God is great! God is great!

Daily readings / መዓልታዊ ንባባት

ዘመነ ማርቆስ Readings for Monday

ሰነ 15, 2018 ብግእዝ Jun 22, 2026 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 149 : 4 - 5 [English][ግእዝ][ልሙድ]

እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብሂግዎም እዩ እሞ፣ ንትሑታት ብምድሓን ይስልሞም። ቅዱሳን ብኽብሪ ይተሐጐሱ፣ ኣብ መደቀሲኦም እልል ይበሉ።

 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 7 : 24 - 28 [English][ግእዝ][ልሙድ]

24. እቶም ልኡኻት ዮሓንስ ምስ ከዱ፥ ኢየሱስ ነቶም ሕዝቢ ብዛዕባ ዮሓንስ ከምዚ ኺብሎም ጀመረ፦ “እንታይ ክትርእዩ ናብ ምድረ በዳ ወፃእኩም፧ ብንፋስ ሰሰው ዚብል ሻምብቆዶ፧ 25. እንታይ ክትርእዩ ደኣ ወፃእኩም፧ ቅጭን ክዳውንቲ ዝተኸድነ ሰብኣይዶ፧ እንሆ ብቕጭን ክዳውንቲ ዘጌጹን ዝሓንቀቑንሲ ኣብ ኣደራሽ ነገሥታት ኣለዉ። 26. እንታይ ክትርእዩ ደኣ ወፃእኩም፧ ነቢይዶ፧ እወ፥ ካብ ነቢይ እኳ ደኣ ዚዓቢ፥ እብለኩም ኣሎኹ። 27. ንሱ እቲ ብዛዕባኡ ‘እንሆ፥ መገድኻ ዚጸርግ ልኡኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ ኣሎኹ’ ተባሂሉ ዝተጻሕፈሉ እዩ። 28. ካብ ኣንስቲ ካብ ዝተወልዱ ኻብ ዮሓንስ መጥመቕ ዚዓቢ ነቢይ ሓደ እኳ የልቦን፥ እብለኩም ኣሎኹ፤ ኣብ መንግሥቲ ኣምላኽ ግና እቲ ዝነኣሰ ይዓብዮ እዩ።” ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

ኤፌ 6 : 1 - 9 [English][ግእዝ][ልሙድ]

1. ኣቱም ውሉድ፥ ቅኑዕ እዩ እሞ፥ ንወለድኹም ብጐይታ ተኣዘዝዎም። 2. - 3. ከመይ “ምእንቲ ኪቐንዓካ፥ ኣብ ምድሪ ኸኣ ነዊኅ ዕድመ ምእንቲ ኪህልወካ” ዚብል ተስፋ ዝኃዘ ቀዳማይ ትእዛዝ “ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር” ዚብል እዩ። 4. ኣቱም ኣቦታትውን፥ ብናይ ጐይታ ሥነ ሥርዓትን ምኽርን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፥ ንደቅኹም ኣይተዀርይዎም። 5. ኣቱም ግዙኣት፥ ነቶም ብሥጋ ጐይቶትኩም፥ ብፍርሃትን ብረዓድን ብቕኑዕ ልብን ከም ንክርስቶስ ጌርኩም ተኣዘዝዎም። 6. ከም ኣገልገልቲ ክርስቶስ ንፍቓድ ኣምላኽ ብልቢ እናፈጸምኩም እምበር፥ ንሰብ ከተሓጒሱ ኢልኩም ንገጽ ርአ ኣይትግበርዎ። 7. ንሰብ ዘይኮነስ ከም ንጐይታ ጌርኩም ብፍታው ተገዝኡ። 8. ምኽንያቱ ግዙእ ኮነ ጐይታ ነፍስ ወከፍ ሠናይ ዝገበረ ካብ ጐይታ ኢየሱስ ዓስቡ ከም ዚቕበል ፍለጡ። 9. ንስኻትኩም ውን ኣቱም ጐይቶት፥ ልክዕ ከምኡ ግበሩሎም። እቲ ናታቶምን ናታትኩምን ጐይታ ኣብ ሰማይ ከም ዘሎ፥ ኣብኡ ኸኣ ኣድልዎ ከም ዘየልቦ ፈሊጥኩም፥ ኣይተፈራርህዎም።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

1ይ ዮሐ 4 : 16 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

16. ንሕናውን ነታ ኣምላኽ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ ፈሊጥናያን ኣሚንናያን ኣሎና። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ፥ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር ከኣ ኣብ ኣምላኽ ይነብር፥ ኣምላኽውን ኣብኡ ይነብር። 17. ብመዓልቲ ፍርዲ ትብዓት ምእንቲ ኺህልወና እታ ፍቕሪ ኣባና ምልኣት ረኸበት። ምኽንያቱ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ከምቲ ኢየሱስ ዝነበሮ ኢና እንነብር ዘሎና። 18. እታ ፍጽምቲ ፍቕሪ ንፍርሃት ኣውፂኣ ትድርብያ ደኣ እምበር ኣብታ ፍቕርስ ፍርሃት የልቦን። ፍርሃት ምስ መቕጻዕቲ ዝተተኃኃዘት ስለ ዝኾነት ከኣ እቲ ዚፈርህ ብፍቕሪ ፍጹም ኣይኮነን። 19. ኣምላኽ ቅድም ስለ ዘፍቀረና ንሕናውን ነፍቅር ኢና። 20. ነቲ ዝረኣዮ ኃዉ ዘየፍቀሮስ፥ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከኣሎን እዩ እሞ፥ ንኃዉ እናጸልኦስ “ንኣምላኽ አፍቅሮ እየ” ዚብል እንተሎ ንሱ ሓሳዊ እዩ። 21. እቲ ኻብኡ ዝተቐበልናዮ ትእዛዝ “እቲ ንኣምላኽ ዜፍቅሮ፥ ንኃዉ ድማ የፍቅሮ” ዚብል እዩ።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 25 : 1 - 8 [English][ግእዝ][ልሙድ]

1. ፊስጦስ ናብታ ግዝኣቱ ምስ መጸ፥ ድኅሪ ሠለስተ መዓልቲ ካብ ቂሳርያ ናብ ኢየሩሳሌም ከደ 2. ሊቃነ ካህናትን መኳንንቲ ኣይሁድን ድማ ብዛዕባ ጳውሎስ ነገርዎ። 3. ኣብ መገዲ ኣድብዮም ኪቐትልዎ መዲቦም ስለ ዝነበሩ ኸኣ “ንጳውሎስ ናብ ኢየሩሳሌም ኣምጽኣልና” ኢሎም ለመንዎ። 4. ፊስጦስ ድማ፥ “ጳውሎስ ኣብ ቂሳርያ እዩ ዚሕሎ ዘሎ፥ ኣነ ኸኣ ቐልጢፈ ናብኡ ኽምለስ ሓሲበ ኣሎኹ” ኢሉ መለሰሎም። 5. “እምበኣር ካባኻትኩም ወዳእቲ ነገር ምሳይ ይምጽኡ እሞ፤ ኣብቲ ሰብኣይ እቲ ገለ በደል እንተሎ ይኽሰስዎ” በሎም። 6. ፊስጦስ ምስኣቶም ገለ ሸሞንተ ወይ ዓሠርተ መዓልቲ ምስ ቀነየ፥ ናብ ቂሳርያ ወረደ፤ ንጽባሒቱ ድማ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ ንጳውሎስ ኬምጽእዎ ኣዘዘ። 7. ጳውሎስ ምስ መጸ ኸኣ እቶም ካብ ኢየሩሳሌም ዝወረዱ ኣይሁድ ከቢቦምዎ ደው በሉ። መርትዖ ኪረኽቡሉ ዘይክእሉ ብዙኅን ከቢድን ክሲ ድማ ኸሰስዎ። 8. ጳውሎስ ድማ “ኣነ ኣብ ልዕሊ ሕጊ ኣይሁድ ኮነ፥ ኣብ ልዕሊ ቤት መቕደስ፥ ወይ ኣብ ልዕሊ ቄሣር ኣይበደልኩን” ኢሉ ተመጻረየ።

 

ስንክሳር Synaxarium

ሚናስ ሐራ ሰማያዊ
ወገብረ ክርስቶስ ዲያቆን

 

መዝሙር Psalm

መዝ 81 : 12 - 13 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ህዝበይ ግና ንድምጸይ ኣይሰምዖን፣ እስራኤል ድማ እሺ ኣይበለንን። ብምኽሪ ርእሶም ኪመላለሱስ፣ አብ ጽንዓት ልቦም ሐደግክዎም።

 

ወንጌል Gospel

ዮሐ 8 : 45 - 50 [English][ግእዝ][ልሙድ]

45. ኣነ ሓቂ ስለ ዝዛረብ ግና ኣይትኣምኑንን። 46. ካባኻትኩም ብኃጢኣት ኪረትዓኒ ዚኽእልከ መን ኣሎ፧ ሓቂ ዝዛረብ ካብ ኮንኩኸ ስለምንታይ ዘይትኣምኑኒ፧ 47. እቲ ካብ ኣምላኽ ዝኾነ ንሱ ንቓል ኣምላኽ ይሰምዕ እዩ። ንስኻትኩም ግና ካብ ኣምላኽ ኣይኮንኩምን፥ ስለዚ ኢኹም ዘይትሰምዑ” እናበለ መለሰሎም። 48. ኣይሁድ ከኣ “ሳምራዊ ኢኻ፥ ጋኔንውን ኣሎካ ምባልናስ ሓቂዶ ኣይኮነን፧” ኢሎም መለሱሉ። 49. ሽዑ ኢየሱስ “ኣነስ ነቦይ ደኣ አኽብሮ ኣሎኹ እምበር ጋኔንሲ የብለይን። ንስኻትኩም ግና ተሕስሩኒ ኣሎኹም። 50. ኣነ ኽብሪ ርእሰይ ኣይደልን እየ፥ እቲ ዚደልን ዚፈርድን ግና ኣሎ። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘዮሐንስ ወልደ ነጐድጓድ (ሃቤከ)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 40 : 7 - 9 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ኣምላኸየ፣ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ፣ ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ፣ በልኩ። ጽድቅኻ ኣብታ ዓባይ ማሕበር ኣበሰርኩ።

 

ወንጌል Gospel

ዮሐ 6 : 32 - 40 [English][ግእዝ][ልሙድ]

32. ኢየሱስ ከኣ “ነቲ ናይ ሓቂ እንጌራ ኻብ ሰማይ ኣቦይ እዩ ዝሃበኩም እምበር ነቲ እንጌራ እቲ ኻብ ሰማይ ዝሃበኩምሲ ሙሴ ኸም ዘይኮነ ብሓቂ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 33. ምኽንያቱ እቲ ኻብ ሰማይ ዚወርድ ንዓለምውን ሕይወት ዚህብ ናይ ኣምላኽ እንጌራ እዩ” በሎም። 34. ሽዑ ንሳቶም “ጐይታይ፥ ነቲ እንጌራ እቲ እንዶ ዅሉ ሳዕ ሃበና፧” በልዎ። 35. ኢየሱስ ከኣ ከምዚ በሎም፦ “ናይ ሕይወት እንጌራ ኣነ እየ፥ እቲ ናባይ ዚመጽእ ኣይኪጠምን፥ እቲ ብኣይ ዚኣምን ድማ ከቶ ኣይኪጸምእን እዩ። 36. ግናኸ ኸምቲ ዝበልኩኹም እዩ፥ ርኢኹምኒ ግና ኣይኣመንኩምንን። 37. እቲ ኣቦይ ዚህበኒ ዘበለ ናባይ ኪመጽእ እዩ፥ ነቲ ናባይ ዚመጽእ ከኣ ንወፃኢ ኸቶ ኣይክድርብዮን እየ። 38. ምኽንያቱ ኣነ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኮንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘሎኹ። 39. ካብቶም ንሱ ዝሃበኒ ዘበሉ በታ ዳኅረይቲ መዓልቲ ኸተንሥኦም እየ እምበር ሓደ እኳ ኣይኪጠፍእን እዩ፤ እዚ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እዩ። 40. ከመይ ንወልድ ርእዩ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኪረክብ፥ ኣነውን በታ ዳኅረይቲ መዓልቲ ኸተንሥኦ ፍቓድ ኣቦይ እዩ።” ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።

 

ዘመነ ማርቆስ Readings for Tuesday

ሰነ 16, 2018 ብግእዝ Jun 23, 2026 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 38 : 11 - 12 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ፈተውተይን ኣዕሩኸይን ካብ ስቓየይ ይርሕቁ፣ ኣዝማደይ ከኣ ኣብ ርሑቕ ደው ይብሉ ኣለዉ። ንነፍሰይ ዚደልዩ ኸአ መጻወድያ የጻውዱለይ፣ ጕድኣተይ ዚደልዩ ድማ ክፉእ ነገር ይዛረቡ፣ ምሉእ መዓልቲውን ጥልመት ይሐስቡለይ ኣለዉ።

 

ወንጌል Gospel

ማር 3 : 20 - 27 [English][ግእዝ][ልሙድ]

20. ኢየሱስ ናብ ቤት ምስ ኣተወ ኸኣ ንሱን ደቀ መዛሙርቱን እንጌራ ምብላዕ ክሳዕ ዚስእኑ ከም ብሓድሽ ብዙኅ ሕዝቢ ተኣከበ። 21. እቶም ኣዝማዱ ኸኣ “ዓቢዱ እዩ” ኺብልዎ ሰሚዖም ኪኅዝዎ መጹ። 22. ካብ ኢየሩሳሌም ዝወረዱ መምህራን ሕጊ ድማ “ብኤል ዜቡል ኂዝዎ ኣሎ፥ ነጋንንቲ ብሓለቓ ኣጋንንቲ እዩ ዜውፅኦም ዘሎ” በሉ። 23. ኢየሱስ ድማ ጸውዖም፥ ብምስላታት ከኣ ኸምዚ በሎም፡ - “ሰይጣን ንሰይጣን ከመይ ገይሩ ኼውፅኦ ይኽእል፧ 24. ሓንቲ መንግሥቲ ንሓድሕዳ እንተ ተፈላለየት፥ እታ መንግሥቲ እቲኣ ኽትቀውም ኣይትኽእልን እያ። 25. ሓንቲ ስድራ ኸኣ ንሓድሕዳ እንተ ተፈላለየት፥ እታ ስድራ እቲኣ ኽትቀውም ኣይትኽእልን እያ። 26. ሰይጣን ከኣ ኣብ ነንሓድሕዱ ተጻሊኡ እንተ ተፈላለየ ይጠፍእ ደኣ እምበር ኣይቀውምን። 27. ነቲ ኃያል ቅድም ከይኣሰረ ኣብ ቤት ኃያል ኣትዩ ገንዘቡ ኺዘምት ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን። ምስ ኣሰሮ እዩ ነቲ ቤቱ ዚዘምት። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ!

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

ሮሜ 15 : 1 - 7 [English][ግእዝ][ልሙድ]

1. ንሕና እቶም ብእምነት ብርቱዓት ዝኾንና፥ ነቶም ዝደኸሙ ኣኅዋትና ኽንድግፎም ደኣ እምበር፥ ንገዛእ ርእስና ጥራይ ባህ ከነብል ኣይግብኣናን እዩ። 2. ነፍስ ወከፍና ንብጻይና ምእንቲ ክንሓንጾ ሠናይ ንግበረሉ፥ ባህውን ነብሎ። 3. ከመይ ክርስቶውን ከምቲ ጽሑፍ “ጸርፊ እቶም ዚጸርፉኻ ኣባይ ወደቐ” ዚብሎ፥ ንርእሱ ባህ ኣየበለን። 4. በቲ ካብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዚርከብ ትዕግሥትን ምጽንናዕን ተስፋ ምእንቲ ኽንረክብ፥ እቲ ቐደም ዝተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ ንትምህርትና እዩ ዝተጻሕፈ። 5. - 6. ኃቢርኩም ብሓደ ኣፍ ኴንኩም፥ ንኣምላኽ፥ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኸተኽብሩ፥ እቲ ናይ ትዕግሥትን ምጽንናዕን ኣምላኽ፥ ኣብ ንሓድሕድኩም፥ ከምቲ ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ጌርኩም ሓደ ሓሳብ ክትሓስቡ ይሃብኩም። 7. ስለዚ ኸምቲ ክርስቶስ ንኽብሪ ኣምላኽ ዝተቐበለኩም፥ ንሓድሕድኩም ተቐባበሉ።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

1ይ ጴጥ 4 : 14 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

14. ምእንቲ ስም ክርስቶስ እንተ ተጸረፍኩም፥ እቲ ኽቡር መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ስለ ዚኃድር ተሓጐሱ። 15. ሓደ እኳ ኻባኻትኩም ቀታሊ፥ ወይ ሰራቒ፥ ወይ ገባር ክፋእ፥ ወይ ኣብ ነገር ካልኦት ኢዱ ዜእቱ ብምዃኑ ስቓይ ዚቕበል ኣይሃሉኹም። 16. ክርስቲያን ብምዃን እንተ ተሳቐየ ግና፥ ስለ እዚ ስም እዚ ንኣምላኽ የመስግን እምበር ኣይኅፈር። 17. ጊዜ ፍርዲ ቐሪቡ እዩ፥ ዚጅምሮ ኸኣ በቶም ኣብ ቤት ኣምላኽ ዘለዉ እዩ። ብኣና ዚጅምር ካብ ኮነኸ፥ መወዳእታ እቶም ንወንጌል ኣምላኽ ዘይእዘዙ ደኣ እንታይ ኪኽውን እዩ፧ 18. “እቲ ጻድቕ ብኃይሊ ገደል ዚድኅን ካብ ኮነኸ፥ እቲ ዓማጽን ኃጥእን ደኣ እንታይ ኪኸውን እዩ፧” 19. እምበኣር እቶም ከም ፍቓድ ኣምላኽ ዚሳቐዩ፥ ሠናይ እናገበሩ ንገዛእ ርእሶም ኣብቲ እሙን ፈጣሪ የማኅጽኑ።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 2 : 17 - 21 [English][ግእዝ][ልሙድ]

17. ‘በተን መወዳእታ መዓልትታት ኪኸውን እዩ፥ ይብል ኣምላኽ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሰብ ካብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፥ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ፥ ኣጕባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ፥ ኣረገውትኹምውን ሕልሚ ኺሓልሙ እዮም። 18. እወ፥ በተን መዓልትታት እቲአን፥ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ኣገልገልተይ ካብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፥ ንሳቶም ከኣ ኺንበዩ እዮም። 19. ኣነ ድማ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ተኣምራት፥ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኸኣ፥ ትእምርቲ ደምን ኃውን ጣቓን ክገብር እየ። 20. እታ ዓባይን ግህድትን መዓልቲ ጐይታ ኸይመጸት፥ ፀሓይ ናብ ጸልማት፥ ወርኂ ኸኣ ናብ ደም ክትልወጥ እያ። 21. ስም እግዚኣብሔር ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ኸኣ ኪድኅን እዩ።’

 

ስንክሳር Synaxarium

አቡናፍር ገዳማዊ
ወአስተርአዮ መልአክ ለዮሴፍ በሕልም

 

መዝሙር Psalm

መዝ 59 : 15 - 16 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ኣነ ግና ንሓይልኻ እዝምር፣ ንስኻ እምባ፣ ብመዓልቲ ጸበባውን መዕቈቢ ዄንካ ኢኻ እሞ፣ ንሳህልኻ ኣንጊሄ እልል እብል ኣሎኹ።

 

ወንጌል Gospel

ዮሐ 9 : 24 - 29 [English][ግእዝ][ልሙድ]

24. ሽዑ ነቲ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ ካልኣይ ጊዜ ጸዊዖም “ሓቂ ብምዝራብ ንኣምላኽ ክብሪ ሃብ ፤ ንሕና እዚ ሰብኣይ እዚ ኃጥእ ከም ዝኾነ ንፈልጥ ኢና” በልዎ። 25. ንሱ ድማ መሊሱ “ኣነስ ኃጥእ ከም ዝኾነ ኣይፈልጥን ፤ ዕዉር ከም ዝነበርኩን ሕጂ እርኢ ከም ዘሎኹን እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ እየ ዝፈልጥ” በሎም። 26. ንሳቶም ከኣ “እንታይከ ገበረልካ፧ ከመይ ገይሩስ ኣዕይንትኻ ኸፈተልካ፧” በልዎ። 27. ንሱ ኸኣ “ቅድሚ ሕጂ ነጊረኩም ኣይሰማዕኩምን ፤ ንምንታይ ከም ብሓድሽ ክትሰምዑ ትደልዩ ኣሎኹም፧ ንስኻትኩምውንዶ ደቀ መዛሙርቱ ኽትኮኑ ትደልዩ ኢኹም፧” ኢሉ ሓተቶም። 28. ንሳቶም ድማ “ወደ መዝሙሩ ንስኻ ኢኻ ፤ ንሕና ግና ደቀ መዛሙርቲ ሙሴ ኢና። 29. ንሕናስ ኣምላኽ ንሙሴ ከም ዝተዛረቦ ንፈልጥ ኢና ፤ እዚ ግና ካበይ ከም ዝኾነ ኣይንፈልጥን ኢና” እናበሉ ጸረፍዎ። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘእግዝእትነ ማርያም(ጐሥዓ)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 18 : 8 - 9 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ካብ ኣፍንጫኡ ትኪ ፈለል በለ፣ ካብ ኣፉ ኸኣ ሞዅ ዜብል ሓዊ ወጸ፣ ጓህሪ ኻብኡ መጸ። ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ብርቱዕ ጣቓ ነበረ እሞ፣ ንሰማያት ለጠቕ ኣቢሉ ወረደ።

 

ወንጌል Gospel

ዮሐ 21 : 6 - 14 [English][ግእዝ][ልሙድ]

6. ንሱ ከኣ “ነቲ መርበብ ናብ የማን ጃልባ ኣቢልኩም እሞ ደርብይዎ ክትረኽቡ ኢኹም” በሎም። ሽዑ ደርበይዎ እሞ፥ ካብ ብዝኂ እቲ ዓሣ ዝተላዕለ ምስሓቡ ሰኣኑ። 7. እቲ ኢየሱስ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙር ከኣ ንጴጥሮስ “ጐይታ እምበር እዩ” በሎ። ስምዖን ጴጥሮስ ድማ ጐይታ ምዃኑ ምስ ሰምዐ ጥራዩ ስለ ዝነበረ፥ ክዳኑ ተዓጢቑ ናብ ባሕሪ ዘለለ። 8. እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ድማ ኻብ ምድሪ ሚእቲ ሜትር ዚኣክል ጥራይ ርሒቖም ስለ ዝነበሩ፥ ነቲ ዓሣ ዝመልአ መርበብ ብጃልባ እናሰሓብዎ መጹ። 9. ናብ ምድሪ ምስ ወረዱ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ዓሣ ዘለዎ ጓህርን እንጌራን ረኣዩ። 10. ኢየሱስ ከኣ ኻብዚ ሕጂ ዝገፈፍኩምዎ ዓሣ ኣምጽኡልና በሎም። 11. ስምዖን ጴጥሮስ ናብታ ጃልባ ደይቡ ነቲ ሚእትን ኃምሳን ሠለስተን ገዘፍቲ ዓሣ ዝመልአ መርበብ ናብ ምድሪ ጓተቶ። ክሳብ ክንድዚ ብዙኃት ከለዉ እቲ መርበብ ኣይተቐደን። 12. ኢየሱስ ድማ “ንዑ ቚረሱ” በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ጐይታ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ ኻብኣቶም ሓደ እኳ “ንስኻ መን ኢኻ” ኢሉ ኺሓቶ ዝደፈረ ኣይነበረን። 13. ኢየሱስ መጺኡ ነቲ እንጌራ ኣልዒሉ ሃቦም፥ ከምኡውን ነቲ ዓሣ። 14. ኢየሱስ ድኅሪ ካብ ምውታት ምትንሣኡ ንደቀ መዛሙርቱ ዝተገልጸሎም እዚ ሣልሳይ ጊዜ እዩ። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።

 

ዘመነ ማርቆስ Readings for Wednesday

ሰነ 17, 2018 ብግእዝ Jun 24, 2026 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 118 : 14 - 15 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ሓይለይን መዝሙረይን እግዚኣብሄር እዩ፣ ንሱውን ምድሓነይ ኰነ። ኣብ ድንኳናት ጻድቃን ድምጺ እልልታን ምድሓንን ኣሎ።

 

ወንጌል Gospel

ማር 3 : 21 - 30 [English][ግእዝ][ልሙድ]

21. እቶም ኣዝማዱ ኸኣ “ዓቢዱ እዩ” ኺብልዎ ሰሚዖም ኪኅዝዎ መጹ። 22. ካብ ኢየሩሳሌም ዝወረዱ መምህራን ሕጊ ድማ “ብኤል ዜቡል ኂዝዎ ኣሎ፥ ነጋንንቲ ብሓለቓ ኣጋንንቲ እዩ ዜውፅኦም ዘሎ” በሉ። 23. ኢየሱስ ድማ ጸውዖም፥ ብምስላታት ከኣ ኸምዚ በሎም፡ - “ሰይጣን ንሰይጣን ከመይ ገይሩ ኼውፅኦ ይኽእል፧ 24. ሓንቲ መንግሥቲ ንሓድሕዳ እንተ ተፈላለየት፥ እታ መንግሥቲ እቲኣ ኽትቀውም ኣይትኽእልን እያ። 25. ሓንቲ ስድራ ኸኣ ንሓድሕዳ እንተ ተፈላለየት፥ እታ ስድራ እቲኣ ኽትቀውም ኣይትኽእልን እያ። 26. ሰይጣን ከኣ ኣብ ነንሓድሕዱ ተጻሊኡ እንተ ተፈላለየ ይጠፍእ ደኣ እምበር ኣይቀውምን። 27. ነቲ ኃያል ቅድም ከይኣሰረ ኣብ ቤት ኃያል ኣትዩ ገንዘቡ ኺዘምት ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን። ምስ ኣሰሮ እዩ ነቲ ቤቱ ዚዘምት። 28. ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፥ ንደቂ ሰብ ኵሉ ኃጢኣትን ዝጸረፍዎ ዘበለ ጸርፍን ኪኅደገሎም እዩ። 29. እቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዝጸረፈ ግና፥ ንዘለዓለም ኵነኔ ደኣ ይኾኖ እምበር ፈጺሙ ኣይኅደገሉን እዩ።” 30. ከምዚ ዝበሎም ከኣ “ርኹስ መንፈስ ኣለዎ” ስለ ዝበልዎ እዩ። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ!

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

1ይ ቆሮ 9 : 7 - 12 [English][ግእዝ][ልሙድ]

7. እንታዋይ ወተሃደር እዩ ብገዛእ ገንዘቡ እናተመገበ ዜገልግል፧ ወይኒ ተኺሉ ፍሪኡ ዘይበልዕከ መን እዩ፧ ወይስ እናጓሰየ ካብተን ዚጓስየን መጓሰ ጸባ ዘይሰቲ መን እዩ፧ 8. ከም ኣተሓሳስባ ሰብ ጥራይ ድየ ዝዛረብ ዘሎኹ፧ ሕጊ ሙሴ እውንዶ ኸምኡ ኣይብልን እዩ፧ 9. ከመይ ኣብ ሕጊ ሙሴ “ኣፍ ዜኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር” ዚብል ኣሎ፥ ኣምላኽ ብዛዕባ ኣብዑር ድዩ ዚግደስ ዘሎ፧ 10. ብሱሩ ምእንታናዶ ኣይኮነን ዚዛረብ ዘሎ፧ እቲ ዚሓርስ ብተስፋ ኺሓርስ፥ እቲ ዜኽይድ ብተስፋ ኼኽይድ፥ ገግዲኦም ኪረኽቡ ዚግብኦም ስለ ዝኾነ ምእንታና እዩ ዝተጻሕፈ። 11. ንሕና ነቲ መንፈሳዊ ነገር ካብ ዘራእናልኩምከ፥ ነቲ ናይ ሥጋኹም በረኸት እንተ ዓጸድናስ በዚኁና ድዩ፧ 12. እቶም ካልኦት ምሳኻትኩም ኪማቐሉ መሰል ካብ ዚህልዎም፥ ንሕና ግዳ ክንደይ ካብኡ ዝዓበየ መሰል ዘይህልወና፧ ንሕና ግና ንወንጌል ክርስቶስ ምእንቲ ከይንዓግት ንዅሉ ንጸውር ኣሎና እምበር ነዚ መሰልዚ ኣይተጠቐምናሉን።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

1ይ ጴጥ 1 : 21 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

21. ንስኻትኩም እምነትኩምን ተስፋኹምን ኣብ ኣምላኽ ምእንቲ ኺኸውን፥ በቲ ካብ ምዉታት ዘተንሥኦ ኽብሪውን ዝሃቦ ኣምላኽ ኣመንኩም። 22. ንሓቂ እናተኣዘዝኩምዋ፥ ግብዝና ንዘይብላ ፍቕሪ ኣኅዋት ነፍስኹም ስለ ዘጽሬኹም ብንጹሕ ልቢ ንሓድሕድኩም ተፋቐሩ። 23. ብሕያውን ንዘለዓለም ብዚነብርን ቃል ኣምላኽ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ እምበር ካብ ጠፋኢ ዘርኢ ኣይኮንኩምን ከም ብሓዱሽ ዝተወለድኩም። 24. ከመይ “ዅሉ ሰብ ከም ሣዕሪ፥ ዅሉ ኽብሪውን ከም ዕንባባ መሮር እዩ። እቲ ሣዕሪ ይነቅጽ፥ እቲ ዕንባባውን ይረግፍ፥ 25. ቃል እግዚኣብሔር ግና ንዘለዓለም ይነብር።” እቲ ንኣኻትኩም ዝተበሠረ ቃል ኸኣ እዚ እዩ።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 2 : 8 - 13 [English][ግእዝ][ልሙድ]

8. ከመይ ኢልና ደኣ ዅላትና በበቲ ዝተወለድናሉ ቛንቋ ኺዛረቡ ንሰምዖም ኣሎና፧ 9. ፡ንሕና ሰብ ጰርቴን ሰብ ሜድን ሰብ ኢላምን፥ እቶም ኣብ መሶጶታምያን ኣብ ይሁዳን ኣብ ቀጰዶቅያን ኣብ ጶንጦስን ኣብ እስያ ዚነብሩን፥ 10. ኣብ ፍርግያን ኣብ ጵንፍልያን ኣብ ግብጽን ኣብ ከባቢ ቀሬኔ ዘለዋ ዓድታት ሊብያን ካብ ሮማ ዝመጻእና ኣይሁድን፥ ናብ ሃይማኖት ኣይሁድ ዝኣቶና ወገን ኣሕዛብን፥ 11. ሰብ ቀርጤስን ዓረብን ኢና! እንተኾነ እንሆ በብቛንቋና ብዛዕባ እቲ ዓቢይ ግብሪ ኣምላኽ ኪዛረቡ ንሰምዖም ኣሎና።” 12. ኵላቶም ሰምቢዶም ዚብልዎ ጠፊእዎም ከኣ ንሓድሕዶም “እዚ ነገር እዝስ እንታይ ኮን ይኸውን፧” ተበሃሃሉ። 13. ገሊኣቶም ግና እናኣላገጹሎም “እዚኣቶም ጕዑሽ ወይኒ ሰትዮም ሰኺሮም እዮም” በሉ።

 

ስንክሳር Synaxarium

አባ ለትፁን
ወጰላሞን
ወአባ ገሪማ ዘመደራ
ወአኮራን
ወበርተሎሜዎስ
ወእለ እስክንድርያ
ወእለ እስክንድሮስ ሰማዕታት
ወዮሴፍ
ወአርሲማ ጻድቅት

 

መዝሙር Psalm

መዝ 116 : 15 - 16 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞት ቅዱሳኑ ኽቡር እዩ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣነ ባርያኻ እየ፣ ባርያኻ፣ ወዲ እታ ባርያኻ እየ፣ መኣስረይ ፈታሕካ።

 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 17 : 5 - 10 [English][ግእዝ][ልሙድ]

5. ሓዋርያት ድማ ንጐይታ “እምነት ወስኸና” በልዎ። 6. ጐይታ ኸኣ ኸምዚ በሎም፦ “ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ትህልወኩምሲ ነዚ ሳግላ ‘ተመንቍስካ ኣብ ባሕሪ ተተኸል’ ምበልኩምዎ እሞ፥ ንሱ ኸኣ ምተኣዘዘኩም ነይሩ።” 7. “ካባኻትኩምከ ዚሓርስ ወይ ዚጓሲ ጊልያ ዘለዎ እሞ፥ ካብ ወፍሪ ምስ ኣተወ፥ ‘ቐልጢፍካ ኅለፍ፥ ክትድረር ከኣ ተቐመጥ’ ዚብሎ መን አሎ፧ 8. ‘ክድረር ኣዳልወለይ፥ ክሳዕ ዝበልዕን ዝሰትን ከኣ ተዓጢቕካ ኣገልግለኒ፥ ድኅሪኡ ንስኻውን ብላዕን ስተን’ ደይኮነን ዚብሎ፧ 9. ወይስ ነቲ ጊልያ እቲ ዝተኣዘዞ ስለ ዝገበረስ የመስግኖዶ ይመስለኩም፧* 10. ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ዝተኣዘዝኩምዎ ዅሉ ምስ ገበርኩም፥ ‘ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና፥ እቲ ኽንገብሮ ዚግብኣና ኢና ዝገበርና’ በሉ።” ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘ፫፻ ምእት(ግሩም)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 49 : 7 - 9 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ሓደ እኳ ንሓዉ ዚብጀዎ፣ ጋር ነፍሲ ንአምላኽ ዚህበሉ የልቦን፣ ጋር ነፍሶም ክቡር፣ ንዘለአለም ከኣ ተሪፉ እዩ።

 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 17 : 31 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

31. በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ደርቢ ዘሎ፥ ነቲ ኣብ ኣብ ቤት ዘሎ ኣቕሑኡ ኺወስድ ኢሉ ኣይውረድ። እቲ ኣብ ግራት ዘሎውን ንድኅሪት ኣይመለስ። 32. ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ። 33. እቲ ንሕይወቱ ኼድኅና ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ፥ እቲ ዜጥፍኣ ግና ኼድኅና እዩ። 34. በታ ለይቲ እቲኣ፥ ኽልተ ኣብ ሓንቲ ዓራት ኪድቅሱ እዮም፤ እቲ ሓደ ኺውሰድ እቲ ሓደ ኸኣ ኺኅደግ እዩ። 35. ክልተ ኣንስቲ ብሓንሳእ ኪጥሕና እየን፤ እታ ሓንቲ ኽትውሰድ፥ እታ ኻልኣይቲ ግና ኽትኅደግ እያ። 36. [ክልተ ሰብ ኣብ ግራት ኪጸንሑ እዮም፥ እቲ ሓደ ኪውሰድ፥ እቲ ኻልኣይ ኪኅደግ እዩ] እብለኩም ኣሎኹ።” 37. መሊሶም ከኣ፥ “ጐይታይ፥ ኣበይከ እዩ፧” በልዎ። ንሱ ኸኣ “ኣብቲ ገምቢ ዘለዎ፥ ኣሞራታት ናብኡ ኺእከቡ እዮም” በሎም። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ዘመነ ማርቆስ Readings for Thursday

ሰነ 18, 2018 ብግእዝ Jun 25, 2026 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 73 : 21 - 23 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ልበይ ምስ መረረ፣ ኣብ ኰላሊተይ ምስ ተወጋእኩ፣ ዐሾኹ፣ ደንቈሮውን ነበርኩ፣ ኣብ ቅድሜኻ ኸም እንስሳ ዀንኩ። ግናኸ ኣነ ዅሉ ጊዜ ምሳኻ እየ፣

 

ወንጌል Gospel

ዮሐ 5 : 10 - 15 [English][ግእዝ][ልሙድ]

10. ስለዚውን ኣይሁድ ነቲ ዝሓወየ ሰብኣይ “ሎሚ ሰንበት ስለ ዝኾነ ዓራትካ ኽትፀውር ኣይፍቀደልካን እዩ” በልዎ። 11. ንሱ ግና “እቲ ዘሕወየኒ እዩ ‘ዓራትካ ኣልዒልካ ኺድ’ ዝበለኒ” ኢሉ መለሰሎም። 12. ንሳቶም ከኣ “እቲ ‘ዓራትካ ኣልዒልካ ኺድ’ ዝበለካ ሰብኣይ መን እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ። 13. ኣብቲ ቦታ ብዙኅ ሕዝቢ ነበረ፥ ኢየሱስ ከኣ ድኅር ኢሉ ስለ ዝነበረ፥ እቲ ዝሓወየ ሰብኣይ መን ምዃኑ ኣይፈለጠን። 14. ብድኅርዚ ኢየሱስ ኣብ ቤት መቕደስ ረኸቦ እሞ “እንሆ ሓዊኻ ኣሎኻ፥ ካብዚ ዚገድድ ከይረኽበካ፥ መሊስካ ኃጢኣት ኣይትግበር” በሎ። 15. እቲ ሰብኣይ ከኣ ኸይዱ፥ እቲ ዘሕወዮ ኢየሱስ ከም ዝኾነ ንኣይሁድ ነገሮም። ብወልድ ዝአምን ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኣለዎ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

ቆሎ 3 : 8 - 13 [English][ግእዝ][ልሙድ]

8. ሕጂ ግና ንስኻትኩም ካብ ቊጥዓ፥ ካብ ሕርቃን፥ ካብ ክፍኣት፥ ስም ሰብ ካብ ምጽላም፥ ካብ ዜጸይፍ ዘረባ ዘበለ ዅሉ ርሓቑ። 9. - 10. ከምኡውን ነቲ ኣረጊት ሰብነት ምስ ኵሉ ግብሩ ቐንጢጥኩም፥ ነቲ ንእኡ ምእንቲ ኺፈልጥ እቲ ፈጣሪኡ በርኣያኡ ዚሕድሶ ዘሎ ሰብነት ዝለበስኩም ስለ ዝኾንኩም ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ። 11. ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ እምበር ኣብኡስ ግሪኻውን ኣይሁዳውን፥ ግዙርን ዘይግዙርን፥ ዝሠልጠነ ኣረማውን ዘይሠልጠነ ኣረማውን፥ ባርያን ጭዋን የልቦን። 12. እምበኣር ኣምላኽ ከም ዝኃረዮም ቅዱሳንን ፍቁራትን ሕዝቢ ዄንኩም ምሕረት፥ ለውሃት፥ ትሕትና፥ ሕያውነት፥ ትዕግሥቲ ልበሱ። 13. ንሓድሕድኩም ተጸዋወሩ፥ ኣብ መንጎኹም ቅር ዜብል ነገር እንተሎ ይቕረ ተበሃሃሉ። ከምቲ ጐይታ ይቕረ ዝበለልኩም ይቕረ ተበሃሃሉ።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

2ይ ጴጥ 2 : 9 - 14 [English][ግእዝ][ልሙድ]

9. ጐይታ ኸኣ ነቶም ፍርሃት እግዚኣብሔር ዘለዎም ካብ ፈተና ኸመይ ገይሩ ከም ዜድኅኖም፥ ንገበርቲ ዓመጻ ድማ እናቐጽዐ ኸመይ ገይሩ ክሳዕ መዓልቲ ፍርዲ ከም ዜጽንሖም ይፈልጥ እዩ።10. ኣውራ ግና ነቶም ደድኅሪ እቲ ርኹስ ዝኾነ ትምኒት ሥጋ ዝኸዱ፥ ንሥልጣን እግዚኣብሔር ዝንዕቁ ሰባት እዩ። እቶም ሓሰውቲ መምህራን ደፋራትን ደረቐኛታትን ስለ ዝኾኑ፥ ነቶም ናይ ሰማይ ሥልጣናት ኪጸርፉ ኣይፈርሁን።11. መላእኽቲ እኳ፥ ብኃይልን ብሥልጣንን ካብኣቶም ዚበልጹ ኸለዉ፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ነቶም ናይ ሰማይ ሥልጣናት ዚጻረር ክሲ ኣየምጽኡን እዮም።12. እዚኣቶም ከምታ ተኣሲራ እትሕረድ በሃም እንስሳ እዮም ዝመስሉ። ነቲ ዘይፈልጥዎ እናጸረፉ ከምታ እንስሳ ኺጠፍኡ እዮም።13. ዓስቢ ዓመጻኦም ኪቕበሉ እዮም። ንኣኣቶም ሓጐስ፥ ብቐትሩ ምዕባድ ማለት እዩ። ነውርን ርስሓትን እዮም። ንኺጥብሩኹም ኢሎም ኣብ መኣድኹም ይሳተፉ፥ በዚውን ይሕጐሱ።14. ዝሙት ዝመልኣ ኻብ ኃጢኣት ኸኣ ዘየቋርጻ ኣዕይንቲ ኣለዋኦም፥ እተን ብእምነት ዘይጸንዓ ነፍሳት ይሓብልወን፥ ስስዐ ዝለመደ ልቢ ኣለዎም፥ ደቂ መርገም እዮም።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 17 : 5 - 12 [English][ግእዝ][ልሙድ]

5. እቶም ኣይሁድ ከኣ ቐኒኦም፥ ካብቲ ዕዳጋ እኩያት ሰባት ወሰዱ፥ ሕዝቢ ኣኪቦም ድማ ነታ ኸተማ ኣነዓብዋ፤ ንጳውሎስን ንሲላስን ኣውፂኦም ናብቶም ሕዝቢ ምእንቲ ኬቕርብዎም ድማ ንቤት ኢያሶን ከበብዋ። 6. ምስ ሰኣንዎም ግና ንኢያሶንን ቊሩባት ካብ ኣኅዋትን ናብቶም መኳንንቲ እታ ኸተማ ኣቕረብዎም፤ “እዞም ንዅሉ ዓለም ዜናዕቡስ ኣብዚ ኸኣ መጺኦም። 7. ኢያሶን ከኣ ኣብ ገዝኡ ተቐቢልዎም ኣሎ፤ ንሳቶም ድማ ‘ኢየሱስ ዚብሃል ካልእ ንጉሥ ኣሎ’ እናበሉ ምስ ኣዋጅ ንጉሥ ሮማ ዚጻረር ነገር ይገብሩ ኣለዉ” እናበሉ ከሰስዎም። 8. እቶም ሕዝብን መኳንንቲ እታ ኸተማን፥ ነዚ ምስ ሰምዑ ተጨነቑ። 9. ንኢያሶንን ነቶም ካልኦት ብጾቱን ዋሕስ ኣትኪሎም ከኣ ኃደግዎም። 10. እቶም ኣኅዋት ግና ንጳውሎስን ሲላስን ብኡብኡ ብለይቲ ናብ ቤርያ ከም ዝኸዱ ገበርዎም፤ ኣብኣ ምስ በጽሑ ኸኣ ናብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣተዉ። 11. እቶም ሰብ ቤርያ፥ ካብቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዚነብሩ ዝነበሩ ኣይሁድ ዝለበሙ ነበሩ፤ ነቲ ቓል ብምሉእ ልቦም ተቐበልዎ። እዚ ነገር እዚ ኸምኡ እንተ ኾይኑ ንኺፈልጡ ኸኣ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣብ ጸጽባሕ ይምርምሩ ነበሩ። 12. ስለዚ ብዙኃት ካብኣቶም ኣመኑ፥ ካብቶም ግሪኻውያን ድማ ብዙኃት ክቡራት ኣንስትን ብዙኃት ግሪኻውያን ሰብኡትን ኣመኑ።

 

ስንክሳር Synaxarium

ዲምያኖስ ሊቀ ጳጳሳት
ወኤስድሮስ ሰማዕት

 

መዝሙር Psalm

መዝ 55 : 17 - 18 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ኣነ ግና ናብ ኣምላኽ እምህለል ኣሎኹ፣ ጐይታውን የድሕነኒ እዩ። ምሸትን ብጊሓትን ቀትርን እቚዝም እህህውን እብል ኣሎኹ፣ ንሱ ኸኣ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ።

 

ወንጌል Gospel

ማቴ 18 : 15 - 22 [English][ግእዝ][ልሙድ]

15. “ኃውኻ እንተ በደለካ ኬድካ ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም ኴንኩም ግንሓዮ፥ እንተ ሰምዓካ ንኃውኻ ረባሕካዮ። 16. እንተ ዘይሰምዓካ ግና ዅሉ ነገር ብኣፍ ክልተ ወይ ሠለስተ መሰኻኽር እዩ ዚቐዉም እሞ [ኣብ ካልኣይ ግዜ] ሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ። 17. ንኣኣቶም እንተ ዘይሰምዖም ድማ ንቤተ ክርስቲያን ንገራ፥ ንቤተ ክርስቲያን እንተ ዘይሰምዓ ግና ከም ኣረሚንን ዘይንሳሕ ኃጢኣተኛን ቁጸሮ።” 18. “ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፥ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርኩምዎ ዘበለ ኣብ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ፥ ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኩምዎ ዘበለ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ። 19. - 20. ክልተ ወይ ሠለስተ ኾይኖም ብስመይ ኣብ ዝተኣከቡሉ፥ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም ኣሎኹ እሞ፥ ክልተ ኻባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዚልምንዎ ነገር ኵሉ እንተ ተሳማምዑ፥ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪወሃቦም እዩ፥ ኢለ ኸም ብሓድሽ [ብሓቂ] እብለኩም ኣሎኹ።” 21. ሽዑ ጴጥሮስ ቅርብ ኢሉ “ጐይታይ! ሓወይ እንተ በደለንስ ክንደይ ሳዕ ይቕረ ኽብለሉ፧ ክሳዕ ሾብዓተዶ፧” በሎ። 22. ኢየሱስ ድማ “ሾብዓተ ሳዕ ሰብዓ ድኣ እምበር ክሳዕ ሾብዓተ ኣይብለካን” በሎ። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘባስልዮስ(እግዚኦ መሐረነ)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 15 : 2 - 3 [English][ግእዝ][ልሙድ]

እቲ ብቕንዕና ዚመላለስን ጽድቂ ዚገብርን ብልቡ ሓቂ ዚዛረብን፣ ብልሳኑ ዘይሐሚ፣ ንመሓዛኡ ገለ ኽፉእ ዘይገብሮ፣ ንብጻዩ ዘይጸርፎ፣

 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 9 : 49 - 56 [English][ግእዝ][ልሙድ]

49. ዮሓንስ ከኣ “መምህር! ሓደ ሰብኣይ ብስምካ ኣጋንንቲ ኼውጽእ ከሎ ርኢናዮስ፥ ምሳና ስለ ዘይሰዓበ ከልኪልናዮ” በሎ። 50. ኢየሱስ ከኣ “ዘይከራኸረኩም ዘበለ ንሱ ምሳኻትኩም እዩ እሞ ኣይትኸልክልዎ” በሎ። 51. ኢየሱስ ናብ ሰማይ ዚዓርገለን መዓልትታት ምስ ቀረባ መገዱ ናብ ኢየሩሳሌም ኣቢሉ ኣቕነዐ። 52. ቀቅድሚኡ ልኡኻት ሰደደ፥ ንሳቶም ከኣ ምእንቲ ኼዳልዉሉ ኸይዶም ናብ ሓንቲ ዓዲ ናይ ሰማርያ ኣተዉ። 53. ሳምራውያን ግና መገዱ ናብ ኢየሩሳሌም ንምኻድ ኣቕኒዑ ስለ ዝነበረ ኣይተቐበልዎን። 54. ደቀ መዛሙርቱ ያዕቆብን ዮሓንስን ከኣ ነዚ ምስ ረኣዩ “ጐይታይ! ሓዊ ካብ ሰማይ ወሪዱ ኼጥፍኦም ክንእዝዝዶ ትፈቕደልና ኢኻ፧” በልዎ ። 55. ኢየሱስ ምልስ ኢሉ ኸምዚ ዚስዕብ እናበለ ገሠጾም፦ [“ናየናይ መንፈስ ምዃንኩም ኣይትፈልጡን ኢኹም። ከመይ ወዲ ሰብ ሕይወት ሰብ ኬድኅን እምበር ኬጥፍእ ኣይመጸን”።] 56. ናብ ካልእ ዓዲ ኸኣ ኸዱ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ዘመነ ማርቆስ Readings for Friday

ሰነ 19, 2018 ብግእዝ Jun 26, 2026 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 17 : 14 - 15 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ዎ እግዚኣብሄር፣ ካብ እዛ ዓለም እዚኣ፣ ግዲኦም ኣብዛ ህይወት እዚኣ ዝዀነ፣ ከብዶም ብመዝገብካ እትመልእ፣ ውሉዶም ዝበዝሑሎም፣ ተረፎም ከኣ ንሕጻውንቶም ዚሐድጉ ሰባት፣ ብኢድካ ኣድሕነኒ። ኣነ ግና ንገጽካ ብጽድቂ ኽርእዮ፣ ምስ ነቓሕኩ ብትርኢትካ ኽጸግብ እየ።

 

ወንጌል Gospel

ማር 8 : 15 - 21 [English][ግእዝ][ልሙድ]

15. ኢየሱስ ድማ “ተጠንቀቑ፥ ካብ ማይ ብሑቕ ፈሪሳውያንን ሄሮድሳውያንን ተሓለዉ” ኢሉ ኣዘዞም። 16. ንሳቶም ከኣ ንሓድሕዶም “እንጌራ ስለ ዘይተማለእና እዩ፥” ተባሃሃሉ። 17. ኢየሱስ ድማ ፈሊጡ ኸምዚ በሎም፡ - “ስለምንታይ እንጌራ ብዘይ ምምላእኩም ንሓድሕድኩም ትካትዑ፧ ገናዶ ኣይተረድኣኩምን እዩ፧ ወይ ኣይተስተውዕሉንዶ ኢኹም፧ ልብኹምከ ተደፊኑ ድዩ፧ 18. ኣዕይንቲ ኸለዋኹምሲ ኣይትርእዩንዶ፧ ኣእዛን ከለዋኹምከ ኣይትሰምዑንዶ፥ ኣይትዝክሩንዶኸ ኢኹም፧ 19. እቲ ኃሙሽተ እንጌራ ንኃሙሽተ ሽሕ ምስ ቈረስኩ፥ ቍርስራስ ዝመልአ ኽንደይ መሶብ ኣልዓልኹም፧” ንሳቶም ከኣ “ዓሠርተው ክልተ” በልዎ። 20. “እቲ ሾብዓተ እንጌራ ነኣርባዕተ ሽሕ ምስ ቈረስኩኸ፥ ቊርስራስ ዝመልአ ኽንደይ መሶብ ኣልዓልኩም፧” ንሳቶም ድማ “ሾብዓተ” በልዎ። 21. ንሱ ድማ “ስለምንታይ ደኣ ዘይተስተውዕሉ፧” በሎም። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ!

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

1ይ ተሰ 1 : 1 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

1. ካብ ጳውሎስን ስልዋኖስን ጢሞቴዋስን ናብታ ኣብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ዘላ ቤተ ክርስቲያን ተሰሎንቄ፥ ጸጋን ሰላምን ይውረደልኩም። 2. ኣብ ጸሎትና ዅሉ ጊዜ እናዘከርናኩም፥ ንኣምላኽ ምእንቲ ኵልኹም ኵሉ ጊዜ ነመስግኖ ኣሎና። 3. ነቲ ብእምነት ዝተፈጸመ ዕዮኹም፥ ነቲ ኣብ ፍቕሪ ዝተመሥረተ ጻዕርኹም፥ ነቲ ኣብቲ ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ተስፋ ዝተመሥረተ ጽንዓትኩም፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ከየብኰርና ንዝክር ኣሎና። 4. ኣቱም ብኣምላኽ ፍቁራት ኣኅዋትና፥ ኣምላኽ ከም ዝኃረየኩም ንፈልጥ ኢና። 5. ምኽንያቱ እቲ ንሕና እንሰብኮ ወንጌል፥ ብኃይልን ብመንፈስ ቅዱስን ብምሉእ ምርዳእን እምበር ብቓል ጥራይ ኣይመጻኩምን። ንሕናውን ምእንታኹም ክንብል ኣብ ማእከልኩም ከመይ ኢልና ከም ዝነበርና ትፈልጡ ኢኹም። 6. ሽሕ እኳ ብብዙኅ ጭንቂ እንተ ተሳቔኹም፥ ነቲ ቓል በቲ ኻብ መንፈስ ቅዱስ ዝተረኽበ ሓጐስ ብምቕባልኩም ሰዓብትናን ሰዓብቲ ጐይታናን ኮንኩም። 7. ሰለዚ ነቶም ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ዘለው ዂላቶም ኣመንቲ ኣርኣያ ኾንኩምዎም። 8. እዚ ካባኻትኩም ዝወፀ ቓል ኣምላኽ ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ጥራይ ኣይኮነን ዝተሰምዐ፥ እቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎኩም እምነትሲ ኣብ ኵሉ ሥፍራ ተሰሚዑ እዩ። ስለዚ ንሕና ኽንዛረበሉ ኣየድልን እዩ። 9. - 10. ነቲ ሕያው ዝኾነ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከተገልግሉ፥ ነቲ ካብ ምውታት ዘተንሥኦ፥ ነቲ ካብቲ ዚመጽእ ቊጥዓ ዜድኅነና ወዱ ኢየሱስ፥ ካብ ሰማያት ክትጽበዩ ኽትብሉ ከመይ ጌርኩም ንጣዖታት ኃዲግኩም ናብ ኣምላኽ ከም ዝተመለስኩም፥ ክንበጽሓኩም ምስ መጻእናውን ከመይ ጌርኩም ከም ዝተቐበልኩምና፥ እዞም ሕዝቢ እዚኣቶም ባዕላቶም ይምስክሩ እዮም።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

1ይ ዮሐ 2 : 14 - 19 [English][ግእዝ][ልሙድ]

14. ኣቱም ኣቦታት፥ ነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ። ኣቱም ኣጒባዝ፥ ብርቱዓት ስለ ዝኾንኩምን፥ ቃል ኣምላኽ ኣባኻትኩም ይነብር ስለ ዘሎን፥ ነቲ እኩይውን ስለ ዝሰዓርኩምዋን፥ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ። 15. ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ ፍቕሪ ኣቦ ኣብኡ የብሉን። 16. ከመይ ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፥ ፍትወት ሥጋን ክፉእ ትምኒት ዓይንን ብሃብትኻ ዕቡይ ምዃንን፥ ካብ ዓለም እዩ እምበር ካብ ኣቦ ኣይኮነን። 17. ዓለምን እቲ ዅሉ ፍትወታን ኃላፋይ እዩ፥ እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለዓለም ይነብር። 18. ደቀይ! እዚኣ እታ መወዳእታ ሰዓት እያ። ፀረ ክርስቶስ ከም ዚመጽእ ሰሚዕኩም ኣሎኹም፥ ድሮውን ብዙኃት ፀረ ክርስቶስ ተንሢኦም ኣለዉ። እዚኣ እታ መወዳእታ ሰዓት ምዃና ኸኣ በዚ ኢና እንፈልጥ። 19. ንሳቶም ካባና እዮም ወፂኦም፥ ግናኸ ካባና ኣይነበሩን። ካባና ነይሮም እንተ ዚኾኑ ምሳና ምነበሩ ነይሮም። ግናኸ ካባና ኸም ዘይኮኑ ምእንቲ ኪገሃድ ወፁ።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 19 : 11 - 17 [English][ግእዝ][ልሙድ]

11. ኣምላኽ ከኣ ብኢድ ጳውሎስ ብዙኅ እፁብ ተኣምራት ገበረ። 12. እንሆ ድማ መኣረምያኡ ወይ ክዳኑ ካብ ዝባኑ ወሲዶም፥ ኣብቶም ሕሙማት የንብሩ እሞ፥ ሕማሞም ይኃድጎም፥ ርኹሳት መናፍስቲውን ካብኣቶም ይወፁ ነበሩ። 13. ካብቶም ኣጋንንቲ ካብ ሰብ እናውፅኡ ዚዞሩ ዝነበሩ ኣይሁድ፥ ገሊኦም ነቶም ርኹሳት መናፍስቲ ዝኃደርዎም “በቲ ጳውሎስ ዚሰብኮ ኢየሱስ ክትወፁ እእዝዘኩም ኣሎኹ” እናበሉ ስም ጐይታና ኢየሱስ ኪሰምዩሎም ፈተኑ። 14. እቶም እዚ ዝገበሩ ኸኣ ሾብዓተ ደቂ ሓደ ኣስቄዋ ዚብሃል ኣይሁዳዊ ሊቀ ካህናት ነበሩ። 15. እቲ ርኹስ መንፈስ ድማ “ንኢየሱስ እፈልጦ፥ ንጳውሎስ እፈልጦ እየ፥ ንስኻትኩም ደኣ እንታዎት ኢኹም፧” እናበለ መለሰሎም። 16. እቲ ርኹስ መንፈስ ዝኃደሮ ሰብኣይ ከኣ፥ ዘሊሉ ሓነቖም እሞ ሰዓሮም፥ ክዳኖም ቀዲዱ፥ ዕርቃን ዝባኖም ኣውፂኡ፥ ኣቚሲሉ፥ ካብታ ቤት ሃዲሞም ክሳዕ ዚወፁ ድማ ንዅሎም ኣሕመቖም። 17. እዚ ነገር እዚ ኣብቶም ኣብ ኤፌሶን ዚነብሩ ኣይሁድን ግሪኻውያንን ኵሎም ተፈልጠ፤ ንዅሎምውን ፍርሃት ኃዞም፥ ስም ጐይታና ኢየሱስ ከኣ ኸበረ።

 

ስንክሳር Synaxarium

ጊዮርጊስ ሰማዕት
ወብሶይ
ወአርሶፎኒስ
ወአስኪርዮን

 

መዝሙር Psalm

መዝ 116 : 8 - 9 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ንነፍሰይ ካብ ሞት፣ ነዒንተይ ካብ ንብዓት፣ ነእጋረይ ካብ ምውዳቕ ኣድሒንካየን ኢኻ እሞ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሃገር ህያዋን ክመላለስ እየ።

 

ወንጌል Gospel

ማር 5 : 35 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

35. ኢየሱስ ገና እዚ ኺዛረብ ከሎ፥ ካብቲ ገዛ መራሕ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ገለ ሰባት መጺኦም፥ “ጓልካ ሞይታ እያ፥ ደጊምከ ስለምንታይ ንመምህር ተድክሞ፧” በልዎ። 36. ኢየስሱ ከኣ ነቲ ዝተዛረብዎ ሰሚዑ ነቲ መራሕ ቤት ጸሎት ኣይሁድ “ኣይትፍራህ፥ እመን ደኣ” በሎ። 37. ብዘይካ ጴጥሮስን ያዕቆብን ኃው ያዕቆብ ዮሓንስን ሓደ እኳ ኺስዕቦ ኣይፈቐደን። 38. ናብ ገዛ እቲ መራሕ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ምስ ኣተዉ ኸኣ ብዙኅ ጫውጫው ዚብሉን ዚበኽዩን ዋይዋይ ዚብሉን ረኣየ። 39. ንሱ ኸኣ ኣትዩ “ስለምንታይ ትበኽዩን ጫውጫው ትብሉን፧ እዛ ቘልዓ ደቂሳ እያ ዘላ እምበር ኣይሞተትን” በሎም። 40. ንሳቶም ከኣ ሰሓቕዎ፥ ንሱ ግና ንዅሎም ኣውፂኡ ነቦ እታ ቘልዓን ነዲኣን ነቶም ምስኡ ዝነበሩን ኂዙ ናብቲ እታ ቘልዓ ዝነበረቶ ኣተወ። 41. ኢድ እታ ቘልዓ ኂዙ ኸኣ “ታሊታ ቁሚ” በላ። ትርጓሜኡ “ኣቲ ጓል፥ ተንሥኢ እብለኪ ኣሎኹ” ማለት እዩ። 42. እታ ጓል ድማ ብቕጽበት ተንሢኣ ተዛወረት፤ ዕድሚኣ ድማ ዓሠርተው ክልተ ዓመት ነበረ። ሽዑ ኣዝዮም ተገረሙ። 43. ንሱ ኸኣ፥ ነዚ ሓደ እኳ ከይፈልጦ ብጽኑዕ ኣዘዞም፤ ዚብላዕ ኪህብዋ ድማ ነገሮም። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ!

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘቄርሎስ

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 57 : 1 - 2 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ዎ ኣምላኽ፣ ምሐረኒ፣ ነፍሰይ ኣባኻ ተዕቊብ ኣላ እሞ፣ ምሐረኒ፣ እቲ መዓት ክሳዕ ዚሐልፍ፣ ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ ተጸጊዔ እኔኹ።

 

ወንጌል Gospel

ማር 12 : 18 - 27 [English][ግእዝ][ልሙድ]

18. ትንሣኤ ሙታን የልቦን ዚብሉ ሰዱቃውያን ከኣ ናብኡ መጹ፥ 19. “መምህር፥ ሙሴ ‘ሓደ ሰብ ውሉድ ከይወለደ ሰበይቱ ኃዲጉ እንተ ሞተ፥ ነታ ሰበይቱ እቲ ኃዉ ይውረሳ እሞ ንኃዉ ዘርኢ የቑመሉ’ ኢሉ ጽሒፉልና ኣሎ። 20. ሾብዓተ ኣኅዋት ነበሩ። እቲ ቐዳማይ ሰበይቲ ኣእተወ፥ ውሉድ ከይኃደገ ኸኣ ሞተ። 21. እቲ ኻልኣይ ድማ ወረሳ፥ ኃድጊ ኸይኃደገውን ሞተ፥ እቲ ሣልሳይ ከኣ ኸምኡ። 22. ሾብዓቲኦም ከኣ ኃድጊ ኣይኃደጉን፥ ድኅሪ ዅሎም ድማ እታ ሰበይቲ ሞተት። 23. ሾብዓቲኦም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ፥ ብትንሣኤ፥ ምዉታት ምስ ተንሥኡ፥ ሰበይቲ መኖም ክትከውን እያ፧” እናበሉውን ሓተትዎ። 24. ኢየሱሰ ከኣ “መጽሓፍቲ ኾነ ኃይሊ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጥኩምዶ ኣይኮነን ትጋገዩ ዘሎኹም፧ 25. ካብ ምዉታት ምስ ተንሥኡስ ከምቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ መላእኽቲ ኣምላኽ እዮም እምበር፥ ኣይምርዓውን ኣየመረዓዕውን እዮም። 26. ምውታት ከም ዚትንሥኡኸ ኣብቲ ብዝዕባ ቘጥቋጥ ዚዛረብ መጽሓፍ ሙሴ፥ “ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቕን ኣምላኽ ያዕቆብን እየ” ኢሉ ኸም ዝተዛረቦዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም፧ 27. እምበኣር ንሱ ኣምላኽ ሕያዋን እዩ እምበር ኣምላኽ ምዉታት ኣይኮነን፥ ንስኻትኩም ግና ኣዚኹም ትጋገዩ ኣሎኹም” ኢሉ መለሰሎም። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ!

 

ዘመነ ማርቆስ Readings for Saturday

ሰነ 20, 2018 ብግእዝ Jun 27, 2026 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 130 : 1 - 2 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ዎ እግዚኣብሄር፣ ካብ ዓሚቚ ናባኻ ኣእዌኹ። ጐይታየ፣ ድምጸይ ስማዕ፣ ኣእዛንካ ናብ ድምጺ ምህለላይ የቕልባ።
 

ወንጌል Gospel

ማቴ 7 : 12 - 20 [English][ግእዝ][ልሙድ]

12. እምበኣር ሕግን ነብያትን እዚ እዩ እሞ ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም። 13. “በታ ጸባብ ኣፍ ደገ እተው፥ እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ኣፍ ደገ ርሕብቲ፥ መገዳውን ገፊሕ እዩ፥ እቶም ብእኣ ዚኣትዉ ድማ ብዙኃት እዮም። 14. እታ ናብ ሕይወት እትወስድ ኣፍ ደገ ግና ጸባብ እያ፥ መገዳውን ቀጢን እዩ፥ እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ውሑዳት እዮም።” 15. “ብዉሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ እዮም እሞ፥ ኣባጊዕ ተመሲሎም ካብ ዚመጹኹም ሓሰውቲ ነብያት ተጠንቀቑ። 16. ብፍሪኦም ክትፈልጥዎም ኢኹም፥ ካብ እሾዅዶ ፍረ ወይኒ ወይስ ካብ ተዀርባ በለስ ይቕንጠብ እዩ፧ 17. ከምኡ ድማ እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ፥ እቲ ሕማቕ ኦም ከኣ ሕማቕ ፍረ ይፈሪ። 18. ጽቡቕ ኦም ሕማቕ ፍረ ኺፈሪ፥ ሕማቕ ኦም ድማ ጽቡቕ ፍረ ኺፈሪ ኣይክእልን እዩ። 19. ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዅሉ ኦም ይቚረጽ፥ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ። 20. እምበርከስ ብፍሪኦም ኽትፈልጥዎም ኢኹም። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

1ይ ቆሮ 14 : 26 - 33 [English][ግእዝ][ልሙድ]

26. እምኸ ደኣ ኣኅዋተየ፥ እንታይ ይኃይሽ፧ ክትእከቡ ኸሎኹም፥ ሓደ ውህበት መዝሙር ኣለዎ፥ ሓደ ናይ ምምሃር ውህበት ኣለዎ፥ ሓደ ራእይ ኣለዎ፥ ሓደ ብቛንቋታት ናይ ምዝራብ ውህበት ኣለዎ፥ ሓደ ናይ ምትርጓም ውህበት ኣለዎ፥ ኵሉ ንምሕናጽ ይገበር። 27. ብቛንቋታት ዚዛረቡ እንተለው፥ ክልተ እንተ በዝኁ ኸኣ ሠለስተ ይዛረቡ እሞ በብተራ ይዛረቡ፥ ሓደ ድማ ይተርጒሞ። 28. ተርጓሚ እንተ ዘየልቦ ግና እቲ ብቛንቋታት ዚዛረብ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ስቕ ይበል፥ ንርእሱን ንኣምላኽን ግና ይዛረብ ደኣ። 29. ነብያት ክልተ ወይስ ሠለስተ ኾይኖም ይዛረቡ፥ እቶም ካልኦት ድማ ይመርምሩ። 30. ካብቶም ተቐሚጦም ዘለዉ ንሓደ ራእይ እንተ ተገልጸሉ ግና እቲ ቐዳማይ ስቕ ይበል። 31. ኲላቶም ምእንቲ ኺምሃሩ፥ ኲላቶምውን ምእንቲ ኺተባብዑስ፥ ኲላትኩም በብሓደ ኽትንበዩ ትኽእሉ ኢኹም። 32. እቶም መናፍስቲ ነብያት ነቶም ነብያት ይግዝእዎም እዮም። 33. ከመይ ኣምላኽ ናይ ሰላም እምበር፥ ናይ ዝርግርግ ኣምላኽ ኣይኮነን። ከምቲ ኣብ ኲለን ኣብያተ ክርስቲያን ኣመንቲ ዚግበር ዘሎ፥

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

2ይ ጴጥ 3 : 1 - 7 [English][ግእዝ][ልሙድ]

1. - 2. ኣቱም ፍቁራተይ! እዛ ሕጂ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ ኻልኣይቲ መልእኽተይ እያ። ብኽልቲአን፥ እቲ ቐደም ብቕዱሳን ነቢያት ዝተነገረ ቃልን፥ ብሓዋርያትኩም ዝረኸብኩምዎ ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ትእዛዝን እናኣዘኻኸርኩ፥ ቅኑዕ ሓሳባት ኪህልወኩም እየ ዝጽዕር ዘሎኹ።3. ኣብተን ዳኅሮት መዓልትታት ብኽፉእ ፍትወት ሥጋኦም ዚመላለሱን ዜላግጹ መላገጽትን ከም ዚመጹ፥ ቕድሚ ዅሉ እዚ ፍለጡ።4. ንሳቶም “ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧ ካብታ ኣቦታትና ዝሞትላ መዓልቲ ካብ መጀመርታ ፍጥረት ኂዙ ዅሉ ከምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎ” ኪብሉ እዮም።5. ሰማያት ካብ ጥንቲ ብቃል ኣምላኽ ከም ዝነበረ፥ ምድሪውን ካብ ማይን ብማይን ከም ዝተፈጥረት፥ ኮነ ኢሎም ይርስዕዎ።6. እታ ሽዑ ዝነበረት ዓለምውን ብማይ ተደፊና ጠፍአት።7. እቲ ሕጂ ዘሎ ሰማይትን ምድርን ግና ብቓሉ ንሓዊ ተዓቚሩ፥ እቶም ንእግዚኣብሔር ዘይፈርሁ ሰባት ተፈሪዶም ክሳዕ ዚጠፍኡ ይሕሎ ኣሎ።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 13 : 38 - 43 [English][ግእዝ][ልሙድ]

38. - 39. እምብኣርሲ ኣቱም ኣኅዋትና፥ እዚ ዚንገረኩም ዘሎ መልእኽቲ ‘ኅድገት ኃጢኣት ብኢየሱስ እዩ’ ዚብል ከም ዝኾነ ፍለጡ። እቲ ብሕጊ ሙሴ ኺጸድቕ ዘይተኻእሎ፥ ነፍስ ወከፍ ብኢየሱስ ዚኣምን ዘበለ ይጸድቕ። 40. - 41. ስለዚ እቲ ብነቢያት ‘ኣቱም መላገጽቲ ርኣዩ፥ ሓደ እኳ እንተ ነገረኩም ከቶ ዘይትኣምንዎ ግብሪ ብዘመንኩም ክገብር እየ እሞ ተገረሙን ጥፍኡን’ ዚብል ኣባኻትኩም ከይፍጸም ተጠንቀቑ።” 42. ጳውሎስን በርናባስን ካብቲ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኪወፁ ኸለው ኸኣ፥ በታ እትመጽእ ሰንበትውን ከም ብሓድሽ ነዚ ቓል እዚ ኪነግርዎም ለመንዎም። 43. እቲ ኣኼባ ምስ ተበተነ ኸኣ ካብ ኣይሁድን ካብቶም ንኣምላኽ ዚፈርሁ ናብ እምነት ኣይሁድ ዝኣተዉ ወገን ኣሕዛብን፥ ብዙኃት ንጳውሎስን ንበርናባስን ሰዓብዎም። ንሳቶም ከኣ ተዛረብዎም፤ ኣብ ጸጋ ኣምላኽ ጸኒዖም ኪነብሩ ድማ ኣተባብዕዎም።

 

ስንክሳር Synaxarium

ኤልሳዕ ነቢይ
ወአርጣል ሰማዕት
ወሚናስ ዘንስር

 

መዝሙር Psalm

መዝ 66 : 5 - 6 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ንዑ፣ ኣምላኽ ዝገበሮ ኸኣ ርአዩ፣ ግብርታቱ ንደቂ ሰብ ዜፍርህ እዩ። ንባሕሪ ንቑጽ ምድሪ ገይሩ ለወጦ፣ ንወሓዚ በእጋሮም ሰገርዎ።

 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 4 : 23 - 32 [English][ግእዝ][ልሙድ]

23. ኢየሱስ ድማ “‘ኣታ ሓኪም፥ ቅድም ንርእስኻ ፈውስ’ ዚብል ምስላ ኸም እትምስሉለይ ‘ከምቲ ኣብ ቅፍርናሆም ጌርካዮ ኺብሉ ዝሰማዕናዮ ኵሉ ኣብዚ ኣብ ገዛእ ዓድኻ ግበር’ ትብሉኒ ከም ዘሎኹም ርግጸኛ እየ” በሎም። 24. ኣስዒቡ ኸኣ “ነቢይ ኣብ ዓዱ ኸቶ ኸም ዘይከብር ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 25. ብዘመን ኤልያስ እቲ ሰማይ ሠለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርኅን ዝተዓጽወሉ፥ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ኸኣ ብርቱዕ ጥሜት ዝኾነሉ ወርኃት፥ ኣብ እስራኤል ብዙኃት መበለታት ከም ዝነበራ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 26. እንተኾነ ኤልያስ ናብታ ሓንቲ መበለት ሰበይቲ ኣብ ሰራጵታ ናይ ሲዶና እትርከብ ደኣ እምበር ካብኣተን ናብ ሓንቲ እኳ ኣይተላእከን። 27. ብዘመን ነቢይ ኤልሳዕውን ኣብ እስራኤል ብዙኃት ለምጻማት ነይሮም፥ እንተኾነ ብዘይካ ንእማን ሶርያዊ ኻብኣቶምሲ ሓደ እኳ ኣይነጽሐን” በሎም። 28. እቶም ኣብታ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ዝነበሩ ዅሎም ነዚ ምስ ሰምዑ ኣዝዮም ተቖጥዑ። 29. ሽዑ ተንሢኦም ካብ ዓዲ ናብ ወፃኢ ኣውፅእዎ። ኬጽድፍዎ ኸኣ ናብ ገምገም እታ ዓዶም ተሠሪሓትሉ ዝነበረት ኩርባ ወሰድዎ። 30. ንሱ ግና ብማእከሎም ኃሊፉ ኸደ። 31. ድኅርዚ ናብ ቅፍርናሆም ከተማ ገሊላ ወረደ፥ ብሰንበትውን ይምህሮም ነበረ። 32. ቃሉ ብሥልጣን ስለ ዝነበረ ድማ ብትምህርቱ ተገረሙ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘእግዝእትነ ማርያም(ጐሥዓ)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 78 : 68 - 69 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ነታ ዘፍቀራ ኸረን ጽዮን ግና ሐረያ። ንቤት መቕደሱ ኸም ኵርባታት፣ ከምታ ንዘለአለም ዝሰረታ ምድሪ ገይሩ፣ ሀነጻ።
 

ወንጌል Gospel

ሉቃ 7 : 1 - 10 [English][ግእዝ][ልሙድ]

1. ኢየሱስ ኵሉ ዘረባኡ ነቶም ሕዝቢ ኣስሚዑ ምስ ወድአ ናብ ቅፍርናሆም ኣተወ። 2. ኣብኡ ኸኣ ሓሚሙ ንሞት ዝቐረበ ዚፈትዎ ጊልያ ዝነበሮ ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ነበረ። 3. ብዛዕባ ኢየሱስ ምስ ሰምዐ፥ መጺኡ ንጊልያኡ ኬሕውየሉ ሽማግለታት ኣይሁድ ናብኡ ልኢኹ ለመኖ። 4. - 5. ንሳቶም ድማ ናብ ኢየሱስ መጺኦም “ንሱ ንሕዝብና ይፈቱ፥ ቤት ጸሎትና ዝሠርሓልና ኸኣ ንሱ እዩ እሞ እዚ ኽትገብረሉ ይግብኦ እዩ” ኢሎም ኣጽኒዖም ለመንዎ። 6. ኢየሱስ ከኣ ምስኣቶም ከደ፥ ናብ ቤቱ ምስ ቀረበ ድማ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኣዕሩኹ ልኢኹ ከምዚ በሎ፦ “ጐይታይ፥ ናብ ቤተይ ክትኣቱ ኣይብቑዕን እየ እሞ ኣይትድከም። 7. ስለዚ ድማ እየ ናባኻ ንምምጻእ ንርእሰይ ብቑዕ ገይረ ዘይቈጸርኩ። ግናኸ ሓንቲ ቓል ተዛረብ ጊልያይ ከኣ ኺሐዊ እዩ። 8. ኣነ ኣብ ትሕቲ ሰበ ሥልጣን ዘገልግል፥ ኣብ ትሕተይውን ጭፍራ ዘለውኒ ሰብ እየ። ነዚ ‘ኪድ’ እብሎ፥ ንሱ ኸኣ ይኸይድ፥ ነቲ ድማ ‘ንዓ’ እብሎ፥ ንሱ ኸኣ ይመጽእ፥ ንጊልያይውን ‘እዚ ግበር’ እብሎ፥ ንሱ ኸኣ ይገብር።” 9. ኢየሱስ ነዚ ምስ ሰምዐ ተገረመ፥ ናብቶም ዚስዕብዎ ዝነበሩ ግልጽ ኢሉ ኸኣ “ከምዚ ዝበለ እምነት ኣብ እስራኤል እኳ ኣይረኸብኩን፥ እብለኩም ኣሎኹ” በሎም። 10. እቶም ልኡኻት ናብ ቤት ምስ ተመልሱ ድማ ነቲ ጊልያ ሓውዩ ረኸብዎ። ‘ሓንቲ ቃል ካብ ኦሪት ወይ ነብያት ካብ ትሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ዘመነ ማርቆስ Readings for Sunday

ሰነ 21, 2018 ብግእዝ Jun 28, 2026 ብፈረንጅ

Show/Hide ናይ ንግሆ ( Matin )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 78 : 68 - 70 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ነታ ዘፍቀራ ኸረን ጽዮን ግና ሐረያ። ንቤት መቕደሱ ኸም ኵርባታት፣ ከምታ ንዘለአለም ዝሰረታ ምድሪ ገይሩ፣ ሀነጻ።
 

ወንጌል Gospel

ማቴ 21 : 42 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

42. ኢየሱስ ከኣ በሎም፦ “‘እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፥ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ፥ እዚ ካብ እግዚኣብሔር ኮነ፥ ንኣዕይንትናውን ዜደንቕ እዩ’ ዚብልዶ ኣብ መጻሕፍቲ ከቶ ኣየንበብኩምን፧ 43. “ስለዚ ድማ እታ መንግሥቲ ኣምላኽ ካባኻትኩም ከም እትውሰድ ፍሪኣ ንዜፍሪ ሕዝቢውን ከም እትወሃብ እብለኩም ኣሎኹ። 44. ኣብቲ እምኒ እቲ ዝወደቐ ይሕምሸሽ፥ እቲ እምኒ እቲ ዝወደቖ ድማ ይጭፍለቕ።” 45. ሊቃውንቲ ካህናትን ፈሪሳውያንን ምስላታቱ ምስ ሰምዑ ብዛዕባኦም ከም ዝተዛረበ ኣስተውዓሉ። 46. ኪኅዝዎ ድማ ደለዩ፥ ግናኸ ኣብቶም ሕዝቢ ከም ነቢይ ነበረ እሞ ንኣኣቶም ፈርህዎም። ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

ኤፌ 2 : 13 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

13. ሕጂ ግና፥ ንስኻትኩም እዞም ቀደም ርሑቓት ዝነበርኩም፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣቢልኩም፥ ማለት ብምፍሳስ ደሙ ቐረብኩም። 14. ንሱ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ፥ ናይ ጽልኢ ከልካሊ መንደቕ ብሥጋኡ ብምፍራስ፥ ነቶም ክልተ ሓደ ዝገበረ፥ ሰላምና እዩ። 15. ነቶም ክልተ ዝነበሩ ብእኡ ሓደ ሓድሽ ሰብ ምእንቲ ኺገብሮም፥ ንሕጊ ምስ ትእዛዛቱን ሥርዓቱን ኣፍሪሱ ሰላም ገበረ። 16. ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ብሙማት ነቲ ጽልኢ ደምሰሶ፥ ንኽልቲኦም ሓደ ብምግባር ከኣ ብመስቀሉ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቖም። 17. መጺኡ ኸኣ ንኣኻትኩም ነቶም ርሑቓት ዝነበርኩም ሰላም ኣበሠረኩም፥ ነቶም ቀረባ ዝነበሩ ኸኣ ሰላም ኣበሠሮም። 18. ከመይ ክልቴና፥ ብእኡ ኢና ብሓደ መንፈስ ናብ ኣቦ እንኣቱ። 19. - 20. እምበኣር ንስኻትኩም ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝኾነ መሠረት ነቢያትን ሓዋርያትን ዝተነደቕኩም፥ ደጊም ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን ስድራ ቤቱ ንኣምላኽን ኢኹም እምበር፥ ኣጋይሽን ወጻእተኛታትን ኣይኮንኩምን። 21. እቲ ሕንጻ ብምሉኡ ዝተቐደሰ ቤት መቕደስ ምእንቲ ኪኸውን ብጐይታ እናተኣሳሰረ ይዓቢ። 22. ንስኻትኩምውን ኣምላኽ ብመንፈሱ ኺኃድረኩም ኃቢርኩም ኣብኡ ትሕነጹ ኣሎኹም።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

1ይ ጴጥ 2 : 4 - 10 [English][ግእዝ][ልሙድ]

4. ናብቲ ብሰብ ተናዒቑ ዝተደርበየ፥ ብኣምላኽ ግና ኅሩይን ክቡርን ዝኾነ ሕያው እምኒ፥ ናብ ጐይታ ቕረቡ። 5. ንስኻትኩምውን ቅዱሳን ካህናት ኴንኩም ነቲ ሳላ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝኾነ መንፈሳዊ መሥዋዕቲ ምእንቲ ኸተቕርቡ፥ ከም ሕያዋን ኣእማን ኴንኩም፥ ኣብ መንፈሳዊ ቤት ተሓነጹ። 6. ከመይ ቅዱስ መጽሓፍ “እንሆ ኣብ ጽዮን ኅሩይን ክቡርን እምኒ መኣዝን አንብር ኣሎኹ፥ እቲ ብእኡ ዚኣምን ኸኣ ኣይኪኃፍርን እዩ” ይብል እዩ። 7. እምበኣር ንኣኻትኩም ነዞም እትኣምኑ ኽቡር እዩ። ነቶም ዘይኣምኑ ግና “እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ”። 8. ከምኡውን “እምኒ መዓንቀፍን ኣንደልሂጹ ዜውድቕ ከውሒን እዩ።” ነቲ ቃል ብዘይምእዛዞም ወደቑ፥ ነዚ ኸኣ ምዱባት ነበሩ። 9. ንስኻትኩም ግና ዕቤት ናይቲ ካብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩ ኅሩይ ወለዶ፥ ናይ ንጉሥ ካህናት፥ ቅዱስ ሕዝቢ፥ ጥሪት ኣምላኽ ዝኾነ ሕዝቢ ኢኹም። 10. ንስኻትኩም ቀደም ሕዝቢ ኣይነበርኩምን፥ ሕጂ ግና ሕዝቢ ኣምላኽ ኢኹም። ቕድም ምሕረት ኣይረኸብኩምን ነበርኩም፥ ሕጂ ግና ተማሒርኩም ኢኹም።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ ሐዋ 10 : 9 - 16 [English][ግእዝ][ልሙድ]

9. ንጽባሒቱ ንሳቶም ከይዶም ናብታ ጥቓ ኸተማ ምስ በጽሑ፥ ጲጥሮስ ብሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ኪጽሊ ናብ ናሕሲ ደየበ። 10. ሽዑ ጠመየ፥ ኪበልዕውን ደለየ፥ ምሳሕ ኬዳልዉሉ ኸለዉ ኸኣ ተመስጠ። 11. እንሆ ኸኣ ሰማይ ተኸፊቱ፥ በርባዕተ መኣዝኑ ዝተታኅዘ ዓቢይ ነጸላ ዚመስል ነገር ናብ ምድሪ ኣቢሉ ኺወርድ ረኣየ። 12. ኣብኡ ኸኣ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም ኵሎምን ኣብ ምድሪ ለመም ዚብሉን ኣዕዋፍ ሰማይን ነበሩ። 13. ሽዑ ንጴጥሮስ “ተንሥእ! ሓሪድካ ብላዕ” ዚብል ድምፂ መጾ። 14. ጴጥሮስ ግና፥ “ጐይታይ! ፍጹም ኣይከውንን እዩ፥ ርኹስን ዜፈንፍንን በሊዐ እኳ ኣይፈልጥን” በለ። 15. ካልኣይ ጊዜ ድማ “ነቲ ኣምላኽ ዘንጽሖ ንስኻ ‘ርኹስ እዩ’ ኣይትበሎ” ዚብል ድምፂ ከም ብሓድሽ መጾ። 16. እዚ ነገር እዚ ሠለስተ ሳዕ ኮነ፤ ብኡብኡ ኸኣ እቲ ነጸላ ናብ ሰማይ ተወስደ።

 

ስንክሳር Synaxarium

በዓለ እግዝእትነ ማርያም ወቅዳሴ ቤታ
ወጢሞቴዎስ
ወተዝካረ ተአምር ዘቶማስ
ወአባ ከላድያኖስ

 

መዝሙር Psalm

መዝ 46 : 4 - 5 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ወሓይዙ ንኸተማ ኣምላኽ፣ ነታ ቕድስቲ ቦታ ማሕደር እቲ ልዑል ዜሐጕስ ርባ ኣሎ። ኣምላኽ ኣብ ማእከላ ኣሎ፣ ኣይክትናወጽን እያ፣ ኪወግሕ ከሎ፣ ኣምላኽ ኪረድኣ እዩ።

 

ወንጌል Gospel

ማቴ 16 : 13 - 19 [English][ግእዝ][ልሙድ]

13. ኢየሱስ ኣብ ሃገር ቂሳርያ ናይ ፊልጶስ ምስ በጽሐ “ሰባት ንወዲ ሰብ መን እዩ ይብልዎ፧’’ ኢሉ ንደቀ መዛሙርቱ ሓተቶም። 14. ንሳቶም ድማ “ገሊኦም ‘ዮሓንስ መጥምቕ’፥ ገሊኦም ‘ኤልያስ’፥ ገሊኦም ‘ኤርምያስ’፥ ወይ ድማ ‘ሓደ ኻብ ነቢያት እዩ’ ዚብሉ ኣለዉ’’ በልዎ። 15. ንሱ ኸኣ “ንስኻትኩምከ መን ትብሉኒ” በሎም። 16. ስምዖን ጴጥሮስ ድማ “ንሳኻ ክርስቶስ ወዲ ሕያው ኣምላኽ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። 17. ኢየሱስ ድማ “ስምዖን ወዲ ዮና፥ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ደኣ እምበር ሥጋን ደምን ኣይገለጸልካን እሞ፥ ብፁዕ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። 18. “ኣነ ኸኣ እብለካ ኣሎኹ፥ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ፥ ኣብ ልዕሊ እዚ ኸውሒ እዚ ድማ ንቤተ ክርስቲያነይ ክሓንጻ እየ፥ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይኪኅይልዎን እዮም። 19. መርኆታት መንግሥተ ሰማያት ድማ ኽህበካ እየ፥ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርካዮ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ፥ ኣብ ምድሪ ዝፈታሕካዮ ኸኣ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ።” ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘእግዚእነ(ነአኩተከ)

Show/Hide ናይ ምሸት/ሰርክ ( Vesper )

መዝሙረ ዳዊት Psalm

መዝ 84 : 3 - 4 [English][ግእዝ][ልሙድ]

መሰውኢታትካ፣ ዎ ጐይታ ሰራዊት፣ ንጉሰይን ኣምላኸይን። አብ ቤትካ ዚነብሩ ብጹኣን እዮም፣ ኵሉ ጊዜ ይውድሱኻ።

 

ወንጌል Gospel

ማር 7 : 5 - 13 [English][ግእዝ][ልሙድ]

5. መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ድማ “ስለምንታይ ደቀ መዛሙርትኻ ሥርዓት ዓበይቲ ዘይሕልዉ፧ ኣእዳዎም ከይተሓጽቡ ኸኣ እንጌራ ዚበልዑ፧” ኢሎም ሓተትዎ። 6. - 7. ንሱ ኸኣ ኸምዚ በሎም፡ - “ኣቱም ግቡዛት፥ ከምቲ ጽሑፍ ‘እዚ ሕዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፥ ልቡ ግና ኻባይ ኣዝዩ ዝረሓቐ እዩ። ግናኸ ምህሮ ሥርዓት ሰብ እናመሃሩ፥ ብኸንቱ የምልኹኒ’ ዝበሎ፥ ኢሳይያስ ብዛዕባኹም ጽቡቕ ተነበየ። 8. “ትእዛዝ ኣምላኽ ኃዲግኩም ሥርዓት ሰብ ትሕልዉ ኣሎኹም [ከም ምሕጻብ መሳተያን ካልእ ኣቕሑ ገዛን ካልእ ድማ ነዚ ዚመስል ትገብሩ ኣሎኹም።] 9. ጽቡቕ እባ ደኣ! ሥርዓትኩም ምእንቲ ኽትሕልዉ ትእዛዝ ኣምላኽ ተፍርሱ ኣሎኹም። 10. ከመይ፥ ሙሴ ‘ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፥ ነቦኡ ወይ ነዲኡ ሕማቕ ቃል ዚዛረብ ብርግጽ ይሙት’ ኢሉ ኣሎ። 11. ንስኻትኩም ግና ኸምዚ ትብሉ፡ - ‘እቲ ነቦኡ ወይ ነዲኡ ‘እቲ ኻባይ ዚግብኣኩም ሓገዝ፥ ቊርባን እዩ’፥ ማለት መባእ ይኹነለይ እንተ በሎም፥ 12. ደጊም ነቦኡ ወይ ነዲኡ ገለ ነገር ኪገብረሎም ከቶ ኣይትፈቕዱሉን ኢኹም። 13. ስለዚ ድማ ነቲ ዝሠራዕኩምዎ ሥርዓት ክትብሉ ቓል ኣምላኽ ተፍርሱ ኣሎኹም፤ ከምኡውን ነዚ ዚመስል ብዙኅ ትገብሩ ኣሎኹም።” እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ!

 


ካብ 18 ሰነ ክሳብ 24 ሰነ ፡ አስተምህሮ ይበሃል።
1ይ መዝሙር ፡ ናክብር ሰንበቶ።


Show/Hide መዝሙር ( Hymn )

መዝሙር

- በ፩(1)፤ ናክብር ሰንበቶ በጽድቅ። ወኢንኅድግ ሥርዓቶ ለዘውእቱ ባሕቲቱ ሃሌ ሉያ እስመ ጻድቅ ውእቱ። ጽድቀ ይኴንን በመንግሥቱ። ሃሌ ሉያ ይገብር ነግሀ። እንተ ጸብሐት የሀበነ ምሕረቶ፥ ወንሕነኒ ርቱዐ ነአኵቶ ለእግዚአብሔር ሃሌ ሉያ አምላክነሰ አምላከ አድኅኖ። ይክል ኵሎ ወአልቦ ዘይሰአኖ ሃሌ ሉያ። ሃሌ ሃሌ ሃሌ ሉያ። ጽድቅ ቃሉ ወእሙን ነገሩ።

ሰላም

ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር ንትፈሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ በሰላም ናክብር ሰንበቶ ወኢንኅድግ ሥርዓቶ እስመ መሐሪ ውእቱ።

 

Show/Hide ናይ ቅዳሴ ( Liturgy )

መልእክተ ጳውሎስ Pauline Epistle

ሮሜ 2 : 1 - 12 [English][ግእዝ][ልሙድ]

1. እምበኣር ኣታ ንኻልእ እትፈርድ ሰብ፥ ንስኻ ዝኾንካ ኹን፥ በቲ ንኻልእ እትፈርዶ ንርእስኻ ትዅንን ኣሎኻ እሞ፥ ነቲ እትፈርዶስ ትገብሮ ስለ ዘሎኻ ምኽንያት የብልካን። 2. ንሕና ግና ኣብቶም ከምዚ ዚገብሩ ግቡእ ፍርዲ ኣምላኽ ከም ዚወርድ ንፈልጥ ኢና። 3. ኣታ ኣብ ልዕሊ እቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ እትፈርድ፥ ባዕልኻውን ከምቲ ግብሮም እትገብር ሰብ፥ ካብ ፍርዲ ኣምላኽ እትመልቝዶ ይመስለካ፧ 4. ወይ ከኣ ሃብቲ ሕያውነቱን ትዕግሥቱን ዓቕሉንዶ ትንዕቕ ኣሎኻ፧ ሕያውነት ኣምላኽ ናብ ንስሓ ኺመርሓካ ኸም ዚኽእልዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧ 5. ግናኸ ብትርኻን በቲ ምንሳሕ ዝኣበየ ልብኻን፥ በታ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ ዚወርደላ መዓልቲ ቝጥዓ፥ ንርእስኻ መቕዘፍቲ ትእክብ ኣሎኻ። 6. ከመይ እግዚኣብሔር ንነፍስ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺፈድዮ እዩ። 7. ነቶም ሠናይ እናገበሩ ግርማን ክብርን ዘይሙማትን ብትዕግሥቲ ዚምነዩ፥ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኪህቦም እዩ። 8. ነቶም ንዓመጻ እምበር ንሓቂ ዘይእዘዙ ፈተውቲ ርእሶም ግና ቝጥዓን መዓትን ኪወርዶም እዩ። 9. እከይ ንዚገብር ዘበለ ዅሉ ሰብ፥ ስቓይን ጸበባን ኪወርዶ እዩ፥ ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ ኸኣ ንግሪኻዊ። 10. ሠናይ ንዚገብር ዘበለ ዅሉ ግና ግርማን ክብርን ሰላምን ኪወሃቦ እዩ፥ ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ ኸኣ ንግሪኻዊ። 11. ከመይ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ የልቦን። 12. እቶም ብዘይ ሕጊ ሙሴ ኃጢኣትት ዝገበሩ ዘበሉ ብዘይ ሕጊ ሙሴ ኺጠፍኡ እዮም፥ እቶም ሕጊ ሙሴ ከለዎም ኃጢኣት ዝገበሩ ዘበሉ ኸኣ በቲ ሕጊ ሙሴ ኪፍረዱ እዮም።

 

ዘካልእ መልእክት Universal Epistle

3ዮሐ 1 : 1 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

1. ካብ መራሕ ቤተ ክርስትያን፥ ናብቲ ኣነ ብሓቂ ዘፍቅሮ ፍቁር ጋይዮስ። 2. ኣታ ፍቁር፥ ከምቲ መንፈሳዊ ናብራኻ ጽቡቕ ዘሎ፥ ኸምኡ ኸኣ ብዅሉ ደኃን ክትህሉን ክትጥዕን እጽልየልካ ኣሎኹ። 3. ንስኻ በታ ሓቂ ትመላለስ ከም ዘሎኻ፥ ኣኅዋት መጺኦም ስለ እታ ኣባኻ ዘላ ሓቂ ብምምስካሮም ብዙኅ ተሓጕሰ ኣሎኹ። 4. ኣነ እቶም ደቀይ ብሓቂ ዚመላለሱ ኸም ዘለዉ ካብ ምስማዕ ዚዓቢ ሓጐስ የብለይን። 5. ኣታ ፍቁረይ፥ ሽሕ እኳ ኣጋይሽ እንተኾኑ፥ እቲ ነቶም ኣኅዋት እትገብሮ ዘሎኻ እሙን ኴንካ ትገብሮ ኣሎኻ። 6. እዚኣቶም ኣብ ቅድሚ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ፍቅርኻ መስኪሮም ኣለዉ። ንኣምላኽ ከም ዚበቅዕ ጌርካ፥ ዜድልዮም ሂብካ ኣፋንዎም። 7. ንሳቶም ካብቶም ኣሕዛብ ሓንቲ እኳ ከይወሰዱ ምእንቲ ስም ክርስቶስ እዮም ዝወፁ። 8. እምብኣርከስ ከምኣቶም ምእንቲ እታ ሓቂ ዚዓዩ ክንከውን፥ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ክንቅበሎም ይግብኣና እዩ። 9. ኣነ ናብታ ቤተ ክርስቲያን ሓደ ነገር ጽሒፈ ነይረ፥ እቲ ሓለቓኦም ኪኸውን ዚደሊ ድዮጥራፊስ ግና ኣይቅበለናን እዩ። 10. ስለዚ ኣነ ምስ መጻእኩ ነቲ ንሱ ኽፉእ እናተዛረበ ዚጸርፈና ዘሎ ከዘኻኽረኩም እየ። እዚ ምእካል ኣብይዎ ኸኣ ንሱ ንባዕሉ ነቶም ኣኅዋት ኣይቅበሎምን፥ ነቶም ኪቕበልዎም ዚደልዩ ኸኣ ይኽልክሎም፥ ካብ ቤተ ክርስቲያንውን የውፅኦም ኣሎ። 11. ኣታ ፍቁረይ፥ ነቲ ሠናይ ደኣ እምበር፥ ነቲ እኩይሲ ኣይትስዓቦ። እቲ ሠናይ ዚገብር ካብ ኣምላኽ እዩ፥ እቲ ኽፉእ ዚገብር ንኣምላኽ ኣይረኣዮን። 12. ንድሜጥሮስ ኵላቶም ይምስክሩሉ ኣለዉ፥ እታ ሓቂ ባዕላ ድማ ትምስክረሉ ኣላ። ንሕናውን ንምስክረሉ ኣሎና፥ ምስክርና ሓቂ ከም ዝኾነት ድማ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። 13. ብዙኅ ዝጽሕፈልካ ነይሩኒ፥ ግናኸ ብቐለምን ብብርዕን ክጽሕፈልካ ኣይደሌኹን። 14. ቀልጢፈ ኽርእየካ ተስፋ ኣሎኒ፥ ሽዑ ኣፍ ንኣፍ ክንዘራረብ ኢና። 15. ሰላም ምሳኻ ይኹን። እቶም ፈተውትኻ ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። ነቶም ፈተውትና በብስሞም ሰላም በሎም።

 

ግብረ ሃዋርያት Acts

ግብ 14 : 20 - ፍም [English][ግእዝ][ልሙድ]

20. እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዙርያኡ ደው ምስ በሉ ኸኣ፥ ብድድ ኢሉ ናብ ከተማ ኣተወ፥ ንጽባሒቱ ድማ ምስ በርናባስ ናብ ደርቤን ከደ። 21. ጳውሎስን በርናባስን ኣብ ደርቤን እናሰበኹ ብዙኃት ደቀ መዛሙርቲ ገበሩ፥ ናብ ልስጥራንን ናብ ኢቆንዮንን ናብ ኣንጾኪያ ናብ ጲስድያን ከኣ ተመልሱ። 22. “ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ክንኣቱ ዚግብኣና ብብዙኅ ጸበባ እዩ” እናበሉ ኸኣ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣጸናንዕዎም፥ ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ኪነብሩ ኸኣ ኣተባብዕዎም። 23. ኣብ ነፍስ ወከፍ ቤተ ክርስቲያን መራሕቲ ምስ ሸሙሎም ድማ ብጾምን ጸሎትን ናብቲ ዝኣመንዎ ጐይታ ኣማዕቈብዎም። 24. ብጲስድያ ኃሊፎም ናብ ጵምፍልያ ኸዱ። 25. ኣብ ጴርጌ ነቲ ቓል ምስ ነገሩ ናብ ኣጣልያ ወረዱ። 26. ካብኣ ኸኣ ናብ ኣንጾኪያ ናይ ሶርያ ብመርከብ ተሳገሩ፤ ኣንጾኪያ ነቲ ዝፈጸምዎ ዕዮ ንጸጋ ኣምላኽ ሓደራ ዝተወፈዩላ ዓዲ እያ። 27. ናብኣ ምስ በጽሑ ምእመናን ቤተ ክርስቲያን ኣኪቦም እቲ ዅሉ ኣምላኽ ዝገበረሎምን ነሕዛብ ከኣ ኣፍ ደገ እምነት ከም ዝኸፈተሎምን፥ ኣዘንተውሎም። 28. ምስቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ሓያሎ መዓልቲ ጸንሑ።

 

መዝሙር Psalm

መዝ 86 : 15 - 17 [English][ግእዝ][ልሙድ]

ጐይታየ፣ ንስኻ ግና መሓርን ጸጋውን ዓቃልን፣ ብሳህልን ሓቅን ዓብዪ ኣምላኽ ኢኻ። ናባይ ግልጽ በል እሞ ምሐረኒ።

ወንጌል Gospel

ማቴ 22 : 1 - 14 [English][ግእዝ][ልሙድ]

1. ኢየሱስ ከም ብሓድሽ ብምስላ ኸምዚ ኢሉ ነገሮም፦ 2. “መንግሥተ ሰማያት ንወዱ መርዓ ዝገበረ ንጉሥ ትመስል። 3. ንሱ ኸኣ ነቶም ናብ መርዓ ዝተዓደሙ ኪጽውዑዎም ኣገልገልቱ ለኣኸ፥ ኪመጹ ኣይደለዩን። 4. መሊሱ ድማ ነቶም ዕዱማት ‘እንሆ መኣደይ ኣዳልየ ኣለኹ፥ ሰባብሕተይን ኣስዋረይን ሓሪደ፥ ዅሉ ተዳልዩ ኣሎ እሞ፥ ናብ መርዓይ ንዑ’ በልዎም ኢሉ ኻልኦት ኣገልገልቱ ለኣኸ። 5. እቶም ዕዱማት ግና ሸለል ኢሎም ከዱ፥ ገሊኦም ናብ ግራቶም ከዱ፥ ገሊኦም ከኣ ናብ ንግዶም ከዱ። 6. እቶም ዝተረፉ ኸኣ ነቶም ኣገልገልቲ ኂዞም ኣዋረድዎምን ቀተልዎምን። 7. እቲ ንጉሥ ተቘጢዑ፥ ወተሃደራቱ ልኢኹ፥ ነቶም ቀተልቲ ኣጥፍኦም፥ ከተማኦምውን ኣንደደ። 8. ሽዑ ንኣገልገልቱ ‘መርዓይሲ ዝተዳለወ እዩ፥ ግናኸ እቶም ዝዓደምናዮም ኣይብቑዓትን እዮም። 9. ስለዚ ናብ ቀራናታት መገዲ ኺዱ እሞ፥ ንዝረኸብኩምዎ ዘበለ ዅሉ ናብ መርዓ ጸውዑ’ በሎም። 10. እቶም ኣገልገልቲ ድማ ናብ መገዲታት ወፂኦም ንሕያዎትን ንሕሱማትን ዝረኸብዎ ዅሉ ኣከቡ፥ እቲ ኣዳራሽ መርዓ ኸኣ ብኣጋኣይሽ መልአ። 11. “እንተኾነ እቲ ንጉሥ ነቶም ተቐማጦ ኺርኢ ምስ ኣተወ ክዳን መርዓ ዘይተኸደነ ሓደ ሰብኣይ ኣብኡ ረኣየ እሞ፥ 12. ‘ዓርከይ፥ ክዳን መርዓ ኸይተኸደንካ ከመይ ኢልካ ናብዚ ኣቶኻ፧’ በሎ፥ ንሱ ግና ትም በለ። 13. ሽዑ እቲ ንጉሥ ንኣገልገልቱ ኸምዚ በሎም፦ ‘ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣሲርኩም፥ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ናብ ዘለዎ ፍጹም ጸልማት ኣውፂእኩም ደርብይዎ።’ 14. ከመይ ጹዉዓት ብዙኃት ኅሩያት ግና ውሑዳት እዮም።” ‘ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።’ በለ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ።

 

ቅዳሴ Liturgy :

ዘእግዚእነ (ነአኩተከ)