God is great! God is great!

Daily readings / መዓልታዊ ንባባት

ዘመነ ማቴዎስ Readings for Monday

የካቲት 3, 2017 ብግእዝ Feb 10, 2025 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 29 : 10 - 11 / መዝ ፳፰ : ፲ - ፲፩ [English][ትግርኛ]

እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ማይ ኣይሂ ተቐመጠ፣ ኤረ እግዚኣብሄርሲ ንዘለአለም ነጊሱ ኪቕመጥ እዩ። እግዚኣብሄር ንህዝቡ ሓይሊ ይህቦ፣ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብሰላም ይባርኾ።

ይነብር እግዚአብሔር ወይነግሥ ለዓለም፤
ወይሁቦሙ እግዚአብሔር ኃይለ ለሕዝቡ፤
እግዚአብሔር ይባርኮሙ ለሕዝቡ በሰላም።


 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 11 : 9 - 13 [English][ግእዝ]

9. ኣነ ኸኣ ‘ለምኑ ኺወሃበኩም እዩ፥ ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም፥ ማዕጾውን ኳሕኳሕ ኣብሉ ኪኽፈተልኩም እዩ’ እብለኩም ኣሎኹ። 10. ምኽንያቱ ዚልምን ዘበለ ይቕበል እዩ፥ ዚደሊ ድማ ይረክብ እዩ፥ ማዕጾ ኳሕኳሕ ንዜብልውን ይኽፈተሉ እዩ። 11. ካባኻትኩምከ እንታዋይ ኣቦ እዩ፥ [ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖ፥ እምኒ ዚህቦ፥ ወይ] ዓሣ እንተ ለመኖ ኣብ ክንዲ ዓሣስ ተመን ዚህቦ፧ 12. ወይ እንቋቝሖ እንተ ለመኖ ዕንቅርቢት ዚህቦ፧ 13. እምበኣር ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት ከሎኹም ንደቅኹም ሠናይ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፥ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚኁ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧” ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

[English][ግእዝ]

17. ንስኻ ግና “ብሕጊ ዝነብር፥ ብኣምላኽ እውን ዝሕበን ኣይሁዳዊ እየ” በሃላይ ኢኻ። 18. ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ከም ዝኾነ እትፈልጥ፥ ብሕጊ ስለ ዝተመሃርካ ኸኣ ነቲ ቕኑዕ እትኃሪ ኢኻ። 19. “መራሕ ዕውራት፥ ኣብ ጸልማት ንዘለዉ ኸኣ ብርሃን እየ” ኢልካውን ትምካሕ ኢኻ። 20. እቲ ብሕጊ ዚርከብ ፍልጠትን ሓቅን ስለ ዘሎካ ኸኣ “ንዓያሱ መለበሚ፥ ናይ ሕፃናት ኸኣ መምህር እየ” ኢኻ እትብል። 21. እምበኣር ኣታ ንኻልእ እትምህር ንገዛእ ርእስኻ ደኣ ዘይትምህር፧ ኣይትስረቑ ኢልካ ትሰብኽ፥ ንስኻ ግና ትሰርቕ። 22. ኣይትዘምዉ ትብል፥ ንስኻ ግና ትዝሙ። ጣዖት ትጽየፍ፥ ባዕልኻ ኸኣ ቤት መቕደሶም ትሰርቕ። 23. - 24. ኣታ ብሕጊ እትምካሕ ከምቲ “ብሰርኹም ስም ኣምላኽ ኣብ ማእከል ኣሕዛብ ይጽረፍ ኣሎ” ዚብል ተጻሒፉ ዘሎ፥ ሕጊ ብምፍራስካ ንኣምላኽ ተሕስሮ ኣሎኻ።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

ያዕ 4 : 10 - ፍም [English][ግእዝ]

10. ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ትሕት በሉ፥ ንሱዉን ልዕል ኬብለኩም እዩ። 11. ኣቱም ኣኅዋተይ፥ ንሓድሕድኩም ኣይትነቓቐፋ። እቲ ንኃዉ ዚነቅፍ ወይ ኣብ ልዕሊ ኃው ዚፈርድ ንሕጊ እዩ ዚነቅፍ፥ ኣብ ልዕሊ ሕጊውን ይፈርድ፥ ንሕጊ ክትፈርዶ ኸሎኻ ግና፥ ትፈርዶ እምበር ትሕልዎ ኣይኮንካን ዘሎኻ። 12. እቲ ኼድኅንን ኬጥፍእን ዚኽእል፥ ሓጋግ ሕግን ፈራድን ሓደ ንሱ እዩ። ንሰኻ ደኣ ኣብ ብጻይካ እትፈርድ እንታዋይ ኢኻ፧ 13. ንስኻትኩም፥ ኣቱም “ሎሚ ወይ ጽባሕ ናብታ ኸተማ እቲኣ ኽንከይድ ኢና፥ እናነገድና ምእንቲ ኽንረብሕ ከኣ ኣብኣ ዓመት ክትቅመጥ ኢና” እትብሉ ስምዑ። 14. ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን እኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ሕይወትኩምከ እንታይ እያ፧ ንቝሩብ ጊዜ ተራእዩ ደኃር ዚበንን ሃፋ ኢኹም። 15. “ጐይታ እንተ ፈቒድዎ፥ ብሕይወት ክንነብር ኢና፥ ከምዚ ወይ ከምቲ ኽንገብር ኢና” እዩ ኽትብሉ ዚግብኣኩም ነይሩ። 16. ሕጂ ግና ትጀሃሩን ትምክሑን ኣሎኹም። ከምዚ ዝበለ ትምክሕቲ ኵሉ ኸኣ ክፉእ እዩ። 17. እምበኣርከስ እቲ ኺገብሮ ዚግብኦ ሠናይ ነገር ዚፈልጥ፥ ግና ዘይገብሮ፥ ንሱ ኃጢኣተኛ እዩ።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 20 : 9 - 15 [English][ግእዝ]

9. ኣውጤክስ ዝስሙ ጐበዝ ኣብ መስኰት ተቐሚጡ ኸሎ ድቃስ ወሰዶ፤ ጳውሎስ ዘረባኡ ምስ ኣንውኀ ኸኣ፥ ድቃስ ከቢድዎ ካብ ሣልሰይቲ ደርቢ ናብ ታሕቲ ወዲቑ ሞተ፥ ሬሳኡ ድማ ኣልዓልዎ። 10. ጳውሎስ ድማ ወሪዱ ኣብ ልዕሊኡ ድንን በለ እሞ ሓቚፉ ኣልዓሎ፥ “ብሕይወት እዩ ዘሎ እሞ ኣይትሰምብዱ” በሎም። 11. ናብቲ ደርቢ ደይቡ ድማ እንጌራ ቘሪሱ በልዐ፤ ክሳዕ ምድሪ ዚወግሕውን ብዙኅ ተዛረቦም እሞ ኸደ። 12. ነቲ ወዲ ኸኣ ብሕይወቱ ስለ ዘምጽእዎ ኣዝዮም ተጸናንዑ። 13. ንጳውሎስ ኣብ መርከብ ከነስቅሎ ስለ ዝሓሰብና፥ ንሕና ኣቐዲምና ብመርከብ ናብ ኣሶን ከድና፤ ከምዚ ዝገበርና ኸኣ ጳውሎስ ክሳብ ኣሶን ብእግሪ ኪኸይድ ስለ ዝመደበን፥ ከምኡ ኽንገብር ስለ ዝኣዘዘናን እዩ። 14. ኣብ ኣሶን ምስ ተራኸብና፥ ናብታ መርከብ ተቐበልናዮ፥ ናብ ሚጢሊኒን ከኣ መጻእና። 15. ንጽባሒቱ ኸኣ ካብኣ ብመርከብ ጌርና ኣብ መንጽር ክዮስ በጻሕና፤ በታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ድማ ናብ ሳሞስ ተሳገርና፥ ንጽባሒቱ ኸኣ ኣብ መሊጢ ኣቶና።

 

ስንክሳር Synaxarium

ፍልሰተ ሥጋሁ ለቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ
ወያዕቆብ መነኮስ
ወዕብሎ ርእሰ ባሕታውያን
ወአባ ዘይኑን

 

መዝሙር Psalm

መዝ 116 : 8 - 9 / መዝ ፻፲፬ : ፰ - ፱ [English][ትግርኛ]

ንነፍሰይ ካብ ሞት፣ ነዒንተይ ካብ ንብዓት፣ ነእጋረይ ካብ ምውዳቕ ኣድሒንካየን ኢኻ እሞ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሃገር ህያዋን ክመላለስ እየ።

እስመ አድኀና ለነፍስየ እሞት፤
ወለአዕይንትየኒ እምአንብዕ፤
ወለእገርየኒ እምዳኅፅ።


 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 7 : 11 - 17 [English][ግእዝ]

11. ኢየሱስ ንጽባሒቱ ናይን ናብ እትብሃል ከተማ ኸደ፥ ምስኡ ኸኣ ደቀ መዛሙርቱን ብዙኅ ሕዝብን ከዱ። 12. ናብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ምስ ቀረበ፥ እንሆ ነዲኡ ሓደ ወዳ ዝነበረ ስለ ዝሞተ ተፀይሩ ይወፅእ ነበረ፥ ንሳ ኸኣ መበለት ነበረት። ብዙኃት ደቂ እታ ኸተማ ኸኣ ምስኣ ነበሩ። 13. ጐይታ ምስ ረኣያ ራኅርኃላ፥ “ኣይትብከዪ” ኸኣ በላ። 14. ቀሪቡ ነቲ ቓሬዛ ተንከዮ፥ እቶም ፀወርቲውን ደው በሉ፤ ንሱ ኸኣ “ኣታ ጐበዝ፥ ተንሥእ እብለካ ኣሎኹ” በሎ። 15. እቲ ምዉት ተንሢኡ ኮፍ በለ፥ ምዝራብውን ጀመረ፤ ኢየሱስ ድማ ነዲኡ ሃባ። 16. ንዅሎም ፍርሃት ኃዞም፤ “ኣብ ማእከልና ዓቢይ ነቢይ ተንሢኡልና፥ ኣምላኽ ንሕዝቡ በጺሕዎ” እናበሉ ኸኣ ንኣምላኽ ኣመስገንዎ። 17. ዝናኡ ኸኣ ኣብ ኲላ ይሁዳን ከባቢኣን ተሰምዐ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

ቅዳሴ Liturgy :

ዘቄርሎስ

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 88 : 15 - 16 / መዝ ፹፯ : ፲፭ - ፲፮ [English][ትግርኛ]

ፍርሃትካ ተሰኪመስ፣ ተስፋ እቘርጽ ኣሎኹ። ሓዊ ቚጥዓኻ ብልዕለይ ሐሊፉ፣ ስምባድካ ኣጥፊኡኒ።

ተልዒልየ ተትሕትኩ ወተመነንኩ፤
ላዕሌየ ኃለፈ መቅሠፍትከ፤
ወግርማከ አደንገፀኒ።


 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 14 : 7 - 15 [English][ግእዝ]

7. ነቶም ናብ ምሳሕ ዝተጸውዑ ድማ፥ ዝበለጸ መንበር ኪኃርዩ ምስ ረኣየ፥ ከምዚ ኢሉ ምስላ መሰለሎም። 8. “ሓደ ናብ መርዓ እንተ ዓደመካ፥ ኣብቲ ዝበለጸ መንበር ኣይትቀመጥ። ካባኻ ዚኸብር ካልእ ጸዊዑ ኸይከውን እሞ፥ 9. እቲ ንእኡን ንኣኻን ዝጸውዐ መጺኡ፥ ‘እዛ ስፍራ እዚእ ነዚ ኅደገሉ’ ኸይብለካ፤ ሽዑ እናኃፈርካ ናብ ታሕታይ መንበር ክትወርድ ከይትጅምር። 10. ምስ ተዓደምካ እቲ ዝዓደመካ መጺኡ ‘ዓርከይ ናብቲ ዝለዓለ ቦታ ደይብ’ ምእንቲ ኺብለካ፥ ኼድካ ኣብ ዝተሓተ ቦታ ተቐመጥ። ሽዑ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሳኻ ዚምስሑ ዅሎም መቓምጥኻ ኽብሪ ኪኾነልካ እዩ። 11. ምኽንያቱ እቲ ርእሱ ዜልዕል ኵሉ ኪዋረድ እዩ፥ እቲ ርእሱ ዜትሕት ግና ኪኸብር እዩ።” 12. ኢየሱስ ድማ ነቲ ዝጸውዖ ሰብኣይ ከምዚ በሎ፦ “ምሳሕ ወይስ ድራር እንተ ገበርካ፥ ኣዕሩኽካ ኾነ ወይ ኣኅዋትካ፥ ኣዝማድካ ወይ ሃብታማት ጐረባብትኻ ኣይትጸውዕ፤ ምኽንያቱ ንሳቶም ድማ መሊሶም ከይጽውዑኻ እሞ ምፍዳይ ለቕሓ ኸይኮነካ። 13. ምሳሕ እንተ ገበርካስ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ደኣ ጸውዕ። 14. ዚፈድዩኻ የብሎምን እሞ ብፁዕ ክትከውን፥ ብትንሣኤ ጻድቃንውን ክትፍደዮ ኢኻ” በሎ። 15. ሓደ ኻብቶም ምስ ኢየሱስ ኣብ መኣዲ ዝተቐመጡ እዚ ምስ ሰምዐ፥ “እቲ ኣብ መንግሥቲ ኣምላኽ እንጌራ ዚበልዕ ብፁዕ እዩ፥” በሎ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ዘመነ ማቴዎስ Readings for Tuesday

የካቲት 4, 2017 ብግእዝ Feb 11, 2025 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 103 : 13 - 14 / መዝ ፻፪ : ፲፫ - ፲፬ [English][ትግርኛ]

ከምቲ ወላዲ ንውሉዱ ዚርሕርሓሎም፣ ከምኡ እግዚኣብሄር ንዚፈርህዎ ይርሕርሓሎም እዩ። ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ፣ ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ።

ወበከመ ይምሕር አብ ውሉዶ፤
ከማሁ ይምሕሮሙ እግዚአብሔር ለእለ ይፈርህዎ፤
እስመ ውእቱ የአምር ፍጥረተነ።


 

ወንጌል Gospel

ማቴ 9 : 32 - 38 [English][ግእዝ]

32. ንሳቶም ኪወፁ ኸለው ድማ እንሆ ሓደ ጋኔን ዝኃደሮ ዓባስ ኣምጽኡሉ። 33. ኢየሱስ ነቲ ጋኔን ምስ ኣውፅኦ እቲ ዓባስ ተዛረበ። እቶም ሕዝቢ ድማ “ከምዚ ዝበለ ነገር ኣብ እስራኤል ከቶ ኣይተራእየን” ኢሎም ተገረሙ። 34. ፈሪሳውያን ግና፥ “ንኣጋንንቲ ብሓለቓ ኣጋንንቲ የውፅኦም ኣሎ” በሉ። 35. ኢየሱስ ከኣ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ እናመሃረ፥ ወንጌል ምንግሥቲ እናሰበኸ፥ ኵሉ ሕማምን፥ ኣብ ሕዝቢ ዝነበረ ድናሰን እናኣሕወየ፥ ኣብ ኵለን ከተማታትን ዓድታትን ይዘውር ነበረ። 36. ብዙኅ ሕዝቢ ምስ ረኣየ፥ ጓሳ ከም ዘይብለን ኣባጊዕ፥ ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን ነበሩ እሞ ራኅርኃሎም። 37. ሽዑ ንደቀ መዛምርቱ “እቲ እኽሊ ብዙኅ እዩ፥ ዓየይቲ ግና ውሑዳት እዮም። 38. ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ” በሎም። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

1ይ ቆሮ 12 : 28 - ፍም [English][ግእዝ]

28. ኣምላኽ ከኣ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን፥ ብመጀመርታ ሓዋርያት፥ ካልኣይ ነቢያት፥ ሣልሳይ መምህራን፥ ደኃር ተኣምራት ዚገብሩ፥ ናይ ምፍዋስ ውህበት ዘለዎም፥ ዚሕግዙ፥ ዜመኃድሩ፥ በብዓይነቱ ቛንቋታት ዚዛረቡ ሠርዐ። 29. ኲላቶምዶ ሓዋርያት እዮም፧ ኲላቶምዶ ነቢያት እዮም፧ ኲላቶምዶ መምህራን እዮም፧ ኲላቶምዶኸ ገበርቲ ተኣምራት እዮም፧ 30. ኲላቶምዶ ውህበት ምፍዋስ ዘለዎም እዮም፧ ኲላቶምዶ ቋንቋታት ይዛረቡ እዮም፧ ኲላቶምዶኸ ይትርጒሙ እዮም፧ 31. ነተን ዝዓበያ ውህበታት ደኣ ጽዓቱ። ሕጂ ኸኣ ዝበለጸ መገዲ ኽሕብረኩም እየ።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

ያዕ 1 : 16 - ፍም [English][ግእዝ]

16. ኣቱም ፍቁራት ኣኅዋተይ፥ ኣይትስሓቱ። 17. ጽቡቕን ምሉእን ውህበት ካብ ላዕሊ እዩ፥ ካብቲ ዘይልወጥን ኣብ ጸልማት ክንነብር ዘይኃድገናን፥ ኣቦ ብርሃናት ዝኾነ ዚወርድ እዩ። 18. በዅሪ ናይ ኵሉ ፍጥረቱ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ ከም ፍቓዱ ብቓል ሓቂ ወለደና። 19. ፍቁራት ኣኅዋተይ! ነዚ ዅሉ ትፈልጥዎ ኢኹም። ግና ነፍስ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፥ ንምዝራብ ደንጓዪ፥ ከምኡውን ንዅራ ደንጓዪ ይኹን። 20. ከመይ ኵራ ሰብ ናብቲ ኣምላኽ ዚደልዮ ቅኑዕ ሕይወት ኣየብጽሕን እዩ። 21. ስለዚ ንርኽሰት ዘበለን ነቲ ደንፊዑ ዘሎ ኽፍኣትን ካባኹም ኣርሕቑ፥ ነቲ ኼድኅነኩም ዚኽእል ኣብ ልብኹም ተተኺሉ ዘሎ ቓል ድማ ብገርህነት ተቐበልዎ። 22. ገበርቲ ቓል ኩኑ፥ ርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ። 23. ሓደ እኳ ሰማዕ ቃል ኮይኑ ገባሪ እንተ ዘይኮነ፥ ንሱ ነቲ ገጹ ብመስትያት ዚርኢ ሰብኣይ እዩ ዚመሰል። 24. ንሱ መልክዑ ይርኢ፥ ክይድ ኢሉ ኸኣ ብኡብኡ እንታይ ከም ዚመስል ይርስዕ። 25. እቲ ናብቲ ሓርነት ዚህብ ፍጹም ሕጊ ኣተኵሩ ዚጥምት፥ ኣብ ምጥማቱ ድማ ዚጸንዕ፥ ነቲ ዝሰምዖ ኸይረስዐ ኸኣ ኣብ ግብሪ ዜውዕል ሰብ ግና፥ ኣብ ኵሉ ግብሩ ብፁዕ እዩ። 26. ሓደ ሰብ ንእግዚኣብሔር አምልኽ እየ እንተ በለ፥ ንልሳኑ ግና ገቲኡ ዘይክእል እንተ ኾነ፥ ንገዛእ ርእሱ ደኣ ይጥብር ኣሎ እምበር ኣምልኾኡ ኸንቱ እዩ። 27. እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣቦ ንጹሕን ርኽሰት ዘይብሉን ኣምልኾ፥ ገዛእ ርእስኻ ካብ ርኽሰት ዓለም እናሓሎኻ፥ ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ ጊዜ ጸበባኦም ምርዳእ እዩ።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 21 : 8 - 14 [English][ግእዝ]

8. ንጽባሒቱ ኻብኣ ወፂእና ናብ ቂሳርያ በጻሕና፥ ኣብ እንዳ ፊልጶስ ወንጌላዊ፥ ሓደ ካብቶም ሾብዓተ ዲያቆናት፥ ኣቲና ኣብኣ ቐኔና። 9. ንሱ ትንቢት ዚዛረባ ኣርባዕተ ደናግል ኣዋልድ ነበራኦ። 10. ሓያሎ መዓልቲ ምስ ገበርና ኸኣ ኣጋቦስ ዝስሙ ነቢይ ካብ ይሁዳ ወረደ። 11. ናባና መጺኡ ኸኣ ንዕጣቕ ጳውሎስ ወሲዱ፥ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብእኡ ኣሰረ እሞ፥ “ንዋና እዛ ዕጣቕ እዚኣ ኣይሁድ ኣብ ኢየሩሳሌም ከምዚ ገይሮም ኣሲሮም ናብ ኢድ ኣሕዛብ ኣኅሊፎም ኪህብዎ እዮም፥ ይብል መንፈስ ቅዱስ” በለ። 12. እዚ ምስ ሰማዕና ንሕናን እቶም ደቂ እታ ዓድን ኴንና፥ ናብ ኢየሩሳሌም ከይድይብ ንጳውሎስ ለመንናዮ። 13. ሽዑ ጳውሎስ “ንምንታይከ ከምዚ ትገብሩ፧ ስለምንታይከ ትበኽዩ፧ ንምንታይከ ልበይ ትሰብሩኒ ኣሎኹም፧ ኣነ ምእንቲ ስም ጐይታና ኢየሱስ ኣብ ኢየሩሳሌም ንማእሰርቲ ጥራይ ዘይኮነስ ንሙማትውን ድልዊ እየ” ኢሉ መለሰ። 14. ምስማዕ ምስ ኣበየና ኸኣ፥ “ፍቓድ ጐይታ ይኹን” ኢልና ሃዳእና።

 

ስንክሳር Synaxarium

ጥንተ ጾመ እግዚእነ
ወዕረፍቱ ለአጋቦስ ፩ እም፸፪ አርድእት
ወአባ ዘካርያስ
ወአባ ዮሐንስ ዘደብረ ሊባኖስ

 

መዝሙር Psalm

መዝ 40 : 3 - 4 / መዝ ፴፱ : ፫ - ፬ [English][ትግርኛ]

ሓድሽ መዝሙር ምስጋና ንአምላኽና ኣብ ኣፈይ ኣንበረ። ብዙሓት እዚ ርእዮም ኪፈርሁ፣ ናብ እግዚኣብሄርውን ኪውከሉ እዮም። እቲ ንእግዚኣብሄር እምንቶኡ ዚገብሮ፣ ናብቶም ዕቡያትን ናብ ሓሶት ዜግልሱን ዘየብል ሰብ ብጹእ እዩ።

ይርአዩ ብዙኃን ወይፍርሁ፤
ወይትወከሉ በእግዚአብሔር፤
ብፁዕ ብእሲ ዘስመ እግዚአብሔር ትውክልቱ።


 

ወንጌል Gospel

ማቴ 13 : 8 - 17 [English][ግእዝ]

8. ገሊኡ ግና ኣብ ጽቡቕ መሬት ወደቐ፥ ገሊኡ ሚእቲ፥ ገሊኡ ስሳ፥ ገሊኡ ሠላሳ ድማ ፈረየ። 9. እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ።” 10. ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም “ስለምንታይ ኢኻ ብምስላ እትዛረብ ዘሎኻ፧” በልዎ። 11. ኢየሱስ ከኣ መሊሱ ኸምዚ በሎም፦ “ምፍላጥ ምሥጢር መንግሥተ ሰማያት ንኣኻትኩም ተዋሂቡ ኣሎ፥ ንኣኣቶም ግና ኣይተዋህቦምን። 12. ንዘለዎ ይወሃቦ ይበዝኃሉ ውን፥ ንዘይብሉ ግና እቲ ዘለዎ እኳ የግድፍዎ። 13. እናረኣዩ ኣይርእዩን፥ እናሰምዑውን ኣየስተውዕሉን እዮም እሞ፥ ስለዚ እየ ብምስላ ዝዛረቦም ዘሎኹ። 14. - 15. ‘በእዛኖም ከይሰምዑ ኣእዛኖም ኣጽመሙ፥ በዕይንቶም ከይርእዩ ኣዕይንቶም ዓመቱ፥ ብልቦም ከየስተውዕሉ፥ ከይምለሱ፥ ኣነውን ከየሕውዮምሲ፥ ልቢ እዚ ሕዝቢ እዚ ተሪር እዩ እሞ፥ ምስማዕ ትሰምዑ ኢኹም፥ ኣይተስተውዕሉን፥ ምርኣይ ትርእዩ ኢኹም፥ ኣይተስተብህሉን፥ ኢኹም።’ ዚብል ትንቢት ኢሳይያስ ኣብኣቶም ይፍጸም ኣሎ። 16. “ኣዕይንትኹም ግና ይርእያ፥ ኣእዛንኩምውን ይሰምዓ ኣለዋ እሞ ብፁዓን ኢኹም። 17. ከመይ ብዙኃት ነቢያትን ጻድቃንን ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም ኪርእይዎ ተመንዮም ከም ዘይረኣይዎ፥ ነዚ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘሎኹም ኪሰምዕዎ ተመንዮም ከም ዘይሰምዕዎ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘአበዊነ ሐዋርያት(ዘበደሃሪ)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 104 : 22 - 23 / መዝ ፻፫ : ፳፪ - ፳፫ [English][ትግርኛ]

ጸሓይ ትበርቕ፣ ይምለሱ፣ አብ ጒድጓዶም ድማ ይድቅሱ። ሰብ ናብ ተግባሩን ናብ ዕዮኡን ክሳዕ ምሸት ይወጽእ።

ወይውዕሉ ውስተ ግበቢሆሙ፤
ወይወፍር ሰብእ ውስተ ተግባሩ፤
ይውዕል ወይትቀነይ እስከ ይመሲ።


 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 9 : 57 - ፍም [English][ግእዝ]

57. ኣብ መገዲ ኺኸዱ ኸለዉ ሓደ ሰብ “ጐይታይ! ናብ እትኸዶ ዘበለ ዅሉ ኽስዕበካ እየ” በሎ። 58. ኢየሱስ ከኣ “ንወኻሩ ጕድጓድ፥ ነዕዋፍ ሰማይውን መኅደሪ ኣለወን፥ ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጸግዓሉ ሥፍራ የብሉን” በሎ። 59. ንሓደ ኻልእ ከኣ “ስዓበኒ” በሎ፥ ንሱ ኸኣ፣ “ጐይታይ! ቅድም ከይደ ነቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ” በሎ። 60. ኢየሱስ ድማ “ምዉታት ንምዉታቶም ይቕበሩ ኅደጎም፤ ንስኻ ግና ኪድ መንግሥቲ ኣምላኽ ኣበሥር” በሎ። 61. ሓደ ኻልእ ድማ “ጐይታይ! ክስዕበካ እየ፥ ግናኸ ቅድም ካብ ስድራ ቤተይ ክሰናበት ፍቐደለይ” በሎ። 62. ኢየሱስ ግና “ዕርፊ ብኢዱ ኂዙ ንድኅሪት ዚርኢ፥ ንመንግሥቲ ኣምላኽ ኣይበቅዕን እዩ” በሎ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ዘመነ ማቴዎስ Readings for Wednesday

የካቲት 5, 2017 ብግእዝ Feb 12, 2025 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 111 : 5 - 6 / መዝ ፻፲ : ፭ - ፮ [English][ትግርኛ]

ንዚፈርህዎ ምግቢ ይህቦም፣ ኪዳኑ ንዘለአለም ይዝክር። ርስቲ ኣህዛብ ብምሃቡ ሓይሊ ግብሩ ንህዝቡ ኣርአዮ።

ወወሀቦሙ ሲሳዮሙ ለእለ ይፈርህዎ፤
ወተዘከረ ኪዳኖ ዘለዓለም፤
ወአርአዮሙ ለሕዝቡ ኃይለ ምግባሩ።


 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 14 : 12 - 15 [English][ግእዝ]

12. ኢየሱስ ድማ ነቲ ዝጸውዖ ሰብኣይ ከምዚ በሎ፦ “ምሳሕ ወይስ ድራር እንተ ገበርካ፥ ኣዕሩኽካ ኾነ ወይ ኣኅዋትካ፥ ኣዝማድካ ወይ ሃብታማት ጐረባብትኻ ኣይትጸውዕ፤ ምኽንያቱ ንሳቶም ድማ መሊሶም ከይጽውዑኻ እሞ ምፍዳይ ለቕሓ ኸይኮነካ። 13. ምሳሕ እንተ ገበርካስ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ደኣ ጸውዕ። 14. ዚፈድዩኻ የብሎምን እሞ ብፁዕ ክትከውን፥ ብትንሣኤ ጻድቃንውን ክትፍደዮ ኢኻ” በሎ። 15. ሓደ ኻብቶም ምስ ኢየሱስ ኣብ መኣዲ ዝተቐመጡ እዚ ምስ ሰምዐ፥ “እቲ ኣብ መንግሥቲ ኣምላኽ እንጌራ ዚበልዕ ብፁዕ እዩ፥” በሎ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

ሮሜ 5 : 15 - ፍም [English][ግእዝ]

15. ግናኸ ጸጋ እግዚኣብሔርን ኣበሳን ሓደ ኣይኮነን፥ ብኣበሳ ሓደ ሰብ ብዙኃት ከም ዝሞቱ፥ እቲ ጸጋ ኣምላኽን፥ እቲ ብኸምኡ ዝተዋህበ፥ ብጸጋ ናይቲ ሓደ ሰብኣይ ማለት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ዝተረኽበ ውህበትን፥ ኣብ ብዙኃት እምብዛ ዓዚዙ ኣሎ። 16. እቲ ብጸጋ ዝተረኽበ ውህበት ከም ሳዕቤን ናይቲ ብሓደ ሰብ ዝመጸ ኃጢኣት ኣይኮነን። ብኃጢኣት ሓደ ሰብኣይ ዝመጸ ፍርዲ፥ ኲነኔ ኣስዓበ፥ ብኃጢኣት ብዙኃት ዝመጸ ጸጋ ኸኣ፥ ጽድቂ ኣፍረየ። 17. ሞት፥ ብሰሪ ኃጢኣት ሓደ ሰብ፥ ማለት ብሰሪዚ ሓደ ሰብዚ ኻብ ነገሠት፥ እቶም ብዙኅ ጸጋ ኣምላኽን ውህበት ጽድቅን ዝረኸቡ ደኣ፥ በቲ ሓደ ሰብኣይ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብ ሕይወት ክንደይ ኣብሊጾም ዘይነግሡ። 18. እምበኣር ከምቲ ብሓንቲ ኃጢኣት ናብ ኵሉ ሰብ ኲነኔ ዝመጸ፥ ከምኡ ድማ ብሓንቲ ግብሪ ጽድቂ፥ ንዅሉ ሰብ ሕይወት እትህብ ጽድቂ መጸት። 19. ከመይ ብዙኃት ብዘይ ምእዛዝ ሓደ ሰብ ኃጥኣን ከም ዝኾኑ፥ ከምኡ ኸኣ ብምእዛዝ እቲ ሓደ ብዙኃት ጽድቃን ኪኾኑ እዮም። 20. ኃጢኣት ምእንቲ ኺበዝሕ ሕጊ ኣተወ፥ ኣብቲ ኃጢኣት ዝበዝኆ ግና፥ ኣብኡ ጸጋ ኣዝዩ ዓዘዘ። 21. ስለዚ ኸምቲ ኃጢኣት ሞት ብምምጻእ ዝነገሠ፥ ጸጋ እግዚኣብሔር ኸኣ ኸምኡ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና፥ ብጽድቂ ንዘለዓለም ሕይወት ኪነግሥ እዩ።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

ያዕ 2 : 1 - 10 [English][ግእዝ]

1. ኣቱም ኣኅዋተይ! በቲ ኽቡር ጐይታ ዝኾነ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እትኣምኑ ስለ ዝኾንኩም ኣድልዎ ኣይትግበሩ። 2. ኣብ መንፈሳዊ ኣኼባኹም ሓደ ብዓል ቀለቤት ወርቂ፥ ጽሩይ ክዳን ዝተኸድነ ሰብኣይን፥ ሓደ ድኻ ረሳሕ ክዳን ዝተኸደነ ሰብኣይን እንተ ኣተዉ፥ 3. እሞ ነቲ ጽሩይ ክዳን ዝተኸድነ ብምድላው፥ “ንሰኻ ኣብዚ ጽቡቕ ሥፍራ ተቐመጥ” እንተ በልኩምዎ፥ ነቲ ድኻ ግና “ንሰኻ ኣብቲ ደው በል፥ ወይስ ኣብዚ ኣብ መርገጽ እግረይ ተቐመጥ” እንተ በልኩምዎ፥ 4. ብኽፉእ ሓስብ ተመሪሕኩም ኣብ ነንሓድሕድኩምዶ ብምድላው ትፈርዱ ኣየሎኹምን፧ 5. ኣቱም ፍቁራት ኣኅዋትይ፥ እስከ ስምዑ፥ ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም መንግሥቲ ምእንቲ ኺወርሱ፥ ብእምነት ሃብታማት ምእንቲ ኺኾኑ፥ ነቶም ብኣረኣእያ ዓለም ድኻታት ዝኾኑዶ ኣይኃረዮምን እዩ፧ 6. ንሰኻትኩም ግና ነቲ ድኻ ኣዋረድኩምዎ። እቶም ሃብታማትዶ ኣይኮኑን ዚገፍዑኹምን ናብ ቤት ፍርዲ ዚስሕቡኹምን፧ 7. ንሳቶምዶ ኣይኮኑንከ ነቲ ዝተሰሜኹምሉ ኽቡር ሰም ዚጸርፉ ዘለዉ፧ 8. ነቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዚርከብ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር” ዚብል ዓቢይ ሕጊ እንተ ድኣ ብሓቂ ፈጺምኩምዎ ሠናይ ትገብሩ ኣሎኹም። 9. ኣድልዎ እንተ ገበርኩም ግና ኃጢኣት ትገብሩ ኣሎኹም፥ እቲ ሕጊ ኸኣ መፍረስቲ ሕጊ ምዃንኩም ይረትዓኩም ኣሎ። 10. ንብዘሎ እቲ ሕጊ ሓልዩ ኣብ ሓንቲ ዚብድል ብዅሉ እዩ በደለኛ ዚኸውን።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 21 : 15 - 26 [English][ግእዝ]

15. ብድኅሪ እዘን መዓልትታት እዚኣተን ምስ ተዳሎና ናብ ኢየሩሳሌም ደየብና። 16. ገለ ቚሩባት ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ካብ ቂሳርያ ኣሰንዮምና መጹ፥ ናብ እንዳ ምናሶን ብዓል ቆጵሮስ ክንኣቱውን መርሑና፥ ንሱ ካብቶም ቀዳሞት ዝኣመኑ ደቀ መዛሙርቲ ነበረ። 17. ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በጻሕና፥ እቶም ኣኅዋት ብሓጐስ ተቐበሉና። 18. ንጽባሒቱ ጳውሎስ ምሳና ኾይኑ ንያዕቆብ በጽሖ፥ ኵሎም እቶም መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ከኣ ኣብኡ ነበሩ። 19. ሰላም ምስ በሎም ከኣ፥ በቲ ናቱ ኣገልግሎት ገይሩ ኣምላኽ ኣብ ኣሕዛብ ዝገበሮ ተር ኣቢሉ በብሓደ ኣዘንተወሎም። 20. ነዚ ምስ ሰምዑ ንኣምላኽ ኣመስገኑ፥ ንጳውሎስ ከኣ ኸምዚ በልዎ፦ “ኣታ ኃውና፥ ካብ ኣይሁድ ክንደይ ኣእላፋት ከም ዝኣመኑ ትርኢ ኣሎኻ፥ ኵላቶም ከኣ ሕጊ ሙሴ ንምፍጻም ቅንኣት ኣለዎም። 21. ኣብ ማእከል ኣሕዛብ ንዘለዉ ዅላቶም ኣይሁድ ከኣ ካብ ሕጊ ሙሴ ኪርሕቁ፥ ደቆም ከይገዝሩ፥ ብሥርዓቶምውን ከይነብሩ ኢልካ ከም እትምህር ሰሚዖምልካ ኣለዉ። 22. እሞኸ እንታይ ይኃይሽ፧ ምምጻእካ ብርግጽ ኪሰምዑ እዮም። 23. እምበኣርከ ከምዚ እንብለካ ግበር፥ መብጽዓ ዘለዎም ኣርባዕተ ሰብኣይ ኣለዉና፥ 24. ምሳኻ ተማልኣዮም እሞ ምስኣቶም ርእስኻ ኣንጽሕ፥ ርእሶም ይላጸዩ፥ እቲ ንቤተ መቕደስ ዚግባእ መባእ ከኣ ንስኻ ኽፈለሎም፤ ሽዑ ንስኻ ባዕልኻ እኳ ሕጊ እናሓሎኻ ከም እትመላለስን እዚ ብዛዕባኻ ዝሰምዕዎ ዘበለ ኸኣ ሓቂ ኸም ዘይኮነን ኵላቶም ኪፈልጡ እዮም። 25. ብዛዕባ እቶም ዝኣመኑ ኣሕዛብ ግና፥ ተማኺርና ‘ካብ ንጣዖታት ዝተሠውዐ ምግብን ካብ ደምን ካብ ሥጋ ዝሓለቐ እንስሳን ካብ ዝሙትን ተሓረሙ’ ኢልና ብጽሑፍ ኣዚዝናዮም ኣሎና።” 26. ሽዑ ጳውሎስ ነቶም ሰባት ኂዙ ንጽባሒቱ ምስኣቶም ርእሱ ኣንጽሐ፥ ብድኅሪ እዚ እቲ መዓልቲ ምንጻሖም መኣዝ ከም ዚውዳእን፥ ንነፍስ ወከፎም ድማ መሥዋዕቲ መኣዝ ከም ዚዓርገሎምን ኪነግር ናብ ቤት መቕደስ ኣተወ።

 

ስንክሳር Synaxarium

አክረጲኑ ሊቀ ጳጳሳት
ወአባ ብሶይ ዘተሰምየ ጴጥሮስ
ወአባ ኖብ
ወአባ ዕብሎይ አርአያ መላእክት
ወፍልሰተ ሥጋሆሙ ለ፵ወ፱ ሰማዕታት
ወአቡሊድስ ሊቀ ጳጳሳት
ወአባ ዕብሎይ ዘፈጸመ ገቢረ ኃጢአት
ወቡላ
ወአሞኒ
ወዐቢያ እሙ ለዕብሎይ

 

መዝሙር Psalm

መዝ 32 : 1 - 2 / መዝ ፴፩ : ፩ - ፪ [English][ትግርኛ]

ኣበሳኡ እተሐድገሉ፣ ሓጢኣቱ እተሰወረሉ ሰብ ብጹእ እዩ። እግዚኣብሄር በደሉ ዘይጽብጽበሉ፣ ኣብ መንፈሱውን ልግሚ ዜብሉ ሰብ ብጹእ እዩ።

ብፁዓን እለ ተኀድገ ሎሙ ኀጢአቶሙ፤
ወለእለ ኢሐሰበ ሎሙ ኵሎ ጌጋዮሙ፤
ብፁዕ ብእሲ ዘኢኈለቈ ሎቱ እግዚአብሔር ኃጢአቶ።


 

ወንጌል Gospel

ማቴ 9 : 10 - 17 [English][ግእዝ]

10. ብድኅርዚ ኣብ እንዳ ማቴዎስ ኣብ መኣዲ ምስ ተቐመጠ፥ እንሆ ብዙኃት ተቐበልቲ ቐረጽን ኃጥኣንን ምስ ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱን ተቐመጡ። 11. ፈሪሳውያን ከኣ እዚ ርእዮም ንደቀ መዛሙርቱ፦ “መምህርኩም ምስ ተቐበልቲ ቐረጽን ኃጥኣንን ስለምንታይ ይበልዕ፧” በልዎም። 12. ኢየሱስ ግና ሰሚዑ፥ “ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፥ ጥዑያት ኣይደልይዎን እዮም። 13. ‘ምሕረት ደኣ እምበር መሥዋዕቲ ኣይኰነን ዝደሊ’ ዚብል እንታይ ምዃኑ ኪዱ ተምሃሩ። ከመይ ኣነ ንኃጥኣን እምበር ንጻድቃን ናብ ንስሓ ኽጽውዕ ኣይመጻእኩን” በሎም። 14. ሽዑ ደቀ መዛሙርቲ ዮሓንስ ናብ ኢየሱስ መጺኦም “ንሕናን ፈሪሳውያንን ብዙኅ ንጸውም፥ ደቀ መዛሙርትኻ ድኣ ስለምንታይ እዮም ዘይጸሙ፧” በልዎ። 15. ኢየሱስ ከኣ ኸምዚ በሎም፦ “መርዓዊ ምስኣቶም ከሎዶ ኣዕሩኽ መርዓዊ ኪኃዝኑ ይኽእሉ እዮም፧ ግናኸ መርዓዊ ካብኣቶም ዚውሰደላ መዓልቲ ኽትመጽእ እያ፥ ሽዑ ኸኣ ኪጾሙ እዮም። 16. ሓድሽ ቁራጽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዚልግብ ሓደ እኳ የልቦን፥ ምኽንያቱ ነቲ ጥዑይ ይልክሞ፥ እቲ ምቕዳዱ ኸኣ ዝገደደ ይኸውን። 17. ንሓድሽ ወይኒ ኣብ ዝኣረገ ኣሕርብቲ ኣየዕርቕዎን እዮም፥ ምኽንያቱ እቲ ኣሕርብቲ ይቕደድ እቲ ወይኒውን ይፈስስ፥ እቲ ኣሕርብቲ ኸኣ ይበላሾ። ንሓድሽ ወይኒ ግና ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ የዕርቕዎ፥ ክልቲኦም ድማ ይሕለው። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘባስልዮስ(እግዚኦ መሐረነ)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 33 : 4 - 5 / መዝ ፴፪ : ፬ - ፭ [English][ትግርኛ]

ቃል እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ እሞ፣ ተግባሩ ዅሉውን እሙን እዩ። ጽድቅን ፍርድን ይፈቱ፣ ምድሪ ብሳህሊ እግዚኣብሄር መሊኣ እያ።

እስመ ጽድቅ ቃሉ ለእግዚአብሔር፤
ወኵሉ ግብሩ በሃይማኖት፤
ያፈቅር እግዚአብሔር ጽድቀ ወምጽዋተ።


 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 14 : 10 - 15 [English][ግእዝ]

10. ምስ ተዓደምካ እቲ ዝዓደመካ መጺኡ ‘ዓርከይ ናብቲ ዝለዓለ ቦታ ደይብ’ ምእንቲ ኺብለካ፥ ኼድካ ኣብ ዝተሓተ ቦታ ተቐመጥ። ሽዑ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሳኻ ዚምስሑ ዅሎም መቓምጥኻ ኽብሪ ኪኾነልካ እዩ። 11. ምኽንያቱ እቲ ርእሱ ዜልዕል ኵሉ ኪዋረድ እዩ፥ እቲ ርእሱ ዜትሕት ግና ኪኸብር እዩ።” 12. ኢየሱስ ድማ ነቲ ዝጸውዖ ሰብኣይ ከምዚ በሎ፦ “ምሳሕ ወይስ ድራር እንተ ገበርካ፥ ኣዕሩኽካ ኾነ ወይ ኣኅዋትካ፥ ኣዝማድካ ወይ ሃብታማት ጐረባብትኻ ኣይትጸውዕ፤ ምኽንያቱ ንሳቶም ድማ መሊሶም ከይጽውዑኻ እሞ ምፍዳይ ለቕሓ ኸይኮነካ። 13. ምሳሕ እንተ ገበርካስ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ደኣ ጸውዕ። 14. ዚፈድዩኻ የብሎምን እሞ ብፁዕ ክትከውን፥ ብትንሣኤ ጻድቃንውን ክትፍደዮ ኢኻ” በሎ። 15. ሓደ ኻብቶም ምስ ኢየሱስ ኣብ መኣዲ ዝተቐመጡ እዚ ምስ ሰምዐ፥ “እቲ ኣብ መንግሥቲ ኣምላኽ እንጌራ ዚበልዕ ብፁዕ እዩ፥” በሎ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ዘመነ ማቴዎስ Readings for Thursday

የካቲት 6, 2017 ብግእዝ Feb 13, 2025 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 25 : 7 - 8 / መዝ ፳፬ : ፯ - ፰ [English][ትግርኛ]

ዎ እግዚኣብሄር፣ ንሓጢኣት ንእስነተይን ኣበሳይን ኣይትዘክሮ፣ ከም ለውሃትካ፣ ስለ ሳህልኻ ኢልካ ዘክረኒ።

ኃጢአትየ ዘበንእስየ ወዕበድየ ኢትዝክር ሊተ፤
ወበከመ ሣህልከ ተዘከረኒ፤
በእንተ ምሕረትከ እግዚኦ።


 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 7 : 36 - ፍም [English][ግእዝ]

36. ሓደ ካብ ፈሪሳውያን ንኢየሱስ ምስኡ ኺበልዕ ሓተቶ፥ ናብ ገዝኡ ኣትዩ ድማ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ። 37. እንሆ ኣብቲ ዓዲ ሓንቲ ኃጥእ ሰበይቲ ነበረት፤ ኣብ እንዳ እቲ ፈሪሳዊ ኣብ መኣዲ ምቕማጡ ምስ ፈለጠት ድማ ቕዱይ ቅብኢ ዝመልአ ብኣልባስጥሮስ ዝተሠርሐ ብልቃጥ ኣምጽአት። 38. ብድኅሪኡ ኣብ ጥቓ እግሩ ኾይና እናበኸየት በቲ ንብዓታ እግሩ ከተጠልቅዮ ጀመረት፥ ብፀጒሪ ርእሳ እናደረዘት እግሩ ትስዕም፥ ቅዱይ ቅብኢውን ትቐብኦ ነበረት። 39. እቲ ዝጸውዖ ፈሪሳዊ ድማ ነዚ ርእዩ፥ “እዚ ነቢይ እንተ ዚኸውንሲ እዛ ትትንክዮ ዘላ ሰበይቲ ኃጥእ እያ እሞ እንታወይትን ከመይ ዝበለትን ምዃና ምፈለጠ ነይሩ” ኢሉ ብልቡ ሓሰበ። 40. ኢየሱስ ከኣ “ስምዖን፥ ዝብለካ ኣሎኒ” በሎ፤ ንሱ ኸኣ “መምህር! ተዛረብ” በሎ፤ 41. “ንሓደ መለቅሒ ኽልተ ሰብ ዕዳ ነበርዎ፤ ኣብቲ ሓደ ኃሙሽተ ሚእቲ፥ ኣብቲ ሓደ ድማ ኃምሳ ዲናር ነበሮ። 42. ዚፈድይዎ ስለ ዝሰኣኑ ግና ንኽልቲኦም ኃደገሎም። ካብኣቶም እቲ ኣዝዩ ዜፍቅሮ መኖም እዩ፧” 43. ስምዖን ከኣ “ንኣይሲ እቲ ብዙኅ ዝተኃድገሉ ይመስለኒ” ኢሉ መለሰ፥ ኢየሱስ ኸኣ “ቅኑዕ ፈረድካ” በሎ። 44. ሽዑ ናብታ ሰበይቲ ግልጽ ኢሉ ንስምዖን ከምዚ በሎ፥ “ነዛ ሰበይቲ እዚኣስ ትርእያዶ ኣሎኻ፧ ናብ ቤትካ ኣትየ ንእግረይ እኳ ማይ ኣይሃብካንን፥ እዚኣ ግና ብንብዓታ ኣእጋረይ ኣጠልቀየት፥ ብፀጉሪ ርእሳውን ደረዘት። 45. ንስኻ ኣይተሳለምካንን፥ እዚኣ ግና ካብ ዝኣቱ ጀሚራ ኣእጋረይ ካብ ምስዓም ኣየቋረጸትን። 46. ንስኻ ርእሰይ ብዘይቲ ኣይቀባእካንን፥ እዚኣ ግና ኣእጋረይ ብቕዱይ ቅብኢ ቐበአት። 47. ስለዚ ብዙኅ ስለ ዘፍቀረት ንእኣ ብዙኅ ኃጢኣት ተኃዲጉላ እዩ፥ እብለካ ኣሎኹ። እቲ ሒደት ዚኅደገሉ ግና ሒደት እዩ ዜፍቅር።” 48. ንእኣ ድማ፦ “ኃጢኣትኪ ተኃዲጉልኪ እዩ” በላ። 49. እቶም ምስኡ ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ኸኣ ብልቦም “እዚ ኃጢኣት ኪኃድግ ዚኽእልስ መን ኮን ኮይኑ እዩ፧” ኢሎም ሓሰቡ። 50. ንሱ ግና ነታ ሰበይቲ “እምነትኪ እያ ዘድኃነትኪ፥ ብሰላም ኪዲ” በላ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

1ይ ቆሮ 1 : 12 - 17 [English][ግእዝ]

12. እወ! ነፍስ ወከፍኩም “ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ፥ ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ፥ ኣነ ናይ ኬፋ እየ፥ ኣነስ እባ ናይ ክርስቶስ” ከም እትብሉ ነጊሮምኒ ኣለዉ። 13. ክርስቶስዶ ተመቓቒሉ እዩ፧ ወይስ ጳውሎስ ድዩ ምእንታኻትኩም ዝተሰቕለ፥ ብስም ጳውሎስ ዲኹም ዝተጠመቕኩም፧ 14. ካባኻትኩም ብዘይካ ንክርስጶስን ንጋይዮስን ንሓደ እኳ ስለ ዘየጥመቕኩ ንኣምላኽ አመስግኖ ኣሎኹ። 15. ስለዚ ኻባኻትኩም ሓደ እኳ “ብስሙ ተጠሚቐ” ኪብል ኣይክእልን እዩ። 16. ንስድራ እስጢፋኖስ እባ ኣጥሚቐ ኣሎኹ፥ ብዝተረፈ ግና ኻልእ ከም ዘጥመቕኩ ኣይዝከረንን። 17. ከመይ ክርስቶስ ወንጌል ክሰብኽ እምበር ከጥምቕ ኣይለኣኸንን። እንተኾነ እቲ ናይ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ሙማት ከንቱ ምእንቲ ኸይከውን፥ እቲ ብሥራት ኣብ ክእለት ዘረባ ዝተመሥረተ ኣይነበረን።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

ያዕ 4 : 1 - 9 [English][ግእዝ]

1. እቲ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ ውግእን ባእስን ካበይ ድዩ ዚመጽእ ዘሎ፧ ካብቲ ኣብ ውሽጥኹም ኮይኑ ዚዋጋእ ዘሎ ፍትወት ሥጋኹምዶ ኣይኮነን፧ 2. ሃረር ትብሉ፥ ሰለ ዘይረኸብኩም ከኣ ትቐትሉ፥ ክፋእ ትምነዩ፥ ሓንቲ እኳ ኽትረኽቡ ስለ ዘይከኣልኩም ትብኣሱን ትዋግኡን። ንኣምላኽ ሰለ ዘይለመንኩም ድማ የብልኩምን። 3. ንፍትወት ሥጋኹም ምእንቲ ኸተርውዩ ኢልኩም ብኽፋእ ሓሳባት ሰለ እትልምኑ ኣይትቕበሉን። 4. ኣቱም ከሓድቲ! ንዓለም ምፍቃር ንኣምላኽ ምጽላእ ከም ዝኾነዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እቲ ዓርኪ ዓለም ኪኸውን ዚደሊ ሰብ ጸላእ ኣምላኽ ይኸውን። 5. ወይስ እቲ “ኣምላኽ ነቲ ኣባና ኣኅዲርዎ ዘሎ መንፈስ፥ ብቕንኢ እዩ ዚሕልዎ” ዚብል ቃል ቅዱስ መጽሓፍዶ ከንቱ ይመስለኩም፧ 6. ንሱ ግና ቅዱስ መጽሓፍ “ኣምላኽ ንዕቡያት ይፃረሮም ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም” ከም ዚብል፥ ኣብዚኁ እዩ ጸጋ ዚህብ። 7. እምበኣርሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ።ንዲያብሎስ ግና ተፃረርዎ፥ ንሱ ኸኣ ኻባኻትኩም ኪሃድም እዩ። 8. ንኣምላኽ ቅረብዎ፥ ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ። ኣቱም ኃጥኣን፥ ኣእዳውኩም ኣጽርዩ፥ ኣቱም ሰብ ክልተ ልቢውን ልብኹም ኣንጽሑ። 9. ኅዘኑን ጒሃዩን ብኸዩን። ሰሓቕኩም ናብ ብኽያት ሓጐስኩምውን ናብ ኃዘን ይለወጥ።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 27 : 39 - ፍም [English][ግእዝ]

39. ምስ ወግሐ ነቲ ምድሪ ምልላዩ ሰኣኑ፤ ኣማዕድዮም ግና ገምገም ዘለዎ ልሳን ባሕሪ ረኣዩ እሞ፥ እንተ ተኻእሎምሲ ነታ መርከብ ናብኡ ኬብጽሕዋ ደለዩ። 40. ነቲ መልህቅ ፈቲሖም ከኣ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ፤ ሽዑ ነቲ ማእሰር ስካን ፈትሕዎ፥ ነቲ ንእሽቶ ጋንጽላ ንንፋስ ገቲሮምውን ናብቲ ገምገም ገጾም ከዱ። 41. ኣብ ሓደ ልሳን ምድሪ ምስ በጽሑ ኸኣ፥ እታ መርከብ ብወገን ቅድሚታ ኣብ ምድሪ ተሸኽለት እሞ ዘይትንቕነቕ ኮነት፥ ብወገን ድኅሪታ ኸኣ ማዕበል በርቲዕዋ ተሰብረት። 42. እቶም ዓቀይቲ ድማ ሓደ እኳ ሓምቢሱ መታን ከይመልቚ ኢሎም፥ ነቶም እሱራት ኪቐትልዎም ተማኸሩ። 43. እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና ንጳውሎስ ኬድኅኖ ደልዩ፥ ነቲ ምኽሮም ኣይሠመሮን። ነቶም ሓምቢሶም ዚኽእሉ ድማ ቕድም ወሪዶም ናብ ምድሪ ኺወፁ ኣዘዘ። 44. ነቶም ዝተረፉ ኸኣ ገሊኦም ብሉሕ፥ ገሊኦምውን ብስባር እታ መርከብ ኪወፁ ኣዘዘ። በዚ ኸምዚ ዅላቶም ድኂኖም ናብ ምድሪ በጽሑ።

 

ስንክሳር Synaxarium

ፀአተ ሥጋሁ ለአቡሊድስ እምባሕር
ወአቡቂር ወዮሐንስ ወእሞሙ ሠላስ ደናግል
ወማርያም ሓጥእት ዘቀብዓቶ ዕፍረተ ለእግዚእነ

 

መዝሙር Psalm

መዝ 45 : 8 - 9 / መዝ ፵፬ : ፰ - ፱ [English][ትግርኛ]

ኣልባስካ ዅሉ ከርበን ዓልወን ዝባድን ይጨኑ፣ ኣብ ኣደራሻ ስኒ ሓርማዝውን በገናታት ባህ የብለካ ኣሎ። ኣዋልድ ነገስታት ኣብ ማእከል እተን ክቡራት ኣንስትኻ እየን፣ እታ ንግስቲ ብወርቂ ኦፈር ተሰሊማ፣ ኣብ የማንካ ትቐውም ኣላ።

ከርቤ ወቀንአተ ወሰሊኆት እምነ አልባሲከ፤
እምክቡዳነ አቅርንት ዘእምኔሆሙ አስተፌሥሐከ፤
አዋልደ ንግሥት ለክብርከ።


 

ወንጌል Gospel

ማቴ 26 : 6 - 13 [English][ግእዝ]

6. ኢየሱስ ኣብ ቢታንያ ኣብ ቤት ስምዖን እቲ ለምጻም ከሎ፥ 7. ሓንቲ ሰበይቲ ኽቡር ቅዱይ ሽቱ ዝመልአ ብኣልባስጥሮስ ዝተሠርሐ ብልቃጥ ኂዛ ናብኡ መጸት፥ ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸሎ ድማ ኣብ ርእሱ ኣፍሰሰቶ። 8. - 9. ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ነዚ ርእዮም “እዚ ኽንድዚ ዚኣክል ጥፍኣትከ ንምንታይ እዩ፧ ንብዙኅ ዋጋ ተሸይጡዶ ንድኻታት ግዳ ኣይምተዋህበን ነይሩ፧” እናበሉ ተቘጥዑ። 10. ኢየሱስ ግና ነዚ ፈሊጡ “እዛ ሰበይቲ ጽቡቕ ግብሪ እያ ዝገበረትለይ፥ ስለምንታይ ተሸግርዋ ኣሎኹም፧ 11. ድኻታትሲ ዅሉ ጊዜ ምሳኻትኩም ኣለዉ፥ ኣነ ግና ዅሉ ጊዜ ምሳኻትኩም የሎኹን። 12. እዚ ኣብ ርእሰይ ዘፍሰሰቶ ቕዱይ ቅብኢ ግና ንቐብረይ ኢላ እያ ዝገበረቶ። 13. እዚ ወንጌል እዚ ኣብ ዝተሰብኮ ዘበለ ኣብ ኵሉ ዓለም፥ እዚ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኸም ዚንገር ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ” በሎም። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘ፫፻ ምእት(ግሩም)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 25 : 17 - 18 / መዝ ፳፬ : ፲፯ - ፲፰ [English][ትግርኛ]

ጭንቀት ልበይ ዐዚዙ፣ ካብ ጸበባይ ኣውጽኣኒ። ንመከራይን ጭንቀይን ርአዮ እሞ፣ ንዅሉ ሓጢኣተይ ሕደገለይ።

ወብዙኅ ኀዘኑ ለልብየ፤
አድኅነኒ እምንዳቤየ፤
ርኢ ሕማምየ ወሥራሕየ።


 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 6 : 30 - 38 [English][ግእዝ]

30. ንዝለመነካ ዘበለ ሃብ፥ ገንዘብካ ንዝወሰደውን ምለሰለይ ኣይትበሎ። 31. ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ፥ ንስኻትኩም ከኣ ኸምኡ ግበሩሎም። 32. “ንዚፈትዉኹም ጥራይ እንተ ፈቶኹም እንታይ ምስጋና ኣሎኩም፧ ኃጥኣንውን ንዚፈትውዎም ይፈትዉ እዮም። 33. ሠናይ ንዚገብሩልኩም ጥራይ ሠናይ እንተ ገበርኩምከ እንታይ ምስጋና ኣሎኩም፧ ኃጥኣንውን ከምኡ ይገብሩ እዮም። 34. ኪፈድዩኹም ንትጽበይዎ እንተ ኣለቃሕኩምከ እንታይ ምስጋና ኣሎኩም፧ ኃጥኣንውን ንኃጥኣን ክንድኡ ኪፍደዩ የለቅሕዎም እዮም። 35. ግናኸ ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ፥ ሠናይ ከኣ ግበሩ፥ ክትፍደዩ ኸይተጸቤኹም ኣለቅሑ፥ እግዚኣብሔር ንዘየመስግኑን ንሕሱማትን ርኅሩኅ እዩ እሞ ዓስብኹም ብዙኅ ኪኸውን እዩ፥ ውሉድ እቲ ልዑልውን ክትኮኑ ኢኹም። 36. ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ርኅሩኅ ዝኾነ ንስኻትኩም ከኣ ርኅሩኃት ኩኑ። 37. “ኣይትፍረዱ፥ ኣይክትፍረዱን ኢኹም፤ ኣይትዀንኑ፥ ኣይክትኵነኑን ድማ ኢኹም፤ ኅደጉ፥ ኪኅደገልኩም እዩ። 38. ሃቡ፥ ኪወሃበኩም እዩ፤ በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኪስፈረልኩም እዩ እሞ፥ ጽቡቕ ዝተሰጐደ፥ ንኽኑኽ ዝተፋረወ መስፈሪ ኣብ ሕቝፍኹም ኪህቡኹም እዮም።” ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ዘመነ ማቴዎስ Readings for Friday

የካቲት 7, 2017 ብግእዝ Feb 14, 2025 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 105 : 17 - 18 / መዝ ፻፬ : ፲፯ - ፲፰ [English][ትግርኛ]

ዮሴፍ ከም ባርያ ተሸጠ። ነእጋሩ ብመቚሕ ሳቐዩ፣ ነፍሱ አብ ሓጺን አተወት።

ተሠይጠ ዮሴፍ ወኮነ ገብረ፤
ወሐማ እገሪሁ በመዋቅሕት፤
ወአምሠጠት ነፍሱ እምሐፂን።


 

ወንጌል Gospel

ማቴ 18 : 23 - 27 [English][ግእዝ]

23. “ስለዚ መንግሥተ ሰማያት ምስ ኣግልገልቱ ኪጸባጸብ ዝደለየ ንጉሥ ትመስል። 24. ኪጸባጸብ ምስ ጀመረ ዓሠርተ ሽሕ መክሊት፥ ዕዳ ዘለዎ ሰብ ኣምጽእሉ። 25. ዚፈድዮ ምስ ሰኣነ ግና እቲ ጐይታኡ ንሱን ሰበይቱን ደቁን ዘለዎ ሃብቲ ዅሉን ኪሸይጥ እሞ እቲ ዕዳ ኪኸፍል ኣዘዘ። 26. እቲ ኣገልጋሊ ድማ ናብ እግሩ ተደፊኡ ‘ጐይታይ፥ ተዓገሠኒ ድኣ እምበር ኵሉ ኽፈድየካ እየ’ እናበለ ሰገደሉ። 27. እቲ ጐይታኡ ድማ ነቲ ኣገልጋሊ ደንገጸሉ እሞ ፈትሖ፥ ዕዳኡውን ኃደገሉ። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

ኤፌ 6 : 10 - 18 [English][ግእዝ]

10. ብዝተረፈስ ኣኅዋተየ፥ ብጐይታን ብጽንዓት ኃይሉን በርትዑ። 11. ንፍሕሶ ሰይጣን ተቓዊምኩም ምእንቲ ኽትክእሉ ኣፅዋር ኣምላኽ ብምሉኡ ልበሱ። 12. ከመይ ቅልስና ምስ ሕልቅነትን ሥልጣናትን፥ ምስቶም ንዘመን ጸልማት ዜመኃድሩ ገዛእቲ ዓለምን፥ ምስቶም ክፉኣት መናፍስትን ኣብ ሰማያት ዘለዉ እዩ እምበር ምስ ሰብ ኣይኮነን። 13. እምበኣር በታ ኽፍእቲ መዓልቲ ተቓዊምኩም ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ዅሉ ስዒርኩም ኸኣ ደው ክትብሉስ፥ ምሉእ ኣፅዋር ኣምላኽ ልበሱ። 14. ደጊም ሕቜኹም ብሓቂ ተዓጢቕኩም፥ ድርዒ ጽድቂውን ተኸዲንኩም ቁሙ። 15. ነቲ ሰላም ዚህብ ወንጌል ኣብ ኣእጋርኩም ከም ኣሣእን ብምእታው ተዳሊኹም ደው በሉ። 16. ኣብ ርእሲ እዚ ዅሉ ኸኣ ነቲ ናይቲ ኽፉእ ሃልሃል ዚብል ፍላጻታት ኵሉ ከተጥፍኡሉ እትኽእሉ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ። 17. ናይ ምድኃን ቆብዕ ሓፂን ኣእትዉ፥ ናይ መንፈስ ቅዱስ ሰይፊውን፥ ማለት ቃል ኣምላኽ፥ ኃዙ። 18. ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ ጸልዩ። ስለዚ ኸኣ ተስፋ ከይቆረጽኩም ስለ ዅሎም ኣመንቲ ኣብ ጸሎት ተጸመዱ።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

1ይ ጴጥ 2 : 6 - 9 [English][ግእዝ]

6. ከመይ ቅዱስ መጽሓፍ “እንሆ ኣብ ጽዮን ኅሩይን ክቡርን እምኒ መኣዝን አንብር ኣሎኹ፥ እቲ ብእኡ ዚኣምን ኸኣ ኣይኪኃፍርን እዩ” ይብል እዩ። 7. እምበኣር ንኣኻትኩም ነዞም እትኣምኑ ኽቡር እዩ። ነቶም ዘይኣምኑ ግና “እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ”። 8. ከምኡውን “እምኒ መዓንቀፍን ኣንደልሂጹ ዜውድቕ ከውሒን እዩ።” ነቲ ቃል ብዘይምእዛዞም ወደቑ፥ ነዚ ኸኣ ምዱባት ነበሩ። 9. ንስኻትኩም ግና ዕቤት ናይቲ ካብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩ ኅሩይ ወለዶ፥ ናይ ንጉሥ ካህናት፥ ቅዱስ ሕዝቢ፥ ጥሪት ኣምላኽ ዝኾነ ሕዝቢ ኢኹም።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 20 : 1 - 8 [English][ግእዝ]

1. እቲ ታዕታዕ ዝግ ምስ በለ ኸኣ፥ ጳውሎስ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ጸዊዑ ብምኽሪ ኣበራትዖም፥ ተሰናቢትዎም ከኣ ናብ መቄዶንያ ኪኸይድ ተበገሰ። 2. በቲ ዝኃለፎ ዓድታት ከኣ ብብዙኅ ቃል እናኣጸናንዖም ናብ ግሪኽ ከደ። 3. ኣብኡ ሠለስተ ወርኂ ተቐመጠ፤ ናብ ሶርያ ብመርከብ ኪኸይድ ሓሲቡ ኸሎ ድማ፥ ኣይሁድ ውዲት ከም ዝገበሩሉ ምስ ፈለጠ፥ ብመቄዶንያ ገይሩ ኺምለስ መኸረ። 4. ክሳብ እስያ ኸኣ እኒ ሶጴጥሮስ ወዲ ጲሮስ ብዓል ቤርያ፥ ኣርስጦርኮስን ሲኮንዱስን ሰብ ተሰሎንቄ፥ ጋይዮስ ብዓል ደርቤን፥ ከምኡ ኸኣ ጢሞቴዎስ፥ ካብ እስያ ኸኣ ቲኪቆስን ጥሮፊሞስን ኣሰነይዎ። 5. እዚኣቶም ቅድሜና ኃሊፎም ኣብ ጢሮኣዳ ተጸበዩና። 6. ንሕና ግና ድኅሪ በዓል ቅጫ፥ ካብ ፊልጵስዩስ ብመርከብ ነቒልና፥ ብኃሙሽተ መዓልቲ ኣብ ጢሮኣዳ ናብኣቶም በጻሕና፥ ኣብኣውን ሾብዓተ መዓልቲ ቐኔና። 7. በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይ ሰሙን እንጌራ ኽንቈርስ ተኣከብና፤ ጳውሎስ ድማ ይሰብከሎም ነበረ፤ ንጽባሒቱ ኪገይሽ ስለ ዘለዎ ኸኣ ስብከቱ ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ ኣንውኀ። 8. ኣብቲ ተኣኪብናሉ ዝነበርና ላዕላይ ደርቢ ብዙኅ መብራህትታት ይበርህ ነበረ።

 

ስንክሳር Synaxarium

እለ እስክንድሮስ
ወአብራቅያ
ወአባዲር
ወአባርያኖስ
ወአብዱልስማስ
ወቴዎድሮስ ዘለብሰ ሐፂነ

 

መዝሙር Psalm

መዝ 146 : 9 - 10 / መዝ ፻፵፭ : ፱ - ፲ [English][ትግርኛ]

እግዚኣብሄር ንዘኽታምን መበለትን ይአልዮም፣ ንመገዲ ረሲኣን ግና ይጠዋውያ። እግዚኣብሄር ንዘለአለም ይነግስ፣ ዎ ጽዮን፣ ኣምላኽኪ ንውሉድ ወለዶ ይነግስ።

ወያማስን ፍኖተ ኃጥአን፤
ይነግሥ እግዚአብሔር ለዓለመ ዓለም፤
አምላክኪ ጽዮን ለትውልደ ትውልድ።


 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 19 : 11 - 14 [English][ግእዝ]

11. ንሳቶም እዚ ኪሰምዑ ኸለዉ ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ቀሪቡ ነበረ እሞ፥ መንግሥቲ ኣምላኽ ከኣ ብኡብኡ ከም እትገሃድ ይመስሎም ስለ ዝነበረ፥ ወሲኹ ብምስላ ተዛረበ። 12. ስለዚ ኸምዚ በለ፦ “ሓደ ኽቡር ሰብ፥ መንግሥቲ ተቐቢሉ ኺምለስ ናብ ርሑቕ ሃገር ከደ። 13. ንዓሠርተ ኣገልገልቱ ጸዊዑ ኸኣ ‘ክሳዕ ዝመጽእ በዚ ንገዱ’ ኢሉ፥ ዓሠርተ ቅርሺ ወርቂ ሃቦም። 14. ደቂ ዓዱ ግና ጸልእዎ እሞ ‘እዚ ኺነግሠና ኣይንደልን ኢና` ኢሎም ደድኅሪኡ ሽማግለታት ለኣኹ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘባስልዮስ(እግዚኦ መሐረነ)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 32 : 10 - 11 / መዝ ፴፩ : ፲ - ፲፩ [English][ትግርኛ]

ንረሲእ ብዙሕ ስቓይ ኣለዎ፣ ነቲ ኣብ እግዚኣብሄር ዚውከል ግና፣ ንእኡ ብጸጋ ኪኸቦ እዩ። ኣቱም ጻድቃን፣ ብእግዚኣብሄር ተሐጐሱ፣ ባህ ድማ ይበልኩም፣ ኣቱም ቅኑዓት ልቢ ዅላትኩም፣ እልል በሉ።

ወእለሰ ይትዌከሉ በእግዚአብሔር ሣህል ይሜግቦሙ፤
ተፈሥሑ በእግዚአብሔር ወተኃሠዩ ጻድቃኑ፤
ወተመክሑ ኵልክሙ ርቱዓነ ልብ።


 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 2 : 29 - 35 [English][ግእዝ]

29. “ኦ ጐይታይ፥ ደጊም ንባርያኻ ኸም ቃልካ ብሰላም ኣፋንዎ። 30. ከመይ ኣዕይንተይ ነቲ ምድኃንካ ርእየናኦ እየን። 31. እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሕዝቢ ዘዳሎኻዮ ድኅነት እዩ። 32. ንሱ እቲ ንኣሕዛብ ብርሃን ንሕዝብኻ እስራኤልውን ክብሪ ዚገልጽ እዩ።” 33. ኣቦኡን ኣዲኡን ከኣ በቲ ብዛዕባኡ ዝተባህለ ነገራት ተገረሙ። 34. ስምዖን ከኣ ባረኾም፥ ንማርያም ኣዲኡ ድማ “እንሆ እዚ ሕፃን እዚ ኣብ እስራኤል ንብዙኃት ምኽንያት ምውዳቖምን ምትንሣኦምን፥ ከምኡውን ዘይቕበልዎ ምልክትን ኪኸውን ዝተመደበ እዩ። 35. ንኣኺ ኸኣ ሓሳባት ልቢ ብዙኃት ምእንቲ ኪግለጽ፥ ኃዘን ንልብኺ ከም ሰይፊ ክስንጥቖ እዩ” በላ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ዘመነ ማቴዎስ Readings for Saturday

የካቲት 8, 2017 ብግእዝ Feb 15, 2025 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 91 : 15 - 16 / መዝ ፺ : ፲፭ - ፲፮ [English][ትግርኛ]

ኣጥቢቑ ስለ ዘፍቀረኒ፣ ከናግፎ፣ ንስመይ ስለ ዝፈለጦ፣ ከልዕሎ እየ። ኪጽውዓኒ ኣነውን ክመልሰሉ፣ ብጸበባ ምስኡ ክኸውን፣ ከናግፎን ከኽብሮን እየ።

አድኅኖ ወእሰብሖ፤
ለነዋኅ መዋዕል አጸግቦ፤
ወአርእዮ አድኅኖትየ።


 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 2 : 36 - 40 [English][ግእዝ]

36. ካብ ነገደ ኣሴር ሃና እትብሃል ጓል ፋኑኤል፥ ኣዝያ ዝኣረገት ነብዪት ነበረ፤ ካብ ድንግልናኣ ኂዛ ድማ ምስ ሰብኣያ ሾብዓተ ዓመት ገበረት። 37. ንሳ ሰማንያን ኣርባዕተን ዓመት ዝዕድሚኣ መበለት እያ። ካብ ቤተ መቕደስ ከይወፀት ከኣ ብጾምን ብጸሎትን ለይትን መዓልትን ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት። 38. ንሳውን ሽዑ ናብኡ መጺኣ ንኣምላኽ ኣመስገነቶ፤ ነቶም ምድኃን ኢየሩሳሌም ዚጽበዩ ዅሎም ከኣ ብዛዕባኡ ተዛረበቶም። 39. ከምቲ ሕጊ እግዚኣብሔር ዚእዝዞ ዅሉ ምስ ፈጸሙ፥ ንገሊላ ናብ ናዝሬት ዓዶም ተመልሱ። 40. እቲ ሕፃን ዓበየ፥ ጥበብ መሊእዎውን ደልደለ፥ ጸጋ ኣምላኽ ድማ ኣብኡ ነበረ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

1ይ ጢሞ 5 : 5 - 10 [English][ግእዝ]

5. እታ ሓጋዚ ዘይብላ መበለት ግና፥ ተስፋኣ ኣብ እግዚኣብሔር ገይራ፥ ምእንቲ ኪረድኣ ለይትን መዓልትን ብምህለላን ጸሎትን እያ እትጸንዕ። 6. እታ ብደስታ እዚ ዓለም እዚ ጥራይ እትነብር ግና፥ ብሕይወታ ኸላ ዝሞተት እያ። 7. ብዘይ መንቅብ ምእንቲ ኪኾኑስ፥ እዚ ድማ አዝዝ። 8. ሓደ እኳ ነቶም ኣዝማዱ፥ ምናዳ ግና ንስድራኡ፥ ዘይሐሊ እንተሎ፥ ንሱ እምነቱ ዝኸሐደ ኻብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ። 9. - 10. ካብ ስሳ ዓመት ንላዕሊ ዝዕድሜኣ፥ ሰበይቲ ሓደ ሰብኣይ ዝነበረት፥ ንሠናይ ግብሪ ብምስዓባ ዝተመስከረላ፥ ደቃ ብዝግባእ ዘዕበየት፥ ጋሻ ብምቕባል፥ እግሪ ኣመንቲ ብምሕጻብ፥ ንዝጸበቦ ብምርሃው፥ ንሠናይ ግብሪ ዘበለ ድማ ገዛእ ርእሳ ዝወፈየት መበለት፥ ምስተን መበላሉ ትቈጸር።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

ያዕ 5 : 13 - ፍም [English][ግእዝ]

13. ኣብ ማእከልኩም ዝጸበቦ እንተሎ ይጸሊ። ሕጉስ እንተሎ ይዘምር። 14. ኣብ ማእከልኩም ዝሓመመ እንተሎ ንመራሕቲ ቤት ክርስቲያን ይጸውዕ፥ ንሳቶም ከኣ ብስም ጐይታ ብዘይቲ እናቐብኡ ይጸልዩሉ። 15. እታ ብእምነት ዝተገብረት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተሕውዮ እያ። ጐይታውን ኬተንሥኦ እዩ። ኃጢኣት ገይሩ እንተ ኾይኑውን ኪኅደገሉ እዩ። 16. እምበኣርሲ ምእንቲ ኽትሓውዩ ንሓድሕድኩም ኃጢኣትኩም ተናዘዙ፥ ምእንቲ ንሓድሕድኩምዉን ጸልዩ። ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙኅ ተስልጥ እያ። 17. ኤልያስ ከማና ሰብ እዩ ዝነበረ። ዝናም ከይዘንም ጸሎት ገበረ፥ ሠለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርኅን ከኣ ኣብ ምድሪ ዝናም ኣይዘነመን። 18. ከም ብሓድሽ ድማ ጸለየ፥ ሰማይ ከኣ ዝናም ሃበ፥ ምድሪውን ፍሪኣ ሃበት። 19. ኣቱም ኣኅዋተይ፥ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ሓቂ እንተ ረሓቐ፥ ሓደ ኸኣ እንተ መለሶ፥ 20. እቲ ንኃጥእ ካብ መገዲ ጌጋኡ ዝመለሶ፥ ካብ ዘለዓለማዊ ሞት ከም ዘድኃኖ፥ ብዙኅ ኃጢኣት እዉን ኬኅደግ ከም ዝገበረ ይፍለጥ።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 3 : 17 - ፍም [English][ግእዝ]

17. “ሕጂ ድማ ኣኅዋተይ፥ ከምቶም መራሕትኹም ነዚ ብዘይ ፍላጥ ከም ዝገበርኩምዎ እፈልጥ ኣሎኹ። 18. ኣምላኽ ግና እቲ መሲሑ መከራ ኪቕበል ከም ዘለዎ፥ ኣቐዲሙ ብኣፍ ኵሎም ነብያት ከም ዝተዛረቦ፥ ከምኡ ፈጸሞ። 19. እምበኣር ኃጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምሰሰልኩም፥ ካብ ገጽ እግዚኣብሔር ከኣ ዘመን ምሕዳስ ምእንቲ ኺመጻልኩም፥ 20. ነቲ ቕድም ንኣኻትኩም ዝተኃርየ መሲሕ፥ ንሱ ኸኣ ኢየሱስ፥ ምእንቲ ኪሰደልኩምሲ ተነስሑን ተመለሱን። 21. ከምቲ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ብኣፍ ቅዱሳን ነቢያቱ ዝተዛረቦ፥ ኵሉ ነገር ዚሕደሰሉ ዘመን ክሳዕ ዚመጽእ፥ ሰማይ ንኢየሱስ ኪቕበሎ ይግባእ እዩ። 22. ሙሴ ድማ ‘እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ከምቲ ንኣይ ዘተንሥኣኒ ካብ ኣኅዋትኩም ነቢይ ኬተንሥኣልኩም እዩ፥ ንሱ ዚብለኩም ዘበለ ዅሉ ኸኣ ስምዑ። 23. እንሆ እታ ነቲ ነቢይ እቲ ዘይትሰምዕ ዘበለት ነፍሲ ኸኣ ኻብ ሕዝባ ኽትምንቈስ እያ’ በለ። 24. ኵላቶም ነቢያት ድማ ኻብ ሳሙኤል ኂዞም ክሳዕ እቶም ድኅሪኦም ዝተዛረቡ፥ ነዘን መዓልትታት እዚኣተን እዮም ዘበሠሩ። 25. ኣምላኽ ንኣብርሃም ‘ኵሎም ኣሕዛብ ምድሪ ብዘርእኻ ኺባረኹ እዮም’ ኢሉ ምስ ኣቦታትና ኺዳን ኣትዩ ነበረ። ንስኻትኩም ከኣ ወረስቲ ነቢያትን ወረስቲ እዚ ኺዳን እዝን ኢኹም። 26. ኣምላኽ ንነፍስ ወከፍኩም ካብ ክፍኣቱ እናመለሰ ምእንቲ ኪባርኸኩምሲ ንወዱ ኣተንሢኡ ቕድሚ ዅሉ ናባኻትኩም ለኣኾ።”

 

ስንክሳር Synaxarium

ቦአ እግዚእነ ውስተ ቤተ መቅደስ እምልደቱ በ፵ ዕለት ወፆሮ ስምዖን
ወዕረፍተ ሐና ነብይት
ወአመተ ክርስቶስ ወ፪ቲ አእማቲሃ
ወአባ ኤልያስ ዘገዳመ ሲሐት

 

መዝሙር Psalm

መዝ 103 : 5 - 6 / መዝ ፻፪ : ፭ - ፮ [English][ትግርኛ]

ንድሌትኪ ብጽቡቕ ነገር ዜጽግብ እዩ፣ ንእስነትኪውን ከም ንስሪ ትሕደስ። እግዚኣብሄርሲ ንዅሎም ጥቑዓት ጽድቅን ፍትሕን ይገብር እዩ።

ዘያጸግባ እምበረከቱ ለፍትወትከ፤
ዘይሔድሳ ከመ ንስር ለውርዙትከ፤
ገባሬ ሣህል እግዚአብሔር።


 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 2 : 22 - 35 [English][ግእዝ]

22. ከምቲ ኣብ ሕጊ መሴ ዘሎ፥ ናይ ምንጽሖም እዋን ምስ ኣኸለ፥ ነቲ ሕፃን ናብ እግዚኣብሔር ኬቕርብዎ ናብ ኢዮሩሳሌም ወሰድዎ። 23. እዚ ኸኣ ኸምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሔር “ማኅፀን ወላዲቱ ዚኸፍት ዘበለ ወዲ ዅሉ ንእግዚኣብሔር ዝተቐደሰ ይብሃል” ዚብል ተጻሒፉ ስለ ዝነበረ እዩ። 24. ከምኡውን ከምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሔር “ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጨቐዊት ርግቢ መሥዋዕቲ የቕርቡ” ስለ ዚብል እዩ። 25. እንሆ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ስምዖን ዚብሃል ሰብ ነበረ። እዚ ሰብ እዚ ምጽንናዕ እስራኤል ዚጽበ ጻድቕን ንኣምላኽ ዚፈርህን ሰብ ነበረ፤ መንፈስ ቅዱስ ድማ ኃዲርዎ ነበረ። 26. ነቲ መሲሕ እግዚኣብሔር ከይረአዮ ከም ዘይመውት ከኣ ብመንፈስ ቅዱስ ተነጊርዎ ነበረ። 27. ንኢየሱስ ሕፃን፥ ዮሴፍን ማርያምን ከም ልማድ ሕጊ ኺገብሩሉ ናብ ቤት መቕደስ ምስ ኣእተውዎ፥ ስምዖን ብመንፈስ ቅዱስ ናብኡ መጸ። 28. ንሱ ድማ ኣብ ሕቚፉ ተቐቢሉ ንኣምላኽ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ኣመስገኖ፦ 29. “ኦ ጐይታይ፥ ደጊም ንባርያኻ ኸም ቃልካ ብሰላም ኣፋንዎ። 30. ከመይ ኣዕይንተይ ነቲ ምድኃንካ ርእየናኦ እየን። 31. እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሕዝቢ ዘዳሎኻዮ ድኅነት እዩ። 32. ንሱ እቲ ንኣሕዛብ ብርሃን ንሕዝብኻ እስራኤልውን ክብሪ ዚገልጽ እዩ።” 33. ኣቦኡን ኣዲኡን ከኣ በቲ ብዛዕባኡ ዝተባህለ ነገራት ተገረሙ። 34. ስምዖን ከኣ ባረኾም፥ ንማርያም ኣዲኡ ድማ “እንሆ እዚ ሕፃን እዚ ኣብ እስራኤል ንብዙኃት ምኽንያት ምውዳቖምን ምትንሣኦምን፥ ከምኡውን ዘይቕበልዎ ምልክትን ኪኸውን ዝተመደበ እዩ። 35. ንኣኺ ኸኣ ሓሳባት ልቢ ብዙኃት ምእንቲ ኪግለጽ፥ ኃዘን ንልብኺ ከም ሰይፊ ክስንጥቖ እዩ” በላ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘዲዮስቆሮስ(እምቅድመ ዓለም)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 119 : 58 - 59 / መዝ ፻፲፰ : ፶፰ - ፶፱ [English][ትግርኛ]

ብምሉእ ልበይ ኣባኻ እምህለል ኣሎኹ፣ ከም ቃልካ ምሐረኒ። ንመገደይ ሐሰብኩ፣ ኣእጋረይውን ናብ ምስክራትካ መለስኩ።

ሰአልኩ ገጸከ እግዚኦ በኵሉ ልብየ፤
ተሣሃለኒ በከመ ነቢብከ፤
ወሐለይኩ በእንተ ፍናዊከ።


 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 11 : 8 - 13 [English][ግእዝ]

8. ዓርኩ ስለ ዝኾነ እኳ ኪህቦ እንተ ዘይተንሥአ፥ ምእንቲ ድቃስ ከይከልኦ ኢሉ ተንሢኡ ዝደለዮ ከም ዚህቦ፥ እብለኩም አሎኹ። 9. ኣነ ኸኣ ‘ለምኑ ኺወሃበኩም እዩ፥ ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም፥ ማዕጾውን ኳሕኳሕ ኣብሉ ኪኽፈተልኩም እዩ’ እብለኩም ኣሎኹ። 10. ምኽንያቱ ዚልምን ዘበለ ይቕበል እዩ፥ ዚደሊ ድማ ይረክብ እዩ፥ ማዕጾ ኳሕኳሕ ንዜብልውን ይኽፈተሉ እዩ። 11. ካባኻትኩምከ እንታዋይ ኣቦ እዩ፥ [ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖ፥ እምኒ ዚህቦ፥ ወይ] ዓሣ እንተ ለመኖ ኣብ ክንዲ ዓሣስ ተመን ዚህቦ፧ 12. ወይ እንቋቝሖ እንተ ለመኖ ዕንቅርቢት ዚህቦ፧ 13. እምበኣር ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት ከሎኹም ንደቅኹም ሠናይ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፥ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚኁ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧” ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ዘመነ ሉቃስ Readings for Sunday

የካቲት 9, 2015 ብግእዝ Feb 16, 2025 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 22 : 26 - 27 / መዝ ፳፩ : ፳፮ - ፳፯ [English][ትግርኛ]

ትሑታት ኪበልዑን ኪጸግቡን፣ ንእግዚኣብሄር ዚደልይዎ ኺውድስዎ እዮም፣ ልብኹም ንዘለአለም ብህይወት ኪነብር እዩ። ወሰን ምድሪ ዅሎም ንእግዚኣብሄር ኪዝክርዎን ኪምለስዎን፣ ብዘለዉ ነገድ ኣህዛብውን ኣብ ቅድሜኻ ኪሰግዱ እዮም።

ይብልዑ ነዳያን ወይጽገቡ፤
ወይሰብሕዎ ለእግዚአብሔር ኵሎሙ እለ የኃሥሥዎ፤
ወየሐዩ ልቦሙ ለዓለመ ዓለም።


 

ወንጌል Gospel

ማር 7 : 14 - 19 [English][ግእዝ]

14. ኢየሱስ ከም ብሓድሽ ነቶም ሕዝቢ ናብኡ ጸዊዑ ከምዚ በሎም፡ - “ኵልኹም ስምዑኒ፥ ኣስተውዕሉውን። 15. ካብ ሰብ ዚወፅእ እዩ ንሰብ ዜርክሶ እምበር ካብ ወፃኢ ናብ ሰብ ዚኣቱስ ገለ እኳ ኼርክሶ ኣይክእልን እዩ። 16. ፡[ እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ]።” 17. ካብቶም ሕዝቢ ተፈልዩ ናብ ቤት ምስ ኣተወ ድማ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እዚ ምስላ እዚ ሓተትዎ። 18. ኢየሱስ ከኣ ኸምዚ በሎም፡ - “ንስኻትኩምውንዶ ክሳዕ ክንድዚ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም፧ ካብ ወፃኢ ናብ ሰብ ዚኣቱ ዅሉ ኼርክሶ ከም ዘይክእልዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 19. ምኽንያቱ ብኸብዲ ኣቢሉ ንግዳም እዩ ዚወፅእ እምበር ናብ ልቢ ኣይወርድን እዩ።” በዚ ንዅሉ ምግቢ ኣንጽሐ። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ!

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

ኤፌ 4 : 1 - 6 [English][ግእዝ]

1. ደጊም ኣነ ንጐይታ ብምግልጋለይ ዝተኣሰርኩ፥ ነቲ ዝተጸዋዕኩምሉ ጽውዓ ብቑዓት ኴንኩም ክትነብሩ እልምነኩም ኣሎኹ። 2. ብሓቂ ትሑታት፥ ከምኡውን ለዋሃት ኲኑ፥ ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ እናተፃወርኩም ኸኣ ዕጉሳት ኩኑ። 3. ነቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝረኸብኩምዎ ኅብረት፥ ብማእሰር ሰላም ጠሚርኩም ክትሕልውዎ ተጋደሉ። 4. ከምቲ ንሓንቲ ተስፋ ዝተጸዋዕኩምዎ፥ ሓደ ሰብነት፥ ሓደ መንፈስ ኣሎ። 5. ሓደ ጐይታ፥ ሓንቲ እምነት፥ ሓንቲ ጥምቀት ኣሎ። 6. ከምኡውን እቲ ልዕሊ ዅሉን ብዅሉን ኣብ ኵሉን ዝኾነ፥ ሓደ ኣምላኽን ኣቦ ዅሉን ኣሎ።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

2ይ ዮሐ 1 : 8 - ፍም [English][ግእዝ]

8. ምሉእ ዓስቢ ኽትቅበሉ እምበር ነቲ ዝጸዓርኩምሉ ምእንቲ ኸይተጥፍእዎ፥ ተጠንቀቑ። 9. እቲ ኻብ ትምህርቲ ክርስቶስ ዚዝምብል፥ ኣብኡ እውን ዘይጸንዕ፥ ኣምላኽ ኣብኡ የሎን። እቲ ኣብ ትምህርቲ ክርስቶስ ዚጸንዕ፥ ኣብን ወልድን ኣብኡ ኣለው። 10. ዝኾነ ይኹን ትምህርቲ ክርስቶስ ከይኃዘ፥ ናባኻትኩም እንተ መጸ፥ ኣብ ቤትኩም ኣይትቀበልዎ፥ ሰላምውን ኣይትበልዎ። 11. ከመይ እቲ ሰላም ዚብሎ ኣብቲ እኩይ ግብሩ ኃቢርዎ እዩ። 12. ብወረቐትን ብቐለምን ደኣ ኽገብሮ ኣይደሌኹ እምበር፥ ናባኻትኩም ዝጽሕፎ ብዙኅ ነገር ነይሩኒ። ግናኸ ሓጐስና ምሉእ ምእንቲ ኪኸውን ናባኻትኩም ክመጽእ እሞ ኣፍ ንኣፍ ክዛረበኩም ተስፋ እገብር ኣሎኹ። 13. ደቂ እታ ኅርይቲ ኃብትኺ ሰላም ይብሉኺ ኣለዉ።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 11 : 22 - 26 [English][ግእዝ]

22. እዚ ወረ እዚ ኸኣ ኣብታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤት ክርስቲያን ተሰምዐ፥ ንበርናባስ ድማ ናብ ኣንጾኪያ ለኣኽዎ። 23. ንሱ ምስ መጸ ጸጋ ኣምላኽ ርእዩ ተሓጐሰ፥ ብምሉእ ልቦም ብጐይታ ጸኒዖም ኪነብሩ ድማ መኸሮም። 24. ምኽንያቱ ንሱ መንፈስ ቅዱስን እምነትን ዝመልኦ ሕያዋይ ሰብኣይ ነበረ፥ ብዙኅ ሕዝቢ ድማ ናብ ጐይታ ተመልሰ። 25. በርናባስ ካብኡ ወፂኡ ንሳውል ኪደልዮ ናብ ጠርሴስ ከደ። 26. ምስ ረኸቦ ናብ ኣንጾኪያ ኣምጽኦ፥ ኣብታ ቤት ክርስቲያን ከኣ ዓመት ምሉእ ብኅብረት ነበሩ፥ ንብዙኅ ሕዝቢውን መሃሩ፥ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ንፈለማ ጊዜ ኣብ ኣንጾኪያ ክርስቲያን ተባሂሎም ተሰምዩ።

 

ስንክሳር Synaxarium

አባ በርሱማ
ወጳውሎስ ሶርያዊ
ወዮሴፍ
ወጴጥሮስ ሰማዕት

 

መዝሙር Psalm

መዝ 112 : 6 - 7 / መዝ ፻፲፩ : ፮ - ፯ [English][ትግርኛ]

ንዘለአለም ኣይኪናወጽን እዩ እሞ፣ መዘከርታ ጻድቕ ንዘለአለም ይነብር። ክፉእ ወረ ኣይፈርህን፣ ልቡ ብእግዚኣብሄር ተወኪሉ ይጸንዕ።

ዝክረ ጻድቅ ለዓለም ይሄሉ፤
ወኢይፈርህ እምነገር እኩይ፤
ጥቡዕ ልቡ ለተወክሎ በእግዚአብሔር።

 

ወንጌል Gospel

ዮሐ 8 : 51 - ፍም [English][ግእዝ]

51. እቲ ቓለይ ዚሕሉ ዘበለ ንዘለዓለም ከም ዘይመውት ብሓቂ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ” በሎም። 52. ኣይሁድ ድማ “ጋኔን ከም ዘሎካ ሕጂ ፈለጥና ፤ ኣብርሃም ሞይቱ፥ ነቢያትውን ሞይቶም፥ ንስኻ ግና ‘ቓለይ ዚሕሉ ንዘለዓለም ኣይኪመውትን እዩ’ ትብል ኣሎኻ። 53. ካብቲ ዝሞተ ኣቦና ኣብርሃምዶ ንስኻ ትዓቢ ኢኻ፧ ነቢያትውን ሞይቶም፥ ንርእስኻ መን ትገብራ ኣሎኻ፧” በልዎ። 54. ኢየሱስ ከኣ “ኣነ ገዛእ ርእሰይ እንተ ኣኽበርኩ ክብረተይ ከንቱ እዩ፥ ዜኽብረንስ እቲ ንስኻትኩም ኣምላኽና እትብልዎ ኣቦይ እዩ። 55. ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎን ኢኹም፥ ኣነ ግና እፈልጦ እየ። ኣይፈልጦን እንተ ዝብል ከኣ ከማኻትኩም ሓሳዊ ምኾንኩ ነይረ። ኣነ ግና እፈልጦ ቓሉውን እሕሉ እየ። 56. ኣቦኹም ኣብርሃም መዓልተይ ኪርኢ ኸም ዘለዎ ፈሊጡ ተሓጐሰ፥ ርእዩ ኸኣ ባህ በሎ” እናበለ መለሰሎም። 57. ኣይሁድ ከኣ “ገና ኃምሳ ዓመት እኳ ዘይገበርካስ ንኣብርሃም ድማ ርኢኻዮ፧” በልዎ። 58. ኢየሱስ ከኣ “ብሓቂ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፥ ኣብርሃም ከይተወልደ ኸሎ ‘ኣነ ኣሎኹ’” በሎም። 59. ስለዚ ኪድርብዩሉ እምኒ ኣልዓሉ፥ ኢየሱስ ግና ተኃብአ፥ ካብ ቤት መቕደስውን [ብማእከሎም ኃሊፉ] ወፅ። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘ፫፻ ምእት(ግሩም)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 6 : 2 - 3 / መዝ ፮ : ፪ - ፫ [English][ትግርኛ]

ዎ እግዚኣብሄር፣ ማህሚነ እየ እሞ፣ ምሐረኒ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣዕጽምተይ ተሸቢረን እየን እሞ፣ ኣጥዕየኒ። ነፍሰይውን ኣዝያ ተሸቢራ፣ ንስኻኸ፣ ዎ እግዚኣብሄር ክሳዕ መአዝ፧

ተሣሃለኒ እግዚኦ እስመ ድውይ አነ፤
ወፈውሰኒ እስመ ተሀውካ አዕፅምትየ፤
ነፍስየኒ ተሀውከት ፈድፋደ።


 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 7 : 1 - 10 [English][ግእዝ]

1. ኢየሱስ ኵሉ ዘረባኡ ነቶም ሕዝቢ ኣስሚዑ ምስ ወድአ ናብ ቅፍርናሆም ኣተወ። 2. ኣብኡ ኸኣ ሓሚሙ ንሞት ዝቐረበ ዚፈትዎ ጊልያ ዝነበሮ ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ነበረ። 3. ብዛዕባ ኢየሱስ ምስ ሰምዐ፥ መጺኡ ንጊልያኡ ኬሕውየሉ ሽማግለታት ኣይሁድ ናብኡ ልኢኹ ለመኖ። 4. - 5. ንሳቶም ድማ ናብ ኢየሱስ መጺኦም “ንሱ ንሕዝብና ይፈቱ፥ ቤት ጸሎትና ዝሠርሓልና ኸኣ ንሱ እዩ እሞ እዚ ኽትገብረሉ ይግብኦ እዩ” ኢሎም ኣጽኒዖም ለመንዎ። 6. ኢየሱስ ከኣ ምስኣቶም ከደ፥ ናብ ቤቱ ምስ ቀረበ ድማ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኣዕሩኹ ልኢኹ ከምዚ በሎ፦ “ጐይታይ፥ ናብ ቤተይ ክትኣቱ ኣይብቑዕን እየ እሞ ኣይትድከም። 7. ስለዚ ድማ እየ ናባኻ ንምምጻእ ንርእሰይ ብቑዕ ገይረ ዘይቈጸርኩ። ግናኸ ሓንቲ ቓል ተዛረብ ጊልያይ ከኣ ኺሐዊ እዩ። 8. ኣነ ኣብ ትሕቲ ሰበ ሥልጣን ዘገልግል፥ ኣብ ትሕተይውን ጭፍራ ዘለውኒ ሰብ እየ። ነዚ ‘ኪድ’ እብሎ፥ ንሱ ኸኣ ይኸይድ፥ ነቲ ድማ ‘ንዓ’ እብሎ፥ ንሱ ኸኣ ይመጽእ፥ ንጊልያይውን ‘እዚ ግበር’ እብሎ፥ ንሱ ኸኣ ይገብር።” 9. ኢየሱስ ነዚ ምስ ሰምዐ ተገረመ፥ ናብቶም ዚስዕብዎ ዝነበሩ ግልጽ ኢሉ ኸኣ “ከምዚ ዝበለ እምነት ኣብ እስራኤል እኳ ኣይረኸብኩን፥ እብለኩም ኣሎኹ” በሎም። 10. እቶም ልኡኻት ናብ ቤት ምስ ተመልሱ ድማ ነቲ ጊልያ ሓውዩ ረኸብዎ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

Show/Hide መዝሙር ( Hymn )

መዝሙር

- በ፭(5)፤ ወብዙኃን ኖሎት መጽኡ። ወስእኑ ከሢቶታ ለዕብን እምአፈ ዐዘቅት እስከ ይመጽእ ያዕቆብ ዘክቡት ውስተ ሐቌሁ ዘሀሎ ይሠጐ እምሰብእ ከሠተ ወአስተየ መርዔቶ። ወከማሁመ መጽኡ ብዙኃን ነብያት ወስእኑ ከሢቶታ ለጥምቀት። እስከ ይመጽእ ዐብይ ኖላዊ እምሰማይ ከሠተ ወአጥመቀ ብዙኃነ አሕዛበ በውስቴታ። መንክር ተአምሪሁ ለመድኃኒነ በከመ ወፅአት በትር እምሥርወ ዕሤይ በአምሳለ በትረ ያዕቆብ በዘይርዒ አባጊዒሁ ይእቲኬ ማርያም ይእቲ። ወበእንተ ዘይቤ ትወፅእ በትር ወየዓርግ ጽጌ ውእቱኬ ዋህድ ውእቱ፤ ውእቱኬ ወልደ አምላክ ውእቱ።

ምልጣን

ውእቱኬ ዋህድ ውእቱ፤ ውእቱኬ ወልደ አምላክ ውእቱ።

ሰላም

አኰቴተ ስብሐት ነዐርግ ለከ መሐሪ ወትረ ስቡሕ መኑ ከማከ። እግዚኦ መኑ ከማከ። ለዘበእንቲአነ እምሰማይ ወረድከ። እግዚኦ መኑ ከማከ፤ ሰላም ቃልከ ወጽድቅ ኵነኔከ፣ አስተርአይከ ለነ ነአኵተከ ለዘበዮርዳኖስ ተጠመቀ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

ሮሜ 9 : 1 - 16 [English][ግእዝ]

1. ብክርስቶስ ሓቂ ከም ዝዛረብ እምበር ከም ዘይሕሱ ሕሊናይ ብመንፈስ ቅዱስ ይምስክረለይ እዩ። 2. ብዙኅ ጓህን ዘየቋርጽ ስቓይን ኣብ ልበይ ኣሎ። 3. ኣነ ንባዕለይ ምእንቲ እቶም ብሥጋ ኣኅዋተይን ኣዝማደይን ርጉም ኮይነ ኻብ ክርስቶስ ክፍለ ምደሌኹ። 4. ንሳቶም እስራኤላውያን እዮም፥ እግዚኣብሔር ከኣ ደቁ ገበሮም፥ ክብሩ ገለጸሎም፥ ኪዳን ኣተወሎም፥ ሕጊ ሓገገሎም፥ ኣምልኾ ሠርዓሎም፥ ተስፋ ድማ ሃቦም። 5. ንሳቶም ካብ ኣቦታት ዝተወልዱ እዮም፥ ክርስቶስውን ብሥጋ ኻብኣታቶም እዩ ዝተወልደ። ንሱ ልዕሊ ዅሉ ዝኾነ ኣምላኽ፥ ንዘለዓለም ቡሩኽ እዩ፥ ኣሜን። 6. ግናኸ እቲ ቓል ኣምላኽ በዚ ኸንቱ ኾይኑ ተሪፉ ማለት ኣይኮነን፥ ምኽንያቱ እቶም ካብ እስራኤል ዝተወልዱ ዅሎም እስራኤላውያን ማለት ኣይኮኑን። 7. ከምኡውን ኵላቶም እቶም ካብ ኣብርሃም ዝተወልዱ ዘበሉ ደቂ ኣብርሃም እዮም ማለት ኣይኮነን። እንተኾነ “ካብ ይስሓቅ ዘርኢ ኪስመየልካ እዩ” ኢልዎ ነበረ። 8. እዚ ማለት ከኣ እቶም ከም ተስፋ ቓሉ ዝተወልዱ እዮም ደቁ ዝኾኑ እምበር እቶም ብሥጋ ዝተወልዱስ ደቂ ኣምላኽ ኣይኮኑን። 9. ከመይ እቲ ቃል ተስፋ “ንዓመታ ኸምዛ እዋን እዚኣ ኽመጽእ እየ፥ ሣራ ኸኣ ወዲ ኽትወልድ እያ” ዚብል እዩ ዝነበረ። 10. እዚ ጥራይ ኣይኮነን፥ ርብቃውን ካብ ሓደ ሰብኣይ፥ ማለት ካብ ኣቦና ይስሓቅ ጠነሰት፥ 11. ካብ ኅርየት እምበር ካብ ግብሪ ከም ዘይኮነ፥ እቲ ምኽሪ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ምኅራይ ከም ዝተመሥረተ ምእንቲ ኺገሃድ፥ እቶም ደቂ ገና ኸይተወልዱ፥ ጽቡቕ ኮነ ኽፉእ ከይገበሩ ኸለዉ፥ 12. ንርብቃ “እቲ ዓቢይ ነቲ ንእሽቶ ኺግዛእ እዩ” ዚብል ተነግራ። 13. እዚ ኸኣ “እቲ ንያዕቆብ ኣፍቀርኩ፥ ንኤሳው ግና ጸላእኩ” ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ እዩ። 14. እሞኸ እንታይ ክንብል ኢና፧ ኣብ ኣምላኽዶ ፍትሒ የልቦን እዩ፧ ኣሎ እባ፥ 15. ከመይ ንሙሴ “ነቲ ዝምሕሮ ኽምሕሮ፥ ነቲ ዝድንግጸሉውን ክድንግጸሉ እየ” ኢልዎ እዩ። 16. ስለዚ ካብ ዝምሕር ኣምላኽ እዩ እምበር ካብቲ ዚደልን ካብቲ ዚጽዕርን ሰብ ኣይኮነን።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

1ዮሐ 2 : 12 - 19 [English][ግእዝ]

12. ደቀየ፥ ኃጢኣትኩም ምእንቲ ስም ክርስቶስ ተኃዲጉልኩም እዩ እሞ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ። 13. ኣቱም ኣቦታት፥ ነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ። ኣቱም ኣጒባዝ፥ ነቲ እኩይ ስዒርኩምዋ ኢኹም እሞ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ። ኣቱም ቈልዑ፥ ነቦ ስለ ዝፈለጥኩምዎ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ። 14. ኣቱም ኣቦታት፥ ነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ። ኣቱም ኣጒባዝ፥ ብርቱዓት ስለ ዝኾንኩምን፥ ቃል ኣምላኽ ኣባኻትኩም ይነብር ስለ ዘሎን፥ ነቲ እኩይውን ስለ ዝሰዓርኩምዋን፥ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ። 15. ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ ፍቕሪ ኣቦ ኣብኡ የብሉን። 16. ከመይ ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፥ ፍትወት ሥጋን ክፉእ ትምኒት ዓይንን ብሃብትኻ ዕቡይ ምዃንን፥ ካብ ዓለም እዩ እምበር ካብ ኣቦ ኣይኮነን። 17. ዓለምን እቲ ዅሉ ፍትወታን ኃላፋይ እዩ፥ እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለዓለም ይነብር። 18. ደቀይ! እዚኣ እታ መወዳእታ ሰዓት እያ። ፀረ ክርስቶስ ከም ዚመጽእ ሰሚዕኩም ኣሎኹም፥ ድሮውን ብዙኃት ፀረ ክርስቶስ ተንሢኦም ኣለዉ። እዚኣ እታ መወዳእታ ሰዓት ምዃና ኸኣ በዚ ኢና እንፈልጥ። 19. ንሳቶም ካባና እዮም ወፂኦም፥ ግናኸ ካባና ኣይነበሩን። ካባና ነይሮም እንተ ዚኾኑ ምሳና ምነበሩ ነይሮም። ግናኸ ካባና ኸም ዘይኮኑ ምእንቲ ኪገሃድ ወፁ።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ 7 : 6 - 16 [English][ግእዝ]

6. ኣምላኽ ድማ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥ ‘ዘርእኻ ኣብ ምድሪ ባዕዲ ስደተኛ ኪኸውን እዩ፥ ነርባዕተ ሚእቲ ዓመት ከኣ ከም ባርያ ኪገፍዕዎን ኪጭቊንዎን እዮም። 7. ኣነ ግና ነቶም ዝገዝእዎም ሕዝቢ ኽፈርዶም እየ’ ይብል ኣምላኽ፥ ‘ብድኅርዚ ኻብኡ ወፂኦም ኣብዛ ሥፍራ እዚኣ ኬምልኹኒ እዮም።’ 8. ኪዳን ከም ዝኣተወሉ ኬርኢ ኸኣ ናይ ግዝረት ሥርዓት ሃቦ። ኣብርሃም ከኣ ንይስሓቅ ምስ ወለደ ብሳምነይቲ መዓልቲ ገዘሮ። ይስሓቅ ድማ ንያዕቆብ ወለደ፥ ያዕቆብ ከኣ ነቶም ዓሠርተው ክልተ ኣቦታት ነገደ እስራኤል ወለደ። 9. “እቶም ኣቦታት ነገደ እስራኤል ድማ ንዮሴፍ ስለ ዝቐንኡሉ ናብ ግብጺ ሸጥዎ፤ ኣምላኽ ግና ምስኡ ነበረ። 10. ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኸኣ ኣርሃወሉ፥ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ንጉሥ ግብጺ ድማ ሞገስን ጥበብን ሃቦ፤ ንሱውን ኣብ ግብጽን ኣብ ኵሉ ቤቱን ኣዛዚ ገይሩ ሸሞ። 11. ኣብ ኵሉ ግብጽን ከነኣንን ከኣ ጥሜትን ብዙኅ ጸበባን ኮነ፥ ኣቦታትና ድማ ዚምገብዎ ሰኣኑ። 12. ሽዑ ያዕቆብ ኣብ ግብጺ እኽሊ ኸም ዚርከብ ምስ ሰምዐ ነቦታትና ንመጀመርታ ጊዜ ለኣኾም። 13. ኣብ ካልኣይ መገዶም ከኣ ዮሴፍ ነኅዋቱ መን ከም ዝኾነ ነገሮም። ዓሌቱውን ብፈርዖን ተፈልጠ። 14. ዮሴፍ ከኣ ነቦኡ ያዕቆብን ነቶም ሰብዓን ኃሙሽተን ዚኾኑ ዅሎም ኣዝማዱን ልኢኹ ጸውዖም። 15. ያዕቆብ ድማ ናብ ግብጺ ወረደ፥ ንሱ ሞተ፥ ኣቦታትናውን ሞቱ። 16. ናብ ሰኬም ኣግዓዝዎም፥ ኣብቲ ኣብርሃም ካብ ደቂ ኤሞር ብወርቂ ዝዓደጎ መቓብር ኣብ ሰኬም ድማ ቀበርዎም።

 

መዝሙር Psalm

መዝ 47 : 3 - 4 / መዝ ፵፮ : ፫ - ፬ [English][ትግርኛ]

ንሱ ንህዝብታት ኣብ ትሕቴና፣ ነህዛብ ከኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋርና የግዝኦም። ንኽብሪ ያእቆብ፣ ፈታዊኡ፣ ርስትና ኪዀነልና ይሐርየልና።

አግረረ ለነ አሕዛብ ወሕዘበ ታሕተ እገሪነ፤
ወኀረየነ ሎቱ ለርስቱ፤
ሥኖ ለያዕቆብ ዘአፍቀረ።


ወንጌል Gospel

ዮሐ 4 : 1 - 25 [English][ግእዝ]

1. ጐይታ ኢየሱስ፥ ካብ ናይ ዮሓንስ ዚበዝኁ ደቀ መዛሙርቲ ከም ዝገበረን ከም ዘጥመቐን እቶም ፈሪሳውያን ምስማዖም ፈለጠ። 2. ግናኸ ደቀ መዛሙርቱ ደኣ እምበር ኢየሱስ ባዕሉስ ኣየጥመቐን። 3. እዚ ምስ ፈለጠ ኸኣ ምድሪ ይሁዳ ኃዲጉ ናብ ገሊላ ተመልሰ። 4. ብሰማርያ ኣቢሉ ኺኃልፍ ከኣ ግዲ ኾኖ። 5. ስለዚውን ናብ ጥቓ እታ ያዕቆብ ንዮሴፍ ወዱ ዝሃቦ ምድሪ ዘላ ሲካር እትብሃል ከተማ ሰማርያ መጸ። 6. ኣብኡ ኸኣ ዔላ ያዕቆብ ነበረ፣ ኢየሱስ ድማ ብምኻድ መገዲ ደኺሙ ኣብ ጥቓ እቲ ዔላ ኣዕረፈ፣ ሽዑ ፍርቂ መዓልቲ ኣቢሉ ነበረ። 7. ሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ኸኣ ማይ ክትቀድሕ መጸት፣ ኢየሱስ ድማ “ማይ ኮታ ኣስትይኒ፧” በላ። 8. ደቀ መዛሙርቱ ግና ምግቢ ኪዕድጉ ናብ ከተማ ኸይዶም ነበሩ። 9. ኣይሁድ ምስ ሳምራውያን ኣይተኃባበሩን ነበሩ እሞ እታ ሳምራዊት ሰበይቲ፥ “ንስኻ ኣይሁዳዊ ኸሎኻስ ካባይ ካብ ሳምራዊት ሰበይቲ ደኣ ኸመይ ኢልካ ማይ ክትሰቲ ትልምን ኣሎኻ፧” በለቶ። 10. ኢየሱስ ድማ “ህያብ ኣምላኽን እቲ ኣስትይኒ ዚብለኪ ዘሎ መን ምዃኑን እንተ ትፈልጥስ፥ ንስኺ ምለመንክዮ ኔርኪ፥ ንሱ ኸኣ ማይ ሕይወት ምሃበኪ ነይሩ” ኢሉ መለሰላ። 11. እታ ሰበይቲ ድማ “ጐይታይ! መቕድሒ የብልካን፥ እዚ ዔላ ኸኣ ዓሚቚ እዩ፣ እቲ ማይ ሕይወት ደኣ ካበይ ከተምጽኦ ኢኻ፧ 12. ንስኻዶ ኻብቲ ነዚ ዔላ እዚ ዝሃበና ኣቦና ያዕቆብ ትዓቢ ኢኻ፧ ንሱን ደቁን ማሉን ካብኡ ሰተዩ” በለቶ። 13. ኢየሱስ ድማ “ካብዚ ማይ እዚ ዚሰቲ ዘበለ መሊሱ ኺጸምእ እዩ። 14. ካብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዚሰቲ ግና፥ እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ኣብኡ ንዘለዓለም ሕይወት ዚፍልፍል ዓይኒ ማይ ኪኾነሉ እዩ እምበር ንዘለዓለም ኣይኪጸምእን እዩ” ኢሉ መለሰላ። 15. እታ ሰበይቲ ኸኣ “ጐይታይ! ኸይጸምእ እሞ ኽቐድሕ ድማ ናብዚ ኸይመጽእሲ፥ ካብቲ ማይ እቲ ሃበኒ” በለቶ። 16. ኢየሱስ ከኣ “ኪዲ፥ ሰብኣይኪ ጸዊዕኪ ናብዚ ንዒ” በላ። 17. እታ ሰበይቲ መሊሳ “ሰብኣይ የብለይን” በለቶ። ኢየሱስ ከኣ “ሰብኣይ የብለይን ብምባልክስ ጽቡቕ ተዛረብኪ። 18. ኃሙሽተ ሰብኣይ ነይሮምኺ እዮም፥ እዚ ሕጂ ምሳኺ ዘሎውን ኣይሰብኣይክን እዩ፣ እዝስ ሓቂ ተዛረብኪ” በላ። 19. እታ ሰበይቲ ኸኣ “ጐይታይ፥ ንስኻ ነቢይ ምዃንካ ገና ሕጂ ይርድኣኒ ኣሎ። 20. ኣቦታትና ኣብዚ እምባ እዚ ሰገዱ፣ ንስኻትኩም ግና እታ ኺሰግዱላ ዚግባእ ሥፍራ ኣብ ኢየሩሳሌም እያ ኢኹም እትብሉ” በለቶ። 21. ኢየሱስ ከኣ “ኣቲ ሰበይቲ፥ ኣብዚ እምባ እዚ ወይ ኣብ ኢየሩሳሌም ነቦ ዘይሰግዱሉ ጊዜ ከም ዚመጽእ እመንኒ። 22. ንስኻትኩም ንዘይትፈልጥዎ ኢኹም እትሰግዱ፥ ንሕና ግና ምድኃን ካብ ኣይሁድ እዩ እሞ ንእንፈልጦ ኢና እንሰግድ። 23. እንተኾነ እቶም ብሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱላ ሰዓት ክትመጽእ እያ፣ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ። 24. ኣቦ ኸኣ ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደሊ፥ ከመይ ኣምላኽ መንፈስ እዩ፥ እቶም ዚሰግዱሉ ኸኣ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግባእ” በላ። 25. እታ ሰበይቲ ድማ “እቲ ክርስቶስ ዚብሉዎ መሲሕ ከም ዚመጽእ እፈልጥ እየ፣ ንሱ ምስ መጸ ኸኣ ዅሉ ኺነግረና እዩ” በለቶ። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘዲዮስቆሮስ(እምቅድመ ዓለም)