God is great! God is great!

Daily readings / መዓልታዊ ንባባት

ዘመነ ዮሃንስ Readings for Monday

መጋቢት 16, 2016 ብግእዝ Mar 25, 2024 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 18 : 41 - 42 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ካብ ክርክር ህዝቢ ኣናጊፍካኒ፣ ርእሲ ኣህዛብ ጌርካኒ፣ ዘይፈለጥክዎ ህዝቢ ተገዚኡኒ፣ ብምስማዕ እዝኒ ጥራይ ተአዚዞምኒ፣ ደቂ መጻእተኛታት ወስሊቶምለይ።

 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 19 : 11 - 19 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ንሳቶም እዚ ኪሰምዑ ኸለዉ ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ቀሪቡ ነበረ እሞ፥ መንግሥቲ ኣምላኽ ከኣ ብኡብኡ ከም እትገሃድ ይመስሎም ስለ ዝነበረ፥ ወሲኹ ብምስላ ተዛረበ። ስለዚ ኸምዚ በለ፦ “ሓደ ኽቡር ሰብ፥ መንግሥቲ ተቐቢሉ ኺምለስ ናብ ርሑቕ ሃገር ከደ። ንዓሠርተ ኣገልገልቱ ጸዊዑ ኸኣ ‘ክሳዕ ዝመጽእ በዚ ንገዱ’ ኢሉ፥ ዓሠርተ ቅርሺ ወርቂ ሃቦም። ደቂ ዓዱ ግና ጸልእዎ እሞ ‘እዚ ኺነግሠና ኣይንደልን ኢና` ኢሎም ደድኅሪኡ ሽማግለታት ለኣኹ። መንግሥቲ ተቐቢሉ ምስ ተመልሰ ድማ፥ ነቶም ወርቂ ዝሃቦም ኣገልገልቱ፥ ክንደይ ዚኣክል ነጊዶም ከም ዝረብሑ ኺፈልጥ ደልዩ፥ ኪጽውዑሉ ኣዘዘ። እቲ ቐዳማይ ‘ጐይታይ፥ እታ ቕርሺ ወርቅኻ ዓሠርተ ኻልእ ወለድ ረኺበላ` እናበለ ቐረበ። ንሱ ኸኣ ‘ኣታ ሕያዋይ ኣገልጋሊ፥ ጽቡቕ ገበርካ፥ ብውሑድ እሙን ኴንካ ኢኻ እሞ፥ ኣብ ዓሠርተ ኸተማ ሸይመካ ኣሎኹ፥ በሎ። “እቲ ኻልኣይ ድማ፥ ‘ጐይታይ፥ እታ ቕርሺ ወርቅኻ ካልእ ኃሙሽተ ወለድ ረኺበላ’ እናበለ ቐረበ። ነዚ ድማ ‘ንስኻውን ኣብ ኃሙሽተ ኸተማ ሸይመካ ኣሎኹ’ በሎ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

1ይ ጢሞ 4 : 1 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

በቲ ዳኅራይ ዘመናት ግና ገሊኦም እምነቶም ክሒዶም ንመናፍስቲ ስሕተትን ንትምህርቲ ኣጋንንትን ከም ዚስዕቡ፥ መንፈስ ቅዱስ ብግሁድ ይብል ኣሎ። እዚ ዓይነት ትምህርትዚ እዚ ድማ ኻብቶም ብመዓለም ከም ዝሓረረ ሕሊናኦም ዝደንዘዘ ግቡዛት፥ ሓሰውቲ ሰባት እዩ ዚመጽእ። ንሳቶም መውስቦ ይኽልክሉ፥ እቶም ኣመንትን ሓቂ ዝፈለጡን፥ ብምስጋና ኪቕበልዎ ኢሉ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ብልዒውን፥ ሰብ ኪሓርሞ ይእዝዙ። እቲ ፍጥረት ኣምላኽ ብዘሎ ጽቡቕ እዩ፥ ብምስጋና ንዚቕበሎ ኸኣ በቲ ቓል ኣምላኽን ጸሎትን ዚቕደስ ስለ ዝኾነ፥ ገለ እኳ ዚድርበ የብሉን። እዚ ነገር እዚ ነቶም ኣኅዋት እንተ ኣርኣኻዮም፥ ቃል እምነትን እቲ ተኣሚንካ ዝሰዓብካዮ ጽቡቕ ትምህርትን ዝተመገበ ሕያዋይ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ክትከውን ኢኻ። ካብቲ መንፈስ እግዚኣብሔር ዘይብሉ፥ ዕላል ኣረገውቲ ኣንስቲ ዚመስል ተረት፥ ርሓቕ። ንርእስኻ ግና ብመንፈሳዊ ሕይወት ክትነብር ተላመድ። ምውስዋስ ኣካላት ንቚሩብ ነገር እዩ ዚጠቅም፥ መንፈሳዊ ምልምማድ ግና ነዛ ሕጂ ዘላ ሕይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን ተስፋ ስለ ዘለዎ ንዅሉ እዩ ዚጠቅም። እዚ፥ ኵሉ ሰብ ኪቕበሎ ዚግባእ እሙን ቃል እዩ። በቲ ንዅሉ ሰብ፥ ምናዳ ንኣመንቲ ዜድኅን ሕያው ኣምላኽ ተስፋ ስለ ዝገበርና ኸኣ ንጽዕርን ንጋደልን ኣሎና። ነዚ ነገራት እዚ ኣዝዝን ምሃርን። “መንእሰይ እዩ” ኢሉ ሓደ እኳ ኣይንዓቕካ። ግና ነቶም ኣመንቲ ብቓል፥ በኻይዳ፥ ብፍቕሪ፥ ብእምነት፥ ብንጽህናውን ኣርኣያ ኹኖም። ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ፥ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ንሕዝቢ ኣብ ምንባብን ምስባኽን ምምሃርን ተጸመድ። ነቲ ብቓል ብትንቢት ብምንባር ኢድ መራሕቲ ቤተክርስቲያንን ዝተዋህበካ ጸጋ ሸለል ኣይትበሎ። ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ኣጸቢቕካ ትጋህ፥ እናዓቤኻ ትኸይድ ከም ዘሎኻ፥ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኺግለጽሲ፥ ነዚ ነገርዚ ብኹለንትናኻ ወፊ። ንገዛእ ርእስኻን ነቲ እትህቦ ትምህርትን ተጠንቀቕ፥ ኣብኡ ጸኒዕካ ንበር፥ ነዚ እንተ ገበርካስ፥ ንርእስኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ከተድኅን ኢኻ።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

2ይ ጴጥ 1 : 12 - 18 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ስለዚ ሽሕ እኳ እንተ ፈለጥኩምዎ፥ ኣብቲ ዘሎኩም ሓቂውን ጸኒዕኩም እንተ ኣሎኹም፥ ነዚ ነገር እዚ ዅሉ ጊዜ ከዘኻኽረኩም መደብ ገይረ ኣሎኹ።ብሕይወት ክሳዕ ዘሎኹ፥ እናዘኻኸርኩ ከነቓቕሓኩም ቅኑዕ ኮይኑ ይርኣየኒ ኣሎ።ከመይ ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገለጸለይ ቀልጢፈ ከም ዝመውት ፈሊጠ ኣሎኹ።ኣነ ምስ ሞትኩውን ነዚ ነገራት እዚ ኽትዝክርዎ ምእንቲ ኽትክእሉ እጽዕር ኣሎኹ።ብዛዕባ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኃይልን ምጽኣትን ክንነግረኩም ከሎና፥ ዝተጣበብዎ ጽውጽዋይ ዘይኮነስ፥ ነቲ ብዓይንና ዝረአናዮ ግርማ መሰኻኽር ስለ ዝኾንና እዩ።ከመይ እቲ “ብእኡ ዝተሓጐስኩ ፍቁር ወደይ እዚ እዩ” ዚብል ድምፂ ኻብቲ ልዕል ግርማ ምስ መጸ፥ ካብ እግዚኣብሔር ኣቦ ክብርን ግርማን ተቐበለ።ኣብቲ ቕዱስ እምባ ምስኡ ኸሎና ኸኣ፥ እዚ ድምፂ እዚ ኻብ ሰማይ ኪመጽእ ከሎ፥ ንሕና ባዕላትና ሰሚዕናዮ ኢና።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 11 : 19 - 26 [English][ግእዝ][ልሙድ]

እቶም ብሰሪ እቲ ኣብ እስጢፋኖስ ዝበጽሐ መከራ ዝተበተኑ ግና፥ ክሳብ ፊንቂስን ቆጵሮስን ኣንጾኪያን ከዱ፥ ነቲ ቓል ከኣ ንኣይሁድ እንተ ዘይኮይኑ ንሓደ እኳ ኣይነግሩን ነበሩ። ገሊኣቶም ግና ሰብ ቆጵሮስን ሰብ ቀረኔን ነበሩ፥ እዚኣቶም ናብ ኣንጾኪያ መጺኦም ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ ሰበኹሎም። ነቶም ግሪኻውያን ከይተረፈውን ነገርዎም። ኃይሊ እግዚኣቢሔር ምሰኣቶም ነበረት፥ ብዙኅ ዝቚጽሮም ሰብ ድማ ኣሚኖም ናብ ጐይታ ተመልሱ። እዚ ወረ እዚ ኸኣ ኣብታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤት ክርስቲያን ተሰምዐ፥ ንበርናባስ ድማ ናብ ኣንጾኪያ ለኣኽዎ። ንሱ ምስ መጸ ጸጋ ኣምላኽ ርእዩ ተሓጐሰ፥ ብምሉእ ልቦም ብጐይታ ጸኒዖም ኪነብሩ ድማ መኸሮም። ምኽንያቱ ንሱ መንፈስ ቅዱስን እምነትን ዝመልኦ ሕያዋይ ሰብኣይ ነበረ፥ ብዙኅ ሕዝቢ ድማ ናብ ጐይታ ተመልሰ። በርናባስ ካብኡ ወፂኡ ንሳውል ኪደልዮ ናብ ጠርሴስ ከደ። ምስ ረኸቦ ናብ ኣንጾኪያ ኣምጽኦ፥ ኣብታ ቤት ክርስቲያን ከኣ ዓመት ምሉእ ብኅብረት ነበሩ፥ ንብዙኅ ሕዝቢውን መሃሩ፥ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ንፈለማ ጊዜ ኣብ ኣንጾኪያ ክርስቲያን ተባሂሎም ተሰምዩ።

 

ስንክሳር Synaxarium

አባ ሚካኤል ሊቀ ጳጳሳት ዘሃገረ እስክንድርያ

 

መዝሙር Psalm

መዝ 68 : 31 - 32 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ነቶም ብውግእ ዚሕጐሱ ኣህዛብ ፋሕ ኣብሎም። መሳፍንቲ ኻብ ግብጺ ኺመጹ እዮም፣ ኢትዮጵያ ቐልጢፋ ኣእዳዋ ናብ ኣምላኽ ክትዝርግሕ እያ።

 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 14 : 28 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

ካባኻትኩምከ ግምቢ ኺሠርሕ ዚደሊ እሞ ንምውድኡ ዚኣኽሎ ገንዘብ እንተለዎ ቅድም ተቐሚጡ ዘይጽብጽብ እንታዋይ እዩ፧ እንተ ዘየሎ መሠረት ምስ ሠረተ፥ ምውዳኡ እንተ ሰኣነ፥ ዝረኣይዎ ኹሎም ‘እዚ ሰብ እዚ ምንዳቕ ጀሚሩ ምውዳኡ ስኢኑ’ እናበሉ ኼላግጹሉ ይጅምሩ። ወይስ ኣየናይ ንጉሥ እዩ ምስ ካልእ ንጉሥ ኪዋጋእ ዚኸይድ እሞ፥ ነቲ ብዕሥራ ሽሕ ዚመጾስ ብዓሠርተ ሽሕ ኪገጥመሉ ዚኽእል እንተኾይኑ፥ ተቐሚጡ ቕድም ዘይመክር። እንተዘይኮነስ፥ ገና ርሑቕ ከሎ ልኡኻት ናብኡ ሰዲዱ ዕርቂ ይልምን። ከምኡ ድማ ነፍስ ወከፍ ካባኹም ዘለዎ ዘበለ ዅሉ ዘይኃደገ፥ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። ጨው ጽቡቕ እዩ፥ እቲ ጨው መቐረቱ እንተ ኣጥፍአኸ ብምንታይ ይምቅር፧ ንወፃኢ ይጕሕፍዎ እምበር፥ ንምድሪ ኾነ ንድዂዒ፥ ኣይጠቅምን እዩ። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ።”

ቅዳሴ Liturgy :

ዘ፫፻ ምእት(ግሩም) ዓዲ ዘእግዝእትነ ማርያም(ጐሥዓ)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 119 : 37 - 38 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ነዒንተይ ካብ ምርኣይ ከንቱነት ምለሰን፣ ብመገድኻ ህያው ግበረኒ። ነቲ ናብ ፍርሃትካ ዚመርሕ ቃልካ ኣብ ባርያኻ ኣጽንዓዮ።

 

ወንጌል Gospel

ማቴ 5 : 29 - 37 [English][ግእዝ][ልሙድ]

የማነይቲ ዓይንኻ እንተ ኣስሓተትካ፥ ካባኻ ጐጥጕጥካ ደርብያ። ብዘሎ ኣካልካ ናብ ገሃነም ካብ ዚኣቱስ፥ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍኤት ይኅሸካ። የማነይቲ ኢድካ እንተ ኣስሓተትካውን፥ ካባኻ ቘሪጽካ ደርብያ። ብዘሎ ኣካልካ ኣብ ገሃነም ካብ ዚኣቱስ፥ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍኤት ይኅሸካ። “‘ንሰበይቱ ዚፈትሓ፥ መፍትሒኣ ዝነግር ጽሑፍ ይሃባ’ ተባሂሉ ኣሎ። ኣነ ግና ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ ዅሉ ዘማዊት ይገብራ፥ እቲ ፍትሕቲ ዜእቱ ድማ ይዝሙ፥ እብለኩም ኣሎኹ። “ከምኡ ድማ ነቶም ቀዳሞት፥ ‘ማሕላኻ ንእግዚኣብሔር ሃቦ እምበር፥ ብሓሶት ኣይትምሓል፥’ ከም ዝተባህለ ሰሚዕኩም ኣሎኹም። ኣነ ግና ወይ ብሰማይ፥ ዝፋን ኣምላኽ ስለ ዝኾነ፥ ወይ ብምድሪ፥ መርገጽ እግሩ ስለ ዝኾነት፥ ወይ ብኢየሩሳሌም፥ ከተማ እቲ ዓቢይ ንጉሥ ስለ ዝኾነት፥ ከቶ ኣይትምሓሉ እብለኩም ኣለኹ። ካብ ፀጒሪ ርእስኻ ሓንቲ ኸተጻዕዱ ወይ ከተጸልም ኣይትኽእልን ኢኻ እሞ፥ ብርእስኻውን ኣይትምሓል። ነገርኩምሲ፥ ‘እወ፥ እወ’ ወይ ‘ኣይኮነን፥ ኣይኮነን’ ደኣ ይኹን። ካብዚ እንድኅሪ በዚኁ ግና ኻብቲ ክፉእ እዩ።

 

ዘመነ ዮሃንስ Readings for Tuesday

መጋቢት 17, 2016 ብግእዝ Mar 26, 2024 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 31 : 9 - 10 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ዎ እግዚኣብሄር፣ ጸቢቡኒ እዩ እሞ ምሐረኒ፣ ዓይነይ፣ ነፍሰይ ከብደይውን ብሓዘን ማህሚኑ። ህይወተይ ብጓሂ፣ ዓመታተይ ብእህህታ ተወዲኡ፣ ሓይለይ ብኣበሳይ ላሕሊሑ፣ ኣዕጽምተይውን ማህሚኑ እዩ።

 

ወንጌል Gospel

ዮሐ 11 : 1 - 6 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ኣብ ቢታንያ፥ ኣብ ዓዲ ማርያምን ማርታ ኃብታን፥ ኣልኣዛር ዝስሙ ሰብኣይ ሓሚሙ ነበረ። ማርያም፥ እታ ንጐይታ ቅዱይ ሽቱ ዝቐብኣቶ፥ ብፀጒሪ ርእሳውን ኣእጋሩ ዝደረዘቶ እያ፥ ኣልኣዛር እቲ ሕሙምውን ኃዋ እዩ። ስለዚ እተን ኣኃቱ “ጐይታ! እቲ እተፍቅሮስ እንሆ ሓሚሙ ኣሎ” ኢለን ናብ ኢየሱስ ለኣኻ። ኢየሱስ እዚ ስምዑ “እዚ ሕማም እዚ ንኽብሪ ኣምላኽ፥ ወዲ ኣምላኽ ብእኡ ምእንቲ ኪኸብር እዩ እምበር፥ ንሞት ኣይኮነን” በለ። ኢየሱስ ንማርታን ንኃብታን ንኣልኣዛርን የፍቅሮም ነበረ። ምሕማሙ ሰሚዑ ኸሎ ኣብታ ዝነበራ ስፍራ ክልተ መዓልቲ ወዓለ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

ሮሜ 15 : 14 - 21 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ኣኅዋተየ፥ ብሠናይ ነገርን ብፍልጠትን ዘበለ ዅሉ ኸም ዝመላእኩም፥ ንሓድሕድኩምውን ምምዕዓድ ከም እትኽእሉ፥ ኣነ ባዕለይ ተረዲአዮ ኣሎኹ። በቲ ኻብ ኣምላኽ ዝተዋህበኒ ጸጋ ከም ዘዘኻኽረኩም ኮይነ ብዛዕባ ገለ ነገራት ደፊረ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ። እዚ ኸኣ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቐደሰ መሥዋዕቲ ኾይኖም ዝቐረቡ ኣሕዛብ፥ ብኣምላኽ ቅቡላት ምእንቲ ኺኾኑ፥ ካህን ወንጌል ኣምላኽ ኮይነ፥ ንኣሕዛብ ናብ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣገልጋሊ ምእንቲ ክኸውን እዩ። ስለዚ ንእግዚኣብሔር ስለ ዘገልግል ብኢየሱስ ክርስቶስ እምካሕ ኣሎኹ። እንተኾነ ነቲ ክርስቶስ፥ ኣሕዛብ ንእግዚኣብሔር ምእንቲ ኺእዘዙ ኢሉ፥ ብቓለይን ብግብረይን ገይሩ፥ ብኃይሊ ትእምርትን ተኣምራትን፥ ብኃይሊ መንፈስ ቅዱስን ዝገበሮ እንተ ዘይኮይኑ፥ ብኻልእ ክዛረብ ኣይደፍርን እየ። ስለዚ ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚረ ኽሳብ ዙርያ እልዋሪቆን ንወንጌል ክርስቶስ ብምሉእ ኃይለይ ሰበኽክዎ። ከምቲ “እቶም ብዛዕባኡ ዘይተነግሮም ኪርእዩ እዮም፥ እቶም ብዛዕባኡ ዘይሰምዑ እውን ኬስተውዕሉ እዮም” ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኻልእ ሰብ ዝመሥረቶ ምእንቲ ከይሓንጽሲ፥ ኣብቲ ክርስቶስ ዘይተሰምየሉ ዘበለ ሥፍራ ወንጌል ክሰብኽ ሃረርታ ኣሎኒ።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

ያዕ 5 : 14 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

ኣብ ማእከልኩም ዝሓመመ እንተሎ ንመራሕቲ ቤት ክርስቲያን ይጸውዕ፥ ንሳቶም ከኣ ብስም ጐይታ ብዘይቲ እናቐብኡ ይጸልዩሉ። እታ ብእምነት ዝተገብረት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተሕውዮ እያ። ጐይታውን ኬተንሥኦ እዩ። ኃጢኣት ገይሩ እንተ ኾይኑውን ኪኅደገሉ እዩ። እምበኣርሲ ምእንቲ ኽትሓውዩ ንሓድሕድኩም ኃጢኣትኩም ተናዘዙ፥ ምእንቲ ንሓድሕድኩምዉን ጸልዩ። ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙኅ ተስልጥ እያ። ኤልያስ ከማና ሰብ እዩ ዝነበረ። ዝናም ከይዘንም ጸሎት ገበረ፥ ሠለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርኅን ከኣ ኣብ ምድሪ ዝናም ኣይዘነመን። ከም ብሓድሽ ድማ ጸለየ፥ ሰማይ ከኣ ዝናም ሃበ፥ ምድሪውን ፍሪኣ ሃበት። ኣቱም ኣኅዋተይ፥ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ሓቂ እንተ ረሓቐ፥ ሓደ ኸኣ እንተ መለሶ፥ እቲ ንኃጥእ ካብ መገዲ ጌጋኡ ዝመለሶ፥ ካብ ዘለዓለማዊ ሞት ከም ዘድኃኖ፥ ብዙኅ ኃጢኣት እዉን ኬኅደግ ከም ዝገበረ ይፍለጥ።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 2 : 22 - 24 [English][ግእዝ][ልሙድ]

“ኣቱም ሰብ እስራኤል፥ ነዚ ቓል እዚ ስምዑ፤ ከምቲ ባዕልኻትኩም እትፈልጥዎ፥ ኢየሱስ ናዝራዊ፥ በቲ ኣምላኽ ብእኡ ኣብ ማእከልኩም ዝገበሮ ኃይልን ተኣምራትን ትእምርትን፥ ኣምላኽ ዝመስከረሉ ሰብኣይ ነበረ። ነዚ፥ ከምቲ ምዱብ ምኽሪ ኣምላኽን ዘለዓለማዊ ፍልጠቱን ዝተወፈየ ኢየሱስ፥ ብኢድ እቶም ሕጊ ዘይብሎም ሰቐልኩምዎን ቀተልኩምዎን። ሞት ኂዙ ኼጽንዖ ስለ ዘይከኣለ ኸኣ ኣምላኽ ካብ ማእሰር ሞት ፈቲሑ ኣተንሥኦ።

 

ስንክሳር Synaxarium

አልአዛር ዘአንሥኦ እግዚእነ እመቃብር
ወቴዎቅሪጦስ
ወጊዮርጊስ
ወቶስላስ
ወዮሴፍ
ወአባ ገሪማ ዘመደራ

 

መዝሙር Psalm

መዝ 23 : 3 - 4 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒ። በትርኻን ምርኵስካን የጸናንዓኒ እዩ፣ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፣ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ፣ ክፉእ ኣይፈርህን እየ።

 

ወንጌል Gospel

ዮሐ 11 : 7 - 13 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ድኅሪ እዚ ንደቀ መዛሙርቱ “ደጊም ንዑናይ፥ ናብ ምድረ ይሁዳ ንኺድ” በሎም። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ “መምህር! ብኣምሆ ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ኪቐትሉኻ ይደልዩ ነይሮምሲ መሊስካዶ ናብኡ ኽትከይድ፧” በልዎ ኢየሱስ ከኣ “ኣብ መዓልትስ ዓሠርተው ክልተ ሰዓትዶ ኣይኮነን ዘሎ፥ እቲ ብመዓልቲ ዚኸይድ ብርሃን እዛ ዓለም እዚኣ ዚርኢ ስለ ዝኾነ ኣይዕንቀፍን እዩ። እቲ ብለይቲ ዚኸይድ ግና ብርሃን ስለ ዘይብሉ ይዕንቀፍ እዩ” ኢሉ መለሰሎም። እዚ ምስ ተዛረበ ኣስዒቡ “ኣልኣዛር ፈታዊና ደቂሱ ኣሎ፥ ኣነ ግና ኻብ ድቃሱ ምእንቲ ኸተንሥኦ ክኸይድ እየ” በሎም። ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ “ጐይታ፥ ደቂሱ እንተ ኾይኑስ ሓንቲ ኣይከዉንን እዩ” በልዎ። ኢየሱስ ብዛዕባ ሞቱ እዩ ዝተዛረበ፥ ንኣኣቶም ግና ብዛዕባ ናይ ትኽስታ ድቃስ ዝተዛረበ መሰሎም።

ቅዳሴ Liturgy :

ዘእግዚእነ(ነአኩተከ)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 25 : 8 - 9 [English][ግእዝ][ልሙድ]

እግዚኣብሄር ሰናይን ቅኑዕን እዩ፣ ስለዚ ንሓጥኣን መገዱ ኺምህሮም እዩ። ንትሑታት ብፍርዲ ኺመርሖም፣ ንትሑታትውን መገዱ ኼስተምህሮም እዩ።

 

ወንጌል Gospel

ዮሐ 7 : 40 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

ካብቶም ሕዝቢ ነዚ ዘረባዚ ሰሚዖም፥ “እዚ ብሓቂ እቲ ነቢይ እዩ” በሉ። ካልኦት ከኣ “ክርስቶስ እዩ” በሉ። ገሊኦም ግና “ክርስቶስ ካብ ገሊላ ድዩ ዚመጽእ፧ ክርስቶስ ካብ ዘርኢ ዳዊት፥ ካብታ ዳዊት ዝነበረላ ዓዲ ካብ ቤተ ልሔም ከም ዚመጽእ ጽሑፍዶ ኣይነግርን እዩ፧” በሉ። ስለዚ ኣብቶም ሕዝቢ ብእኡ ምኽንያት ምፍልላይ ኮነ። ገሊኦም ኪኅዝዎ ደለዩ፥ ኢዱ ዘልዓለሉ ግና ሓደ እኳ ኣይነበረን። እቶም ገላው ናብ ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን ተመልሱ፤ ንሳቶም ድማ “ስለምንታይ ደኣ ዘየምጻእኩምዎ፧” በልዎም። እቶም ገላው ኸኣ “ከምዚ ሰብኣይ እዚ ገይሩ ዝተዛረበ ኸቶ የልቦን” ኢሎም መለሱ። ፈሪሳውያን ድማ “ንስኻትኩምውንዶ ስሒትኩም ኢኹም፧ ካብ መኳንንቲ ወይ ካብ ፈሪሳውያን ብእኡ ዝኣመነዶ ኣሎ እዩ፧ እዚ ሕጊ ዘይፈልጥ ሕዝቢ ግና ርጉም እዩ” ኢሎም መለሱሎም። ሓደ ኻብኣቶም፥ እቲ ቕድም ብለይቲ ናብ ኢየሱስ መጺኡ ዝነበረ ኒቆዲሞስ፥ “ሕግናኸ ንሰብ ቅድም ከይሰምዖን እቲ ዝገበሮ ኸይፈለጠንዶ ይፈርዶ እዩ፧” በሎም። ንሳቶም ከኣ “ንስኻውንዶ ኻብ ገሊላ ኢኻ፧ መርምር እሞ ኻብ ገሊላ ነቢይ ከም ዘይትንሥእ ክትርኢ ኢኻ፧” ኢሎም መለሱሉ። ኵሎም ከኣ ነናብ ቤቶም ከዱ።

 

ዘመነ ዮሃንስ Readings for Wednesday

መጋቢት 18, 2016 ብግእዝ Mar 27, 2024 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 141 : 3 - 4 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ጐይታየ፣ ንኣፈይ ቀፊር ግበረሉ፣ ደገ ኸናፍረይ ሐሉ። ምስ ገበርቲ እከይ ረሲእነት ከይገብርሲ፣ ንልበይ ናብ ክፍኣት ኣይተዘምብሎ፣ ኣነውን ካብቲ ጥዑም ብልዖም ኣይብላዕ።

 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 19 : 18 - 27 [English][ግእዝ][ልሙድ]

“እቲ ኻልኣይ ድማ፥ ‘ጐይታይ፥ እታ ቕርሺ ወርቅኻ ካልእ ኃሙሽተ ወለድ ረኺበላ’ እናበለ ቐረበ። ነዚ ድማ ‘ንስኻውን ኣብ ኃሙሽተ ኸተማ ሸይመካ ኣሎኹ’ በሎ። ሓደ ኻልእ ድማ ‘ጐይታይ፥ ዘየንበርካዮ እተልዕል፥ ዘይዘራእካዮ እትዓጽድ ጨካን ሰብ ምዃንካ ስለ ዝፈለጥኩ ፈሪሀካ፥ እዛ ኣብ ቍራጽ ዓለባ ቘጺረ ዘጽናሕክዋ ቕርሺ ወርቅኻ እንሃልካ’ እናበለ ቐረበ። ንሱ ድማ ‘ኣታ እኩይ ኣገልጋሊ፥ ከምቲ ብኣፍካ ዝበልካዮ እፈርደካ ኣሎኹ። ኣነ ዘየንበርክዎ ዘልዕል፥ ዘይዘራእክዎ ዝዓጽድ ኃያል ሰብ ምዃነይ ፈሊጥካ ኸሎኻስ ስለምንታይ ደኣ ነቲ ወርቀይ ኣብ ባንክ ዘየንበርካዮ፧ ኣነ መጺአ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ ነይረ’ በሎ። ነቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሰባት ከኣ ‘እታ ቕርሺ ወርቂ ኣግድፍዎ እሞ ነቲ ዓሠርተ ቕርሺ ወርቂ ዘለዎ ሃብዎ’ በሎም። ንሳቶም ከኣ፥ ‘ጐይታይ! እትስ ዓሠርተ ቕርሺ ወርቂ ኣለዎ’ በልዎ። ንሱ ድማ ’ንዘለዎ ዘበለ ኺውሃቦ እዩ፥ ነቲ ዘይብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ ኬግድፍዎ እዮም፥ እብለኩም ኣሎኹ። ነዞም ኣነ ኣብ ልዕሊኦም ክነግሥ ዘይደለዩ ጸላእተይ ግና ናብዚ ኣምጺእኩም ኣብ ቅድመይ ሕረድዎም’ በለ።”

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

1ይ ቆሮ 14 : 1 - 9 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ንፍቕሪ ስዓብዋ፥ ንመንፈሳዊ ውህበታት፥ ምናዳ እኳ ኽትንበዩ ኣዚኹም ተመነዩ። ብቛንቋታት ዚዛረብ ንኣምላኽ እምበር ንሰብ ኣይኮነን ዚዛረብ፥ ዜስተውዕሎ ድማ ሓደ እኳ የልቦን። ንሱ ግና ብኃይሊ መንፈስ ምሥጢራት እዩ ዚዛረብ። ዚንበ ግና ንሰብ ዚሓንጽን ዜተባብዕን ዜጸናንዕን እዩ ዚዛረብ። ብቛንቋታት ዚዛረብ ንርእሱ ይሓንጽ፥ ዚንበ ግና ንቤተ ክርስትያን ይሓንጽ። ሕጂ ኸኣ ኲልኻትኩም ብቛንቋታት ክትዛረቡ፥ ምናዳ ግና ኽትንበዩ ሃረርታይ እዩ። እታ ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ኽትሕነጽ ነቲ ብቛንቋታት ዝተዛረቦ ዚትርጒመሉ እንተ ዘይረኺቡ፥ ካብቲ ብቛንቋታት ዚዛረብ እቲ ዚንበ ይዓቢ። ሕጂ ግና፥ ኣኅዋተይ፥ ብራእይ ወይ ብፍልጠት፥ ወይ ብትንቢት ወይ ብትምህርቲ ዘይኮነስ ቛንቋታት እናተዛረብኩ ናባኻትኩም እንተ ዝመጽእ እንታይ ምጠቐምኩኹም፧ እቲ ሕይወት ዘይብሉ፥ ከም እኒ እምብልታ ወይ መሰንቆ ዘኣመሰለ፥ ዜድምፅ ነገራት ፍሉይ ዝኾነ ቃና እንተ ዘየድሃየ፥ እቲ ብእምብልታ ወይ ብመሰንቆ ዝተቓነየ ከመይ ገይሩ ይፍለጥ፧ መለኸትከ ዘይፍሉጥ ድምፂ እንተ ኣድሃየ መን እዩ ንውግእ ዚስለፍ፧ ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም ብቛንቋታት ዘይርዳእ ነገር እንተ ተዛረብኩም፥ ነቲ ዝተዛረብኩምዎ መን ኪርድኦ ይኽእል፧ ምስ ንፋስ ከም ዚዛረብ ኢኹም።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

1ይ ዮሐ 3 : 11 - 18 [English][ግእዝ][ልሙድ]

እታ ካብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዋ፥ “ንሓድሕድና ንፋቐር” እትብል መልእኽቲ እያ። ከምቲ ኻብ እኩይ ዝነበረ ንኃዉ ኸኣ ዝቐተለ ቃየል ኣይንኹን። ስለ ምንታይከ እዩ ዝቐተሎ፧ ግብሩ እኩይ፥ ግብሪ ኃዉ ግና ሠናይ ስለ ዝነበረ እዩ። ኣኅዋተየ፥ ዓለም እንተ ጸልኣትኩም ኣይትገረሙ። ንሕና ነኅዋትና ነፍቅሮም ስለ ዝኾንና፥ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ከም ዝተሳገርና ንፈልጥ ኢና። እቲ ዘየፍቅር ግና ብደዉ ኸሎ ዝሞተ እዩ። ንኃዉ ዚጸልእ ዘበለ ዅሉ ቐታል ነፍሲ እዩ። ቀታል ነፍሲ ዝኾነ ዅሉ ድማ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ከም ዘይብሉ ትፈልጡ ኢኹም። ክርስቶስ ንሕይወቱ ኣብ ክንዳና ስለ ዝኅለፈ፥ ንፍቕሪ በዚ ኢና እንፈልጣ። ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣኅዋትና ሕይወትና ኸነኅልፍ ይግብኣና እዩ። ግናኸ ዝኾነ ይኹን ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎ እሞ ኃዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረኣዮ እንተ ዘይደንገጸሉ፥ ከመይ ኢሉ ደኣ ንኣምላኽ አፍቅር እየ ኺብል ይኽእል፧ ኣቱም ደቀየ፥ ብግብርን ብሓቅን እምበር፥ ብቓልን ብልሳንን ኣይንፋቐር።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 23 : 1 - 6 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ሽዑ ጳውሎስ ነቶም መጋባእያ ኣተኲሩ እናጠመተ “ኣቱም ኣኅዋተይ፥ ኣነ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብዅሉ ቕኑዕ ሕሊና እየ ዝተመላለስኩ” በሎም። ሓናንያ እቲ ሊቀ ካህናት ግና ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ፥ ኣፉ ኪዘብጥዎ ኣዘዘ። ጳውሎስ ከኣ ንእኡ “ኣታ ልቕሉቕ መንደቕ፥ ኣምላኽ ኪዘብጠካ እዩ። ንስኻ ብሕጊ ኽትፈርደኒ ኣብ መንበር ተቐሚጥካስ፥ ብዘይ ሕጊ ኪዘብጡኒዶ ትእዝዝ ኣሎኻ፧” በሎ። እቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ኸኣ፥ “ንሊቀ ካህናት ኣምላኽሲ ክትጸርፎ፧” በልዎ። ጳውሎስ ድማ “ኣኅዋተይ፥ ሊቀ ካህናት ምዃኑ ኣይፈለጥኩን፥ ከመይ ‘ንሹም ሕዝብኻ ኣይትጽረፍ’ ዚብል ተጻሒፉ ኣሎ” በሎም። ጳውሎስ ከኣ ገሊኦም ሰዱቃውያን፥ ገሊኦም ፈሪሳውያን ምዃኖም ምስ ፈለጠ፥ ኣብቲ መጋባእያ ዓው ኢሉ “ኣቱም ኣኅዋተይ፥ ኣነ ፈሪሳዊ ወዲ ፈሪሳዊ እየ፤ ምውታት ከም ዚትንሥኡ ተስፋ ስለ ዝገብር ከኣ እዩ ዚፍረደኒ ዘሎ” በሎም።

 

ስንክሳር Synaxarium

ኤስድሮስ ሰማዕት

 

መዝሙር Psalm

መዝ 103 : 8 - 9 [English][ግእዝ][ልሙድ]

እግዚኣብሄር ርሕሩሕን መሓርን እዩ፣ ንዅራ ደንጓዪ፣ ብሳህሊ ድማ ምሉእ እዩ። ኵሉ ጊዜ ኣይገንሕን፣ ንዘለአለም ከኣ ኣይቅየምን እዩ።

 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 18 : 17 - 26 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ንመንግሥቲ ኣምላኽ ከም ሓደ ሕፃን ኮይኑ ዘይተቐበላ ኸቶ ኸም ዘይኣትዋ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ” በሎም። ሓደ ካብቶም ኣሕሉቕ ድማ “ኣታ ሕያዋይ መምህር! ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኽወርስ እንታይ እግበር፧” ኢሉ ሓተቶ። ኢየሱስ ከኣ፥ “ንምንታይከ ሕያዋይ እትብለኒ፧ ብዘይካ ሓደ ኣምላኽ ሕያዋይ የልቦን። ነተን ‘ኣይትዘሙ፥ ኣይትቕተል፥ ኣይትስረቕ፥ ብሓሶት ኣይትመስክር፥ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፥’ ዚብላ ትእዛዛት ትፈልጠን ኢኻ፥” በሎ። ንሱ ኸኣ “ነዚ ዅሉስ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ሓልየዮ እየ” በለ። ኢየሱስ ድማ እዚ ምስ ሰምዐ፥ “ገና ኸኣ ሓንቲ ተሪፋትካ ኣላ፥ ዘሎካ ዅሉ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ፥ ኣብ ሰማይ ከኣ ሃብቲ ኺጸንሓካ እዩ፤ ንዓውን ስዓበኒ” በሎ። ንሱ ኸኣ እዚ ምስ ሰምዐ፥ ኣዝዩ ሃብታም ስለ ዝነበረ፥ ብዙኅ ጐሃየ። ኢየሱስ ብዙኅ ምጕሃዩ ርእዩ፥ “ሃብቲ ንዘለዎም ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩ። ሃብታም ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ካብ ዚኣቱስ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትኃልፍ ይቐልል” በለ። እቶም ዝሰምዑ ኸኣ “መን ደኣ ኾን ኪድኅን ይኽእል፧” በሉ።

ቅዳሴ Liturgy :

ዘዮሐንስ ወልደ ነጐድጓድ (ሃቤከ)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 102 : 13 - 14 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ጊዜ ምሕረታ እዩ፣ እቲ ምዱብ ጊዜ በጺሑ፣ ባሮትካ ነእማና ኣፍቂሮም፣ ብሓመዳ ኸኣ ጕህዮም እዮም እሞ፣ ክትትንስእ ንጽዮንውን ክትርሕርሓላ ኢኻ።

 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 19 : 39 - 44 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ኣብ ማእከል እቲ ሕዝቢ ዝነበሩ ገሊኣቶም ፈሪሳውያን ከኣ “መምህር! ንደቀ መዛሙርትኻ ገሥጾም” በልዎ። ኢየሱስ ከኣ “እዚኣቶም እኳ ስቕ እንተ በሉ፥ እዞም ኣእማን ኪጭድሩ እዮም፥ እብለኩም ኣሎኹ፥” ኢሉ መለሰሎም። ኢየሱስ ንኢየሩሳሌም ከም ዘልቀሰላ ኢየሱስ ናብታ ኸተማ ቐረበ፥ ምስ ረኣያ ኸኣ ኸምዚ ኢሉ ኣልቀሰላ፦ “ኣየ፥ ንስኺ በዚ መዓልቲ እዚ ንሰላምኪ ዚኸውን ነገር ፈሊጥክዮ እንተ ትኾኒ! ሕጂ ግና ኻብ ዓይንኺ ተኸዊሉ ኣሎ። ጸላእትኺ ቐጽሪ ቐጺሮም ዚኸቡኺ መዓልቲ ኽትመጽእ እያ እሞ፥ በዝን በትን ከኣ ኬጽብቡልኪ እዮም። ዘመን ምሕረትኪ ሰኣን ምፍላጥክስ ንኣኽን ኣባኺ ንዚነብሩ ደቅኽን ምስ ሓመድ ኪጽምብሩኺ፥ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒውን ኣይኪኃድጉልክን እዮም።”

 

ዘመነ ዮሃንስ Readings for Thursday

መጋቢት 19, 2016 ብግእዝ Mar 28, 2024 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 15 : 2 - 3 [English][ግእዝ][ልሙድ]

እቲ ብቕንዕና ዚመላለስን ጽድቂ ዚገብርን ብልቡ ሓቂ ዚዛረብን፣ ብልሳኑ ዘይሐሚ፣ ንመሓዛኡ ገለ ኽፉእ ዘይገብሮ፣ ንብጻዩ ዘይጸርፎ፣

 

ወንጌል Gospel

ማቴ 25 : 14 - 23 [English][ግእዝ][ልሙድ]

“ከምቲ ኺገይሽ ዝደለየ ሰብ እሞ ንኣገልገልቱ ጸዊዑ ገንዘቡ ዝሃቦም እዩ። ንነፍስ ወከፎም ከከም ዓቕሞም፥ ንሓደ ኃሙሽተ መክሊት፥ ነቲ ኻልኣይ ክልተ፥ ነቲ ሣልሳይ ድማ ሓደ ሂቡዎም ገሸ። እቲ ኃሙሽተ መክሊት ዝተቐበለ ብኡብኡ ኸይዱ ነገደሉ። ካልእ ኃሙሽተ መክሊት ድማ ረብሐ። ከምኡ ድማ እቲ ብዓል ክልተ ኻልእ ክልተ ረብሐ። እቲ ሓንቲ መክሊት ዝተቐበለ ግና ከይዱ፥ ምድሪ ዅዒቱ ወርቂ ጐይታኡ ሓብአ። ድኅሪ ነዊኅ እዋን ከኣ ጐይታ እቶም ገላዉ መጺኡ ምስኣቶም ኪጸባጸብ ጀመረ። እቲ ኃሙሽተ መክሊት ዝተቐበለ ‘ጐይታይ! ኃሙሽተ መክሊት ሃብካኒ፥ እንሆ ድማ ኻልእ ኃሙሽተ መክሊት ረባሕኩ፥’ እናበለ ኻልእ ኃሙሽተ መክሊት ኣምጽአ። ጐይታኡ ድማ ‘ጽቡቕ! ኣታ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ! ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ ኣብ ልዕሊ ብዙኅ ክሸመካ እየ፥ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ’ በሎ። እቲ ኽልተ መክሊት ዝተቐበለ ድማ ቐሪቡ ‘ጐይታይ! ክልተ መክሊት ሃብካኒ፥ እንሆ ኸኣ ክልተ ኻልእ መክሊት ረባሕኩ’ በለ። ጐይታኡ ኸኣ ‘ጽቡቕ! ኣታ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ! ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ ኣብ ልዕሊ ብዙኅ ክሸመካ እየ፥ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ’ በሎ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

ሮሜ 16 : 1 - 16 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ነታ ንቤተ ክርስቲያን ክንክርኤስ ኣገልጋሊት ዝኾነት ፌቤን ኃብትና፥ ናባኻትኩም አማኅጽና ኣሎኹ። ንኣመንቲ ኸም ዚግባእ ጌርኩም ብጐይታ ተቐበልዋ፥ ብዜድልያ ዘበለ ዅሉ ኸኣ ደግፍዋ። ከመይ ንሳ ንብዙኃት፥ ንኣይ ንገዛእ ርእሰይውን፥ ደጋፊት ነይራ እያ። ነቶም ብክርስቶስ ኢየሱስ መዓይይተይ ዝኾኑ ጵርስቅላን ኣቂላን ሰላም በሉለይ። ንሳቶም ኣብ ክንዳይ ሕይወቶም ንምኅላፍ ዝተዳለዉ ነበሩ። ስለዚውን አመስግኖም ኣሎኹ፥ ኣነ ጥራይ ዘይኮንኩ ኸኣ ኣብያተ ክርስቲያን ኣሕዛብ ኲለን እየን ዜመስግናኦም። ነታ ኣብ ቤቶም ዘላ ቤተ ክርስቲያን ሰላም በሉለይ። ነቲ ክርስቶስ ንምቕባል ኣብ እስያ መጀመርታ ዝኾነ ኤጴኔጦስ ፍቁረይ፥ ሰላም በሉለይ። ነታ ብዙኅ ዝጸዓረትልኩም ማርያም ሰላም በሉለይ። ነቶም ኣብ ሓዋርያት ፍሉጣት፥ ቅድመይ ድማ ብክርስቶስ ዝኣመኑ፥ ምሳይውን ዝተኣስሩ ኣዝማደይ ኣንድራኒቆንን ዩልያንን፥ ሰላም በሉለይ። ነቲ ብጐይታ ፍቁረይ ዝኾነ ኣንጵልያጦን ሰላም በሉለይ። ነቲ ብክርስቶስ መዓይይትና ዝኾነ ኡርባኖስን፥ ንስጣክን ፍቁረይን ሰላም በሉለይ። ነቲ ምእንቲ ክርስቶስ ፈተና ተቐቢሉ፥ እሙን ኮይኑ ዝተረኽበ ኤጴሌን፥ ሰላም በሉለይ። ንእንዳ ኣርስጠቦሉ ሰላም በሉለይ። ንሄሮድያና ዘመደይ፥ ሰላም በሉለይ። ነቶም ኣብ እንዳ ናርቂሶስ ዘለዉ፥ ብጐይታ ዝኣመኑ፥ ሰላም በሉለይ። ነተን ብጐይታ ዚጽዕራ ዘለዋ ጥሬፌናን ጥሬፎሳን፥ ሰላም በሉለይ። ነታ ብጐይታ ብዙኅ ዝጸዓረት ጵርሲዳ ፍቅርቲ፥ ሰላም በሉለይ። ነቲ ብጐይታ ዝተኃርየ ሩፎንን ነዲኡን፥ ንኣይውን ኣደይ፥ ሰላም በሉለይ። ንኣሰንቅሪጦስን ፍሌጎንን ሄርሜስን ንጰጥሮባንን ሄርማንን ምስኣቶም ንዘለዉ ኣኅዋትን፥ ሰላም በሉለይ። ንፍሌጎንን ንዩልያን ንኔርያን ንኃብቱን ንኣልንጦንን ምስኣቶም ንዘለዉ ኵሎም ቅዱሳንን፥ ሰላም በሉለይ። ንሓድሕድኩም ኸኣ ብቕዱስ ምስዕዓም ሰላም ተበሃሃሉ። ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ሰላም ይብላኹም ኣለዋ።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

3ይ ዮሐ 1 : 9 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

ኣነ ናብታ ቤተ ክርስቲያን ሓደ ነገር ጽሒፈ ነይረ፥ እቲ ሓለቓኦም ኪኸውን ዚደሊ ድዮጥራፊስ ግና ኣይቅበለናን እዩ። ስለዚ ኣነ ምስ መጻእኩ ነቲ ንሱ ኽፉእ እናተዛረበ ዚጸርፈና ዘሎ ከዘኻኽረኩም እየ። እዚ ምእካል ኣብይዎ ኸኣ ንሱ ንባዕሉ ነቶም ኣኅዋት ኣይቅበሎምን፥ ነቶም ኪቕበልዎም ዚደልዩ ኸኣ ይኽልክሎም፥ ካብ ቤተ ክርስቲያንውን የውፅኦም ኣሎ። ኣታ ፍቁረይ፥ ነቲ ሠናይ ደኣ እምበር፥ ነቲ እኩይሲ ኣይትስዓቦ። እቲ ሠናይ ዚገብር ካብ ኣምላኽ እዩ፥ እቲ ኽፉእ ዚገብር ንኣምላኽ ኣይረኣዮን። ንድሜጥሮስ ኵላቶም ይምስክሩሉ ኣለዉ፥ እታ ሓቂ ባዕላ ድማ ትምስክረሉ ኣላ። ንሕናውን ንምስክረሉ ኣሎና፥ ምስክርና ሓቂ ከም ዝኾነት ድማ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። ብዙኅ ዝጽሕፈልካ ነይሩኒ፥ ግናኸ ብቐለምን ብብርዕን ክጽሕፈልካ ኣይደሌኹን። ቀልጢፈ ኽርእየካ ተስፋ ኣሎኒ፥ ሽዑ ኣፍ ንኣፍ ክንዘራረብ ኢና። ሰላም ምሳኻ ይኹን። እቶም ፈተውትኻ ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። ነቶም ፈተውትና በብስሞም ሰላም በሎም።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 11 : 1 - 10 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ሓዋርያትን፥ እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ኣኅዋትን፥ ኣሕዛብውን ቃል ኣምላኽ ከም ዝተቐበሉ ሰምዑ። ጴጥሮስ ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ተመልሰ ግና እቶም ብግዝረት ዚኣምኑ ኣኅዋት “ንስኻ ናብ ዘይተገዝሩ ሰባት ኣቲኻ ምስኣቶም ከኣ በሊዕካ” ኢሎም ነቐፍዎ። ጴጥሮስ ድማ ከምዚ ዚስዕብ እናበለ ሓደ ብሓደ ኺነግሮም ጀመረ፦ “ኣነ ኣብ ከተማ ኢዮጴ ኽጽሊ ኸሎኹ፥ ተመሰጥኩ እሞ ራእይ ረአኹ፣ እንሆ ኸኣ በርባዕተ መኣዝኑ ዝተታኅዘ፥ ዓቢይ ነጸላ ዚመስል ነገር ካብ ሰማይ ወሪዱ ናባይ መጸ። ናብኡ ኣተኲረ እንተ ጠመትኩ ኸኣ ኣርባዕተ መሓውር ዘሎዎም እንስሳ ቤትን ኣራዊትን ለመም ዚብሉን ኣዕዋፍ ሰማይን ረኣኹ። ‘ጴጥሮስ! ተንሥእ ሓሪድካ ብላዕ፥’ ዚብለኒ ድምፂ ኸኣ ሰማዕኩ። ኣነ ግና ‘ጐይታይ፥ ርኹስ ወይስ ዜጸይፍ ከቶ ኣብ ኣፈይ ኣትዩ ኣይፈልጥን እዩ እሞ ኣይከውንን እዩ’ በልኩ። ካልኣይ ጊዜ ኸኣ ‘ነቲ ኣምላኽ ዘንጽሖ ንስኻ ርኹስ እዩ ኣይትበል’ ዚብል ድምፂ ኻብ ሰማይ ሰማዕኩ። እዚ ነገርዚ ሠለስተ ጊዜ ኾነ፥ ከም ብሓድሽ ድማ ዅሉ ናብ ሰማይ ተሳሕበ።

 

ስንክሳር Synaxarium

አርስጦቦሎስ ዘእም ፸ወ፪ አርድእት
እስክንድሮስ
ወእለእስክንድሮስ
ወአጋቢሁ
ወኒሞላ
ወሁንስጣ
ወዲዮናስዮስ
ወተላስዮስ
ወአስከናፍር

 

መዝሙር Psalm

መዝ 95 : 6 - 7 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ንዑ፣ ፍግም ኢልና ንስገድ፣ አብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፣ ፈጣሪና፣ ንንበርከኽ። ንሱ ኣምላኽና እዩ።

 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 21 : 20 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

“ኢየሩሳሌም ብሠራዊት ተኸቢባ እንተ ረኣኹም፥ ሽዑ ዕንወታ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ። ሽዑ እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ እምባ ይህደሙ፥ እቶም ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ኸኣ ኻብኣ ይውፅኡ፥ እቶም ኣብ ሃገረ ሰብ ዘለዉውን ናብኣ ኣይእተዉ። እዚ፥ እቲ ጽሑፍ ዘበለ ምእንቲ ኪፍጸምሲ፥ ወርኃት ምፍዳይ ሕነ እዩ። በተን መዓልትታት እቲኣተን ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይለአን፥ ምኽንያቱ ኣብ ምድሪ ብርቱዕ መከራ ኪኸውን እዩ፤ ኣብዚ ሕዝቢ እዚ ድማ መዓት ኪወርድ እዩ። ብስሕለት ሰይፊ ኺወድቁ፥ ተማሪኾም ድማ ናብ ዅሎም ኣሕዛብ ኪውሰዱ እዮም፤ ዘመናት ኣሕዛብ ክሳዕ ዚፍጸምውን ኢየሩሳሌም በሕዛብ ክትርገጽ እያ። “ኣብ ፀሓይን ወርኅን ከዋኽብትን ከኣ ትእምርቲ ኪኸውን እዩ፤ ኣብ ምድሪውን ብደሃይ ባሕርን ማዕበልን ኣሕዛብ ኪጭነቑን ዚገብርዎ ኺጠፍኦምን እዩ። ኃይሊ ሰማያት ኪናወጹ እዮም፥ ሰባት ከኣ ብፍርሃትን፥ ነቲ ኣብ ዓለም ኪመጽእ ዘለዎ ብምጽባይን፥ ልቦም ኪመልቆም እዩ። ሽዑ ንወዲ ሰብ ምስ ብዙኅ ኃይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኺርእይዎ እዮም። እዚ ኪኸውን ምስ ጀመረ፥ ምድኃንኩም ቀሪቡ ማለት እዩ እሞ፥ ደው በሉ፥ ርእስኹምውን ኣቕንዑ።” ሓደ ምስላ ድማ ነገሮም፥ “ንኦም በለስን ንዅሉ ኣእዋምን ተመልከቱ። ኪጥጥዑ ኸለዉ ምስ ረኣኹም፥ ሓጋይ ከም ዝቐረበ ባዕልኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ከምኡ ኸኣ እዚ ኺኸውን ክትርእዩ ኸሎኹም፥ መንግሥቲ ኣምላኽ ከም ዝቐረበ ፍለጡ። እዚ ዅሉ ክሳዕ ዚኸውን፥ እዚ ወለዶ እዚ ከም ዘይኃልፍ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ሰማይን ምድርን ኪኃልፍ ፥ ቃለይ ግና ኣይኪኃልፍን እዩ። “እታ መዓልቲ እቲኣ ብሃንደበት ከይትመጻኩምሲ፥ ብስስዐን ብስኽራንን ብኃልዮት ናብራን ልብኹም ከይከብድ፥ ንነፍስኹም ተጠንቀቑ። ከመይ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኵላ ገጽ ምድሪ ንዚነብሩ ዘበሉ፥ ከም መፈንጠራ ክትበጽሖም እያ። እምበኣርከስ ካብቲ ዅሉ ኺኸውን ዘለዎ ነገራት ምእንቲ ኽትመልቁን፥ ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባል ምእንቲ ክትክእሉን፥ ኵሉ ሳዕ ነቒሕኩም ጸልዩ።” ኢየሱስ መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ቤት መቕደስ ይምህር፥ ለይቲ ለይቲ ኸኣ ኣብ ደብረ ዘይቲ ዚብሃል እምባ ደይቡ ይኃድር ነበረ። ብዘሎ እቲ ሕዝቢ ድማ፥ ንእኡ ኺሰምዕ ናብ ቤተ መቕደስ የንግህ ነበረ።

ቅዳሴ Liturgy :

ዘአበዊነ ሐዋርያት(ዘበደሃሪ)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 37 : 21 - 22 [English][ግእዝ][ልሙድ]

እቶም ብሩኻቱ ንሃገር ኪወርስዋ፣ እቶም ንሱ ዚረግሞም ግና ኪጸንቱ እዮም እሞ፣ ረሲእ ይልቃሕ ኣይመልስንውን፣ ጻድቕ ግና ርሕሩሕ እዩ እሞ ይህብ።

 

ወንጌል Gospel

ማቴ 18 : 23 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

“ስለዚ መንግሥተ ሰማያት ምስ ኣግልገልቱ ኪጸባጸብ ዝደለየ ንጉሥ ትመስል። ኪጸባጸብ ምስ ጀመረ ዓሠርተ ሽሕ መክሊት፥ ዕዳ ዘለዎ ሰብ ኣምጽእሉ። ዚፈድዮ ምስ ሰኣነ ግና እቲ ጐይታኡ ንሱን ሰበይቱን ደቁን ዘለዎ ሃብቲ ዅሉን ኪሸይጥ እሞ እቲ ዕዳ ኪኸፍል ኣዘዘ። እቲ ኣገልጋሊ ድማ ናብ እግሩ ተደፊኡ ‘ጐይታይ፥ ተዓገሠኒ ድኣ እምበር ኵሉ ኽፈድየካ እየ’ እናበለ ሰገደሉ። እቲ ጐይታኡ ድማ ነቲ ኣገልጋሊ ደንገጸሉ እሞ ፈትሖ፥ ዕዳኡውን ኃደገሉ። እቲ ኣገልጋሊ ምስ ወፀ ግና፥ ካብቶም ብጾቱ ሚእቲ ዲናር ዕዳ ዘለዎ ሓደ ኣገልጋሊ ረኸበ እሞ፥ ‘ኣባኻ ዘሎ ዕዳ ፍደየኒ’ ኢሉ ሓኒቑ ኃዞ። ሽዑ እቲ ብጻዩ ኣገልጋሊ ‘ተዓገሠኒ፥ ኵሉ ኽፈድየካ እየ’ እናበለ ተደፊኡ ለመኖ። ንሱ ግና ኣበዮ፥ ከይዱ ድማ ክሳዕ ዕዳኡ ዚፈድዮ ኣእሰሮ። እቶም ብጾቱ ኣገልገልቲ ድማ እቲ ዝገበሮ ነገር ርእዮም ኣዝዮም ጐሃዩ፥ ከይዶምውን እቲ ዝዀነ ዅሉ ነገር ንጐይታኦም ነገርዎ። ሽዑ ጐይታኡ ጸዊዑ ‘ኣታ ሕሱም ኣገልጋሊ፥ ኣነ ስለ ዝለመንካኒ ብዘሎ ዕዳኻ ኃደግኩልካ። ንስኻኸ ከምቲ ኣነ ዝመሓርኩኻዶ ነቲ ብጻይካ ኽትምሕሮ ኣይምተገብኣካን፧’ በሎ። ጐይታኡ ኸኣ ተቔጢዑ ዅሉ ዕዳኡ ፈጺሙ ክሳዕ ዚፈዲ ንዜሳቕይዎ ኣኅሊፉ ሃቦ። እምበኣር ንስኻትኩም ድማ ነፍስ ወከፍኩም ንኃዉ ካብ ልቡ በደሉ እንተ ዘይኃዲጉሉ፥ ሰማያዊ ኣቦይውን ከምኡ ኺገብረኩም እዩ።”

 

ዘመነ ዮሃንስ Readings for Friday

መጋቢት 20, 2016 ብግእዝ Mar 29, 2024 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 97 : 9 - 10 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ አብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ኢኻ፣ አብ ልዕሊ ዅሎም አማልኽቲ ኣዚኻ ልዑል ኢኻ እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ጽዮን ሰሚዓ ተሐጐሰት፣ ኣዋልድ ይሁዳውን ብዛዕባ ፍርድኻ እልል በላ።

 

ወንጌል Gospel

ዮሐ 11 : 14 - 30 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ሽዑ ኢየሱስ ብግህዶ “ኣልኣዛር ሞይቱ፤ ምእንቲ ኽትኣምኑ፥ ኣነ ኣብኡ ብዘይምንባረይ ብዛዕባኹም እሕጐስ ኣሎኹ። ግናኸ ንዑናይ ናብኡ ንኺድ” በሎም። ስለዚ እቲ ማንታ ዚብልዎ ቶማስ ከኣ ነቶም ብጾቱ ደቀ መዛሙርቲ “ንሕናውን ምስኡ ኽንመውት ንኺድ” በሎም። ኢየሱስ ናብ ቢታንያ ምስ መጸ ኣልኣዛር ካብ ዚቕበር ድሮ ኣርባዕተ መዓልቲ ገይሩ ጸንሖ። ቢታንያ ኻብ ኢየሩሳሌም ዳርጋ ሠለስተ ኪሎሜትር ኣቢላ ትርሕቕ። ካብ ኣይሁድ ድማ፥ ብዙኃት ብዛዕባ ኃወን ኬጸናንዕወን ናብ ማርያምን ማርታን መጺኦም ነበሩ። ማርታ ምምጻእ ኢየሱስ ሰሚዓ ኽትቅበሎ ወፀት፤ ማርያም ግና ኣብ ቤት ተቐሚጣ ነበረት። ሽዑ ማርታ ንኢየሱስ “ጐይታይ! ኣብዚ ኔርካ እንተ ትኸውንሲ ኃወይ ኣይምሞተን ነይሩ። ሕጂውን እቲ ካብ ኣምላኽ እትልምኖ ዘበለ ኣምላኽ ከም ዚህበካ እፈልጥ እየ” በለቶ። ኢየሱስ ድማ “ኃውኪ ኺትንሥእ እዩ” በላ። ማርታ ድማ “በታ ዳኅረይቲ መዓልቲ ብትንሣኤ ከም ዚትንሥእስ እፈልጥ እየ” በለቶ። ኢየሱስ ከኣ “ትንሣኤን ሕይወትን ኣነ እየ፤ እቲ ብኣይ ዚኣምንሲ እንተ ሞተ እኳ ብሕይወት ኪነብር እዩ። እቲ ብኣይ ዚኣምን ሕያው ዘበለ ዅሉ ንዘለዓለም ኣይኪመውትን እዩ፤ እዚዶ ትኣምኒ ኢኺ፧” በላ ንሳ ድማ “እወ ጐይታይ፥ ንስኻ እቲ ናብ ዓለም ዚመጽእ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝኾንካ እኣምን እየ” በለቶ። እዚ ኢላ ኸደት፥ ንማርያም ኃብታ ድማ ሕሹዅ ኢላ “መምህር መጺኡ፥ ይጽውዓኪውን ኣሎ” ኢላ ጸውዓታ። ንሳ እዚ ምስ ሰምዐት ቀልጢፋ ተንሥአት፥ ናብኡውን ከደት። ኢየሱስ ኣብታ ማርታ ዝተቐበለቶ ስፍራ ጸንሐ እምበር ናብ ዓዲ ገና ኣይኣተወን ነበረ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

ፊሊጲ 1 : 19 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

ከመይ እዚ ዅሉ ብጸሎትኩምን ብረድኤት መንፈስ ኢየሱስ ክርስቶስን ንድኅነተይ ከም ዚድግፈኒ እፈልጥ እየ። ተግባረይ ንምፍጻም ከይኃፍር ብዓል ምሉእ ሃረርታን ተስፋን እየ። ከምቲ ዅሉ ሳዕ ሕጂውን እንተ ኾነ፥ እንተ ብሕይወት እንተ ብሞት ንክርስቶስ ብትብዓት ከኽብሮ እየ። ከመይ ንኣይ ሕይወት ማለት ክርስቶስ እዩ፥ ሙማት ኸኣ ረብሓይ እዩ። ብሕይወት እንተ ደኣ ኽነብር ኮይነ፥ ገና ፍረ ዘለዎ ዕዮ ኣሎኒ ማለት እዩ። ነየናይ ከም ዝመርጽ ግና ኣይፈልጥን እየ። ብኽልቲኡ ወገን እጭነቕ ኣሎኹ። ዚኅሽኒ ስለ ዝኾነ ግና፥ ካብዚ ተፈልየ ምስ ክርስቶስ ክኸውን ሃረርታይ እዩ። እንተኾነ ንኣኻትኩም ምእንቲ ክኅሽኩም ብሕይወት ምጽንሐይ የድሊ እዩ። ከም ዝጸንሕ ብርግጽ ፈሊጠ ኣሎኹ። እዚ ኸአ ብእምነት ከም እትዓብዩን ከም እትሕጐሱን ኪገብረኩም እዩ። ከም ብሓድሽ ምሳኻትኩም ምስ ኮንኩ ኣብቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘሎኩም ሕይወት ብኣይ ከም እትምክሑ ኪገብረኩም እዩ። ዝኾነ እንተ ኾነ፥ ክርእየኩም እንተ መጻእኩ ወይ እንተ ተረፍኩ፥ ብሓደ መንፈስ ጸኒዕኩም ምእንቲ እምነት ወንጌል ብሓደ ልቢ ትጋደሉ ምህላውኩም ምእንቲ ኽሰምዕ፥ ንብረትኩም ንወንጌል ክርስቶስ ዚበቅዕ ይኹን። በቶም ዚቃወሙኹም ኣይትሰምብዱ፥ ከመይ እዚ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝኾነ ንኣኣቶም ናይ ጥፍኣት፥ ንኣኻትኩም ግና ናይ ድኅነት ርኡይ ምልክት እዩ። እቲ ተዋሂቡኩም ዘሎ ጸጋ ኸኣ፥ ብእኡ ኽትኣምኑ ጥራይ ዘይኮነስ ምእንትኡውን መከራ ኽትቅበሉ እዩ። ስለዚ ናይቲ ኣባይ ዝርአኹምዎ፥ ሕጂውን እትሰምዕዎ ዘሎኹም ገድሊ ተኻፈልቲ ኢኹም።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

ያዕ 3 : 1 - 7 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ኣኅዋተይ! ንሕና መምህራን ዝበርትዐ ፍርዲ ኸም እንቕበል ፈሊጥኩም፥ ብዙኃት መምህራን ኣይትኹኑ። ኵላትና ብብዙኅ ነገር ንሰሕት ኢና። ሓደ ብቓል ዘይስሕት እንተሎ ግና ንሱ ንዅለንትናኡ ኪገትእ ዚኽእል ብቑዕ ሰብኣይ እዩ። እንሆ ኣፍራስ ምእንቲ ኺእዘዙና ኢልና ልጓም ኣብ ኣፎም ንገብረሎም፥ ንብዘሎ ኣካላቶምውን ብእኡ ነቕንዖ። እንሆ፥ መራኽብ ድማ ክንድዚ ዚዓብያ ኸለዋ፥ ብብርቱዕ ንፋስ እናተኸብከባ ናብቲ ፍቓድ መራሒ ዚደልዮ ብንእሽቶ ሰካን ይቃንዓ። ከምኡ ድማ ልሳን ንእሽቶ ኣካል ክነሳስ ብዓቢይ ነገር ትምካሕ። እንሆ ንእሽቶ ሓዊ ክንደይ ዓቢይ ዱር ዘይተንድድ! ልሳንውን ሓዊ እያ። ናይ ክፍኣት ዓለም እያ። እታ ንምሉእ ሰብነት እትምርዝ ክፍሊ ኣካላት፥ ንምሉእ ጒዕዞ ናይ ሕይወትውን እተቃጽል እያ። ብገዛእ ርእሳ ድማ ብገሃነም እሳት ዝሓረረት እያ። ኵሉ ዓሌት እንሰሳን ኣዕዋፍን ለመም ዚብልን እንሰሳ ባሕርን ብሰብ ይግዛእ፥ ተገዚኡውን ኣሎ።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 24 : 10 - 21 [English][ግእዝ][ልሙድ]

እቲ ራእሲ ኺዛረብ ምስ ኣመልከቶ ኸኣ ጳውሎስ ከምዚ እናበለ መለሰ፤ “ካብ ብዙኅ ዓመት ጀሚርካ ነዚ ሕዝቢ እዚ ፈራዲ ምዃንካ፥ ስለ ዝፈለጥኩ፥ ንርእሰይ ብሓጐስ እመጻረየላ ኣሎኹ። ክሰግድ ኢለ ናብ ኢየሩሳሌም ካብ ዝድይብ ካብ ዓሠርተው ክልተ መዓልቲ ዚበዝኅ ከም ዘይገበርኩ ክትፈልጦ ይከኣለካ እዩ። ኣብ ቤት መቕደስ ምስ ሓደ እኳ ኽዛረብ፥ ወይስ ሕዝቢ ኣኪበ ከነዓዕብ፥ ኣብ ኣብያተ ጸሎት ኮነ ኣብ ከተማ ኣይረኸቡንን። ሕጂውን በዚ ዚኸሱኒ ዘለዉ ነገር፥ ኣብ ቅድሜኻ ኪረትዑሉ ኣይክእሉን እዮም። ኣነ ግና ነቲ ዅሉ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዘሎን ነቲ ዅሉ ኣብ ነቢያት ተጻሒፉ ዘሎን ከም ዝኣምን፥ በታ ንሳቶም መናፍቕነት ዚብልዋ ዘለዉ መገዲ ጐይታ፥ ንኣምላኽ ኣቦታተይ ከም ዘምልኽ እእመነልካ ኣሎኹ። ከምቲ ንሳቶም ዚትስፈውዎ፥ ኣነውን ጻድቃንን ኃጥኣንን ካብ ሞት ከም ዚትንሥኡ ኣብ ኣምላኽ ተስፋ ኣሎኒ። ስለዚ ኸኣ እየ፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኮነ ኣብ ቅድሚ ሰብ ብንጹሕ ሕሊና ኽነብር ዝጽዕር ዘሎኹ። “ድኅሪ ብዙኅ ዓመታት ከኣ ንሕዝበይ ምጽዋት ከብጽሕን መሥዋዕቲ ከቕርብን ናብ ኢየሩሳሌም መጻእኩ። እዞም ሰባት እዚኦም፥ ከምቲ ሥርዓት ዚእዝዞ ኣብ ቤት መቕደስ ክነጽሕ ከለኹ ደኣ ረኸቡኒ እምበር፥ ዝኣከብክዎ ወይ ዘነዓዓብክዎ ሕዝቢ የብለይን። ገሊኦም ካብ እስያ ዝመጹ ኣይሁድ ግና ኣብኡ ነበሩ፥ ንሳቶም ኣባይ ገለ ነገር እንተ ድኣ ኣልይዎም፥ ኣብ ቅድሜኻ መጺኦም ኪኸሱኒ እዩ ዚግባእ። ወይ ከኣ ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ቖይመ ኸለኹ፥ ገለ በደል ረኺቦምለይ እንተ ኾይኖም እዚኣቶም ይንገሩ። ብዘይ እታ ኣብ ማእከሎም ቆይመ ዓው ኢለ ‘ሎሚ ኣነ ብዛዕባ ትንሣኤ ምዉታት ኣብ ቅድሜኹም እፍረድ ኣሎኹ’ ዝበልክዋ እንተ ዘይኮይና፥ ሓንቲ እኳ ኣይረኸቡለይን።”

 

ስንክሳር Synaxarium

አስጦራጦኒቃ ወማህበራኒሃ ፹፻ ወ፳ወ፭ ሰማዕታት
ወሚካኤል ሊቀ ጳጳሳት
ወአስቀራን
ወትንሣኤ አልአዛር

 

መዝሙር Psalm

መዝ 3 : 4 - 5 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ብድምጸይ ናብ እግዚኣብሄር ኤእዊ ኣሎኹ። ካብ ቅዱስ ከረኑ ኸኣ ይመልሰለይ። ተገምሰስኩ ደቀስኩውን፣ እግዚኣብሄር ይድግፈኒ ኣሎ እሞ ነቓሕኩ።

 

ወንጌል Gospel

ዮሐ 11 : 31 - 46 [English][ግእዝ][ልሙድ]

እቶም ኬጸናንዕዋ ምስኣ ኣብ ቤት ዝነበሩ ኣይሁድ ግና ማርያም ብድድ ምባላን ምውፅኣን ርእዮም፥ ኣብኡ ኽትበኪ ናብ መቓብር ትኸይድ ዘላ መሲልዎም ሰዓብዋ። ማርያም ናብታ ኢየሱስ ዝነበራ ስፍራ መጺኣ ምስ ረኣየቶ ኣብ እግሩ ተደፊኣ “ጐይታይ፥ ኣብዚ እንተ ትነብርሲ ግዲ ኃወይ ኣይምሞተን ነይሩ” በለቶ። ሽዑ ኢየሱስ ንሳ ኽትበኪ ኸላ፥ እቶም ምስኣ ዝመጹ ኣይሁድውን ኪበኽዩ ኸለዉ ርእዩ ብመንፈሱ ተኪዙ እናሕነቕነቐ፥ “ኣበይ ቀቢርኩምዎ” በለ። ንሳቶም ከኣ “ጐይታይ፥ ንዓ ርአ” በልዎ። ኢየሱስ ድማ ነብዐ። ስለዚ ኣይሁድ “ክንደይ የፍቅሮ ኸም ዝነበረ እሞ ርኣዩ!” በሉ። ገሊኦም ግና “እዚ ኣዕይንቲ እቲ ዕዉር ዝኸፈተስ ነዚውን ከም ዘይመውት ኪገብሮ ደኾን ኣይምኸኣለን ነይሩ፧” በሉ ሽዑ ኢየሱስ ከም ብሓድሽ ብልቡ ኃዚኑ ናብቲ መቓብር መጸ፤ እቲ መቓብር ከኣ ብእምኒ ዝተዓጽወ በዓቲ ነበረ። ኢየሱስ “ነዚ እምኒ ኣልዕልዎ” በሎም፤ ማርታ ኃብቲ እቲ ምዉት ድማ፥ “ጐይታይ፥ ራብዕቲ ስለ ዝገበረ ፈጺሙ ጨንዩ እዩ” በለቶ። ኢየሱስ “እንተ ትኣምንስ ክብሪ ኣምላኣኽ ክትርእዪ ኢኺዶ ኣይበልኩኽን፧” በላ። ስለዚ ነቲ እምኒ ኣልዓልዎ። ኢየሱስ ከኣ ኣዕይንቱ ንላዕሊ ቋሕ ኣቢሉ “ኣቦ፥ ስለ ዝሰማዕካኒ ኣመስግነካ ኣሎኹ። እዞም ኣብ ዙርያይ ደው ኢሎም ዘለዉ ሕዝቢ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ምእንቲ ኺኣምኑ ደኣ እየ እዚ ዝበልኩ እምበር ኣነስ ኵሉ ሳዕ ከም እትሰምዓኒ እፈልጥ እየ” በለ። እዚ ምስ በለ፥ ዓው ኢሉ ብዓቢይ ድምፂ “ኣልኣዛር፥ ንዓ ናብ ግዳም ውፃእ” በለ። እቲ ምዉት ብግኑዙ፥ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብእሱሩ፥ ገጹውን ብዓለባ ተጐንጒኑ ኸሎ ውፀ። ኢየሱስ ድማ “ፍትሕዎ እሞ ይኺድ ኅደግዎ” በሎም። ሽዑ ኻብቶም ናብ ማርያም ዝመጹ ብዙኃት ኣይሁድ ነቲ ንሱ ዝገበሮ ርእዮም ብእኡ ኣመኑ። ገሊኦም ግና ናብ ፈሪሳውያን ከይዶም ነቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ነገርዎም።

ቅዳሴ Liturgy :

ዘዮሐንስ ወልደ ነጐድጓድ (ሃቤከ) ዓዲ ዘቄርሎስ

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 74 : 4 - 5 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ኣእጋርካ ናብታ ናይ ዘለአለም ዑና አልዕል፣ እቲ ጸላኢ ኣብ መቕደስ ንዅሉ ኣበላሽይዎ ኣሎ። ተጻረርትኻ ኣብ ማእከል ማሕበርካ ጨዲሮም፣ ንምልክቶም ምልክት ገይሮም ኣቘምዎ።

 

ወንጌል Gospel

ዮሐ 11 : 47 - 54 [English][ግእዝ][ልሙድ]

እቶም ሊቃነ ካህናትን ፈረሳውያንን ከኣ ጉባኤ ኣኪቦም “እዚ ሰብኣይ እዚ ብዙኅ ተኣምራት ይገብር ኣሎ እሞ እንታይ ንግበር፧ ከምዚ ኢሉ ኪቕጽል እንተ ኃደግናዮ፥ ኵሉ ብእኡ ኺኣምን እዩ፤ ሮማውያን ድማ መጺኦም ምድርናን ሕዝብናን ኬኅድጉና እዮም” በሉ። ሓደ ኻብኣቶም ቀያፍ ዝስሙ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ካህናት ዝነበረ፥ “ንስኻትኩም ሓንቲ እኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም፤ ኵሉ ሕዝቢ ካብ ዚጠፍእስ ሓደ ሰብኣይ በጃ ሕዝቢ እንተ ሞተ ከም ዝኅሸናዶ ከቶ ኣይትሓስቡን ኢኹም” በሎም። እዚ ዝበለ ግና በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ካህናት ስለ ዝነበረ፥ ኢየሱስ በጃ ሕዝቢ ኪመውት ከም ዘለዎ ተነብዩ እዩ እምበር ካብ ገዛእ ርእሱ ኣይኮነን። ነቶም ፉሕ ዝበሉ ደቂ ኣምላኽ ናብ ሓደ ኺእክቦም ከኣ እምበር በጃ ሕዝቢ ጥራይ ኪመውት ኣይኮነን። ስለዚ ኻብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሮም ኪቐትልዎ ተማኸሩ። ብድኅርዚ ኢየሱስ ኣብ ማእከል ኣይሁድ ብግልጺ ምምልላስ ኃደጎ፤ ስለዚ ድማ ጥቓ ምድረ በዳ ናብ ዘላ ምድረ ኤፍሬም ናብ እትብሃል ከተማ ኸደ፥ ምስ ደቀ መዛሙርቱውን ኣብኣ ተቐመጠ።

 

ዘመነ ዮሃንስ Readings for Saturday

መጋቢት 21, 2016 ብግእዝ Mar 30, 2024 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 51 : 10 - 11 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ገጽካ ኻብ ሓጢኣተይ ከውሎ፣ ንብዘሎ ኣበሳይውን ደምስሶ። ዎ ኣምላኽ፣ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ።
 

ወንጌል Gospel

ዮሐ 12 : 1 - 11 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ሽዑ ኢየሱስ ሽዱሽተ መዓልቲ ቕድሚ ፋሲካ ናብታ ንሱ ኻብ ምውታት ዘተንሥኦ ኣልኣዛር ዝነበራ፥ ቢታንያ ዝተባህለት ዓዲ መጸ። ኣብኣ ኸኣ ድራር ገበሩሉ፥ ማርታውን ተገልግል ነበረት፥ ካብቶም መቓምጡ ሓደ ኸኣ ኣልኣዛር ነበረ። ማርያም ድማ ሓደ ፍርቂ ኣበሰንቲ ዚኸውን ብጽሩይ ናርዶስ ዝተሠርሐ ብዙኅ ዝዋግኡ ቕዱይ ሽቱ ወሲዳ ኣእጋር ኢየሱስ ቀብአት፥ ብፀጕሪ ርእሳውን ደረዘቶ። እታ ቤት ከኣ ብመኣዛ እቲ ሽቱ መልአት። ሓደ ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ፥ እቲ ኼትኅዞ ዘለዎ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምዖን ግና፥ “እዚ ቕዱይ ሽቱ እዚ ከመይ ግዳ ንሠለስተ ሚእቲ ዲናር ተሸይጡስ ንድኻታት ዘይወሃብ፧” በለ። እዚ ዝበለ ሰራቒ ስለ ዝኾነ እዩ እምበር ንድኻታት ሓልዩሎም ኣይኮነን፤ ተኃዝ ማኅፉዳ ስለ ዝነበረ ካብቲ ኣብኡ ዝኣተወውን የልዕል ነበረ። ስለዚ ኢየሱስ “ንመዓልቲ ቐብረይ ዘዳለወቶ እዩ እሞ ኅደጋ። ድኻታትሲ ዅሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ፤ ንኣይ ግና ዅሉ ሳዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም” በሎ። ድኅርዚ ኻብ ኣይሁድ ብዙኃት ሰብ፥ ኢየሱስ ኣብኡ ኸም ዘሎ ፈሊጦም፥ ናብ ቢታንያ መጹ። እንተኾነ ነቲ ካብ ምውታት ዘተንሥኦ ኣልኣዛርውን ኪርእዮ ኸኣ እምበር ምእንቲ ኢየሱስ ጥራይ ኢሎም ኣይኮነን ዝመጹ። ብዙኃት ኣይሁድ ብምኽንያት ኣልኣዛር እናኸዱ ብኢየሱስ ይኣምኑ ስለ ዝነበሩ፥ ሊቃነ ካህናት ንኣልኣዛር ድማ ኺቐትልዎ ተማኸሩ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

ኤፌ 2 : 13 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

ሕጂ ግና፥ ንስኻትኩም እዞም ቀደም ርሑቓት ዝነበርኩም፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣቢልኩም፥ ማለት ብምፍሳስ ደሙ ቐረብኩም። ንሱ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ፥ ናይ ጽልኢ ከልካሊ መንደቕ ብሥጋኡ ብምፍራስ፥ ነቶም ክልተ ሓደ ዝገበረ፥ ሰላምና እዩ። ነቶም ክልተ ዝነበሩ ብእኡ ሓደ ሓድሽ ሰብ ምእንቲ ኺገብሮም፥ ንሕጊ ምስ ትእዛዛቱን ሥርዓቱን ኣፍሪሱ ሰላም ገበረ። ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ብሙማት ነቲ ጽልኢ ደምሰሶ፥ ንኽልቲኦም ሓደ ብምግባር ከኣ ብመስቀሉ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቖም። መጺኡ ኸኣ ንኣኻትኩም ነቶም ርሑቓት ዝነበርኩም ሰላም ኣበሠረኩም፥ ነቶም ቀረባ ዝነበሩ ኸኣ ሰላም ኣበሠሮም። ከመይ ክልቴና፥ ብእኡ ኢና ብሓደ መንፈስ ናብ ኣቦ እንኣቱ። እምበኣር ንስኻትኩም ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝኾነ መሠረት ነቢያትን ሓዋርያትን ዝተነደቕኩም፥ ደጊም ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን ስድራ ቤቱ ንኣምላኽን ኢኹም እምበር፥ ኣጋይሽን ወጻእተኛታትን ኣይኮንኩምን። እቲ ሕንጻ ብምሉኡ ዝተቐደሰ ቤት መቕደስ ምእንቲ ኪኸውን ብጐይታ እናተኣሳሰረ ይዓቢ። ንስኻትኩምውን ኣምላኽ ብመንፈሱ ኺኃድረኩም ኃቢርኩም ኣብኡ ትሕነጹ ኣሎኹም።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

1ይ ዮሐ 3 : 17 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

ግናኸ ዝኾነ ይኹን ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎ እሞ ኃዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረኣዮ እንተ ዘይደንገጸሉ፥ ከመይ ኢሉ ደኣ ንኣምላኽ አፍቅር እየ ኺብል ይኽእል፧ ኣቱም ደቀየ፥ ብግብርን ብሓቅን እምበር፥ ብቓልን ብልሳንን ኣይንፋቐር። ካብ ሓቂ ምዃንና ኸኣ በዚ ኽንፈልጥ ኢና። ሕሊናና እንተ ነቐፈና ድማ ኣምላኽ ካብ ኵሉ ዚዓብን ኵሉ ዚፈልጥን ስለ ዝኾነ ንልብና ኣብ ቅድሚኡ ከነህድኦ ኢና። ኣቱም ፍቁራተይ! ልብና እንተ ዘይነቐፈና ግና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ትብዓት ኣሎና። ንትእዛዛቱ እንሕሉን ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዜብሎ እንገብርን ስለ ዝኾንና ድማ ነቲ እንልምኖ ዘበለ ኻብኡ ንቕበል ኢና። ትእዛዙ፥ ከምቲ ንሱ ዝኣዘዘና ጌርና፥ ብስም ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንኣምንን ንሓድሕድናውን ክንፋቐርን እዩ። እቲ ትእዛዛት እግዚኣብሔር ዚሕሉ እግዚኣብሔር ኣብኡ ይነብር። ንሱውን ኣብ እግዚኣብሔር ይነብር። እግዚኣብሔር ኣባና ኸም ዚነብር ከኣ፥ በቲ ዝሃበና መንፈስ ኢና እንፈልጥ።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 25 : 1 - 8 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ፊስጦስ ናብታ ግዝኣቱ ምስ መጸ፥ ድኅሪ ሠለስተ መዓልቲ ካብ ቂሳርያ ናብ ኢየሩሳሌም ከደ ሊቃነ ካህናትን መኳንንቲ ኣይሁድን ድማ ብዛዕባ ጳውሎስ ነገርዎ። ኣብ መገዲ ኣድብዮም ኪቐትልዎ መዲቦም ስለ ዝነበሩ ኸኣ “ንጳውሎስ ናብ ኢየሩሳሌም ኣምጽኣልና” ኢሎም ለመንዎ። ፊስጦስ ድማ፥ “ጳውሎስ ኣብ ቂሳርያ እዩ ዚሕሎ ዘሎ፥ ኣነ ኸኣ ቐልጢፈ ናብኡ ኽምለስ ሓሲበ ኣሎኹ” ኢሉ መለሰሎም። “እምበኣር ካባኻትኩም ወዳእቲ ነገር ምሳይ ይምጽኡ እሞ፤ ኣብቲ ሰብኣይ እቲ ገለ በደል እንተሎ ይኽሰስዎ” በሎም። ፊስጦስ ምስኣቶም ገለ ሸሞንተ ወይ ዓሠርተ መዓልቲ ምስ ቀነየ፥ ናብ ቂሳርያ ወረደ፤ ንጽባሒቱ ድማ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ ንጳውሎስ ኬምጽእዎ ኣዘዘ። ጳውሎስ ምስ መጸ ኸኣ እቶም ካብ ኢየሩሳሌም ዝወረዱ ኣይሁድ ከቢቦምዎ ደው በሉ። መርትዖ ኪረኽቡሉ ዘይክእሉ ብዙኅን ከቢድን ክሲ ድማ ኸሰስዎ። ጳውሎስ ድማ “ኣነ ኣብ ልዕሊ ሕጊ ኣይሁድ ኮነ፥ ኣብ ልዕሊ ቤት መቕደስ፥ ወይ ኣብ ልዕሊ ቄሣር ኣይበደልኩን” ኢሉ ተመጻረየ።

 

ስንክሳር Synaxarium

ተዝካረ በዓላ ለእግዝእትነ ማርያም
ወማቱሳላ
ወጢሞቴዎስ ሰማዕት
ወቴዎድሮስ
ወተቀብዖተ እግዚእነ ዕፍረተ

 

መዝሙር Psalm

መዝ 38 : 19 - 20 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ጸላእተይ ግና ህያዋንን ሓያላትን እዮም፣ ብዘይ ምኽንያት ዚጸልኡኒ ኸኣ ብዙሓት እዮም። ንሰናይ እስዕቦ ስለ ዘሎኹ ድማ፣ ኣብ ክንዲ ሰናይ እከይ እናፈደዩ ይቃወሙኒ ኣለዉ።

 

ወንጌል Gospel

ዮሐ 11 : 46 - 53 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ገሊኦም ግና ናብ ፈሪሳውያን ከይዶም ነቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ነገርዎም። እቶም ሊቃነ ካህናትን ፈረሳውያንን ከኣ ጉባኤ ኣኪቦም “እዚ ሰብኣይ እዚ ብዙኅ ተኣምራት ይገብር ኣሎ እሞ እንታይ ንግበር፧ ከምዚ ኢሉ ኪቕጽል እንተ ኃደግናዮ፥ ኵሉ ብእኡ ኺኣምን እዩ፤ ሮማውያን ድማ መጺኦም ምድርናን ሕዝብናን ኬኅድጉና እዮም” በሉ። ሓደ ኻብኣቶም ቀያፍ ዝስሙ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ካህናት ዝነበረ፥ “ንስኻትኩም ሓንቲ እኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም፤ ኵሉ ሕዝቢ ካብ ዚጠፍእስ ሓደ ሰብኣይ በጃ ሕዝቢ እንተ ሞተ ከም ዝኅሸናዶ ከቶ ኣይትሓስቡን ኢኹም” በሎም። እዚ ዝበለ ግና በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ካህናት ስለ ዝነበረ፥ ኢየሱስ በጃ ሕዝቢ ኪመውት ከም ዘለዎ ተነብዩ እዩ እምበር ካብ ገዛእ ርእሱ ኣይኮነን። ነቶም ፉሕ ዝበሉ ደቂ ኣምላኽ ናብ ሓደ ኺእክቦም ከኣ እምበር በጃ ሕዝቢ ጥራይ ኪመውት ኣይኮነን። ስለዚ ኻብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሮም ኪቐትልዎ ተማኸሩ።

ቅዳሴ Liturgy :

ዘእግዚእነ(ነአኩተከ) ዓዲ ዘእግዝእትነ ማርያም(ጐሥዓ)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 75 : 4 - 5 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ነቶም ደፋራት፣ ኣይትድፈሩ፣ ንረሲኣንውን፣ ቀርንኹም ኣይተልዕሉ፣ በልክዎም። ቀርንኹም ንላዕሊ ኣይተልዕሉ፣ ክሳድኩም ኣትሪርኩም ኣይትዛረቡ።
 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 19 : 28 - 40 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ኢየሱስ እዚ ምስ ተዛረበ ናብ ኢየሩሳሌም ኪድይብ ቀቅድሚኦም ከደ። ናብ ቤተ ፋጌን ቢታንያን ኣብ ጥቓ ደብረ ዘይቲ ዚብሃል እምባ ምስ ቀረበ፥ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ከምዚ ዚስዕብ እናበለ ኽልተ ለኣኸ፦ “ናብዛ ኣብ ቅድሜኹም ዘላ ዓዲ ኺዱ፤ ኣብኣ ምስ ኣቶኹም፥ ሰብ ዘይተወጥሖ እሱር ጻዕብ ክትረኽቡ ኢኹም፤ ንእኡ ፈቲሕኩም ኣምጽእዎ። ሓደ፥ ‘ስለምንታይ ትፈትሕዎ ኣሎኹም፧’ ኢሉ እንተ ሓተተኩም ከኣ፥ ‘ጐይታ ይደልዮ አሎ’ በልዎ።” እቶም ዝተላእኩ ኸይዶም ከምቲ ዝበሎም ረኸቡ። ንሳቶም ነቲ ጻዕብ ኪፈትሕዎ ኸለዉ፥ ዋናታቱ “ነዚ ጻዕብ ስለምንታይ ትፈትሕዎ ኣሎኹም፧” በልዎም። ንሳቶም ድማ “ጐይታ ይደልዮ ኣሎ፥” በልዎም። ናብ ኢየሱስውን ኣምጽእዎ። ኣብቲ ጻዕብ ክዳውንቶም ምስ ጐዝጐዙሉ ኸኣ ንኢየሱስ ኣብኡ ኣወጥሕዎ። ንሱ ኪኸይድ ከሎ ኽዳውንቶም ኣብ መገዲ ኣንጸፉ። ናብ ጥቓ ቝልቍል ደብረ ዘይቲ ምስ ቀረበ፥ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ብምሉኣቶም፥ በቲ ዝረኣይዎ ዅሉ ኃይልታት ኪሕጐሱን ንኣምላኽ ብዓቢይ ድምፂ ኼመስግንዎን ጀመሩ። “እቲ ብስም እግዚኣብሔር ዚመጽእ ንጉሥ ብሩኽ እዩ። ሰላም ኣብ ሰማይ፥ ክብሪ ኣብ ኣርያም” እውን ይብሉ ነበሩ። ኣብ ማእከል እቲ ሕዝቢ ዝነበሩ ገሊኣቶም ፈሪሳውያን ከኣ “መምህር! ንደቀ መዛሙርትኻ ገሥጾም” በልዎ። ኢየሱስ ከኣ “እዚኣቶም እኳ ስቕ እንተ በሉ፥ እዞም ኣእማን ኪጭድሩ እዮም፥ እብለኩም ኣሎኹ፥” ኢሉ መለሰሎም። ኢየሱስ ንኢየሩሳሌም ከም ዘልቀሰላ

 

ዘመነ ዮሃንስ Readings for Sunday

መጋቢት 22, 2016 ብግእዝ Mar 31, 2024 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 135 : 20 - 21 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትፈርሁ፣ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ። ኣብ የሩሳሌም ዚነብር እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን ይባረኽ። ሃሌሉያ።
 

ወንጌል Gospel

ማቴ 21 : 6 - 11 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ደቀ መዛሙርቱ ድማ ኸይዶም ከምቲ ኢየሱስ ዝኣዘዞም ገበሩ። ነታ ኣድግን ነታ ዒሉን ኣምጽኡሉ፥ ክዳውንቶም ድማ ኣብ ዝባነን ጐዝጐዝሉ፥ ኢየሱስ ከኣ ተወጥሐን። እቶም ሕዝቢ ብምሉኦም ድማ ኽዳውንቶም ኣብ መገዲ ኣንጸፉ፥ ካልኦትዉን ካብ ኣእዋም ጨንፈር እናሰልዑ ኣብቲ መገዲ ይንስንሱ ነበሩ። እቶም ቀቅድሚኡ ዚኸዱ ደድኅሪኡውን ዚስዕቡ ሕዝቢ ኸኣ “ሆሣዕና ንወዲ ዳዊት፥ እቲ ብስም እግዚኣብሔር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፥ ሆሣዕና ኣብ ኣርያም” እናበሉ ይጭርሑ ነበሩ። ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ኣተወ ኸኣ፥ ብዘላ እታ ኸተማ “መን እዩ እዚ፧” እናበለት ተናወጸት። እቶም ሕዝቢ ድማ “እዚ ነቢይ ኢየሱስ፥ ብዓል ናዝሬት ናይ ገሊላ እዩ” በሉ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

1ይ ቆሮ 4 : 1 - 9 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ስለዚኸስ ሰብ ንኣና ከም ኣገልገልቲ ክርስቶስን ከም መገብቲ ምሥጢራት ኣምላኽን ገይሩ ይቝጸረና። ኣብ ርእሲዚ ኸኣ መገብቲ ዘበሉ እሙናት ኮይኖም ኪርከቡ ይግብኦም። ኣነ እኳ ብኣኻትኩም ወይ ብኻልእ ሰብ እንተ ተፈረድኩ ግዲ የብለይን፥ ንገዛእ ርእሰይውን ኣይፈርድን እየ። ሕሊናይ ኣይወቕሰንን እዩ፥ በዚ ግና ጻድቕ እየ ማለት ኣይኮነን፥ እቲ ዚፈርደኒ ኣምላኽ እዩ። ስለዚ ነቲ ኣብ ጸልማት ዝተኃብአ ናብ ብርሃን ዜምጽእ፥ ሓሳባት ልቢ ኸኣ ዚገልጽ ጐይታ ክሳዕ ዚመጽእ፥ ቅድሚ እቲ ምዱብ ጊዜ ሓንቲ እኳ ኣይትፍረዱ። ሽዑ ነፍስ ወከፍ መምስጋናኡ ኻብ ኣምላኽ ኪቕበል እዩ። ኣኅዋተየ፥ በቲ ሓደ ክትምክሑ፥ ነቲ ሓደ ኽትንዕቁ ኣይግባእን እዩ። ነቲ “ካብ ጽሑፍ ኣይትኅለፍ” ዚብሎ ኸኣ ካባና ምእንቲ ኽትምሃሩ ንጥቕምኹም ኢለ፥ ንገዛእ ርእሰይን ንኣጵሎስን ከም ምሳሌ ኣቕሪበልኩም ኣሎኹ። ካብ ካልኦት ብሉጽ ዝገብረካ መን እዩ፧ ዘይተቐበልካዮኸ እንታይ ኣሎካ፧ ዝተቐበልካ ኻብ ኮንካኸ፥ ስለምንታይ ከም ዘይተቐበልካ ትሕበን፧ ድሮ ኸኣ ጸገብኩም! ከምኡውን ሃብተምኩም! ብዘይ ብኣና ድማ ነገሥኩም! ንሕናውን ምሳኻትኩም ምእንቲ ኽንነግሥሲ ወሸለ ምነገሥኩም። ንኣይ ከም ዚመስለኒ፥ ኣምላኽ ንኣና ንሓዋርያት፥ ከምቶም ንሞት ዝተፈርዱ ድኅሪ ዅሎም ከም እንኸውን ገበረና። ስለዚ ንዓለምን ንመላእኽትን ንሰብን ዜስሕቕ ትርኢት ኴንና ኣሎና።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

2ይ ዮሐ 1 : 8 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

ምሉእ ዓስቢ ኽትቅበሉ እምበር ነቲ ዝጸዓርኩምሉ ምእንቲ ኸይተጥፍእዎ፥ ተጠንቀቑ። እቲ ኻብ ትምህርቲ ክርስቶስ ዚዝምብል፥ ኣብኡ እውን ዘይጸንዕ፥ ኣምላኽ ኣብኡ የሎን። እቲ ኣብ ትምህርቲ ክርስቶስ ዚጸንዕ፥ ኣብን ወልድን ኣብኡ ኣለው። ዝኾነ ይኹን ትምህርቲ ክርስቶስ ከይኃዘ፥ ናባኻትኩም እንተ መጸ፥ ኣብ ቤትኩም ኣይትቀበልዎ፥ ሰላምውን ኣይትበልዎ። ከመይ እቲ ሰላም ዚብሎ ኣብቲ እኩይ ግብሩ ኃቢርዎ እዩ። ብወረቐትን ብቐለምን ደኣ ኽገብሮ ኣይደሌኹ እምበር፥ ናባኻትኩም ዝጽሕፎ ብዙኅ ነገር ነይሩኒ። ግናኸ ሓጐስና ምሉእ ምእንቲ ኪኸውን ናባኻትኩም ክመጽእ እሞ ኣፍ ንኣፍ ክዛረበኩም ተስፋ እገብር ኣሎኹ። ደቂ እታ ኅርይቲ ኃብትኺ ሰላም ይብሉኺ ኣለዉ።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 28 : 24 - 29 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ገሊኦም ነቲ እተነግረ ኣመንዎ፥ ገሊኦም ግና ኣበይዎ። ጳውሎስ ነዚ ዚስዕብ ቃል ምስ ተዛረበ ንሓድሕዶም ምስምማዕ ስኢኖም ተፈላለዩ፤ “መንፈስ ቅዱስ ብነቢይ ኢሳይያስ ነቦታትኩም ከምዚ ዚስዕብ እናበለ ዝተዛረቦም ጽቡቕ ገበረ፤ ‘ናብዚ ሕዝቢ ኺድ እሞ ምስማዕ ክትሰምዑ ኢኹም ግና ኣይከተስተውዕሉን ኢኹም። ምርኣይ ክትርእዩ ኢኹም ግና ኣይክትርድኡን ኢኹም’ ኢልካ ንገሮም። ምኽንያቱ ‘በእዛኖም ከይሰምዑ ኣእዛኖም ኣጽመሙ። በዕይንቶም ከይርእዩ ኣዕይንቶም ዓመቱ፥ ብልቦም ከየስተውዕሉ ከይምለሱ፥ ኣነውን ከየሕውዮምሲ ልቢ እዚ ሕዝቢ እዚ ድንዙዝ እዩ።’ እምበኣርከስ እዚ ምድኃን ኣምላኽ ነሕዛብ ከም ዝተላእከ ኣባኻትኩም ፍሉጥ ይኹን፥ ንሳቶም ከኣ ኪሰምዕዎ እዮም።” [እዚ ምስ ተዛረበ ኣይሁድ ንሓድሕዶም ብዙኅ እናተኻትዑ ወፁ።]

 

ስንክሳር Synaxarium

መንፈሳዊ ቄርሎስ
ወበአቱ ለእግዚእነ ኢየሩሳሌም በተጽዕኖ እድግት ወዕዋላ

 

መዝሙር Psalm

መዝ 132 : 17 - 18 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ኣብኣ ቐርኒ ዳዊት ከብቍል እየ፣ ንቕቡኤይ መብራህቲ ኣዳሎኹ። ንጸላእቱ ነውሪ ኸልብሶም እየ፣ ኣብ ልዕሊኡ ግና ዘውዲ ኼንጸባርቕ እዩ።

 

ወንጌል Gospel

ማር 11 : 1 - 11 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ናብ ኢየሩሳሌም ብምእታው፥ ጥቓ ደብረ ዘይቲ ናብ ዘለዋ ቤተ ፋጌን ቢታንያን ምስ ቀረቡ፥ ክልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ለኣኸ። ከምዚ ድማ በሎም፤ “ኣብ ቅድሜኹም ናብ ዘላ ዓዲ ኺዱ፥ ናብኣ ምስ ኣቶኹም ሽዑ ሰብ ዘይተወጥሖ እሱር ጻዕብ ክትረኽቡ ኢኹም፥ ፈቲሕኩም ኣምጽኡለይ። ገለ ሰብ ‘ስለምንታይ እዚ ትገብሩ ኣሎኹም፧’ እንተ በለኩም፥ ‘ጐይታ ይደልዮ ኣሎ፥ ብኡብኡ ነጀው ኪሰዶ እዩ’ በልዎ።” ምስ ከዱ ኸኣ ነቲ ጻዕብ ኣብ ደገ ኣብ ጥቓ መገዲ ተኣሲሩ ረኺቦም ፈትሕዎ። ካብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ኸኣ ገሊኦም “ነዚ ጻዕብ ስለምንታይ ትፈትሕዎ ኣሎኹም ፧” በልዎም። ንሳቶም ድማ ኸምቲ ኢየሱስ ዝበሎም በልዎም እሞ ኃደግዎም። ነቲ ጻዕብ ከኣ ናብ ኢየሱስ ወሰድዎ፥ ክዳውንቶም ውን ጐዝጐዙሉ፥ ኢየሱስ ከኣ ተወጥሖ። ብዙኃት ኣብቲ መገዲ ኽዳውንቶም ኣንጸፉ፥ ካልኦት ከኣ ኻብቲ ኣብ ግራሁ ዝነበረ ኣእዋም ጨናፍር ሰሊዖም ይንስንሱ ነበሩ። እቶም ዚመርሑን እቶም ዚስዕቡን ከኣ “ሆሣእና! ብስም እግዚኣብሔር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ። እታ እትመጽእ ዘላ መንግሥቲ ኣቦና ዳዊት ብርኽቲ እያ፥ ሆሣእና ኣብ ኣርያም” እናበሉ ይጭርሑ ነበሩ። ኢየሱስ ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በጽሐ ናብ ቤት መቕደስ ኣተወ፥ ኣብ ዙርያኡ ግልጽ እናበለ ንዅሉ ምስ ረኣየ፥ መስዩ ነበረ እሞ ምስቶም ዓሠርተው ክልተ ናብ ቢታንያ ኸደ።

ቅዳሴ Liturgy :

ዘቄርሎስ

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 147 : 1 - 2 [English][ግእዝ][ልሙድ]

መሃርሃር መዓጹኺ ኣጽኒዑ፣ ንደቅኺ ኣብ ማእከልኪ ባሪኽዎም እዩ እሞ፣ ዎ የሩሳሌም፣ ንእግዚኣብሄር አመስግኒ፣ ዎ ጽዮን፣ ንኣምላኽኪ ወድሲ።

 

ወንጌል Gospel

ዮሐ 12 : 12 - 19 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ንጽባሒቱ እቶም ንበዓል ዝመጹ ብዙኃት ሕዝቢ፥ ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዚመጽእ ሰሚዖም፥ ጨናፍር ኦም ስየ ኣልዒሎም ኪቕበልዎ ወፁ። ዓው ኢሎም ከኣ “ሆሣዕና! እቲ ብስም እግዚኣብሔር ዚመጽእ ንጉሥ እስራኤል ቡሩኽ እዩ” በሉ። ከምቲ “ኣቲ ኢየሩሳሌም ኣይትፍርሂ፥ እንሆ ንጉሥኪ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ይመጽእ ኣሎ፥” ዚብል ተጻሒፉ ዘሎ፥ ኢየሱስ ጻዕባ ኣድጊ ረኺቡ ተወጥሖ። ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ነገር እዚ ቅድም ኣየስተውዓልዎን። ኢየሱስ ምስ ከበረ ግና ሽዑ ነዚ ነገር እዚ ብዛዕባኡ ኸም ዝተጻሕፈ፥ ንሳቶምውን እዚ ኸም ዝገብሩሉ ዘከሩ። እቶም ንኣልኣዛር ካብ መቓብር ጸዊዑ ካብ ምዉታት ኬተንሥኦ ኸሎ ምስኡ ዝነበሩ ሕዝቢ ኸኣ ይምስክሩ ነበሩ። ስለዚ እቶም ሕዝቢ እዚ ተኣምራት እዚ ምግባሩ ሰሚዖም ክቕበልዎ ወፁ። ሽዑ ፈሪሳውያን ንሓድሕዶም “ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ከም ዘይትኽእሉ ትርእዩዶ ኣሎኹም፧ እንሆ ብዓለሙ ደድኅሪኡ ይስዕብ ኣሎ” ተበሃሃሉ።

 


4ይ ሰንበት ናይ ዓቢይ ጾም ፤ መፃጉዕ።
፬(4ይ) መዝሙር ዘመፃጉዕ ፡ አምላኩሰ ለአዳም።


Show/Hide መዝሙር ( Hymn )

መዝሙር

God is great! - በ፭ ፤ አምላኩሰ ለአዳም ለዕረፍት ሰንበተ ሠራዕከ ወይቤልዎ አይሁድ በአይ ስልጣን ትገብር ዘንተ ወይቤሎሙ ኢየሱስ አነኒ እገብር አንትሙኒ እመኑ ለግብርየ ወይቤሎሙ አነ ውእቱ እግዚአ ለሰንበት አግዚአ ውእቱ ለሰንበት ወልድ ዋሕድ ወይቤሎሙ ብዉሕ ሊተ እኅድግ ኃጢአተ በዲበ ምድር እስብክ ግዕዛነ ወእክሥት አዕይንተ ዕውራን አቡየ ፈነወኒ ።

ሰላም

በሰንበት ወረቀ ምድረ ወገብረ ፅቡረ አሕየወ ዕውረ ሃሌ ሉያ ፤ ሃሌ ሉያ ፤ ሃሌ ሉያ ይትፌስሑ ጻድቃን ወብዙኅ ሰላም ሎሙኒ ፀሐየ ጽድቅ ሠረቀ ሎሙ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

ዕብ 12 : 11 - 17 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ቅጽዓት ዘበለ መሪር እዩ፥ ንጊዜኡውን ሓጐስ ዜስዕብ ኣይመስልን እዩ፥ ንዳኅራዩ ግና ነቶም ብእኡ ዝኃለፉ ሰላምን ጽድቅን እዩ ዚፈርየሎም። ምእንትዚ “ነተን ዘርጋሕጋሕ ዝበላ ኣእዳውኩምን ወለል ዝበለን ኣብራኽኩምን ኣደልድልወን።” “ነእጋርኩም ኸኣ ትኽ ዝበለ መገዲ ግበሩ’’ ሽዑ እቲ ዚሕንክስ ዘሎ መሓውርኩም ኪሓዊ እዩ እምበር ኣይክዛናበልን እዩ። ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። ብዘይ ቕድስና ሓደ እኳ ንእግዚኣብሔር ዚርእዮ የልቦን እሞ ቅዱሳን ክትኮኑ ጽዓሩ። ካብ ጸጋ ኣምላኽ ሓደ እኳ ኸይወፅእ፥ ከምኡውን መሪር ሡር በቊሉ ኸየጨንቐኩም፥ ንብዙኃት ኸኣ ኸየርክስ ተጠንቀቑ። ሓደ እኳ ኣመንዝራ ዝኾነ፥ ወይ ከምቲ ንሓንቲ ጊዜ ኺበልዕ ኢሉ በዂርናኡ ዝሸጠ ኤሳው መንፈስ ዘይብሉ ሰብ ከይህሉ ተጠንቀቑ። ኤሳው ጸኒሑ ነታ በረኸት ኪወርስ እኳ እንተ ደለየ ኣይተዋህቦን፥ ብንበዓትውን እንተ ደለያ ንንስሓ ዚኸውን ጊዜ ከም ዘይረኸበ ትፈልጡ ኢኹም።

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

ያዕ 5 : 14 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

ኣብ ማእከልኩም ዝሓመመ እንተሎ ንመራሕቲ ቤት ክርስቲያን ይጸውዕ፥ ንሳቶም ከኣ ብስም ጐይታ ብዘይቲ እናቐብኡ ይጸልዩሉ። እታ ብእምነት ዝተገብረት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተሕውዮ እያ። ጐይታውን ኬተንሥኦ እዩ። ኃጢኣት ገይሩ እንተ ኾይኑውን ኪኅደገሉ እዩ። እምበኣርሲ ምእንቲ ኽትሓውዩ ንሓድሕድኩም ኃጢኣትኩም ተናዘዙ፥ ምእንቲ ንሓድሕድኩምዉን ጸልዩ። ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙኅ ተስልጥ እያ። ኤልያስ ከማና ሰብ እዩ ዝነበረ። ዝናም ከይዘንም ጸሎት ገበረ፥ ሠለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርኅን ከኣ ኣብ ምድሪ ዝናም ኣይዘነመን። ከም ብሓድሽ ድማ ጸለየ፥ ሰማይ ከኣ ዝናም ሃበ፥ ምድሪውን ፍሪኣ ሃበት። ኣቱም ኣኅዋተይ፥ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ሓቂ እንተ ረሓቐ፥ ሓደ ኸኣ እንተ መለሶ፥ እቲ ንኃጥእ ካብ መገዲ ጌጋኡ ዝመለሶ፥ ካብ ዘለዓለማዊ ሞት ከም ዘድኃኖ፥ ብዙኅ ኃጢኣት እዉን ኬኅደግ ከም ዝገበረ ይፍለጥ።

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 3 : 1 - 12 [English][ግእዝ][ልሙድ]

እንሆ ኸኣ ጴጥሮስን ዮሓንስን ብታስዓይቲ ሰዓት ብጊዜ ጸሎት ናብ ቤት መቕደስ ይድይቡ ነበሩ። ካብ ዚውለድ ጀሚሩ ዝለመሰ ሓደ ሰብኣይ ነበረ፥ ካብቶም ናብ ቤት መቕደስ ዚኣትዉ ምጽዋት ምእንቲ ኺልምን ከኣ ፀይሮም ኣብ ጸጽባሕ ኣብታ “ጽብቕቲ” እትብሃል ኣፍ ደገ ቤት መቕደስ የቐምጥዎ ነበሩ። ንሱ ድማ ጴጥሮስን ዮሓንስን ናብ ቤት መቕደስ ኪኣትው ኸለዉ ምስ ረኣዮም፥ ኪምጽውቱሉ ለመኖም። ጴጥሮስ ናብኡ ኣተኲሩ እናጠመተ፥ ምስ ዮሓንስ ኮይኑ፥ “ናባና ጠምት” በሎ። ንሱ ኸኣ ካብኣቶም ገለ ዚረክብ መሲልዎ ኣተኲሩ ጠመቶም። ጴጥሮስ ድማ “ወርቅን ብሩርን የብለይን፥ እቲ ዘሎኒ ግና እህበካ ኣሎኹ፤ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ናዝራዊ ተንሥእ እሞ ኺድ” በሎ። ብየማነይቲ ኢዱ ኂዙ ኸኣ ኣተንሥኦ፥ ብኡብኡውን ኣእጋሩን ዓክዓካሪቶኡን ጸንዐ። ብድድ ኢሉ ኸኣ ደው በለ እሞ ተዛወረ። እናተዛወረን እናተሰራሰረን ንኣምላኽ እናኣመስገነን ድማ ምስኣቶም ናብ ቤት መቕደስ ኣተወ። ኵሎም እቶም ሕዝቢ ድማ ኺመላለስን ንኣምላኽ ኬመስግንን ከሎ ረአይዎ። ንሱ እቲ ኣብታ “ጽብቕቲ” እትብሃል ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ ምጽዋት ዚልምን ዝነበረ ምዃኑ ምስ ኣለለይዎ፥ በቲ ኣብኡ ዝኾነ ነገር ተደነቑን ተገረሙን። እቲ ዝሓወየ ሰብኣይ ምስ ጴጥሮስን ዮሓንስን ለጊቡ ኸሎ፥ እቶም ሕዝቢ ብምሉኦም ብዓቢይ ምግራም፥ ናብኣቶም ናብቲ ገበላ ሰሎሞን ተባሂሉ ዚጽዋዕ ጐየዩ። ጴጥሮስ ነዚ ምስ ረአየ፥ ነቶም ሕዝቢ ኸምዚ ዚስዕብ እናበለ ተዛረቦም፤ “ኣቱም ሰብ እስራኤል፥ ንምንታይ በዚ ትግረሙ፧ ብገዛእ ኃይልና ወይስ ብጽድቅና ነዚ ኪኸይድ ከም ዝገበርናዮስ ንምንታይ ንኣና ትጥምቱ ኣሎኹም፧

መዝሙር Psalm

መዝ 6 : 2 - 3 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ዎ እግዚኣብሄር፣ ማህሚነ እየ እሞ፣ ምሐረኒ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣዕጽምተይ ተሸቢረን እየን እሞ፣ ኣጥዕየኒ። ነፍሰይውን ኣዝያ ተሸቢራ፣ ንስኻኸ፣ ዎ እግዚኣብሄር ክሳዕ መአዝ፧ /Ps 41 : 3 - 4/ ኣብ መደቀሲ ድናሴኡ ኸሎ፣ እግዚኣብሄር ይድግፎ። ንስኻ ብሕማሙ ንብዘላ ዓራቱ ተንጽፈሉ። ጐይታየ፣ በዲለካ እየ እሞ፣ ምሐረኒ፣ ንነፍሰይ ኣሕውያ፣ በልኩ።

ወንጌል Gospel

ዮሐ 5 : 1 - 18 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ድኅርዚ ድማ በዓል ኣይሁድ ኮነ፥ ኢየሱስውን ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ። ኣብ ኢየሩሳሌም፥ ኣብ ጥቓ ደገ ኣባጊዕ ከኣ፥ ብዕብራይስጥ ቤተ ሳይዳ ዚብሃል፥ ኃሙሽተ ገበላ ዘለዎ ቐላይ ነበረ። ኣብኡ ናይቲ ማይ ምንዋጽ ዚጽበዩ ብዙኃት ሕሙማት፥ ዕዉራትን ሓንካሳትን ልሙሳትን ይድቅሱ ነበሩ። እናሓንሳእ መልኣኽ እግዚኣብሔር ናብቲ ቐላይ ወሪዱ ነቲ ማይ የናውጾ ነበረ፥ እቲ ቕድም ወሪዱ ኣብቲ ዝተናወጸ ማይ ዝኣተወ ኸኣ ካብ ዘለዎ ዅሉ ሕማም ይሓዊ ነበረ። ሠላሳን ሸሞንተን ዓመት ዝሓመመ ሓደ ሰብኣይ ከኣ ኣብኡ ነበረ። ኢየሱስ ድማ ንእኡ ደቂሱ ምስ ረኣዮ፥ ነዊኅ እዋን ምሕማሙ ፈሊጡ፥ “ክትሓዊዶ ትደሊ ኢኻ፧” በሎ። እቲ ሕሙም ከኣ “ጐይታይ፥ እቲ ማይ ምስ ተናወጸ፥ ናብቲ ቐላይ ዜውርደኒ ሰብ የብለይን። ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ ድማ ኻልእ ቀዲሙኒ ይወርድ” ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ከኣ “ተንሥእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኺድ” በሎ። እቲ ሰብኣይ ብኡብኡ ሓወየ፥ ዓራቱ ኣልዒሉውን ከደ። እታ መዓልቲ እቲኣ ሰንበት ነበረት። ስለዚውን ኣይሁድ ነቲ ዝሓወየ ሰብኣይ “ሎሚ ሰንበት ስለ ዝኾነ ዓራትካ ኽትፀውር ኣይፍቀደልካን እዩ” በልዎ። ንሱ ግና “እቲ ዘሕወየኒ እዩ ‘ዓራትካ ኣልዒልካ ኺድ’ ዝበለኒ” ኢሉ መለሰሎም። ንሳቶም ከኣ “እቲ ‘ዓራትካ ኣልዒልካ ኺድ’ ዝበለካ ሰብኣይ መን እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ። ኣብቲ ቦታ ብዙኅ ሕዝቢ ነበረ፥ ኢየሱስ ከኣ ድኅር ኢሉ ስለ ዝነበረ፥ እቲ ዝሓወየ ሰብኣይ መን ምዃኑ ኣይፈለጠን። ብድኅርዚ ኢየሱስ ኣብ ቤት መቕደስ ረኸቦ እሞ “እንሆ ሓዊኻ ኣሎኻ፥ ካብዚ ዚገድድ ከይረኽበካ፥ መሊስካ ኃጢኣት ኣይትግበር” በሎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ኸይዱ፥ እቲ ዘሕወዮ ኢየሱስ ከም ዝኾነ ንኣይሁድ ነገሮም። ስለዚ ብሰንበት ነዚ ነገራትዚ ስለ ዝገበረ፥ ኣይሁድ ንኢየሱስ ኣሳደድዎ። ኪቐትልዎውን ይደልዩ ነበሩ። ኢየሱስ ግና “ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይዓዪ ኣሎ፥ ኣነውን እዓዪ ኣሎኹ” ኢሉ መለሰሎም። ስለዚ ሰንበት ብምስዓሩ ጥራይ ዘይኮነስ፥ ንኣምላኽ ድማ “ኣቦይ” ብምባሉ፥ ንርእሱ ምስ ኣምላኽ ስለ ዘመዓራረየ፥ ኪቐትልዎ ይደልዩ ነበሩ።

ቅዳሴ Liturgy :

ዘዮሐንስ ወልደ ነጐድጓድ (ሃቤከ)