቕን ጒሒላን ከም ዝኾነ ብሓቂ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 2. እቲ ብኣፍ ደገ ዚኣቱ ግና ንሱ ጓሳ ኣባጊዕ እዩ። 3. ንእኡ እቲ ሓላው ኣፍ ደገ ይኸፍተሉ፥ እተን ኣባጊዕውን ድምፁ ይሰምዓ፥ ነተን ኣባጊዑ ኸኣ በብስመን ጸዊዑ የውፍረን። 4. ንዅለን ነተን ኣባጊዑ ምስ ኣውፈረን ድማ ቀቅድሚአን ይኸይድ፥ እተን ኣባጊዑውን ድምፁ ስለ ዘለልያ ይስዕባኦ። 5. ንጓና ግና ድምፁ ስለ ዘየለልያ፥ ኻብኡ ይገልባ እምበር ኣይስዕባኦን እየን።” 6. ኢየሱስ ነዚ ምስላ እዚ መሰለሎም፥ ንሳቶም ግና ነቲ ዝተዛረቦም ኣየስተውዓልዎን። 7. ስለዚውን ኢየሱስ ከም ብሓድሽ ከምዚ በሎም፦ “ብሓቂ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፥ እቲ ኣፍ ደገ ኣባጊዕ ኣነ እየ። 8. እቶም ቅድመይ ዝመጹ ዅላቶም ሰረቕትን ጐሓሉትን እዮም፥ እተን ኣባጊዕ ግና ኣይሰምዓኦምን እየን። 9. እቲ ኣፍ ደገ ኣነ እየ፤ ብኣይ ዚኣቱ ኪድኅን እዩ፤ ኪኣቱን ኪወፍርን እዩ፤ መጓሰዪውን ኪረክብ እዩ። 10. ሰራቒ ኪሰርቕን ኪሓርድን ኬጥፍእን እንተ ዘይኮይኑ ኣይመጽእን እዩ፤ ኣነ ግና ሕይወት ምእንቲ ኺረኽባ፥ ብምልኣትውን ምእንቲ ኺረኽባ እየ ዝመጻእኩ። 11. “ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ፥ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ሕይወቱ በጃ ኣባጊዑ ኣኅሊፉ ይህብ። 12. እቲ ጓሳ ዘይኮነ ብዓል ዓስቢ ግና፥ እተን ኣባጊዕ ዘይጥሪቱ ስለ ዝኾና ተዅላ ኪመጽእ እንተ ረኣየ፥ ነተን ኣባጊዕ ኃዲግወን ይሃድም፥ እቲ ተዅላ ድማ ነተን ኣባጊዕ ይዝርፈን ፋሕውን የብለን። 13. ብዓል ዓስቢ ስለ ዝኾነ ይሃድም፥ ግዲ እተን ኣባጊዕውን የብሉን። 14. - ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
2ይ ተሰ 2 : 13 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]13. ነቲ ኻባና ዝሰማዕኩሞዎ ቓል ኣምላኽ ምስ ተቐበልኩምዎ ከምቲ ኣባኻትኩም ኣብቶም ኣመንቲ፥ ዚዓዮ ዘሎ፥ ከምቲ ሓቁ ኸም ቃል ኣምላኽ እምበር፥ ከም ቃል ሰብ ስለ ዘይተቐበልኩሞዎ፥ ንሕና ኸየቋረጽና ንኣምላኽ ነመስግኖ ኣሎና። 14. ኣኅዋተይ፥ ንስኻትኩም ነተን ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዚነበራ፥ ኣብ ይሁዳ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን ኣምላኽ መሲልኩምወን ኢኹም። ከመይ ከምቲ ንሳተን ብኣይሁድ ሓሰራ መከራ ዝጸገባ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ ብደቂ ዓድኹም መከራ ጸጊብኩም ኢኹም። 15. - 16. ኣይሁድ ንጐይታና ኢየሱስን ንነብያትን ቀተልዎም፥ ንኣና ኸኣ ኣሳደዱና። ኣሕዛብ ምእንቲ ኺድኅኑ ንሕና ወንጌል ከይንሰብከሎም ብምኽልካሎም ንእግዚኣብሔር ኣየሓጐስዎን። ምስ ኵሉ ሰብ ኸኣ ይጻልኡ ኣለው። በዚ ኸኣ ከም ቀደሞም መስፈር ኃጢኣቶም ይመልኡ ኣለው። ግናኸ ቚጥዓ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኦም ድሮ ወሪዱ ኣሎ። 17. እንተኾነ፥ ኣኅዋተይ፥ ብልቢ ምሳኹም ከሎናስ ንሓጺር ጊዜ ካባኻትኩም ተፈሊና ስለ ዝነበርና፥ ገጽኩም ክንርእየኩም ብዙኅ ናፍቆትን ሃረርታን ነይሩና። 18. ስለዚ ናባኻትኩም ክንመጽእ ደሊና ኔርና። ኣነ ጳውሎስ እኳ ደጋጊመ ኽመጽእ ፈቲነ ነይረ። ግናኸ ሰይጣን ዓገተና። 19. ከመይ ተስፋና ወይ ሓጐስና ወይ ኸኣ ኣብ ካልኣይ ምጽኣቱ ኣብ ቅድሚ ጐይታና ኢየሱስ እንምክሓሉ ኣኽሊልና መን ድዩ፧ ንስኻትኩምዶ ኣይኮንኩምን፧ 20. ብርግጽ ክብርናን ሓጐስናን ንስኻትኩም ኢኹም።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
1ይ ጴጥ 4 : 12 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]12. ኣቱም ፍቁራተይ፥ ከም ሓዊ ዚባላዕ ፈተና ኺረኽበኩም ከሎ፥ ሓደ ሓዱሽ ነገር ከም ዝበጽሓኩም ኴንኩም ኣይትገረሙ። 13. ንሱ ብግርማ ኺግለጽ ከሎ ኣዝዩ ባህ ኪብለኩም እዩ እሞ ኣብ ሥቓይ ክርስቶስ ክትካፈሉ ኸሎኹም ተሓጐሱ። 14. ምእንቲ ስም ክርስቶስ እንተ ተጸረፍኩም፥ እቲ ኽቡር መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ስለ ዚኃድር ተሓጐሱ። 15. ሓደ እኳ ኻባኻትኩም ቀታሊ፥ ወይ ሰራቒ፥ ወይ ገባር ክፋእ፥ ወይ ኣብ ነገር ካልኦት ኢዱ ዜእቱ ብምዃኑ ስቓይ ዚቕበል ኣይሃሉኹም። 16. ክርስቲያን ብምዃን እንተ ተሳቐየ ግና፥ ስለ እዚ ስም እዚ ንኣምላኽ የመስግን እምበር ኣይኅፈር። 17. ጊዜ ፍርዲ ቐሪቡ እዩ፥ ዚጅምሮ ኸኣ በቶም ኣብ ቤት ኣምላኽ ዘለዉ እዩ። ብኣና ዚጅምር ካብ ኮነኸ፥ መወዳእታ እቶም ንወንጌል ኣምላኽ ዘይእዘዙ ደኣ እንታይ ኪኽውን እዩ፧ 18. “እቲ ጻድቕ ብኃይሊ ገደል ዚድኅን ካብ ኮነኸ፥ እቲ ዓማጽን ኃጥእን ደኣ እንታይ ኪኸውን እዩ፧” 19. እምበኣር እቶም ከም ፍቓድ ኣምላኽ ዚሳቐዩ፥ ሠናይ እናገበሩ ንገዛእ ርእሶም ኣብቲ እሙን ፈጣሪ የማኅጽኑ።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ ሐዋ 16 : 22 - 28 [English][ግእዝ][ልሙድ]22. እቲ ሕዝቢ ኸኣ ኣብ ልዕሊኦም ተንሢኡ ተጻብኦም፥ እቶም ሮማውያን ሰበ ሥልጣን ድማ ክዳውንቶም ገፊፎም ብበትሪ ኪዘብጥዎም ኣዘዙ። 23. ብዙኅ ምስ ገረፍዎም ከኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም፤ ነቲ ሓላው ቤት ማእሰርቲ ድማ ኣጽኒዑ ኪሕልዎም ኣዘዝዎ። 24. ንሱ ነዚ ትእዛዝ እዚ ምስ ተቐበለ ኸኣ፥ ናብቲ ዝወሸጠ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎም፤ ኣእጋሮም ድማ ብመቚሕ ጒንዲ ኣጽኒዑ ኣሰሮም። 25. ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ድማ፥ ጳውሎስን ሲላስን እናጸለዩ፥ ንኣምላኽ ብመዝሙር የመስግኑ ነበሩ፤ እቶም ካልኦት እሱራት ከኣ ይሰምዕዎም ነበሩ። 26. ብሃንደበት ድማ፥ መሠረት እታ ቤት ማእሰርቲ ኽሳብ ዚናወጽ፥ ብርቱዕ ምንድቕዳቕ ምድሪ ኾነ፤ ብኡብኡ ኸኣ ኵሉ እቲ መዓጹ ተኸፍተ፥ ናይ ኵላቶም መቓውሕውን ተፈትሐ። 27. እቲ ሓላው ቤት ማእሰርቲ ምስ ተበራበረ ኸኣ መዓጹ እታ ቤት ማእሰርቲ ተኸፊቱ ረኣየ፤ እቶም እሱራት ዝመለቑ መሲልዎ ድማ ሰይፉ መሊሑ ባዕሉ ንባዕሉ ኪቐትል ደለየ። 28. ጳውሎስ ግና ዓው ኢሉ “ርእስኻ ኣይትጒዳእ፥ ኵላትና ኣብዚ ኣሎና” በሎ።
ስንክሳር Synaxarium
ጳውሎስ ሊቀ ጳጳሳት ዘቁስጥንጥያወኪራኮስ ሰማዕት ዘአርአየ መካነ መስቀልወያዕቆብ ወልደ እልፍዮስ
መዝሙር Psalm
መዝ 119 : 1 - 2 [English][ግእዝ][ልሙድ]ብመገዶም ፍጹማት ዝዀኑ፣ ብሕጊ እግዚኣብሄር ዚመላለሱ ብጹኣን እዮም። ምስክራቱ ዚሕልዉ፣ ብምሉእ ልቢ ዚደልይዎ ብጹኣን እዮም።
ወንጌል Gospel
ማቴ 18 : 23 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]23. “ስለዚ መንግሥተ ሰማያት ምስ ኣግልገልቱ ኪጸባጸብ ዝደለየ ንጉሥ ትመስል። 24. ኪጸባጸብ ምስ ጀመረ ዓሠርተ ሽሕ መክሊት፥ ዕዳ ዘለዎ ሰብ ኣምጽእሉ። 25. ዚፈድዮ ምስ ሰኣነ ግና እቲ ጐይታኡ ንሱን ሰበይቱን ደቁን ዘለዎ ሃብቲ ዅሉን ኪሸይጥ እሞ እቲ ዕዳ ኪኸፍል ኣዘዘ። 26. እቲ ኣገልጋሊ ድማ ናብ እግሩ ተደፊኡ ‘ጐይታይ፥ ተዓገሠኒ ድኣ እምበር ኵሉ ኽፈድየካ እየ’ እናበለ ሰገደሉ። 27. እቲ ጐይታኡ ድማ ነቲ ኣገልጋሊ ደንገጸሉ እሞ ፈትሖ፥ ዕዳኡውን ኃደገሉ። 28. እቲ ኣገልጋሊ ምስ ወፀ ግና፥ ካብቶም ብጾቱ ሚእቲ ዲናር ዕዳ ዘለዎ ሓደ ኣገልጋሊ ረኸበ እሞ፥ ‘ኣባኻ ዘሎ ዕዳ ፍደየኒ’ ኢሉ ሓኒቑ ኃዞ። 29. ሽዑ እቲ ብጻዩ ኣገልጋሊ ‘ተዓገሠኒ፥ ኵሉ ኽፈድየካ እየ’ እናበለ ተደፊኡ ለመኖ። 30. ንሱ ግና ኣበዮ፥ ከይዱ ድማ ክሳዕ ዕዳኡ ዚፈድዮ ኣእሰሮ። 31. እቶም ብጾቱ ኣገልገልቲ ድማ እቲ ዝገበሮ ነገር ርእዮም ኣዝዮም ጐሃዩ፥ ከይዶምውን እቲ ዝዀነ ዅሉ ነገር ንጐይታኦም ነገርዎ። 32. ሽዑ ጐይታኡ ጸዊዑ ‘ኣታ ሕሱም ኣገልጋሊ፥ ኣነ ስለ ዝለመንካኒ ብዘሎ ዕዳኻ ኃደግኩልካ። 33. ንስኻኸ ከምቲ ኣነ ዝመሓርኩኻዶ ነቲ ብጻይካ ኽትምሕሮ ኣይምተገብኣካን፧’ በሎ። 34. ጐይታኡ ኸኣ ተቔጢዑ ዅሉ ዕዳኡ ፈጺሙ ክሳዕ ዚፈዲ ንዜሳቕይዎ ኣኅሊፉ ሃቦ። 35. እምበኣር ንስኻትኩም ድማ ነፍስ ወከፍኩም ንኃዉ ካብ ልቡ በደሉ እንተ ዘይኃዲጉሉ፥ ሰማያዊ ኣቦይውን ከምኡ ኺገብረኩም እዩ።” ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘ፫፻ ምእት(ግሩም)
ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 118 : 19 - 20 [English][ግእዝ][ልሙድ]ብእኤን አትየ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖስ፣ ደጌታት ጽድቂ ኽፈቱለይ። ደገ እግዚኣብሄር እዚኣ እያ፣ ጻድቃን ብእኣ ኺአትዉ እዮም።
ወንጌል Gospel
ዮሐ 10 : 7 - 10 [English][ግእዝ][ልሙድ]7. ስለዚውን ኢየሱስ ከም ብሓድሽ ከምዚ በሎም፦ “ብሓቂ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፥ እቲ ኣፍ ደገ ኣባጊዕ ኣነ እየ። 8. እቶም ቅድመይ ዝመጹ ዅላቶም ሰረቕትን ጐሓሉትን እዮም፥ እተን ኣባጊዕ ግና ኣይሰምዓኦምን እየን። 9. እቲ ኣፍ ደገ ኣነ እየ፤ ብኣይ ዚኣቱ ኪድኅን እዩ፤ ኪኣቱን ኪወፍርን እዩ፤ መጓሰዪውን ኪረክብ እዩ። 10. ሰራቒ ኪሰርቕን ኪሓርድን ኬጥፍእን እንተ ዘይኮይኑ ኣይመጽእን እዩ፤ ኣነ ግና ሕይወት ምእንቲ ኺረኽባ፥ ብምልኣትውን ምእንቲ ኺረኽባ እየ ዝመጻእኩ። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።
ዘመነ ሉቃስ Readings for Friday
ጥቅምቲ 6, 2019 ብግእዝ Oct 16, 2026 ብፈረንጅ
ናይ ንግሆ ( Matin )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 75 : 1 - 2 [English][ግእዝ][ልሙድ]ነመስግነካ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ነመስግነካ ኣሎና፣ ስምካ ቐረባ እዩ፣ ሰብ ንተአምራትካ የዘንትውዎ።
ወንጌል Gospel
ማቴ 10 : 32 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]32. “ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝተኣመነኒ ዅሉ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክእመኖ እየ። 33. ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝኸሓደኒ ግና፥ ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክኽሕዶ እየ። 34. “ኣነ ናብ ምድሪ ሰላም ከውርድ ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም፥ ኲናት ደኣ እምበር ሰላም ከውርድ ኣይመጻእኩን። 35. ወዲ ኻብ ኣቦኡ፥ ጓል ካብ ኣዲኣ፥ መርዓት ካብ ሓማታ ኽፈላሊ እየ ዝመጻእኩ። 36. ንሰብ ከኣ ጸላእቱ ቤተ ሰቡ ኪኾኑ እዮም። 37. እቲ ነቦኡ ወይ ነዲኡ ካባይ ኣብሊጹ ዜፍቅር ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ። ካባይ ንወዱ ወይ ንጓሉ ኣብሊጹ ዜፍቅርውን ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ። 38. እቲ መስቀሉ ፀይሩ ደድኀረይ ዘይስዕብ ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ። 39. ንሕይወቱ ዚረኽባ ኼጥፍኣ እዩ፥ ንሕይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ኸኣ ኪረኽባ እዩ። 40. “ንኣኻትኩም ዚቕበል ንኣይ ይቕበል፥ እቲ ንኣይ ዚቕበል ድማ ነቲ ዝለኣኸኒ ይቕበሎ። 41. ንነቢይ ብስም ነቢይ ዚቕበል ዓስቢ ነቢይ ይረክብ፥ እቲ ንጻድቕ ብስም ጻድቕ ዚቕበል ዓስቢ ጻድቕ ይረክብ። 42. ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ብስም ወደ መዝሙር ዝሑል ብርጭቆ ማይ ጥራይ ዜስቲ፥ ዓስቡ ከቶ ከም ዘይስእን ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።” ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
1ይ ጢሞ 5 : 5 - 10 [English][ግእዝ][ልሙድ]5. እታ ሓጋዚ ዘይብላ መበለት ግና፥ ተስፋኣ ኣብ እግዚኣብሔር ገይራ፥ ምእንቲ ኪረድኣ ለይትን መዓልትን ብምህለላን ጸሎትን እያ እትጸንዕ። 6. እታ ብደስታ እዚ ዓለም እዚ ጥራይ እትነብር ግና፥ ብሕይወታ ኸላ ዝሞተት እያ። 7. ብዘይ መንቅብ ምእንቲ ኪኾኑስ፥ እዚ ድማ አዝዝ። 8. ሓደ እኳ ነቶም ኣዝማዱ፥ ምናዳ ግና ንስድራኡ፥ ዘይሐሊ እንተሎ፥ ንሱ እምነቱ ዝኸሐደ ኻብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ። 9. - 10. ካብ ስሳ ዓመት ንላዕሊ ዝዕድሜኣ፥ ሰበይቲ ሓደ ሰብኣይ ዝነበረት፥ ንሠናይ ግብሪ ብምስዓባ ዝተመስከረላ፥ ደቃ ብዝግባእ ዘዕበየት፥ ጋሻ ብምቕባል፥ እግሪ ኣመንቲ ብምሕጻብ፥ ንዝጸበቦ ብምርሃው፥ ንሠናይ ግብሪ ዘበለ ድማ ገዛእ ርእሳ ዝወፈየት መበለት፥ ምስተን መበላሉ ትቈጸር።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
1ይ ጴጥ 5 : 8 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]8. ዲያብሎስ፥ እቲ መጻርርትኹም፥ ዚውሕጦ ደልዩ ከም ዚጓዝም ኣንበሳ ይዘውር ኣሎ እሞ ተጠንቀቑ፥ ንቕሑ። 9. ኣብ እምነት ጸኒዕኩም ተቓወምዎ፥ ምኽንያቱ ነቶም ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ ኣኅዋትኩምውን እዚ መከራ እዚ ይበጽሖም ከም ዘሎ ትፈልጡ ኢኹም። 10. እቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ናብ ናይ ዘለዓለም ክብሩ ዝጸወዓኩም፥ ኣምላኽ ዅሉ ጸጋ፥ ቊሩብ ጊዜ ሓሰረ መከራ ምስ ጸገብኩም፥ ንሱ ፍጹማት ኪገብረኩም፥ ኬጽንዓኩም፥ ኬበርትዓኩም፥ ኪሥርተኩምውን እዩ። 11. ንዘለዓለም ዓለም ንእኡ ኽብርን ሥልጣንን ይኹን። ኣሜን። 12. በቲ እሙን ምዃን ኣነ ዝፈልጦ ስልዋኖስ ኃውና ገይረ ነዛ ሓጻር መልእኽቲ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ። እዚ ኸኣ ከተባብዓኩምን እዚ ናይ ሓቂ ጸጋ ኣምላኽ ምዃኑ ኽምስክርን ኢለ እየ። ኣብዚ ጸጋ እዚ ጸኒዕኩም ደው በሉ። 13. እታ መተኃርይትኹም ዝኾነት ኣብ ባቢሎን እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ሰላም ትብለኩም ኣላ። ማርቆስ ወደይውን ሰላም ይብለኩም ኣሎ። 14. ብክርስቲያናዊ ፍቕሪ እናተሰዓዓምኩም ንሓድሕድኩም ሰላም ተበሃሃሉ። ብክርስቶስ ዘሎኹም ኵላትኩም ሰላም ይሃልኹም። ኣሜን።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ ሐዋ 17 : 31 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]31. በቲ ንሱ ዝሸሞ ሰብኣይ ገይሩ ንዓለም ብጽድቂ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ኣሎ፤ ነዚ ንዅሉ ሰብ ዘረጋገጾ ነቲ ዝኃረዮ ሰብኣይ ካብ ምውታት ብምትንሣኡ እዩ።” 32. ብዛዕባ ትንሣኤ ምውታት ምስ ሰምዑ ገሊኦም ኣላገጹሉ፥ ገሊኦም ከኣ፥ “እዝስ ከም ብሓድሽ ክንሰምዓካ ንደሊ ኢና” በልዎ። 33. ሽዑ ጳውሎስ ካብ ማእከሎም ወፂኡ ኸደ። 34. ገሊኣቶም ሰባት ከኣ ኣሚኖም ሰዓብዎ፥ ንሳቶም ድማ ሓደ ኻብቶም ናይ ኣርዮስፋጎስ ባይቶ፥ ዲዮናስዮስ ዚብሃልን፥ ደማሪስ እትብሃል ሰበይትን፥ ከምኡውን ካልኦት ሰባት ምስኣቶም ነበሩ።
ስንክሳር Synaxarium
ሐና ነብይትወአባ ጰንጠሌዎንወዕንባቆም ወዲዮናስዮስ ዘሃገረ አቴናወተዝካረ ሄኖክ ወልደ ሴትወ፺፻ ወ፰ቱ ማኅበረ ጰንጠሌዎን
መዝሙር Psalm
መዝ 113 : 9 - 10 [English][ግእዝ][ልሙድ]ንመኻን፣ አደ ቘልዑ ገይሩ፣ አብ ቤት ብሓጐስ የንብራ። ንመኻን፣ አደ ቘልዑ ገይሩ፣ አብ ቤት ብሓጐስ የንብራ።
ወይ
መዝ 102 ፡ 3 - 5
ምብላዕ እንጌራይ ረሲዔዮ እየ እሞ፣ ልበይ ከም ሳዕሪ ጸምለወን ነቐጸን። ካብ ድምጺ ገዓረይ እተላዕለ አዕጽምተይ አብ ስጋይ ተጣበቐ።
ወይ
መዝ 102 ፡ 7 - 8
ተጋህኩ፣ ከምቲ አብ ናሕሲ በይኑ ዘሎ ዑፍ ከኣ እየ። ምሉእ መዓልቲ ጸላእተይ የላግጹለይ፣ ተጻረርተይ ብስመይ ይረግሙ ኣለዉ።
ወንጌል Gospel
ሉቃ 2 : 36 - 39 [English][ግእዝ][ልሙድ]36. ካብ ነገደ ኣሴር ሃና እትብሃል ጓል ፋኑኤል፥ ኣዝያ ዝኣረገት ነብዪት ነበረ፤ ካብ ድንግልናኣ ኂዛ ድማ ምስ ሰብኣያ ሾብዓተ ዓመት ገበረት። 37. ንሳ ሰማንያን ኣርባዕተን ዓመት ዝዕድሚኣ መበለት እያ። ካብ ቤተ መቕደስ ከይወፀት ከኣ ብጾምን ብጸሎትን ለይትን መዓልትን ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት። 38. ንሳውን ሽዑ ናብኡ መጺኣ ንኣምላኽ ኣመስገነቶ፤ ነቶም ምድኃን ኢየሩሳሌም ዚጽበዩ ዅሎም ከኣ ብዛዕባኡ ተዛረበቶም። 39. ከምቲ ሕጊ እግዚኣብሔር ዚእዝዞ ዅሉ ምስ ፈጸሙ፥ ንገሊላ ናብ ናዝሬት ዓዶም ተመልሱ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘእግዝእትነ ማርያም(ጐሥዓ)
ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 113 : 9 - 10 [English][ግእዝ][ልሙድ]ንመኻን፣ አደ ቘልዑ ገይሩ፣ አብ ቤት ብሓጐስ የንብራ። ንመኻን፣ አደ ቘልዑ ገይሩ፣ አብ ቤት ብሓጐስ የንብራ።
ወንጌል Gospel
ማቴ 15 : 22 - 28 [English][ግእዝ][ልሙድ]22. ንሱ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰላን። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ቐሪቦም “ደድኅሬና ትጠርዕ ኣላ እሞ ኣፋንዋ” ኢሎም ለመንዎ። 23. ንሱ ግና “ብዘይካ ናብተን ዝጠፉኣ ኣባጊዕ ቤት እስራኤል ኣይተለኣኽኩን” ኢሉ መለሰ። 24. ንሳ ድማ “ጐይታይ ርድኣኒ” እናበለት ቀሪባ ሰገደትሉ። 25. ንሱ ኸኣ መሊሱ “እንጌራ ውሉድ ኣልዒልካ ነኽላባት ምሃብ ጽቡቕ ኣይኮነን” በላ። 26. ንሳ ኸኣ “እወ ጐይታይ፥ ኣኽላባት ውን እምበር ካብ መኣዲ ጐይተቶም ዝወደቐ ርፍራፍ ይበልዑ እዮም” በለቶ። 27. ሽዑ ኢየሱስ “ኣቲ ሰበይቲ፥ እምነትኪ ዓቢይ እዩ፥ ከምቲ ዝደሌኽዮ ይኹነልኪ” ኢሉ መለሰላ። በታ ሰዓት እቲኣ ኸኣ ጓላ ሓወየት። ኢየሱስ ብዙኃት ሕሙማት ከም ዘሕወየ 28. ኢየሱስ ካብኡ ኃሊፉ ብወሰን ባሕሪ ገሊላ ኸደ፥ ናብ እምባ ደይቡ ድማ ኣብኡ ተቐመጠ። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ዘመነ ሉቃስ Readings for Saturday
ጥቅምቲ 7, 2019 ብግእዝ Oct 17, 2026 ብፈረንጅ
ናይ ንግሆ ( Matin )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 2 : 11 - 12 [English][ግእዝ][ልሙድ]ንእግዚኣብሄር ብፍርሃት ኣገልግልዎ፣ ብረዓድ ከኣ ተሐጐሱ። ኵራኡ ቐልጢፉ ይነድድ እዩ እሞ፣ ከይዅሪ፣ ኣብ መገዲ ኸሎኹም ድማ ከይትጠፍኡስ፣ ንወዱ ስዐምዎ።
ወንጌል Gospel
ማቴ 20 : 1 - 16 [English][ግእዝ][ልሙድ]1. “መንግሥተ ሰማያት ነታኽልቲ ወይኑ፥ ሰብ ውዕለት ኪደሊ ኣንጊሁ ዝወፀ ብዓል ቤት ትመስል። 2. ምስቶም ሰብ ውዕለት፥ ንነፍስ ወከፎም ንመዓልቲ ሓደ ዲናር ኪህቦም ምስ ተሳማምዐ ናብ ኣታኽልቲ ወይኑ ሰደዶም። 3. ብሣልሰይቲ ሰዓት ናይ መዓልቲ ኣቢሉ ምስ ወፀ ድማ ሥራሕ ዘይብሎም ካልኦት ኣብ ዕዳጋ ቐንፈዘው ኪብሉ ረኣየ። 4. ንኣታቶም ከኣ ‘ንስኻትኩምውን ናብቲ ኣታኽልቲ ወይነይ ኺዱ እሞ እቲ ዝግባእ ክህበኩም እየ’ በሎም። ንሳቶም ከኣ ኸዱ። 5. ከም ብሓድሽ ድማ ብሳድሰይትን ብታስዐይትን ሰዓት ናይ መዓልቲ ወፂኡ ከምኡ ገበረ። 6. ኣብ መበል ዓሠርተው ሓደ ሰዓት ናይ መዓልቲ ኣቢሉ ወፂኡ ድማ፥ ካልኦት ቀንፈዘው ዚብሉ ረኸበ፥ ‘ንምንታይ ምሉእ መዓልቲ ብዘይ ሥራሕ ኣብዚ ዘዘው እትብሉ፧’ በሎም። 7. ንሳቶም ከኣ ‘ውዕለት ዜውዕለና ስለ ዝስኣንና’ በልዎ። ‘ሕራይ እንበኣር ንስኻትኩም ውን ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺዱ’ በሎም። 8. “ምስ መሰየ እቲ ብዓል ኣታኽልቲ ወይኒ ንኣዛዝ ቤቱ ‘ነቶም ሰብ ውዕለት ጸውዓዮም፥ ካብቶም ዳኅሮት ጀሚርካ ኸኣ ክሳዕ እቶም ቀዳሞት ውዕለቶም ሃቦም’ በሎ። 9. እቶም ሰብ መበል ዓሥርተው ሓደ ሰዓት ናይ መዓልቲ ቐሪቦም ደዲናሮም ተቐበሉ። 10. እቶም ቀዳሞት ምስ ቀረቡ ኸኣ ካብቶም ዳኅሮት ዚበዝኅ ዚቕበሉ መሰሎም፥ ግናኸ ንሳቶምውን ደዲናሮም ተቐበሉ። 11. - 12. ምስ ተቐበሉ ኸኣ ‘ነዞም ሓንቲ ሰዓት ዝሥረሑ ዳኅሮት ምስ እዞም ድኻም መዓልቲን ሃሩርን ዝፆርና ኣዳላደልካዮም’ እናበሉ ኣብ ልዕሊ እቲ በዓል ቤት ኣዕዘምዘሙ። 13. ንሱ ኸኣ ንሓደ ኻብኣቶም ‘ዓርከይ ኣይዓመጽኩኻን፥ ብሓደ ዲናርዶ ኣይተሰማማዕካንን፧ 14. ዚብጽሓካ ደኣ ኂዝካ ኺድ፥ ነዚ ዳኅራይ ድማ ክንዲ ናትካ ኽህቦ ፍቓደይ እዩ። 15. ወይ ድማ ብገንዘበይ ዝደሌኽዎ ኽገብርዶ ኣይግበኣንን እዩ፧ ወይስ ኣነ ሕያዋይ ስለ ዝኾንኩ ዓይንኻዶ ቐናእ እዩ፧’ ኢሉ መለሰሉ። 16. “ከምኡኸስ ጽዉዓት ብዙኃት ኅሩያት ግና ውሑዳት እዮም እሞ ዳኅሮት ቀዳሞት፥ ቀዳሞትውን ዳኅሮት ኪዀኑ እዮም።” ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
2ይ ቆሮ 11 : 23 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]23. ኣገልገልቲ ክርስቶስ ድዮም፧ ከም ጽሉል ደኣ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ እምበር፥ ኣነ እበልጾም። ኅልፊኦም ዝጸዓርኩ፥ ብዙኅ ጊዜ ዝተኣሰርኩ፥ ብዙኅ ጊዜ ዝተገረፍኩ፥ ብዙኅ ጊዜ ኣብ ኣፍ ሞት ዝበጻሕኩ እየ። 24. ኃሙሽተ ጊዜ፥ ነርብዓ ጭጕራፍ ሓደ ጐደል፥ ብኣይሁድ ተገረፍኩ። 25. ሠለስተ ሳዕ ብሽመል ተዘበጥኩ፥ ሓደ ሳዕ ብዳርባ እምኒ ተቐጥቀጥኩ። ሠለስተ ሳዕ እታ ዝነበርክዋ መርከብ ተሰብረትኒ። ሓደ ለይትን ሓደ መዓልትን ኣብ ባሕሪ ገበርኩ። 26. ብዙኅ ጊዜ መንገደኛ ኾይነ ነበርኩ። ብውሕጅን ብኸተርትን ኸኣ ተጨነቕኩ፥ ብኣይሁድን ብኣሕዛብን ተጨነቕኩ፥ ኣብ ከተማን ኣብ በረኻን ኣብ ባሕርን ተጨነቕኩ፥ በቶም ሓሰውቲ ኣኅዋት ተጨነቕኩ። 27. ብዕዮ፥ ብፃዕሪ፥ ድቃስ ለይቲ ብምስኣን፥ ብጥሜት፥ ብጽምኢ፥ ብስእነት መግቢ፥ ኣብ ጥራይ ዝባነይ ቍሪ ብምቕባል ነበርኩ። 28. ኣብ ርእሲ እዚ ዅሉ ኸኣ፥ እቲ ብዛዕባ ዅለን ኣብያተ ክርስቲያን ዘሎኒ ኃልዮት ኣብ ጸጽባሕ የጽብበለይ ኣሎ። 29. ሓደ ኺደክም ከሎ ኣነ ኸኣ እደክም፥ ሓደ ብኃጢኣት ኪወድቕ ከሎ ኣነ ኸኣ እኃዝን። 30. እንተ ደኣ ኽምካሕ ኮይነ ግና ብድኻመይውን ክምካሕ እየ። 31. እቲ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ዝኾነ ኣምላኽ፥ ስሙ ንዘልዓለም ይመስገን ኣነ ከም ዘይሕሱ ይፈልጥ እዩ። 32. ኣብ ደማስቆ፥ እቲ ኣብ ትሕቲ ንጉሥ ኣርስጣስዮስ ኮይኑ ዜመኃድር ዝነበረ ምስለኔ፥ ኺኅዘኒ ደልዩ ነታ ኸተማ የሐልዋ ነበረ። 33. ስለዚ ኣብ ከፈር ገይሮም በቲ ኣብቲ ቐጽሪ ዝነበረ መስኮት ኣውረዱኒ እሞ ኻብ ኢዱ ደኅንኩ።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
ያዕ 1 : 12 - 17 [English][ግእዝ][ልሙድ]12. እቲ ብጊዜ ፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብፁዕ እዩ፥ ከመይ ተፈቲኑ ምስ ወፀ፥ ነቲ እግዚኣብሔር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ሕይወት ኪቕበል እዩ። 13. ሓደ እኳ ምስ ተፈተነ ኣምላኽ ፈቲኑኒ ኣይበል፥ ከመይ ኣምላኽሲ ብእኩይ ኣይፍተንን፥ ባዕሉውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ። 14. ነፍስ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተሳሒቡን ተሓቢሉን እዩ ዚፍተን። 15. ሽዑ ትምኒት ምስ ጠነሰት ንኃጢኣት ትወልዳ፥ ኃጢኣት ምስ ተፈጸመት ድማ ንሞት ትወልዳ። 16. ኣቱም ፍቁራት ኣኅዋተይ፥ ኣይትስሓቱ። 17. ጽቡቕን ምሉእን ውህበት ካብ ላዕሊ እዩ፥ ካብቲ ዘይልወጥን ኣብ ጸልማት ክንነብር ዘይኃድገናን፥ ኣቦ ብርሃናት ዝኾነ ዚወርድ እዩ።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ ሐዋ 21 : 12 - 17 [English][ግእዝ][ልሙድ]12. እዚ ምስ ሰማዕና ንሕናን እቶም ደቂ እታ ዓድን ኴንና፥ ናብ ኢየሩሳሌም ከይድይብ ንጳውሎስ ለመንናዮ። 13. ሽዑ ጳውሎስ “ንምንታይከ ከምዚ ትገብሩ፧ ስለምንታይከ ትበኽዩ፧ ንምንታይከ ልበይ ትሰብሩኒ ኣሎኹም፧ ኣነ ምእንቲ ስም ጐይታና ኢየሱስ ኣብ ኢየሩሳሌም ንማእሰርቲ ጥራይ ዘይኮነስ ንሙማትውን ድልዊ እየ” ኢሉ መለሰ። 14. ምስማዕ ምስ ኣበየና ኸኣ፥ “ፍቓድ ጐይታ ይኹን” ኢልና ሃዳእና። 15. ብድኅሪ እዘን መዓልትታት እዚኣተን ምስ ተዳሎና ናብ ኢየሩሳሌም ደየብና። 16. ገለ ቚሩባት ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ካብ ቂሳርያ ኣሰንዮምና መጹ፥ ናብ እንዳ ምናሶን ብዓል ቆጵሮስ ክንኣቱውን መርሑና፥ ንሱ ካብቶም ቀዳሞት ዝኣመኑ ደቀ መዛሙርቲ ነበረ። 17. ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በጻሕና፥ እቶም ኣኅዋት ብሓጐስ ተቐበሉና።
ስንክሳር Synaxarium
አባ ባውላ ዘሃገረ ጠውማወቅዱስ ሚናስወሐናሲ ሰማዕት
መዝሙር Psalm
መዝ 34 : 17 - 18 [English][ግእዝ][ልሙድ]ጻድቃን የእውዩ፣ እግዚኣብሄር ድማ ይሰምዖም፣ ካብ ኵሉ መከራኦምውን የናግፎም። እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም።
ወንጌል Gospel
ማቴ 19 : 25 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]25. ደቀ መዛሙርቲ ድማ ነዚ ሰሚዖም “መን ደኣ ኾን ኪድኅን ይኽእል፧” እናበሉ ብዙኅ ተገረሙ። 26. ኢየሱስ ድማ ጠመቶም እሞ “እዚ ብዓቕሚ ሰብ ኣይከኣልን እዩ፥ ብኣምላኽ ግና ዅሉ ይከኣል እዩ” በሎም። 27. ሽዑ ጴጥሮስ መሊሱ “እንሆ ንሕና ዅሉ ኃዲግና ስዒብናካ ኣሎና፥ እንታይ ኮን ክንረክብ ኢና፧” በሎ። 28. ኢየሱስ ድማ “ኣቱም ዝሰዓብኩምኒ፥ ወዲ ሰብ በታ ሓዳስ ዘመን ኣብ ዝፋን ክብሩ ዚቕመጠላ እዋን፥ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ዓሠርተው ክልተ ዝፋናት ተቐሚጥኩም ንዓሠርተው ክልተ ነገደ እስራኤል ከም እትፈርዱ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 29. ስለ ስመይ ኢሉ ኣባይቲ፥ ኣኅዋት፥ ኣኃት፥ ኣቦ፥ ኣደ፥ ሰበይቲ፥ ውሉድ፥ ግርሁ ዝኃደገ ዅሉ ሚእቲ ዕጽፊ ኺረክብ እዩ፥ ናይ ዘለዓለም ሕይወትውን ኪወርስ እዩ። 30. ብዙኃት ቀዳሞት ዳኃሮት ኪኾኑ እዮም፥ ዳኃሮት ድማ ቐዳሞት ኪኮኑ እዮም” በሎም። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘ፫፻ ምእት(ግሩም)
ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 62 : 11 - 12 [English][ግእዝ][ልሙድ]ስልጣን ናይ ኣምላኽ ምዃኑ፣ ኣምላኽ ሓንሳእ ተዛረበ፣ ክልተ ሳዕ ሰማዕክዎ። ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ትፈድዮ ኢኻ እሞ፣ ጐይታየ፣ ጸጋውን ናትካ እዩ።
ወንጌል Gospel
ማቴ 20 : 8 - 16 [English][ግእዝ][ልሙድ]8. “ምስ መሰየ እቲ ብዓል ኣታኽልቲ ወይኒ ንኣዛዝ ቤቱ ‘ነቶም ሰብ ውዕለት ጸውዓዮም፥ ካብቶም ዳኅሮት ጀሚርካ ኸኣ ክሳዕ እቶም ቀዳሞት ውዕለቶም ሃቦም’ በሎ። 9. እቶም ሰብ መበል ዓሥርተው ሓደ ሰዓት ናይ መዓልቲ ቐሪቦም ደዲናሮም ተቐበሉ። 10. እቶም ቀዳሞት ምስ ቀረቡ ኸኣ ካብቶም ዳኅሮት ዚበዝኅ ዚቕበሉ መሰሎም፥ ግናኸ ንሳቶምውን ደዲናሮም ተቐበሉ። 11. - 12. ምስ ተቐበሉ ኸኣ ‘ነዞም ሓንቲ ሰዓት ዝሥረሑ ዳኅሮት ምስ እዞም ድኻም መዓልቲን ሃሩርን ዝፆርና ኣዳላደልካዮም’ እናበሉ ኣብ ልዕሊ እቲ በዓል ቤት ኣዕዘምዘሙ። 13. ንሱ ኸኣ ንሓደ ኻብኣቶም ‘ዓርከይ ኣይዓመጽኩኻን፥ ብሓደ ዲናርዶ ኣይተሰማማዕካንን፧ 14. ዚብጽሓካ ደኣ ኂዝካ ኺድ፥ ነዚ ዳኅራይ ድማ ክንዲ ናትካ ኽህቦ ፍቓደይ እዩ። 15. ወይ ድማ ብገንዘበይ ዝደሌኽዎ ኽገብርዶ ኣይግበኣንን እዩ፧ ወይስ ኣነ ሕያዋይ ስለ ዝኾንኩ ዓይንኻዶ ቐናእ እዩ፧’ ኢሉ መለሰሉ። 16. “ከምኡኸስ ጽዉዓት ብዙኃት ኅሩያት ግና ውሑዳት እዮም እሞ ዳኅሮት ቀዳሞት፥ ቀዳሞትውን ዳኅሮት ኪዀኑ እዮም።” ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ዘመነ ሉቃስ Readings for Sunday
ጥቅምቲ 8, 2019 ብግእዝ Oct 18, 2026 ብፈረንጅ
ናይ ንግሆ ( Matin )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 121 : 1 - 2 [English][ግእዝ][ልሙድ]ኣዒንተይ ናብ ኣኽራን ኤልዕል ኣሎኹ። ረዲኤተይ ካበይ እዩ ዚመጸኒ፧ ረዲኤተይሲ ኻብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር እዩ ዚመጸኒ።
ወንጌል Gospel
ሉቃ 7 : 6 - 10 [English][ግእዝ][ልሙድ]6. ኢየሱስ ከኣ ምስኣቶም ከደ፥ ናብ ቤቱ ምስ ቀረበ ድማ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኣዕሩኹ ልኢኹ ከምዚ በሎ፦ “ጐይታይ፥ ናብ ቤተይ ክትኣቱ ኣይብቑዕን እየ እሞ ኣይትድከም። 7. ስለዚ ድማ እየ ናባኻ ንምምጻእ ንርእሰይ ብቑዕ ገይረ ዘይቈጸርኩ። ግናኸ ሓንቲ ቓል ተዛረብ ጊልያይ ከኣ ኺሐዊ እዩ። 8. ኣነ ኣብ ትሕቲ ሰበ ሥልጣን ዘገልግል፥ ኣብ ትሕተይውን ጭፍራ ዘለውኒ ሰብ እየ። ነዚ ‘ኪድ’ እብሎ፥ ንሱ ኸኣ ይኸይድ፥ ነቲ ድማ ‘ንዓ’ እብሎ፥ ንሱ ኸኣ ይመጽእ፥ ንጊልያይውን ‘እዚ ግበር’ እብሎ፥ ንሱ ኸኣ ይገብር።” 9. ኢየሱስ ነዚ ምስ ሰምዐ ተገረመ፥ ናብቶም ዚስዕብዎ ዝነበሩ ግልጽ ኢሉ ኸኣ “ከምዚ ዝበለ እምነት ኣብ እስራኤል እኳ ኣይረኸብኩን፥ እብለኩም ኣሎኹ” በሎም። 10. እቶም ልኡኻት ናብ ቤት ምስ ተመልሱ ድማ ነቲ ጊልያ ሓውዩ ረኸብዎ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
ፊሊ 1 : 19 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]19. ከመይ እዚ ዅሉ ብጸሎትኩምን ብረድኤት መንፈስ ኢየሱስ ክርስቶስን ንድኅነተይ ከም ዚድግፈኒ እፈልጥ እየ። 20. ተግባረይ ንምፍጻም ከይኃፍር ብዓል ምሉእ ሃረርታን ተስፋን እየ። ከምቲ ዅሉ ሳዕ ሕጂውን እንተ ኾነ፥ እንተ ብሕይወት እንተ ብሞት ንክርስቶስ ብትብዓት ከኽብሮ እየ። 21. ከመይ ንኣይ ሕይወት ማለት ክርስቶስ እዩ፥ ሙማት ኸኣ ረብሓይ እዩ። 22. ብሕይወት እንተ ደኣ ኽነብር ኮይነ፥ ገና ፍረ ዘለዎ ዕዮ ኣሎኒ ማለት እዩ። ነየናይ ከም ዝመርጽ ግና ኣይፈልጥን እየ። 23. ብኽልቲኡ ወገን እጭነቕ ኣሎኹ። ዚኅሽኒ ስለ ዝኾነ ግና፥ ካብዚ ተፈልየ ምስ ክርስቶስ ክኸውን ሃረርታይ እዩ። 24. እንተኾነ ንኣኻትኩም ምእንቲ ክኅሽኩም ብሕይወት ምጽንሐይ የድሊ እዩ። 25. ከም ዝጸንሕ ብርግጽ ፈሊጠ ኣሎኹ። እዚ ኸአ ብእምነት ከም እትዓብዩን ከም እትሕጐሱን ኪገብረኩም እዩ። 26. ከም ብሓድሽ ምሳኻትኩም ምስ ኮንኩ ኣብቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘሎኩም ሕይወት ብኣይ ከም እትምክሑ ኪገብረኩም እዩ። 27. ዝኾነ እንተ ኾነ፥ ክርእየኩም እንተ መጻእኩ ወይ እንተ ተረፍኩ፥ ብሓደ መንፈስ ጸኒዕኩም ምእንቲ እምነት ወንጌል ብሓደ ልቢ ትጋደሉ ምህላውኩም ምእንቲ ኽሰምዕ፥ ንብረትኩም ንወንጌል ክርስቶስ ዚበቅዕ ይኹን። 28. በቶም ዚቃወሙኹም ኣይትሰምብዱ፥ ከመይ እዚ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝኾነ ንኣኣቶም ናይ ጥፍኣት፥ ንኣኻትኩም ግና ናይ ድኅነት ርኡይ ምልክት እዩ። 29. እቲ ተዋሂቡኩም ዘሎ ጸጋ ኸኣ፥ ብእኡ ኽትኣምኑ ጥራይ ዘይኮነስ ምእንትኡውን መከራ ኽትቅበሉ እዩ። 30. ስለዚ ናይቲ ኣባይ ዝርአኹምዎ፥ ሕጂውን እትሰምዕዎ ዘሎኹም ገድሊ ተኻፈልቲ ኢኹም።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
ያዕ 1 : 2 - 12 [English][ግእዝ][ልሙድ]2. ኣኅዋተየ፥ በበይኑ ዝኾነ ፈተና ኪበጽሓኩም ከሎ፥ ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቊጸርዎ። 3. ከመይ ብእምነትኩም ክትፍተኑ ኸሎኹም፥ ጽንዓት እዩ ዜፍርየልኩም። 4. ግና ብሓንቲ ነገር እኳ ኸይጐደለኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ብትዕግሥቲ ኽሳዕ መወዳእታ ጽንዑ። 5. ሓደ ካባኻትኩም ጥበብ ዝጐደሎ እንተሎ፥ ነቲ “ንሰኻ ኸምዚ እንዲኻ” ኸይበለ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ፥ ንሱውን ኪህቦ እዩ። 6. እቲ ዚልምን ግና ከይተጠራጠረ ብእምነት ደኣ ይለምን፥ ከመይ እቲ ዚጠራጠር ከምቲ ንፋስ ንየው ነጀው ዚደፍኦ ማዕበል ባሕሪ እዩ ዚመስል። 7. እዚ ኸምዚ ዘመሰለ ሰብ ካብ ጐይታ ገለ ዚቕበል ኣይምሰሎ። 8. ንሱ ኣብ ኵሉ ዕዩኡ ጽንዓት ዘይብሉ፥ ክልተ ዝልቡ ሰብኣይ እዩ። 9. እቲ ትሕት ዝበለ ናብራ ዘለዎ ኃው ልዕል እንተ በለ ይተሓጐስ። 10. እቲ ሃብታም ከኣ ብናብራኡ ትሕት እንተ በለ ብእኡ ይተሓጐስ። ከመይ ንሱ ኸም ዕምባባ ሣዕሪ ኺኃልፍ እዩ። 11. ፀሓይ ምስ ዋዒኣ ትወፅእ እሞ፥ ነቲ ሣዕሪ ተንቅጾ፥ እቲ ዕምባባኡ ኸኣ ይረግፍ፥ ደመት ትርኢቱ ድማ ይጠፍእ፥ ከምኡዉን እቲ ሃብታም ዋኒን ንብረቱ ኺገብር ከሎ ይጠፍእ። 12. እቲ ብጊዜ ፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብፁዕ እዩ፥ ከመይ ተፈቲኑ ምስ ወፀ፥ ነቲ እግዚኣብሔር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ሕይወት ኪቕበል እዩ።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ ሐዋ 14 : 19 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]19. ኣይሁድ ካብ ኣንጾኪያን ካብ ኢቆንዮን መጺኦም ነቶም ሕዝቢ ኣስድዕዎም። ንጳውሎስ ከኣ ብዳርባ እምኒ ቐጥቀጥዎ፥ ዝሞተ መሲልዎም ከኣ ጐቲቶም ካብታ ኸተማ ኣውፅእዎ። 20. እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዙርያኡ ደው ምስ በሉ ኸኣ፥ ብድድ ኢሉ ናብ ከተማ ኣተወ፥ ንጽባሒቱ ድማ ምስ በርናባስ ናብ ደርቤን ከደ። 21. ጳውሎስን በርናባስን ኣብ ደርቤን እናሰበኹ ብዙኃት ደቀ መዛሙርቲ ገበሩ፥ ናብ ልስጥራንን ናብ ኢቆንዮንን ናብ ኣንጾኪያ ናብ ጲስድያን ከኣ ተመልሱ። 22. “ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ክንኣቱ ዚግብኣና ብብዙኅ ጸበባ እዩ” እናበሉ ኸኣ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣጸናንዕዎም፥ ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ኪነብሩ ኸኣ ኣተባብዕዎም። 23. ኣብ ነፍስ ወከፍ ቤተ ክርስቲያን መራሕቲ ምስ ሸሙሎም ድማ ብጾምን ጸሎትን ናብቲ ዝኣመንዎ ጐይታ ኣማዕቈብዎም። 24. ብጲስድያ ኃሊፎም ናብ ጵምፍልያ ኸዱ። 25. ኣብ ጴርጌ ነቲ ቓል ምስ ነገሩ ናብ ኣጣልያ ወረዱ። 26. ካብኣ ኸኣ ናብ ኣንጾኪያ ናይ ሶርያ ብመርከብ ተሳገሩ፤ ኣንጾኪያ ነቲ ዝፈጸምዎ ዕዮ ንጸጋ ኣምላኽ ሓደራ ዝተወፈዩላ ዓዲ እያ። 27. ናብኣ ምስ በጽሑ ምእመናን ቤተ ክርስቲያን ኣኪቦም እቲ ዅሉ ኣምላኽ ዝገበረሎምን ነሕዛብ ከኣ ኣፍ ደገ እምነት ከም ዝኸፈተሎምን፥ ኣዘንተውሎም። 28. ምስቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ሓያሎ መዓልቲ ጸንሑ።
ስንክሳር Synaxarium
መጥራ ወብዙሃን ሰማዕትወባኮስወባላግያወአባ ሖርወሶስና ወደቂቃወአቶን
መዝሙር Psalm
መዝ 84 : 12 - 13 [English][ግእዝ][ልሙድ]እግዚአብሄር ጸጋን ክብርን ይህብ፣ ነቶም ብቕንዕና ዚመላለሱ ሰናይ ዘበለ ኣይኸልኦምን እዩ። ዎ ጐይታ ሰራዊት፣ ኣባኻ ዚውከል ሰብ ብጹእ እዩ።
ወንጌል Gospel
ማቴ 21 : 28 - 32 [English][ግእዝ][ልሙድ]28. ቀጺሉ ኢየሱስ “እንታይ ይመስለኩም፧ ሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ፥ ናብቲ ቐዳማይ ቀሪቡ ‘ወደይ፥ ሎሚ ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ውፈር እሞ ዕየ’ በሎ። 29. ንሱ ኸኣ ‘እምቢ’ ኢሉ መለሰ፥ ደኃር ግና ተጣዒሱ ወፈረ። 30. ናብቲ ኻልኣይ ቀሪቡ ኸኣ ኸምኡ በሎ፥ ንሱ ኸኣ ‘ሕራይ፥ ጐይታይ’ በሎ፥ ግናኸ ኣይወፈረን። 31. ካብ ክልቲኦም ኣየናዮም እዩ ፍቓድ ኣቦኡ ዝመልአ፧” በሎም። ንሳቶም ከኣ “እቲ ቐዳማይ” በልዎ፥ ኢየሱስ ድማ “ተቐበልቲ ቐረጽን ኣመናዝርን ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ከም ዚቕድሙኹም ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 32. ዮሓንስ ብመገዲ ጽድቂ ናባኻትኩም መጺኡ ነበረ እሞ፥ ተቐበልቲ ቐረጽን ዘመዉትን ደኣ ኣመንዎ እምበር ንስኻትኩምሲ ኣይኣመንኩምዎን፥ ነዚ ምስ ርኤኹምዉን ተጣዒስኩም ብእኡ ኣይኣመንኩምን” በሎም። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘባስልዮስ(እግዚኦ መሐረነ)
ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )
መዝሙረ ዳዊት Psalm
መዝ 23 : 1 - 2 [English][ግእዝ][ልሙድ]እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፣ ዚጐድለኒ የብለይን። ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፣ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ።
ወንጌል Gospel
ማር 6 : 34 - 46 [English][ግእዝ][ልሙድ]34. ኢየሱስ ካብ ጃልባ ምስ ወረደ ብዙኅ ሕዝቢ ረኣየ። ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ነበሩ እሞ ደንገጸሎም፥ ብዙኅውን ኪምህሮም ጀመረ። 35. እዋን ምስ ኃለፈ ኸኣ ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም “እዚ ቦታ እዚ በረኻ እዩ፥ ጊዜውን ኣዝዩ መስዩ እዩ። 36. [ዚብላዕ የብሎምን] እሞ ኣብ ዙርያና ናብ ዘሎ ኣቝሻትን ዓድታትን ከይዶም ዚበልዕዎ ኪዕድጉ ኣፋንዎም” በለዎ። 37. ንሱ ግና “ዚብላዕ ንስኻትኩም ሃብዎም” በሎም። ንሳቶም ድማ “ኬድናዶ ብኽልተ ሚእቲ ዲናር እንጌራ ዓዲግና ኺበልዑ ኽንህቦም፧” በልዎ። 38. ኢየሱስ ድማ “ክንደይ እንጌራ ኸም ዘለኩም ኪዱ ርኣዩ” በሎም። ንሳቶም ከኣ ምስ ረኣዩ “ኃሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሣን” በልዎ። 39. ንዅሎም በብመሥርዖም እናሠርዑ ኣብ ለምለም ሣዕሪ ኬቐምጥዎም ኣዘዞም። 40. እቶም ሕዝቢ ኸኣ ከከም መሥርዖም በብሚእትን በብኃምሳን ተቐመጡ። 41. ኢየሱስ ነተን ኃሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሣን ኣልዒሉ ናብ ሰማይ እናጠመተ ኣመስገነ፥ ነተን እንጌራ ቘሪሱ ኬቕርቡሎም ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፥ እቲ ኽልተ ዓሣውን ንዅሎም ዓደሎም። 42. ኵሎም ድማ በሊዖም ጸገቡ። 43. ስለዚ ደቀ መዛሙርቱ ዓሠርተው ክልተ ቚርስራስ ዝመልኦ መሶብ ኣልዓሉ፥ ካብቲ ዓሣ ድማ ኸምኡ። 44. እቶም እንጌራ ዝበልዑ ኸኣ ኃሙሽተ ሽሕ ሰብኡት ነበሩ። 45. ኢየሱስ ሽዑ ነቶም ሕዝቢ ኽሳዕ ዜሰናብት ንደቀ መዛሙርቱ ብቕልጡፍ ኣብ ጃልባ ኣትዮም ናብ ማዕዶ ቤተ ሳይዳ ኪቕድምዎ ኣዘዞም። 46. ምስ ኣፋነዎም [ካብኡ ኃሊፉ] ኪጽሊ ናብ እምባ ደየበ። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ!
ካብ 3 ጥቅምቲ ክሳብ 9 ጥቅምቲ2ይ. መዝሙር ናይ ጽጌ፤ ኪነ ጥበቡ።
መዝሙር ( Hymn )
መዝሙር
- በ፫፤ ኪነ ጥበቡ መንክር ወዕፁብ። ኪነ ጥበቡ መንክር ወዕፁብ፤ ለዘሀሎ መልዕልተ አርያም። አርአየ ምሕረቶ በላዕሌነ። ዘከለሎ ለሰማይ በከዋክብት ብሩህ (ብሩሃን)። አ፤ ወለምድርኒ አሠርገዋ በጽጌያት ንጹሕ (ንጹሐን)። አ፤ ወሠርዓ ሰንበተ ለነባሪ ያዕርፉ ባቲ። አ፤ መዓዛሆሙ ለቅዱሳን ከመ ጽጌ ደንጐላት ዘቈላት (ዘውስተ ቈላት)። ጸገዩ ቀንሞስ ምስለ ናርዶስ።
መዝሙር
-
ሰላም
ኑ፡ በ፱ቱ፣ ሐረገ ወይን እንተ በምድር ሥረዊሃ ወበሰማይ አዕፁቂሃ። ሐ፤ እንተ በሥሉስ ትትገመድ ወታፈሪ ለነ አስካለ በረከት። ሐ፤ ሲሳዮሙ ለቅዱሳን። ሐ፤ ሠርዓ ሰንበተ በቃሉ ወጸገወ ሰላመ ለኵሉ።
ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )
መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle
ኤፌ 6 : 1 - 9 [English][ግእዝ][ልሙድ]1. ኣቱም ውሉድ፥ ቅኑዕ እዩ እሞ፥ ንወለድኹም ብጐይታ ተኣዘዝዎም። 2. -3. ከመይ “ምእንቲ ኪቐንዓካ፥ ኣብ ምድሪ ኸኣ ነዊኅ ዕድመ ምእንቲ ኪህልወካ” ዚብል ተስፋ ዝኃዘ ቀዳማይ ትእዛዝ “ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር” ዚብል እዩ። 4. ኣቱም ኣቦታትውን፥ ብናይ ጐይታ ሥነ ሥርዓትን ምኽርን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፥ ንደቅኹም ኣይተዀርይዎም። 5. ኣቱም ግዙኣት፥ ነቶም ብሥጋ ጐይቶትኩም፥ ብፍርሃትን ብረዓድን ብቕኑዕ ልብን ከም ንክርስቶስ ጌርኩም ተኣዘዝዎም። 6. ከም ኣገልገልቲ ክርስቶስ ንፍቓድ ኣምላኽ ብልቢ እናፈጸምኩም እምበር፥ ንሰብ ከተሓጒሱ ኢልኩም ንገጽ ርአ ኣይትግበርዎ። 7. ንሰብ ዘይኮነስ ከም ንጐይታ ጌርኩም ብፍታው ተገዝኡ። 8. ምኽንያቱ ግዙእ ኮነ ጐይታ ነፍስ ወከፍ ሠናይ ዝገበረ ካብ ጐይታ ኢየሱስ ዓስቡ ከም ዚቕበል ፍለጡ። 9. ንስኻትኩም ውን ኣቱም ጐይቶት፥ ልክዕ ከምኡ ግበሩሎም። እቲ ናታቶምን ናታትኩምን ጐይታ ኣብ ሰማይ ከም ዘሎ፥ ኣብኡ ኸኣ ኣድልዎ ከም ዘየልቦ ፈሊጥኩም፥ ኣይተፈራርህዎም።
ዘካልእ መልእክት Universal Epistle
1ጴጥ 1 : 17 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]17. እቲ ንስኻትኩም ኣብ ጸሎት “ኣቦ” ኢልኩም እትጽውዕዎ፥ ንነፍስ ወከፍ ከከም ግብሩ ብዘይ ኣድልዎ ስለ ዚፈርድ፥ ኣብዚ ዘመን ግሽነትኩም ብፍርሃት ንበሩ። 18. -19. ከመይ ካብቲ ካብ ኣቦታትኩም ዝወረስክምዎ ኸንቱ ዝኾነ ሕይወት፥ ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዘይብሉ ገንሸል፥ ማለት ብኽቡር ደም ክርስቶስ ኢኹም ዝደኃንኩም እምበር ብጠፋኢ ነገር፥ ብብሩር ወይ ብወርቂ ከም ዘይኮነ ትፈልጡ ኢኹም። 20. ንሱ ቕድሚ ምፍጣር ዓለም ዝተኃርየ፥ ኣብ መወዳእታ ዘመን ግና ምእንታኻትኩም ዝተገልጸ እዩ። 21. ንስኻትኩም እምነትኩምን ተስፋኹምን ኣብ ኣምላኽ ምእንቲ ኺኸውን፥ በቲ ካብ ምዉታት ዘተንሥኦ ኽብሪውን ዝሃቦ ኣምላኽ ኣመንኩም። 22. ንሓቂ እናተኣዘዝኩምዋ፥ ግብዝና ንዘይብላ ፍቕሪ ኣኅዋት ነፍስኹም ስለ ዘጽሬኹም ብንጹሕ ልቢ ንሓድሕድኩም ተፋቐሩ። 23. ብሕያውን ንዘለዓለም ብዚነብርን ቃል ኣምላኽ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ እምበር ካብ ጠፋኢ ዘርኢ ኣይኮንኩምን ከም ብሓዱሽ ዝተወለድኩም። 24. ከመይ “ዅሉ ሰብ ከም ሣዕሪ፥ ዅሉ ኽብሪውን ከም ዕንባባ መሮር እዩ። እቲ ሣዕሪ ይነቅጽ፥ እቲ ዕንባባውን ይረግፍ፥ 25. ቃል እግዚኣብሔር ግና ንዘለዓለም ይነብር።” እቲ ንኣኻትኩም ዝተበሠረ ቃል ኸኣ እዚ እዩ።
ግብረ ሃዋርያት Acts
ግብ 17 : 24 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]24. ንሱ እቲ ዓለምን ኣብኣ ዘሎን ዝገበረ ኣምላኽ፥ ጐይታ ሰማይን ምድርን እዩ፥ ብኢድ ሰብ ኣብ ዝተሓንጸ መቓድስ ከኣ ኣይኃድርን እዩ። 25. ንሱ ሕይወትን እስትንፋስን ዜድሊ ዅሉ ነገራትን ንዅሉ ሰብ ዚህብ ስለ ዝኾነ፥ ዚጐድሎ ነገር የብሉን፥ ብኢድ ሰብውን ኣይግልገልን እዩ። 26. ንሱ ካብ ሓደ ሰብ ኵሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ፥ ኣብ ርእሲ ዅላ ምድሪ ከም ዚነብሩ ድማ ገበረ፥ ዚነብሩሉ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረታትን ሓገገሎም። 27. እዚ ኸኣ ካብ ነፍስ ወከፍና ዘይረሓቐ ኸሎስ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልይዎን፥ ምናልባሽውን ሃሰስ ኢሎም ምእንቲ ኺረኽብዎን ኢሉ ገበሮ። 28. ምኽንያቱ ገሊኦም ካብቶም ተቐነይትኹም ‘ንሕና ደቂ ኣምላኽ ኢና’ ከም ዚብልዎ፥ ‘ብእኡ ኢና እንነብርን እንዋሳወስን፥ ብእኡ ኸኣ ኢና ዘሎና’ ። 29. “እምበኣርከስ ደቂ ኣምላኽ ካብ ኮንናስ፥ ኣምላኽ ነቲ ብናይ ሰብ ብልሓትን ሓሳብን ዝተገብረ፥ ቕርጺ ወርቂ፥ ወይ ብሩር፥ ወይ እምኒ ከም ዚመስል ጌርና ክንሓስቦ ኣይግብኣናን እዩ። 30. ኣምላኽ ነቲ ዘመን ድንቊርና ሸለል ብምባል ኣኅሊፍዎ እዩ፥ ሕጂ ግና ኣብ ኵሉ ዓለም ንብዘሎ ሰብ ኪንስሑ ኣዚዙ ኣሎ። 31. በቲ ንሱ ዝሸሞ ሰብኣይ ገይሩ ንዓለም ብጽድቂ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ኣሎ፤ ነዚ ንዅሉ ሰብ ዘረጋገጾ ነቲ ዝኃረዮ ሰብኣይ ካብ ምውታት ብምትንሣኡ እዩ።” 32. ብዛዕባ ትንሣኤ ምውታት ምስ ሰምዑ ገሊኦም ኣላገጹሉ፥ ገሊኦም ከኣ፥ “እዝስ ከም ብሓድሽ ክንሰምዓካ ንደሊ ኢና” በልዎ። 33. ሽዑ ጳውሎስ ካብ ማእከሎም ወፂኡ ኸደ። 34. ገሊኣቶም ሰባት ከኣ ኣሚኖም ሰዓብዎ፥ ንሳቶም ድማ ሓደ ኻብቶም ናይ ኣርዮስፋጎስ ባይቶ፥ ዲዮናስዮስ ዚብሃልን፥ ደማሪስ እትብሃል ሰበይትን፥ ከምኡውን ካልኦት ሰባት ምስኣቶም ነበሩ።
መዝሙር Psalm
መዝ 103 : 14 - 15 [English][ግእዝ][ልሙድ]ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ፣ ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ። ሰብሲ መዓልትታቱ ኸም ሳዕሪ እዩ፣ ከም ዕምባባ መሮር ይዕምብብ።
ወንጌል Gospel
ማቴ 6 : 19 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]19. “ብልዕን ምምራትን ኣብ ዜባላሽዎ፥ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ፥ ንኣኻትኩም ኣብ ምድሪ ሃብቲ ኣይትኣክቡ። 20. እኳ ደኣ ብልዕን ምምራትን ኣብ ዘየባላሽዎ፥ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ሃብቲ ኣክቡ። 21. ከመይ ሃብትኻ ኣብ ዘለዎ ልብኻ ኣብኡ ኣሎ። 22. “ዓይኒ ናይ ሰብነት መብራህቲ እዩ፥ ስለዚ ዓይንኻ ጥዑይ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ብዘሎ ሰብነትካ ብሩህ ይኸውን። 23. ዓይንኻ ሕሙም እንተ ደኣ ኾይኑ ግና ብዘሎ ሰብነትካ ጸልማት ይኸውን። እምብኣርከስ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ጸልመት ካብ ኮነ፥ ምጽልማቱስ ክንደይ ኮን ኪብርትዕ እዩ። 24. “ንኽልተ ጐይቶት ኪግዛእ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን፥ ከመይ ነቲ ሓደ ኺጸልእ፥ ነቲ ሓደ ኼፍቅር እዩ፥ ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ኬኽብር፥ ነቲ ሓደ ኬሕስር እዩ። እምበኣር ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም። 25. ስለዚ ንሕይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይ ንሰብነትኩም ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ፥ እብለኩም ኣሎኹ። ሕይወት ካብ መብልዕ፥ ሰብነት ከኣ ኻብ ክዳንዶ ኣይበልጽን እዩ፧ 26. ነዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ፥ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፥ ኣይዘርኣ፥ ኣይዓጽዳ፥ ኣብ ማዕከንውን ኣይእክባን እየን። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻብኣተን ኣዚኹም ኣይትበልጹን፧ 27. ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ልዕሊ ቝመቱ ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን አሎ፧ 28. ብዛዕባ ኽዳንከ ስለምንታይ ትጭነቑ፧ ዕምባባታት መሮር ኣይፈትሉ፥ ኣይደኽሙ፥ ከመይ ኢሎም ከም ዚዓብዩ ተመልከቱ። 29. ኣነ ግና ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባኣቶም ከም ዘይተኸድነ፥ እብለኩም አሎኹ። 30. ኣምላኽ ነዚ ሎሚ ዘሎ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዚድርበ ሣዕሪ መሮር ከምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነ ደኣ፥ ኣቱም ሰብ ጐደሎ እምነት፥ ንኣኻትኩም ግዳ ኽንደይ ኣብሊጹ ዘይከድነኩም፧ 31. እምበኣርከ ‘እንታይ ክንበልዕ ኢና፧ እንታይ ክንሰቲ ኢና፧ እንታይ ክንኽደን ኢና፧’ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። 32. ነዚ ዅሉስ ኣሕዛብውን ይደልይዎ እዮም እሞ፥ ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም፥ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። 33. ንስኻትኩም ግና ቕድም መንግሥቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፥ እዚ ዅሉ ድማ ኪውሰኸልኩም እዩ። 34. እንበኣርከስ፥ ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቑ፥ ንመዓልቲ መከራኣ ይኣኽላ እዩ።” ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።
ቅዳሴ Liturgy :
ዘእግዝእትነ ማርያም(ጎስዓ)